Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፋዊያን ሕድሪ ስዉኣት ጠሊምኩም ንውልቀ-መላኺ ምግልጋል ክሳብ መዓስ?

 ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዘለኻ ህዝቢ ኤርትራ። ነጻነትና ክንጓናጸፍ ዝኸኣልና ከምቲ እምነትኩምን እትብልዎን ብውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ዘይኮነ፣ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ዓበይቲ፣መንእሰያት፣ሰብኣይ ሰበይቲ፣ሃብታም ድኻ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ዝተሰለፈሉ ሰውራ ምንባሩ ክትርድእዎ ይግባእ። እቲ መሃንድስ ናይ ክፍኣትን ተንኮልን

 ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዘለኻ ህዝቢ ኤርትራ።

ነጻነትና ክንጓናጸፍ ዝኸኣልና ከምቲ እምነትኩምን እትብልዎን ብውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ዘይኮነ፣ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ዓበይቲ፣መንእሰያት፣ሰብኣይ ሰበይቲ፣ሃብታም ድኻ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ዝተሰለፈሉ ሰውራ ምንባሩ ክትርድእዎ ይግባእ።

እቲ መሃንድስ ናይ ክፍኣትን ተንኮልን ዝኾነ ጠንቂ ናይዚ ን27 ዓመታት ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጻወት ዘሎ ውልቀ-መላኺ፣ንኹሉ ተሳትፎ ህዝቢ ጎደፋ ከዲኑ፣ኣብ ስልጣኑ ንመዋእሉ ከጽንሖ ዘኽእሉ ስትራተጂ(ሜላ) ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝብና ንምሓዝ ብዝረቐቐ ሜላኡ፣ብባዕሉ እትዝወር ንውድብኩም  ህግደፍ መስሪቱ።ኣብ ምምስራት ውድብ(ህግደፍ) ውሑዳት ኣባላት ናይ ህግሓኤ ነበር ማለት እቶም ጌና እንተ ብፍርሒ እንተ ብሸርሒ እንተ ብግላዊ ጠቕሚ ኣፍልጦ እከይ ተግባራትን ኣረሜናዊ ባህርን ናይ            ኣቶ ኢሳይያስ ተታሊሎም ተኻፈልቲ ከም ዝነበሩን ከም ዘለዉን ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።

