Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለበወታትን ውሳኔታትን ህጹጽ ህዝባዊ ኣኼባ -ሳንድየጎን ሎስ ኣንጀልስን

ERITREAN SNEET ASSOCIATION ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ الإريترية سنيت جمعية ለበወታትን ውሳኔታትን ህጹጽ ህዝባዊ ኣኼባ              ሳንድየጎን ሎስ ኣንጀልስን ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ትማሊ ቀዳም ሓምለ 21, 2018 በቲ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ህዝባዊ ኣኼባ ገይሩ ገምጋሙ

ERITREAN SNEET ASSOCIATION

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ

الإريترية سنيت جمعية

ለበወታትን ውሳኔታትን ህጹጽ ህዝባዊ ኣኼባ              ሳንድየጎን ሎስ ኣንጀልስን

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ትማሊ ቀዳም ሓምለ 21, 2018 በቲ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ህዝባዊ ኣኼባ ገይሩ ገምጋሙ ኣንቢሩ። እዚ ንመጀመርያ ግዜ እንተላይ ወከልቲ ደለይቲ ፍትሒ ሎስ ኣንጀለስ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ’ዚ ኣብ ኤርትራ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ሰላምን ዕርክነትን ኣዋጅ፣ ቀዳማይ ምኒስተር ዓብይ ኣሕመድ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝተወሰነሉ ፖሊሲ ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ግን ብሃገራዊ ክሕደት ዝምዘን ኢሰያስ ኣፍወርቂ ጥራይ ዝፈልጦ፣ ህዝቢ ኣብ ጸልማት ኣሲርካ ዕምቍቱ ዘይግለጽ ከይዲ ብጽሞና ኣኼባና ተኸታቲሉ። ዶብ ከይተሓንጸጸ ግሁድነት ዝጎደሎ፣ ክንድዚ ርሕቀት ናይ ጉዕዞ ምኻድ ድማ ንሉኡላውንትን ነጻነትን ሃገረ ኤርትራ ንሓደጋ ዘጻጥሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማት ህዝቢ ኣብ ቃልዕ ወጽዩ ሃገራዊ ነጻነቱ ክሕሉን ክዕቅብን ከምዘለዎ ጸዊዑ። ኣብ መደምደምታ ድማ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዝሮም ዘለዉ ውሳኔታት መንግስቲ ኤርትራ ብህጹጽ ክኣምነሎምን ከተግብሮም ኣማሕጺኑ።

  1. ኤርትራ ማያውን ምድራውን ዶባት ዘለዋ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ምዃና ደጊምካ ንምርግጋጽን ንምእዋጅን
  2. ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንምድጋፍን ንምዕዛዝን፣
  3. ሓድነት ኤርትራውያን ንምድልዳልን፣ ሓርነቱ ንምርግጋጽን ከኣ ብውዱብ ኣገባብ ክቃለስ ምልዕዓልን፣
  4. ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ምዃኑ ውሁብ ጌርካ ስኒታዊ ማሕበራት ምምስራትን
  5. ኣብ ኤርትራ ቅዋማውን፣ ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል መሰረታዊ ለውጢ ከም ዘድሊ ንምእዋጅ።
  6. ንኩሎም ናይ ሕልናን፣ ናይ ፖለቲካ እሱራትን፣ ብዘይ ቅድመኹነትን፣ ብዘይ ሎሚ ጽባሕን ሕጂ ንክፍትሑን፣ ካብ ሕጂ ንንየው ዝኾነ ዜጋ ብዘይ ክሲ ከይእሰርን፣ ተጨውዩ ከይውሰድን፣
  7. ብዘይካ ስሩዕ ሰራዊት፣ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” መራሕቲ ዘሎ ኩሉ መንእሰይ-ወተሃደር ብዘይ ሎሚ ጽባሕ ሕጂ ነንዓዶም ክምለሱን፣
  8. ህዝብና፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ንወጻኢ ንምኻድን፣ ብዘይ ገደብ ናብ ድላዮም ክንቀስቐሱን፣ ክጽሕፉን፣ ክእከቡን፣ መንፈሳዊ እምነቶም ብነጻ ብዘይ ሎሚ ጽባሕ ሕጂ ከምልኹን፣
  9. ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል፣ ኣብ ግዳም ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መስርሕ ቅዋም ሃገር ብዝተዋሕሰ መንገዲ ብዘይ ሎሚ ጽባሕ ሕጂ ክስለፋን፣
  10. ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ዜጋ ትእዛዛት ተቐቢሎም ከየተግብሩን፣ ብመስውእቲ ጀጋኑ ዝተረኽበት ሃገር ብጅግንነት ክከላኸሉን፣ ንምጽዋዕ

ኣብዚ ሕዝባዊ ኣኼባዚ ተሳተፍቲ መደረን ግጥምን፣ ዝተፈላለዩ መልእኽታትን ከቕርቡ ከለዉ፣ ብምሉእ ድምጺ ድማ ንመራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ተጠርኒፎም ክሰርሑ ከም ዘለዎም ከቢድ ምሕጽንታ ኣመሓላሊፉ። ማ.ስ.ኤ፣ ነቲ ኣብ ደንቨር ብሓምለ 4, 2018 ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኣፍልጦ ብምሃብ፣ እቲ ተነግረና፣ ኣብ መጽናዕቲ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ይኹን ካልእ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ትሕዝቶታት ምስቲ ኣብ ኣትላንታ ዝግበር ፈስቲቫል ትሕዝቶኡ ተወሃሂዱ፣ ሓዪሉን ጎልቢቱን ክወጽእ ተላብዩ። ኣብ ርእሲኡ ህዝብና ነዚ ህጹጽን ሓደገኛን ዝኾነ ተርእዮ ብዕቱብ ንምቅላስ ኣብ ዘዘለዎ ከተማታት ተጠርኒፋ ክቃለስ ከም ዘለዎን ምጥርናፉን ምውድዳቡን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ድማ ንህዝብና ኣኣብ ዞብኡ ብሓደ ኣፍ ክዛረበሉ ዝኽእል ጽላል ክሃንጽ ጻውዒቱ ኣመሓላሊፉ።

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ

ሓምለ 21, 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Goitom July 30, 2018

    Eritrean Sneet Association, you lot just talk too much talk and zero action. Action speaks louder than talks/words!!!

POST A COMMENT