Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን፡ `ባይቶ ይኣክል ንምልኪ` ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብደረጃ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ሰሚሩ ዘቖሞ ሰፊሕ ጥርናፈ ዘለዎ `ባይቶ ይኣክል` ትማሊ ምሸት ቀዳም 21 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝተሳተፈሉ ውዕዉዕን ዕዉትን ኣጋጣሚ ብወግዒ ተጸምቢሉ።

መመረቕታ `ባይቶ ይኣክል` ዓባይ ብሪጣንያ ብዝክረ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ነቲ ጽምብል ዘዳምቑ ግጥምታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተነቢቦም፡ መኣዲ ስነጥበብ ከተማ በርሚንግሃም ድማ፡ `ሓላው መቓብር ዘርእስታ ናይ መድረኽ ድራማ ኣቕሪባ። ቀጺሉ፡ ኣወሃሃዲ ናይታ ነቲ ጽምብል ዘአንገደት ባይቶ ይኣክል

መመረቕታ `ባይቶ ይኣክል` ዓባይ ብሪጣንያ ብዝክረ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ነቲ ጽምብል ዘዳምቑ ግጥምታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተነቢቦም፡ መኣዲ ስነጥበብ ከተማ በርሚንግሃም ድማ፡ `ሓላው መቓብር ዘርእስታ ናይ መድረኽ ድራማ ኣቕሪባ።

ቀጺሉ፡ ኣወሃሃዲ ናይታ ነቲ ጽምብል ዘአንገደት ባይቶ ይኣክል ከተማ ለንደን ሓው ዳኒኤል ቦኽረ ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ለንደን ዝመጽኡ ወከልትን ኣጋይሽን ናይ እንቋዕ መጻእኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ወከልትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ 12 ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ባይቶ ይኣክል ዓባይ ብሪጣንያ ብቐዳምነት ከተኩረሎም ዝግባእ ዕማማት እንታይ ክኾኑ ከምዘለዎም ድሕሪ ምዝታዮም ከኣ ጽማቚ ውጽኢት ዘተኦም በብሓደ ንህዝቢ ቀሪቡ።

ስዒቡ መልእክቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን፡ `ባይቶ ይኣክል ንምልኪ` ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብሓ ዳኒኤል ወልደንትንሳኤ ተመሓላሊፉ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘተ ኣብ መድረኽ ሕቶን መልስን ዘጠቓለለ ክፉት ህዝባዊ ክትዕን ዘተን ምስ ተኻየደ ድማ፡ ኤርትራውያን ኣዴታት ዓባይ ብሪጣንያ ብኣባል ባይቶ ጽገሃና ዮውሃንስ እናተመርሓ ብደርፍን ጓይላን ነቲ ጽምብል ተወሳኺ ድምቀት ሂበናኦ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይቲ ስሩዕ መደባት፡ እቲ ካብ ከተማታት ለንደን፡ በርሚንግሃም፡ ኖቲንግሃም፡ ሊድስ፡ ኮቨንትሪ፡ ማንቸስተር፡ ሊቨልፑል፡ ካርዲፍ፡ ኒውፖርት፡ ግላስጎ፡ ሸፊልድ፡ ሌስተር ብዝተመርጹ ወከልቲ ዝቖመ `ባይቶ ይኣክል` ወከልቲ ናይዘን ከተማታትን ዕዱም ህዝብን ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ተመሪቑ፡ ማሕላ ብምፍጻም ቅሩብነቱ ንስራሕ ብወግዒ ኣረጋጊጹ።

ብተኸታተሊ ንስምረትን ሓድነትን ዝጽውዑ ግጥምታት ምንባብ ድሕሪ ምቕጻሎም` ውን ብኸተማ ለንደን ዝተዳለወት ንጉድለት ንቕሓት ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምንጽብራቕ፡ ናብቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክጽንበሩ እተዘኻኽር ሓጻር ድራማ ኣብ መድረኽ ቀሪባ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣካየድቲ ጽምብል ባይቶ ይኣክል ዓባይ ብሪጣንያ ቴለቭዥን ኣሰና ንዝገበረቶ ቀጻሊ ኣበርክቶ ንምምስጋን ብኣዴታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዳለወ ዕንባባ ንመስራትን ኣካያድን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ድሕሪ ምብርካት፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ መጺኦም ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዝተሳተፉ ማዕከናት ህዝባዊ መራኸቢታት ፋኑስን መስትያት ቤትናን `ውን ኣመስጊኖም።