ህግደፍ ንስም’ኳ ውድብ ይበሃል እምበር ብውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን  ሓጎስ ገብረሕይወትን(ኪሻ) እትውነን ናይ ብሕቲ ትካል ኢያ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን።ህግደፍ ካብ ትምስረት ጀሚራ ብኸመይ ነተን ኩለን ምንጪ ናይ እቶታት ዝኾና ትካላትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ብምግባር፣ ነቶም ክዋዳደሩ ዝኽእሉ ሃብታማት ኤርትራዊያን ኣሕቂቓ ንኹሉ ኣታዊታት ገቢታ፣ህዝቢ ኤርትራ ስሙዕ ሬሳ ኮይኑ ኣብ ሃገሩ ተዓኒዱ ከም ዝነብር ጌራቶ።ናይ ቀዳማይ ደረጃ ስጉምታ ሓንቲ ገባቲት “ባዶ ትሻዓተ ወይ ቀይሕ ባሕሪ” እትበሃል ትካል ብነጻ ግብሪ ካብ ደገ ኣቑሑት ብምምጻእ፣ነተን ግብሪ ከፊለን ካብ ደገ ናብ ሃገር ዘእትዋ ናእሽቱ ትካላት ከም ዘይንቀሳቐሳ ገይራተን።ብምቕጻል ነተን ኣብ ኣስመራ ብግዜ ባዕዳዊ ገዛኢ ዝነበራ ዝኣረጋ ፋብሪካታት ናብ ሃብታማት ምስ ተሸጣ፣ዳርጋ ዝበሑ ካብቶም ገዛእቲ ካብ ወጻኢ ማሺነሪታት ኣምጺኦም ኣሓዲሶመን። ” ክትበልዓ ዝደለኻ ኣብጉምባሕ ዛግራ ትብላ” ከም ዝበሃል ኣቶ ኢሳይያስ ከምቲ ዝድለ ኣየፍረኹምን፣ ከተካይዱወን ኣይትኽእሉን ኢኹም ብማለት እቲ ዓመጽን ራስያን ዝኣመሉ ውልቀ-መላኺ ንዝበዝሓ ሃጊሩ ወኒኑወን።ህግደፍ ሃብቲ ወይ ኩሉ እቶት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ገቢቱ፣ንኹለን ሚኒስትሪታት ብዘይ ባጀት ኣስከሬን ኣትሪፉወን ነይሩን ኣሎን። ኣብ ዝሓለፈ ቃለ መሕትት ናይ ኢሳይያስ ከም ዝሰማዕኩዎ፣ኣብ ዝሓለፉ 18 ዓመታት እቲ ስማዊ መንግስቲ ናይ ኤርትራ  ካብ ህግደፍ ብልቓሕ ይካየድ ከም ዝነበረ፣ብድሕሪ ሕጂ ዝኽፈል ሚልዮናት ዕዳ’ውን ከም ዘለዎ ገሊጹ።እምበኣር ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ነዊሕ ዕድመ ኣብ ስልጣኑ ምጽናሕ ዝጠመተ ምምስራት ህግደፍ፣ ወናኒ ርእሰማል ንምዃን ጥራሕ ዘይኮነ ወናኒ ናይቶም ኣባላት ዝበሃሉ ኣብ ውሽጢ’ታ ውድብ ዘለዉ ኣገልገልቲ’ውን ኢዩ።እዞም ኣብ ውሽጢ’ታ ውድብ ተጠርኒፎም ኣገልገልቲ ናይ ውልቀመላኺ ኮይኖም ዘለዉ ዝበዝሑ ዘይተማህሩ፣ገለ’ውን መሃይምነት ዘየጥፍኡ፣ከም ሓንቲ ሕንጻይ(ፓፓጋሎ) ዝበልካዮ ዝደግሙ ኣብ ሬሳ ብዝተፋላለዩ ሓደጋታት ብሰንኪ  ምሕደራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሞቱ ኤርትራዊያን ፣እቶም ብናይ ሕሊና ጥፈሻ ተዓብሊሎም ዕድመ ጊላዊ መግዛእቲ ዘናውሑ ዘለዉ ህግደፋዊያን ሓጎሶም ኣብ ምግላጽን ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ግዜኦም ብከንቱ የባኽኑ ኣለዉ። ናብቶም መሃይማን ዝንዛሕ ሓቅነት ዘይብሉ ወረ ኣፈ-ጉባኤ ናይ ውልቐ መላኺ  ኮይኖም ጽሑፋት ዘርቅቑ ከም በዓል የማነ ማንኪ፣የማነ ገ/መስቀል ናብ ገለ ግዙኣት ኣምባሳዶራት ከም በዓል ተስፋሚካኤል ገራህቱን ካልኦት’ውን ምሁራት ከለዉ ዝደንቆሩን ከም ዝፍኖ ይግበር።ገለ ኣባላት ናይቲ ውድብ’ውን እዚ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን መሪር ግፍዓዊ  መግዛእትን ኣብ ግምት ከየእተዉ፣ብኣውራጃዊ ዝንባሌ ተላዕጢጦም፣ነዚ ዘሎ ባርባራዊ ኣገዛዝኣ ኢሳይያስ ስልጣንና ኢዩ፣ ብማለት  ደቂ’ቲ ኣውራጃ ምሁራት ከይተረፉ ብምሉእ ልቦም ዝድግፍዎ ኣባላት ህግደፍ ውሑዳት ኣይኮኑን። እሞ ዶክቶር እናተባሃልካ ኣብ ጎድኒ’ዚ  ስርዓት’ዚ ምስላፍ ድኣ እንታይ ዓይነት ዶክቶሬት ኢዩ። ንምርድኡ ኣዚዮም ድሒሮም ብምህላዎም እምበር ክርድኡ እንተ ዝደልዩ እታ ዓዲ ጸሎት ኢያ ናትና እምበር ተምቤናይ ወዲ ኣቶ ምራጭ ንዓና እንታይና ኣይኮነን።                                                                                                                                                            ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን መንእሰያት ደቀይን ኤርትራዊያን፣ እምበኣር ኣባላት ህግደፍ እቲ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ስቅያት ዘንብር ዘሎ “ጠንቂ ኢሳይያስ ምዃኑ ጎሲኹም፣ብበዓል ማንኪ ብዝወሃበኩም መምርሒ ኣብ ሃውተታ  ኢኹም ትነብሩ ዘለኹም” ነዚ ድማ ንስኻትኩም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ትታለሉ ዘለኹም፣ እቲ ጠንቂ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ኣነጺሮርኹም ስለ ዘይፈልጡን ክትፈልጡ ስለ ዘይትደልዩን’ዩ።እምበኣር ካብቲ ኢሳይያስ ጠንቂ ብምዃን ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ኣባላት ህግደፍ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ጠንቂ ብምዃን ስጉምቲ ዝወሰደ ውልቀመላኺ ዘተኩሩ፣ኣብቲ ኢሳይያስ ነብሱ ንምክልኻል ብመደብ ህዝቢ ንምድንጋር ዝነዝሖ ወረታት ደገፍቲ ኮይኖም ነቲ ብበዓል ማንኪ ዝፍኖ ወረታት ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎም  ኣብ ምንዛሕ ወረ ተዋፊሮም ይርከቡ ኣለዉ።                                                                                                                          ገለ ካብቲ ናይ ኢሳይያስ ጨካን ስጉምትን ደገፍ ጭፍራ ህግደፋዊያንን ወስ ክብለኩም።

  1. ነቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ፣ መሰል ናይ ህዝቢ ይተሓሎ፣ምርጫ ይገበር፣ልዕልና ሕጊ ይከበር፣ቅዋም ይተግበር ወዘተ ኢሎም ዲሞክራሲያዊ ሕቶታት ዝሓተቱ፣  ኣቶ ኢሳይያስ ናብቶም ኣገልገልቱ  ኣባላት ህግደፍ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ናይ ሲ-ኣይ-ኤ ልኡኻት ኮይኖም ሃገር ክበታትኑን  ክሸጡን ስለ ዝተረኽቡ ሃገር ንምድሓን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኢሉ ብሰሚናራት ዝተደገፈ መልእኽቱ ምስ ኣመሓላለፈ፣ ነዚ ብኢሳይያስ ዝተወስደ ጨካን ስጉምቲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓምኡ ከርእየሉ ዝግበኦ’ኳ እንተነበረ፣ህዝቢ ብውሽጡ ሕርር ኢሉ ከጽቅጥ ከሎ፣ ኣባላት ህግደፍ ግን ነቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ተቐቢሎም ወዲ ኣፎም ሃገር ኣድሒኑዋ ኢሎም’ዮም ናብ ናይ ሓሶት ዘመተኦም ተዋፊሮም።
  2. ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያናት ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ንውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ኢድካ ኣይተእቱ፣ንሃይማኖታዊ ጉዳያት ማለት ንእምነት ዝምልከት ብመንፈሳዊ ጉዳያት ኣነ ጓሳ ህዝበይ ኢየ፣ስለ ዝበልዎ ኣቶ ኢሳይያስ ዘይኣማኒ ስለ ዝኾነ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኮነ ኢሉ ከውድቕ፣ነቶም ንዓለም መኒኖም መስቀል ኣብ ቅድመይ ዓለም ኣብ ድሕረይ ብማለት ዕድሚኦም ምሉእ ኣብ ገዳም ብጾምን ጸሎትን ዘሕለፉ ሽማግለ ኣቦ ናይ ሲ-ኣይ-ኤ ልኡኽ ኮይኖም ጸኒሖም ብማለት ን12 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ የሳቕዮም ኣሎ። ነዚ’ኸ ህግደፋዊያን እንታይ ይብሉ? ጠንቂ ኣሳሪ ንፓትሪያርክ ኢሳይያስ ምዃኑ እናፈለጡ፣ጎስዮም ብምሕላፍ፣ኣብታ ዘይሓቀኛ መልእኽቲ ብምትኳር ምስ ሓደ ብቐጥታ ልኡኽ ኢሳይያስ ፣ ምስ ዝኾነ ንርእሱ ርኹስ ከሎ ንመጽሓፍ ቅዱስ፣ መጽሓፍ ርኹስ ዝብል ኣባ ሉቃስ ዝበሃል ፈላሲ “ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ኣባል ናይ ሲ-ኣይ-ኤ” ብምዃን ወረ ከማሓላልፉ ጸኒሖም ብዝብል ጸለመ ወሪኦም ይዝርግሑ።    ኣምላኽ ደንጓዪ ኢዩ፣ ይኹን እምበር መርገም ናይዞም ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣብ ርእሲ ኢሳይያስ እንታይ ከም ዝወርድ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንርኢ ኢና።
  3. ኣብተን ድሕሪ ነጻነት ዝነበራ 7 ዓመታት ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ሰላም ሃዋህው፣ ከም ዝነበሮ እንተ ቀጺሉ ንስልጣን ውልቀመላኺ ዘየሰጉም ከም ዝኾነ ብምርዳእ ኣቶ ኢሳይያስ ንህዝቢ ዘየቕስን ኣቕልቦ ህዝቢ ግን ዝስሕብ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ።እምበኣር እቲ ጠንቂ ሽግር ናይ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ኢሳይያስ ምስታ ካብ ምሉእ ዓለም ብቀዳማይ ደረጃ ንነጻነትና ዝፈለጠት ጎረቤታና ክልል ትግራይ ትኳቲኹ ጀማሪ ናይቲ ውግእ ብምዃን ክርቢት ዝወለዐ  ምዃኑ ብመርማሪት ኮሚሽን ናይ ኣልጀሪስ ተረጋጊጹ ኢዩ።ንሓሽሓት መንእሰያትና ግደ መስዋእትን ስንክልናን ድሕሪ ምግባር፣ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ናብ ልኡኻቱ ህግደፋዊያን ብዛዕባ’ቲ ውግእ  በቲ ግዕዙይ መልሓሱ ዓለም ይኽዕበኒ’ዩ ከይበለ ዝተመሓላለፎ ናይ ፈጠራ መልእኽቲ “ናይ ኣሜሪካ ከደምቲ ወያኔ ምስ ኣሜሪካ ተሓባቢሮም ወሪሮሙና” ዝብል ክኸውን ከሎ፣ህግደፋዊያን መን’ዩ ናይቲ ኵናት ጠንቂ ኢሎም ሓቅነቱ ክንዲ ምጽራይ፣ነታ ብኢሳይያስ ተዳሊያ ብበዓል የማነ ማንኪ፣ወዲ ገራህቱ ጌራ ተዃሓሒላ እትዝርጋሓሎም ናይ ሓሶት መልእኽቲ ተቐቢሎም  ኣብ ናይ ሓሶት ወረ ምዝርጋሕ ተጸሚዶም ይነብሩ።
  4. መንእሰያትና በቲ ገደብ ዘይብሉ መሪር ጊላዊ ዕስክርና ኣይ መርዓ ኣይ ሓዳር ኣይ ውላድ ኣይ ናብራ ኣጉል ብምትራፉ፣ናይ ምንባር ቅሳነት ስኢኑ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ እግሩ ናብ ዝመርሖ ናብ ስደት ብምምራሕ ግደ ስቅያትን ሞትን ዝኸውን ዘሎ ጠንቁ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ከሎ፣ንሱ ስለ ምንታይ መንእሰያት ይስደዱ ኣለዉ ተባሂሉ ኣብ ዝሕተተሉ፣ መልሱ ጸጊቦም ኢዩ።ዝኾነ ኣባል ህግደፍ ነዛ ሕቶ’ዚኣ ክሕተት ከሎ፣ኣብ ክንዲ እቲ ጠንቂ ናይ ዋሕዚ ስደት ኢሳይያስ ምዃኑ ዝገልጹ መልሶም ብዘየዋላውል እታ ጎይቶኦም ዝብላ “ጸጊቦም”ኢያ።
  5. ነቶም ኣልሸባብ ዝበሃሉ ኣብ ሶማልን ካልእ ቦታን ግብረ-ሽበራ ዘካይዱ፣ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ናይ ውግእ መሳርያታት ዘዕጥቖም ከም ዝነበረ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ከም ንጅቡቲ ብምውራር፡ነገር እንዳጻሕተረ ሰላም ብምኽልኡ ብሕቡራት መንግስታት ክፍሊ ጸጥታ፣

ሀ. ዝኾነ ይኹን ናይ ውግእ መሳርያታት ናብ ኤርትራ  ከይኣቱ። ለ. ንዝለዓሉ ሰብ-ስልጣን ናይ ስርዓት ኢሳይያስ ከይገሹ፣ ዝኾነት ሃገር ቪዛ ከይትወቕዓሎም. ሐ. ምናልባት ብምላቕ ዝገሹ እንተ ተረኽቡ ካብ ዝኾነት ባንክ ናይ ዓለም ገንዘብ ከውጽኡ ከም ዘይክእሉ ወዘተ…….ዝብላ ነጥብታት ብሰንኪ ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ማዕቀብ ተገይሩ። እቲ ጠንቂ ናይቲ ማዕቀብ ኢሳይያስ ክነሱ ንእከይ ተግባራቱ ማለት ንሃገር ኣብ ከቢድ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላውን ጥሜትን ሽግርን ኣውዲቁዋ ዘሎ ንሱ ምዃኑ  ክሽፍን ናብ ህግደፋዊያን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ኣሜሪካ ጸላኢትና ስለ ዝኾነት ስለ ዘይተንበርከኽናላ፣ብኹሉ መዳያት ኮሎ ብኤኮኖሚ ማዕቀብ ስለ ዝተገብረና ኣብ ሽግር ኣሎና ይብሎም።ነዚ መልእኽቲ’ዚ ብድፍረት ዘመሓላለፎ፣ንኣፍልጦ ህግደፋዊያን ኣነኣኢስካ ብምግማት፣ኣየናይ ተማራማሪ ኣባል ህግደፍ ከይፈልጦ ብማለት ኢዩ።ከም ዕላማን ኣታሓሳስባን  ኢሳይያስ ድማ ህግደፋዊያን ከምታ ሕንጻይ ዝበልናያ “ብዘመን ዉበ ዝጸመመ ዉበ ክብል ነበረ” ከም ዝበሃል ኢሳይያስ ኣሜሪካ ጸላኢትና ኢያ ስለ ዝበለ  ህግደፋዊያን  “ኣሜሪካ ጸላኢትና ኢያ”እናበሉ ነቲ ኣረሜናዊ ተግባራቱ እናሸፋፈኑ ንሃገር ናብ ዘይውጽእ ደልሃመት ክትሽመም፣ክትሽየጥ፣ክትልወጥ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ከውርዳ ይተሓባበርዎ ኣለዉ።

