Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን፡

ህዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ስሩዕ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ናይዚ ዓመትዚ ናይ መወዳእታ ስሩዕ ሕዝባዊ ኣኬባኣ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ለንደን ሰንበት 02

ህዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን፡

ስሩዕ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን፡

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ናይዚ ዓመትዚ ናይ መወዳእታ ስሩዕ ሕዝባዊ ኣኬባኣ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ለንደን ሰንበት 02 ታሕሳስ 2018 ኣካይዳ።

ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ሽማግለታት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን መንእሰያትን ዝተረኽብሉ ኣኼባ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርና ኩነታት ሰላምን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ስፍሕ ዝበለ መግለጽን ሓበሬታን ቀሪቡ።

ፈለማ ካብ ኣባል መሪሕነት ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣቶ ያቆብ ገብረትንሳኤ እመሰራርታን ዕላማታት እቲ ኮሚቴን፡ ዛጊት እተሰላስሎ ዘላ ንጥፈታትን ሓፈሻዊ መግለጺ ቀሪቡ። ኣቶ ያቆብ ኣብ መግለጺኡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብቲ ነብስሄር ዶክተር ተወልደ ቫካሮ (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ከተማ ሎንዶን ዝገበሩዎ ሕዝባዊ እኼባ ብሕዝቢ ተመሪጹ ዝተመሰረተት ከምዝኾነት።  ኣብዚ እዋን ቀንዲ እተካይዶ ዘላ ንጥፈታት ስማ ከምዝሕብሮ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ኣብ ህሉው ጉዳይ ኩነታት ሃገሩ ዘካይዶ ቃልሲ ንምውህሃድን ህዝብና ኣብ ምትእኽኻብን ሓድነቱ ኣደልዲሉ ንጥፈታቱ ከሰላስል ትሰርሕ ከምዘላ ኣብሪሁ። ኣቶ ያቆብ ብተወሳኺ ሓድነት ዝቐረበቶም መደባት ዕዮ ብሓፈሻ ኣብዞም ዝስዕቡ 7 ነጥብታት ዝምርኮስ ከምዝኾነ ገሊጹ።

  • ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስኒትን ፍቕርን ኮስኪሳ፡ ሕጋውን ግሉጽን ኣሰራርሓ ብምትእትታውን ብምኽታልን ኣብ ሕብረተሰብና ዕርቕን ምትእምማንን ንምፍጣር።
  • ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኩላትና ኤርትራውያን ወኪላ፡ ምስ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣካላት ብምርኻብ፡ ንዲፕሎማሰኛታትን፡ ሰበ ስልጣንን ኩነታት ሃገርና ብጥርኑፍ መንገዲ ከተቕርብን ከተረድእን።
  • ፖለቲካዊ ንጥፈታት ሃገርና ንኩላትና ኤርትራውያን ዝጠምር ምእንቲ ክኸውን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኣካላት ብምርኻብ፡ ሓቢሮም ሓደ ዓለምለኻዊ ኤርትራዊ ምትእኽኻብ ክፍጠር ድፍኢት ክትገብር።
  • ክእለት ዘለዎም ደቂ ሃገር ኮነ፡ ካልኦት ምስ ጉዳይ ሃገርና ዝደናገጹ ኣካላት ኣወሃሂዳ፡ መሰል ኤርትራውያን ብዝለዓለ ደረጃ ንኽኽበር ክትጽዕር።
  • ኤርትራውያን ኣብ እንርከቦ ከባቢታት በዚ ሕዝባዊ እካል ዝምእከል ማሕበረሰብ ክህልወና ምጽዓር ነቶም እቐዲሞም ዝቖሙ ድማ ብምሕያል ሓድነትናን ምድልዳልን ጸገማትና ንምቅላልን።
  • ምሁራትን ምኩራትን ኣኪባ፡ ንኩነታት ኤርትራ ብዑምቀት ዘረድእ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መወከሲ ዝኸውን ሰነድ ክተቕርብ። ብተወሳኺ እቶም ናይ ምሁራት፣ ነታ ኮሚቴ ከም ኣማኸርቲ ኮይኖም ክተሓጋገዙዋ።
  • ነቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዓብዪ በደል ዘውርዱ ዘለዎ ደቂ ሃገር በደላቶም እጻርዩ መርትዖታት ዝስንድን ኣብ ካብ ገበናቶም ክቑጠቡ እተጠንቅቕ እካል ምቛም።

