Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ፡ ጽላለቱ ዘይኣምን ጨካን ስርዓት

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ኩሉም ፉንፉናትን ኣረሜናውያንን ስርዓታት ስልጣኖም ንምሕላው ኣብ ድሮ ሞቶም ዝኽተልዎ ጽዩፍን ኣዕናውን ተግባራት ይፍጽም ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ይትረፍ ንሰብ፡ ንጽላለቱ’ውን ክኣምኖ ስለዘይክእል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጥምዩን ብዕሩቁን

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ኩሉም ፉንፉናትን ኣረሜናውያንን ስርዓታት ስልጣኖም ንምሕላው ኣብ ድሮ ሞቶም ዝኽተልዎ ጽዩፍን ኣዕናውን ተግባራት ይፍጽም ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ይትረፍ ንሰብ፡ ንጽላለቱ’ውን ክኣምኖ ስለዘይክእል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጥምዩን ብዕሩቁን ብብልዮናት ዶላር ዝተራቀቀ መጽናጸንን መህደንን መሳርሒታት ምሽማትን ክኢላታት ብምስልጣንን፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምቅጻል ቀዳምነታት ሂቡ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ሓው ንሓው፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት፡ ኣብ መንጎ መሳርሕቲ፡ ምትእምማን ንኸይፍጠር፡ ህዝቢ እቲ ስርዓት ህግደፍ ዘውርዶ ዘሎ ጭካነ ንኸየስተብህለሉ ምሕባእ፡ ካብ ቀንዲ ዕላማታት ስርዓት ህግደፍ’ዩ። በቲ ባዕሉ ዝውንኖን ንዕዑ ጥራይ ዘገልግሎን መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ድማ፡ ነቲ ዝረግጾን ዝጭቁኖን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘቁጸልጽል፡ ሚዛን ዝሰሓተን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዘየንጸባርቅን ሓሶታት ምንዛሕ፡ ርእሰ ምውዳስን ምጅሃርን ወግሐ ጸብሐ ይደጋግመሉ። ብኻልእ መዳይ፡ ነቲ ክቆጻጸሮን ክገትኦን ዓቅሚ ዘይብሉን ሕማም ርእሲ ኮይኑዎ ዘሎን ካብ ኤርትራ ውጻኢ ዝዝርጋሕ ማሕበራዊ መራኸቢታትን (Social Media) ጎስጓሳት ደለይቲ ፍትሕን ንምንእኣስን ጸለሎ ንምቅባእን ከይደቀሰ ይሓድር።

ስርዓት ህግደፍ፡ ሓድነትን ጥርናፈን ህዝቢ ኤርትራ፡ ውድቀቱ ዘቀላጥፍን ምቅላዕ ኣዕናዊ ሜላታቱን ስለዝኾነ፡ ኣብ ስልጣን ንዘልኣለም ክኹደጭን እንተኾይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ሕንፍሽፍሽ ክፈጥርን ሓድነቱ ክዘርግን ኣለዎ። ብተመን ዝተዳህለስ ብልሕጺ ተዳህለ ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ዋላ ክልተ ሰብ ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳዮም ክዛተዩ እንተተዓዚቡ፡ “ኣንጻር መንግስቲ ተንኮል ይኣልሙ ኣለዉ” ኢሉ ስለዝጥርጥሮም፡ ኣብ ሓሳዳት ኣዒንቱን ሰለይቱን’ዮም ዝኣትዉ። ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ያዕ ዝብልን ብትሪ ዝቃወሞን ምዑት ስለዘየለ ድማ፡ ብሒም ዝበለ ብሰላሕታን ብግሁድን፡ ዜጋታት ምጽናት፡ ምርዓድ፡ ምእሳር፡ ምድሃል ምድስካል፡ ምክሽማሽ ዝኣመሰሉ ሜላታት የዘውትር። ህግደፍ ካብ ደረጃ ሚኒስተር ክሳብ ምምሕደር ዓዲ፡ ቁሸትን መስርዕን ዝዝርጋሕ መርበብ ስለያ ብምቋም፡ መዓልታዊ ምንቅስቃስ ሰባት ይከታተልን ይሃድንን። ኣብ ኤርትራ እቲ ሃገር ዘዕኑ፡ ንብረት ህዝቢ ዝሸይጥን ዝልውጥን፡ ብብልሽውናን ገስረጥ ምምሕዳርን ዝቆማጣዕ፡ ዝዝሙ፡ ንብረት ህዝቢ ዝምንዝዕ፡ ብዘይ ፍርድን ክስን ሰባት ዝኣስርን ዝቀትልን፡ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ምዃኑ እናፈለጠ፡ ብኻልኦት ክወራዘን፡ ድኽመታቱ ንኻልኦት ክጥቅንን ዘዕበዮ ነውራም ኣመል’ዩ።