  1. ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝበለ ዘስካሕክሕ ከርፋሕ ናብራ ከም ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።በሉ ንሓደ ኣባል ህግደፍ ኣብ ሃገርና በጺሑ ዝተመልሰ፣ ሃገር ከመይ ኣሎ ኢልኩም ሕተትዎ፣ንሱ ነቲ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ሸሚሙዋ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ምሕደራ ክሽፍን ዝህበኩም ወይ እትህበኩም መልሲ ሃገር ብላዕ ወስተ’ዩ፣ዋጋ ብዕራይ፣በጊዕ፣ደርሆ፣ ብሰለስተ ዕጽፊ ውሪዱ። ኣእካል ጣፍ፣መሸላ ኣዚዩ ወሪዱ፣ፍረታትን ኣሕምልትን’ሞ ግደፎ ዘልዕሎ ስኢኑ ብነጻ ውሰድ ኢዮም ዝብሉኻ።ብማለት ንኣምላኽ ከይፈርሑ ናይ ሓሶት ምስክርነቶም የማሓላልፉ።                                 ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ህግደፋዊያን ሓንቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ መባእታ ተመሃራይ ከለኹ ዘንበብኩዋ መሃሪት ልቢ-ወለድ ታሪኽ ከካፍለኩም፣ ኣቦ ምስ ወዱ ክሰርቕ ናብ ሓደ ግራት ከይዱ፣ሽዑ እቲ ኣቦ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ቁሚጦ(ዝተኾመረ ጣፍ) ክሰርቕ ምራኑ ዘርጊሑ ሰብ ከይርእዮ ናብ ምብራቕ፣ናብ ምዕራብ፣ናብ ሰሜን፣ናብ ደቡብ ቁሊሕሊሕ ኢሉ ሰብ ስለ ዘይረኣየ ክሰርቕ ጅምር ከብል ከሎ፣እቲ ወዱ ንኣቡኡ ኣቦይ ናብ ኩሉ ቁሊሕ ኢልካ፡ቁሉሕ ዘይበልካያ ግን ሓንቲ ተሪፋትካ ምስ በሎ፣እቲ ኣቦ እንታይ ኢሉ ይሓቶ፣እቲ ወዱ ድማ ንሰማይ ቁሊሕ ኣይበልካን ምስ በሎ፣አቲ ኣቦ በቲ መንፈሳዊ መልእኽቲ ናይ ወዱ ተማሪኹ፣ነታ ምራን ብንጽፍታ ሓዲጉዋ ንገዝኡ ከደ ይበሃል።ስለዚ ህግደፋዊያን ንስኻትኩም’ውን መርገም ህዝብኹም ከይወርደኩም ናብ ሰማይ ቁሊሕ፣ በሉ።
  2. ሕጂ ድማ ነዚ ዲኖ እናሸለመ ወጮ ናይ ደብረብርሃን እናኸደነ ወዲ ኣፎም እናበለ እናሸሓጠን ብኣሽካዕላል እንዳ ኣታለለን ሃገር ንምሻጥ ብናይ ሰላም ሽፋን ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን ዘይተሳተፎን ብግሊ ኣብ መንጎ ዓቢይ ኣሕመድን ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን ዝግበር ዘሎ ውዕላትን ስምምዓትን ንጥፍኣት ሃገር ምዃኑ ህግደፋዊያን ይርድእዎ’ዶ ይኾኑ? ወይስ “ኣርሆስ ክሳብ ዝድብደቡ ይስሕቁ” ኢዩ ነገሩ።
  3. ዶብ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ክኽለል ኣለዎ  ብማለት ብኩሉ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ዝተደገፈት ተሪር መርገጽ ንዓመታት ጅሆ ተታሒዝናሉ ዝጸናሕና፣ሕጂ ምስ’ዚ ናይ ዶ/ር ኣቢይ ሓዲሽ ፍቕሪ ንጉዳይ ምኽላል ዶብ ኣየድልን’ዩ ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ኢዩ ቀዳምነት ዝወሃቦ ክብል ከሎ ኢሳይያስ፣ከምኡ’ውን ዶ/ር ዓቢይ እኔና ወዲ ኣፎም ተደምረናል፣ዓሰብ እንካፈላለን ኣብ ዝበሃለሉ ፈታኒ እዋን፣ ህግደፋዊያን ብከመይ ኢዮም ንመሸጣ ሃገሮም ዘመተ ከካይዱ? ሓቢርና ንከታተል።
  4. ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንህግደፋዊያን ዝኸውን ናይ ሓሶት ስንቂ፣ሕጂ’ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ብበዓል የማነ ማንኪ፣ካልኦት’ውን ምሁራት ዝበሃሉ ኣብ ስደት ዘለዉ ኣባላት ህግደፍ ዝንዛሕ ወረ ከም ሓደ ዓቢ ኣገዳሲ ጉዳይ ንጠቕሚ ህዝብና ከም ዝተፈጸመ ንምምሳል ብዛዕባ ምልዓል ማዕቀብ ንምግስጓስ ተዋዲዱ ኣሎ፡ እዚ ግን ነቲ ኢሳይያስ ንሃገርና ኣብ ትሕቲ ኣምሓራ ንምምብርካኽ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት፣ንምዕዋት ናይ ህዝብና ኣቓልቦ ንምልዋጥን ግዜ ንምርካብን ከም ዝኾነ፣ ሃገር ትሽየጥ ከም ዘላ ህግደፋዊያን ቁሩብ ይስወጦም’ዶ ይኸውን? ህግደፋዊያን ተባራበሩ ሓንጎልኩም ኣስርሕዎ!! ኢሳይያስ ሓላፋይ’ዩ፣እታ ዘይትሓልፍ ንዓኻትኩም ኣሕሊፋ ናብ ደቅኹምን ደቂ-ደቅኹም እትሓልፍ ኤርትራ ሃገርኩም ከም ዝኾነት ይሰቆርኩም።

ኣምላኽ ንሓቅን ሓሶትን ዘማዛዝንን ዝመምን ነቲ ዝነበረ ግጉይ ኣተሓሳስባኹም ዘማሓይሽን ዝትክእን ሓዲሽ ኣእምሮ ይሃብኩም፣ቅድሚ ሕጂ ኣብ ህዝብኹም ብዝገበርኩሞ ብደል ብሕሊና ተጣዒስኩም፣እታ ንመሸጣ ቀሪባ ዘላ ሃገርኩም ብኣፍ-ኣርክቡ ትጽዋዓኩም ስለዘላ ንምድሓና ተሳተፍቲ ክትኮኑ እላበወኩም።

ሓውኹም

መሓረናዝጊ መርሃዊ

ሕዳር, 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Genet-Original December 6, 2018

    Well, the real Eritreans who have been supporting DIA and hopping one day he will change and care for their people are in shock. Can’t really believe he actually doing what he is doing. The statement they are upset about are the 4 things he said “we haven’t lost anything” “border issue is not important” “it never been about border”, ” I am not concern about the Eritrean people under the leadership of Abiy”

    The high negative rating on his interview showed where our people are at this time.
    The one who are sill supporting DIA are not really known.

    • k.tewolde December 6, 2018

      Let me add to your list of quotes G.O. “..from here on you are our leader..” as if somebody is handing their personal package to another,his disdain and disrespect for the Eritrean people is so palpable you can feel it across the globe.If I was a hgdefite that would have been the last straw,then again a hgdefite is like the Greenbay Packers fan who refuses to leave the stadium way after the game ended.

POST A COMMENT