ይኹን እምበር ንሱ ኣብዚ እዋን እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ብምትሕሓዝ፡ እታ ማሕበር ዝያዳ ኣተኲራ እትነጥፈሎም ዘላ ነጥብታት፡ ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ሓቢርካ ንምስራሕ ምውህሃድ፡ ህዝባዊ ምንቕቓሕ፡ ንመንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ምርዳእ፡ ኣብ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጸገም ይርከብ ከምዘሎን ሃገርና ድማ ኣብ ኣፈርክቡ ከምዘላን ብምጥቃስ፡ ነቲ ከቢድ ጸገም ሓባራዊ ሓድነታዊ ቃልሲ ብምክያድ ሓበራዊ ፍታሕ ከነናዲየሉ ከምዘለና ኣገንዚቡ።

ካብዚ ብምቕጻል ካብ መሪሕነት ኣባላት ሓድነት ዝኾነ ኣቶ ነቢል ኢብራሂም ኣብ ኩነታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብሪሁ። ኣቶ ነቢል ኣብ መብርሂኡ፡ እቲ ኩነታት ሰላም ብሓፈሻኡ ዝድለ እኳ እንተኾነ መስርሕ ኣካይዳ ሰላም ኣብ ባይታ፡ ስርዓት ህግደፍ ዛጊት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ወገናት ኣብ ምፍታሕ፡ ቅዋማዊ ሕጊ ኣብ ምትግባር ዝኾነ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን፡ ማሕበራውን ኩነታት ሃገርና ኣብ ባይታ ዋላሓንቲ ለውጢ ከምዘየርኣየ፡ እኳ ድኣ፡ እናንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ገሊጹ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ምስ ተኸፍተ ህዝብና ካብቲ ብሕቡእ ዓድታቱ ገዲፉ ዝስደደሉ ዝነበረ ኩነታት ተሪፉ ብፍንው ዓድታቱ ገዲፉ ይሃድም፡ ብሕጋዊ መንገዲ ተጓሕጉሑ ይወጽእ ብምህላዉን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዓድታት ኤርትራ እናባደመ ይመጽእ ከምዘሎን ብምስትንታን ኣብሪሁ። ንሱ ኣብ መብሪሂኡ ነዘን ዝስዕባ እዋናዊ ኣብ ባይታ ዝዝረበለን ዘሎ ነጥብታት ትንታኔ ኣቕሪቡ።

  • ህዝቢ ብብዝሒ ካብ ሃገር ይጠፍእ ኣሎ፡ ንዕኡ ንምቅልጣፍ ድማ፡ ዶብ ድሕሪ ምኽፋቱ ድሕሪ 10 መዓልታት ዶብ ክዕጾ እዩ ተባሂሉ፡ ህዝቢ ተጙሕጉሑ ብብዝሒ ካብ ሃገሩ ከምዝወጽእ ኮይኑ።
  • ካብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ክዝርጋሕ ተውጢኑ ዘሎ መስመር ቱቦ። ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያን ኢማራትን ምፍርራመን፡ ወኪል ኤርትራ ዘይምንባሩ።
  • እቲ ንወደብ ዓሰብ ንምምሕያሽ መጽናዕቲ ክገብር ዝተላእከ ናይ ኪሊላታት ጉጅለ ብምስጢር ኤርትራውያን ከይተሓወስዎ ከምዝተገብረ ካብ እሙናት ምንጭታት ዝተረኽበ ሕበሬታ የረድእ።
  • ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተዳኺሙ፡ ዘይተረጋገጸ ወረ ከምዝሕብሮ ን 3 ኣዋርሕ፡ ዕረፍቲ ተላኢኹ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዕሊ ቆይሙ።
  • ነጋዶ ኤርትራ ከቢድ ግብሪ ክኸፍሉ ተገዲዶም በብዕለቱ ትካላቶም እንዳዓጸዉ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ነጋዶ ከም ድላዮም ኣብ ድላዮም ይሽቕጡ ኣሎዉ። እዚ ተውሳኺ ጸቕጢ ኮይንዎም እንተጠርዑ ድማ ቀደም ዝበላዕኩሞ ይኣኽለኩም ተባሂሎም፡ ሃገር ገዲፎም ንስደት ክግዕዙ ይግደዱ ኣሎወ።
  • ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ፡ ካብ ህግደፍ ዝተዋህበ መልእክትታት ፡- ሙቕሉል መራሒና፡ ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ዓሰብ ምስ ኢሱ ክንማቐላ ኢና፡ 3 ፕረሲደንትታት ዘይኮነ ሓደ ፕረሲደንት ጥራይ ኢዩ ዝኸውን ዝብሉን ካልኦትን ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ ነጥብታት።
  • እዚ ኩሉ ደሚርና እንተሪኢናዮ ምሉእ ስእሊ ይህበና እዩ፣ ንሱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒትካ ዋናታት ዘይብላ ሃገር ድልየቶም ክገብርዋ ይመስል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ተጠጂኢሉ ዘሎ ንዑኡ ኣጽኒትካ ሃገሩ ምውናን ብኸመይ ክምከት ከምዘሎዎ፡ ዘለዎ ስኽፍታታት ብምስትንታን ኣብሪሁ።