እቲ ብሕሰም ካልኦት ሰባት ደስታ ዝስምዖ መላኺ ኢሳያስ፡ ንግዚኡ ብዘለዎ ጸጥታዊ ትካላት፡ ቁጠባዊ ሃብቲ፡ ዓቅሚ ሰብን ጸብለልትነት መራኸቢ ብዙሓንን ንዘልኣለም ዝነብር ይምሰሎ’ ምበር፡ እቶም ብጥቅምን ክቱር ስስዐን ሎሚ፡ ላሓስቲ ሳእኑን ኣብ ቅድሚ ኢሳያስ ጉምብሕ ጥልዕ ዝብሉ ዘለዉ ውሑዳት ጠላማት፡ በትሪ ኢሳያስ ምስ ወደቀቶም ወይ ኣምሳያ ክድዓቶም ዝምጠወሎም ጉንዖ ምስ ጎደሎም፡ ብዝፍጽምዎ ዘለዉ ገበናት፡ ዕድመ እንተሂብዎም ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናቶም ከምዘይኮነት ስለዝፈልጡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንኽነብሩ መንገዶም ኣጣጢሖም ኣለዉ። እዞም ብደምን ንብረትን ኤርትራውያን መሬት ኣይትጽርኒ ዝብሉ ዘለዉ ኣረሜናት ድማ፡ ነብሶም ዝጸልኡሉን ብሓጥያቶም ዝናዘዝሉን እዋን ርሑቅ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ዘገርምን ዘሕዝንን ግን፡ እቶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ረብሓ ዘይብሎም ብዕዉር እምነትን ስንኩል ኣእምሮን መሳርሒ ናይቲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ፡ ተገሪዞም ኣብ ዘይሞቁሉ እቶን ዝስሕኑ ዘለዉ የዋሃት’ዮም። ነቶም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ዝዋረዱ፡ ብነጋዶ ሰብ ዝሳቀዩን ዝቅተሉን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ንዓመታት ዝምቁሑ፡ ብድኽነትን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንሕሰም ተቃሊዑ እንከሎ፡ ንኣውያት ወገኖም ጸማም እዝኒ ብምሃብ ህግደፍ ወይ ሞት ዝብሉ ዘለዉ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ኣዕናዊ ሜላታት እናሰርሐ፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ብዘይ ቅዋም፡ ምርጫን ፍትሕን ሃገር እናገዝአ፡ ሰብ ጸጋ ኤርትራውያን፡ ካብ 5 ሽሕ ናቅፋ ንላዕሊ ካብ ባንኪ ገንዘቦም ከየውጽኡ እናተኸልከሉ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰይ ኤርትራ ካብ ስሩዕ ህይወቱ ተመዛቢሉ ኣብ በረኻ ሰፊሩ እንከሎ፡ “ስርዓት ህግደፍ ሃገር ይህንጽ ኣሎ፡ ኣበር የብሉን” ምባል ምስ ምንታይ ይቁጸር? ብርግጽ እዞም ሎሚ ብፍላጥን ብግርህናን ምስ ስርዓት ህግደፍ ምጽግጋዕ ታሪኽካ ምምርሳሕን ዘይሕማምካ ረስኒ ምዃኑን ክግንዘቡ’ዩ ዝግብእ። ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ድማ ንጽላለቱ ዘይኣመነ ንኻልኦት ሰባት ክኣምን ስለዘይክእል፡ ነዞም ምስኡ ሕግብግብ ዝብሉ ዘለዉን ምስ ሓሙሽተ ህዋሳቶም ዝተደፍኑን፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ተጠቂሙ ከምዝድርብዮም ወይ ከምዝስልበጦም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (10 ሕዳር 2017)

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Lula November 9, 2017

    There is no doubt there is a lot of violation of rights in Eritrea, as it has been the norm in Jebha – Shaebia, that includes burning Eritrean Tigre languages and forcing Christian women into the ranks of Jebha Shaebia. The news, albeit the fake one, that claimed “Eritrea killed 28 Muslims” is an outright lie that exposed the Muslim Jehadis who were waiting to capitalize on it. As expected, they came out of their hidden caves wearing their Jehadi politics that includes the Taha Tawakalis of Aljazeera from Addis and the retard Arab Abeed from Sudan by the name Dr Yosouf who declared his Islamic Fatwa on Christian Eritreans.
    Where were the Arabs and their servant slaves hiding when thousands of Eritreans were jailed by Arab regimes, sold to Arab slavery, their organs harvested, executed, tortured? Where were the Arab Madrasa lecturers and their slaves hiding when more than 30 Eritrean Christians were beheaded the Islamic State and Libya and many christian women and girls were sold to Arab slavery? Did they go in the streets of Australia, London, Stockholm and California?

    Show me a single Arab and Islamic nation ruled by the Sharia Islam that has become a democratic nation? Is it Saudi Arabia, Bahrain, Somalia, Syria, Iraq, Libya ? or, is it our next door land of the Jebelis — the Arab Republic of Yemen?
    There is absolutely none ever in history! Therefore, the Arab Muslim Sheik in question and his likes are all worthless and waste of time. He should clean his own stink few times a day before he opens his stinky mouth on the gallant Christian Eritreans who have never burned their own languages, identity and heritage for millennia.

    • k.tewolde November 9, 2017

      Lula,you right. Why would a radical Muslim like Dr. Yusuf speak on behalf or defend someone with Christian faith or vise versa.It is like a hyena asking a Lion to share his hard earned kill. So you preaching to wrong choir.With sincerity,thanks.

  • k.tewolde November 9, 2017

    ‘እቲ ዝያዳ ዘገርምን ዘሕዝንን ግን፡ እቶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ረብሓ ዘይብሎም ብዕዉር እምነትን ስንኩል ኣእምሮን መሳርሒ ናይቲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ፡ ተገሪዞም ኣብ ዘይሞቁሉ እቶን ዝስሕኑ ዘለዉ የዋሃት’ዮም።’ And on this aquifer is where the tyrant has been drawing his sustenance for over half a century. The one who is smart and bold enough to dry up that aquifer is the one who will bring tyranny to its knees. A 90+ y/o man is leading the way,how about you, the six pack abs sporting chiseled chested with Eritrea’s map engraved in your scalp,clad with Fubu jeans and a smart phone,would you follow?Mama is calling.Thanks Tsilal.

POST A COMMENT