እቲ ስሩዕ መደባት ምስ ተዛዘመ፡ እቶም ብደረጃ ሃገር ዓቢ ተመላጥነትን ህዝቡብነትን ዘለዎም ውሩያት ስነጥበበኛታት፡ ቆርጫጭ፡ ዓንዲት፡ ሃኒ፡ ዳዊትን በቶም ውፉያት ሙዘቀኛታት ተሰንዮም፡ ነቲ ብናይ ዓወት መንፈስ ማሚቑ ዝነበረ ዕዱም ዝመሰጠ ናይ ፍናንን ለውጥን ዜማታት ብምቅራብ ብድሙቕ ጓይላ ኣዘናጊዖም።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን፡ `ባይቶ ይኣክል ንምልኪ` ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብወከልቲ ናይዘን ዝተጠቕሳ 12 ከተማታት ምሉእ ብምሉእ ቆይሙ ኳ እንተሎ፡ ዕብየተን ብዘየገድስ ኣብ ቀጻሊ ወከልተን ልኢኸን ኣብቲ ባይቶ ክጽንበራ ንዝደልያ ዝተረፋ ከተማታት እንተልየን እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ድማ ኣወሃሃድቲ ባይቶ ይኣክል ኣገንዚቦም።

እቲ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ናብ ሎሚ ዘውግሐ ለይቲ ዝቐጸለ ዕዉት መመረቕታ ባይቶ ይኣክል ዓባይ ብሪጣንያ፡ መኸተ ኤርትራውያን ንምልካዊ ስርዓትን ድሌቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡  ካብ ባህግን ድሌትን ሓሊፉ ናብ ውዱብ፡ ጭቡጥ ህዝባዊ ምቅስቓስ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ዘበስር እዩ።

እቲ መንኮርኮር ኣዋዲዱ ንስራሕ ተዋዲዱ ዘሎ `ባይቶ ይኣክል` ነቲ ዛጊት ረኺቡዎ ዘሎ ህዝባዊ ተቐባልነት መሊሱ ዘንህር  ህዝባዊ ደገፍ እንተተደሪቡዎ ኣብነታዊ ዓወታት ካብ ምምዝጋብ ዝዓግቶ ከምዘየልቦ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ይርከብ ምህላዉ ንገዛእ ርእሱ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ብሕልፊ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተጨፍሊቑን ተዓፊኑን ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዘስንቕ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde September 23, 2019

    ‘I see the stars and I hear the rolling thunder…’ as the song goes,brothers and sisters,you look good together,the sight fits you perfectly,spread your wings as wide as you can and bring every one in,the long migratory flight back to the nest has just begun,don’t let any intruders throw you off your path. Bon voyage!!

  • Hagherawi September 23, 2019

    እዚ ሒጂ ተጀሚሩ ዘሎ ዓብይ ሃገራዊ ዕማም እቲ ቅድሚ 28 ዓመት ክግበር ዝነቦሮ እዩ ። ህወት ኣሻሓት ሰባት ከይሃለቀ ፣ ንዎሎዶታት ዝኾውን ንብረት ከይበረሰ ፣ ክብረት ሃገርና ከይተደፍረ ። ግን ብሰንኪ ሕመቅና ኣይካኣልናዮን ።
    እነሆ ሎሚ ኩሉ ሰብ ኸሲሩ ፣ መንእሰይ ባህሪሩ ሩሑቅ ሰፊሩ ፣ ህዝቢ ብጓሂ ልቡ ሓሪሩ ። ኩሉ ተረዲኡዎ ከቢድ ሙኻኑ ነረሩ ።
    ኣንቱን ሰባት ከይዓረበና ንሕበር።
    ሓድነት ሓይሊ እዩ ።
    ሓድነት ፍናን እዩ።
    ዝሰመረ ህዝቢ ዓጋቲ የቡሉን።
    ናይ ህግደፍ መግዛእቲ ንኸብቅዕ ፣ ንሕበር ፣ ንታዓጠቅ ፣ ክብሪ ክነልብሳ ነዛ ሃገር ፣ ሓራ ንኽትነብር ንዘልኣለም።

    • k.tewolde September 26, 2019

      ‘እነሆ ሎሚ ኩሉ ሰብ ኸሲሩ ፣ መንእሰይ ባህሪሩ ሩሑቅ ሰፊሩ ፣ ህዝቢ ብጓሂ ልቡ ሓሪሩ ። ኩሉ ተረዲኡዎ ከቢድ ሙኻኑ ነረሩ ።’…Hagherawi you speak to us intimately like a wife whispers into the ears of her husband in that solace of the night,nobody can get you going better.You have a profound way of using our sweet language to portray the reality and evoke a kaleidoscope of emotions in us. You are a natural gift to this medium,keep it coming. You are a true Hagherawi!!!!

  • Aba thimmer September 23, 2019

    Selahta werar iseyas, seams doomed for good. ” iza hager seb alewa ” indeed, the slogan “”never kneel down “”,taking its course too.

  • ተስፋ September 27, 2019

    እዚ ሃገራዊ ዕማም ብልክዕ መዓዝ ክጅምር ነርዎ ንዝብል ገዲፍና ሕጂ ብሓባር ንጀምር ዝሓለፈ ሓለፈ ፀሓፍ ዝተረፈ እዩ ስለዚ ስለዝጀመርክምዎ ክቡራት ሃገራውያን ኣብ ጎንኹም ኣለና። ግን እቲ ንህዝቢ ዘባህርሮ ዘሎ ሓቂ ሕዝ ግድፍ እዩ ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ እንተሒዝካ ኣይትስደድ ሕጂ እውን ኣብ ጎንኹም ሓውኹም ሰብ ዝሰኣነ።

  • Hdriswuehalalmariet September 30, 2019

    There is no doubt the Eritrean diaspora movement against the impostor isaias afewrk and his cabals is gathering strength and momentum, of which the successful Y’akl in Great Britain is a testament. However,I am extremely concerned because the movement does not seem to have learned from the bitter experience of the Mighty EPLFs,who , after winning the glorious victory over ethiopia and its soveit surrogates and after tremendous herous welcome by their people, ended up either being killed or in prison for standing up for liberty, or ended up as street tramps/beggars roaming the streets aimlessly, or fled to foreign country to save their lives etc. etc.

    Holding leadership accountable and transparent to the members is a fundamental organizational principle, which The Mighty EPLFs were systematically duped to forgo by unscrupulous impostor isaias afewerk under the false guise of security and unity.. Gradually, the EPLFs turned into mere robots that perform work without question and the impostor became their object of worship , free to kill and incarcerate tegedelty with impunity; promoted whom he liked and demoted whom he disliked.

    We must not repeat the historical blunder of the past that has brought back to square one. Remember the diction: He who forgets the past is doomed to relive lt. To save ourselves from another shameful debacle, first and foremost, we must acknowledge and declare loud and clear that isaias afewrk and his cabals are impostors bent to wipe out our country and people, of which the annexation of Badme to tigrai by the impostor should serve us a lesson not to be victimized again by sheep skin wearing wolves born and raised in our midst.. Secondly, we must lay down stringent criteria that require would be contender for leadership position to provide concrete proof of his/her genuine Eritrawnet, Third, candidates must be chosen not with a view to enroll from every sectors of Eritrean society but on the bases of quality with respect the position requires. For example, the entire leadership can be compraised of people of Muslim background if their quality meets the desired criteria. We must not be so uptight with quota. We must overcome mistrust against each other. Eritrawnet must transcend over narraw sectarianism. United we stand, divided we fall!!!

  • Dawit October 1, 2019

    Assena what news about Paulos beatay sorry.

    Dawit

POST A COMMENT