ካብዚ ስዒቡ ብኣቶ ዳንኤል ወልደትንሳኤ ዝተኣልየ ዝያዳ ኣብዚ እዋን ካብ ሕብረተሰብና ጎዲሉ ዘሎ እምነት ስኒትን ፍቕርን ብዝምልከት፡ እምነት እንታይ ማለት ኢዩ? እምነት ብከመይ ይግለጽን ይረጋገጽን? ምትእምማን ክጎድል ዝኽኣለሉ ምኽንያት ስለምንታይ ኢዩ? እምነት ከ ብከመይ ይረጋገጽ? ኣብ ዝብል ኣርእቲ ብጉጅለን ጥርኑፍን ሓጺር ዘተን ልዝብን ተኻይዱ። ኣብዚ ሓጺር ዘተን ልዝብን ኣኼበኛታት ብውልቅን ብጉጅለን ዘቕረብዎ መግለጽታትን ትንታኔታትን ተዘትይሉ።

ብመሰረት ዛዕባ ናይዚ ዕለት’ዚ ስዒቡ ዝቀጸለ ኣርእቲ ንምዕዛዝ ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ኣብ ቃልሲ ሓድነት ኤርትራ ብ ዝምልከት ብ ወይዘሮ ሃና ዮውሃንስ ብግጥምን ዜማን ዝተሰነየ ሕጽር ዝበለ ጸብጻብ ኣቕሪባ። ንሳ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ተራ ኣዴታት ብሓፈሻ፡ ተራ ጓል ኣንስተይቲ ከም ሓፍቲ ከም ኣደን ኣብ ምትእኽኻብን ጥርናፌ ስድራቤታትን ኣብ ምጥንኻር ሓድነት ሃገርን ዘለዋ ተራ ኣዝዩ ልዑልን ሃናጽን ከምዝኾነ፡ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገዳስን ክድፋኣሉ ዝግብኦ ጉዳይ ምኻኑ ኣተሓሳሲባ።  ወይዘሮ ሃና ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘቕረበቶ ለበዋ ኣብ ዓለምና ዝተኻየዱ ቃልስታት ብፍላይ ድማ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ልዑል ተሳታፍነትን ተወፋይነትን ደቀንስትዮ ኣብዚ እዋን ተጠናኺሩ ክቕጽል ከምዝግብኦ ለበዋኣ ኣመሓላሊፋ።

ኣብ መወዳእታ ካብ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ንጥርናፌን ምድልዳልን ናይቲ ኮሚቴ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ብምቕራብ፡ ዝካየድ ቃልሲ ዝያዳ ብምድልዳል ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና ርኡይ ለውጢ ንምምጻእ ኩሉ በብዓቅሙ ክሳተፈሉ ከምዝግባእ ለበዋ ብምትሕልላፍ፡ ንመጻኢ ብዝያዳ ቃልሲ ሓድነትና ብምውህሃድ ተሳታፍነት ብምዕዛዝን ክጸቕጥሉ ከምዝኾኑ ብምዝኽኻር፡ ከምኡ ድማ እቲ ተጋባኣይ ከም ኣምባሳደር ሓድነት ኮይኑ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ እዚ ህሉው ኩነታትን ብዘይ ኣፍልጥኡ ዝጥጃኣሉ ዘሎ ሽርሒታት ከረድእን ንምፍሻሉ ኩሉ በቢ መንገዱ ክሰርሕን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ብመንገዱ ክተረድእ ሓላፍነት ብምስካም ኣኼባ ተደምዲሙ።

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT