Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ከተማ ቺካጎ ጽጉማት ንምሕጋዝን ህዝቢ ንምምሃርን ብወለንታ ንዝነጥፉ ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ክጥርነፉ ወይ ድማ ንጥፈታቶም ጠጠው ከብሉ ኣፈራሪሑ።

ዜና፡ 6/10/18   ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ከተማ ቺካጎ ጽጉማት ንምሕጋዝን ህዝቢ ንምምሃርን ብወለንታ ንዝነጥፉ ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ክጥርነፉ ወይ ድማ ንጥፈታቶም ጠጠው ከብሉ ኣፈራሪሑ። ካብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ

ዜና፡ 6/10/18

 

ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ከተማ ቺካጎ ጽጉማት ንምሕጋዝን ህዝቢ ንምምሃርን ብወለንታ ንዝነጥፉ ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ክጥርነፉ ወይ ድማ ንጥፈታቶም ጠጠው ከብሉ ኣፈራሪሑ።

ካብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተላእከ ዳዊት ሃይለ ዝተባህለ ወኪል ህግደፍ፡ ብ10 ሰነ ኣብ ከተማ ቺካጎ ምስ ኤርትራውያን ተቀማጦ’ታ ከተማ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ነቲ ብግዱሳትን ሰብ ሕልናን ኤርትራውያን፡ ብወለንታ ተጠርኒፎም ሓድሕድ ንምትሕግጋዝ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንምሕያል፡ መንእሰያት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዕዉታት ንምዃን ክኽተልዎ ዘለዎም ሓበሬታ ንምስናቅ ዝካየድ ሰናይ ተበግሶ ንምትዕንቃፍ፡ ዝኾነ መደባትን ንጥፈታትን ብመንግስቲ ኤርትራ ክምእከልን ክፍለጥን ከምዘለዎ ከምዝኣዘዘ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ቺካጎ ይኹን ካልኦት ከተማታት ኣመሪካ ብጻዕሪ ኤርትራውያን ዝተመስረተ ማሕበረ ኮማትን ሲቪክ ማሕበራትን ከፍርስ እምበር ክሃንጽ ፋዕራ ዘይነበሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ንምቁጽጻር ዶላራት ንምእካብን  መስሪትዎ ዘሎ ብስም “ዞባ ወጻኢ መኸተ ልምዓት”፡ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናይ ኤርትራውያን ባህላዊ ማእከል (Eritrean Cultural Center) ክምስረት እዚዙ። እቲ ብጉልባብ ህዝቢ ባህሉ ንምዕቃብን ደቁ ንምምሃርን’ ክቀውም ተወጢኑ ዘሎ ባህላዊ ማእከል ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝቆጻጸሮን ዝምውሎን ኮይኑ፡ ስለያዊ ንጥፈታቱ ንምክያድ፡ መሳርሒ ዝኾኑዎ ገርህታት ንምምልማልን ንጥፈታት ደለይቲ ፍትሒ ንምትዕንቃፍን እምበር ንህዝቢ ዘርብሕ ንጥፈታት ክካየደሉ ከምዘይክእል ተቀማጦ ቺካኮ ሓቢርም። እዚ ኣብ ቺካጎ፡ ካልኦት ከተማታት ኣመሪካን ዓለምን ብተብተብ ክምስረት ጎስጓሳት ዝካየደሉ ዘሎ ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ባህላዊ ትካል፡ ህዝብና ብጥሜት ሓለንጊ እናተገርፈን ናብ ስደት እናተበታተነን እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣሽሓት ዶላራት ሰሊዑሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ ኤርትራውያን ተቀማጦ ቺካጎ፡ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን፡ ኣብ መንግስታውን ህዝባውን ጉዳያትን ከምኡ’ውን መንነቶምን ባህሎምን ንምዕቃብን ናብ ደቆም ንምምሕልላፍን ንኹሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መርገጺኡን ሃይማኖቱን ዘይፈላሊ ማሕበረ ኮም ንምቋም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተደጋጋሚ ጻዕርታት’ኳ እንተኣካየዱ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ዘርብሕ ማሕበረ ኮም ንኸይምስረት ማእለያ ዘይብሉ መሰናኽላት ስለዝፈጠረን ህዝቢ ሓድነቱ ኣትሪሩ ንምትእትታው ህግደፍ ስለዘይመከተን፡ ማሕበረ ሰብ ከቅውም ኣይክኣለን። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምጥርናፍ ህዝቢ መሕጸሪ ዕድሚኡ ገይሩ ስለዝወስዶን፡ ንሱ ዘይቆጻጸሮ ማሕበር ወይ ፖለቲካዊ ትካል ክህሉ ኣየፍቅድን’ዩ። ካብ ኣፍልጦን ትእዛዝን መንግስቲ ኤርትራ ወጻኢ ንዝግበር ምትእኽካብ፡ ሃገራዊ ከምዘይኮነ፡ ዕቱብ ምክትታል ክግበረሉን ጸብጻብ ንኤምባሲ ኤርትራ ከማሓላልፉን ከምዝግባእ ድማ ንወከልቱ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኤርትራውያን ተቀማጦ ቺካጎ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ዘይብሉ ቤተክርስትያን ንምግዛእን ኣመንቲ ንምጥርናፍን ኣብ ዘካየድዎ መደባት’ውን፡ ደገፍትን ተቃወምትን ህግደፍ ብምባል ህዝቢ ኣብ ክልተ ከምዝፈናጨሎ ካብቲ ቦታ ዝረኸበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ ቺካጎ ማሕበረ ሰብ ንምምስራት ከምዘይተኻእለ ብምምልካት፡ ብኤርትራውነቱ ኣሚኑ ህዝቢ ንምሕጋዝን ንምምሃርን ተበግሶ ዝወሰድ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፡ ኣብ ክንዲ ምውቃሱ ብዝህቦ ኣበርክቶ ምትብብዑ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ከምዝፍለጥ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝፍጽሞ ሽርሕታትን ጸቅጥታትን፡ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ተጠርኒፎም ሃገራዊ መንነቶምን ባህሎምን ዝዕቅቡን ኣብያተ ጸሎት ዝውንኑን፡ ደገፍትን ተቃወምትን ዝብል ስም ዘለወን ማሕበረ ኯማትን ኣብያ ተጸሎትን ዝተኸፋፈለ’ዩ። እከይ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ምዝራግ ሓድነት፡ ማሕበራዊ ክብርን ምጽልማት መጻኢ ዕድላት ናይ ደቁን ስለዝኾነ ህዝቢ ክነቅሓሉን ኣትሪሩ ክቃወሞን ይግባእ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ልኡኽ ህግደፍ፡ ናይ ኣያታቱ ምልካዊ ኢሳያስን የማነ ማንክን ቃላት ብምድጋም፡ ነታ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ድኽነትን ስደት መንእሰያትን ትፍለጥ ኤርትራ፡ ንኹሉ ተጻብኦታት መኪታ ሓይላ ከምዝወጸትን ደሴት ሰላም ንምዃን ከምዝበቅዐትን ዓይኑ ከይሕሰየ ግዒሩ። ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ ገባቲ ፖሊሲታት፡ ሰብ ጸጋ ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ኣብ ዝነብሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ዶላር ንምእራይ መደብ ስለዘለዎ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዶም ተጣራቃሚ ሕሳብ ክኸፍቱ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ክሳተፉን ምዒዱ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕፍር መደረ ልኡኽ ህግደፍ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ ፍትሒ ይንገስ ኢሎም ርእይቶ ንዝሃቡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ንዓመታት እናኣብለዮም እንከሎ፡ ኢትዮጵያ 40 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ብምእሳራ፡ “ፍትሒ ዘይብላ ሃገር’ያ” ኢሉ ወንጂሉ። ኣብቲ ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ዘገድሶ፡ ጉዳይ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል፡ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ፡ ምብቃዕ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብዘይ ፍርዲ ዜጋታት ምእሳርን ኣይተላዕለን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Wedi Hagher June 12, 2018

    Higdef is like a parasite (kurdid), it can’t live on its own.
    It exploits people instead of serving them.
    It’s always on the look for opportunity to go to war instead of making peace.
    It jails citizens who happen to have different views of the situation even on minor issues.
    It doesn’t allow people to enjoy freedom they have fought so hard to achieve it.
    Now we have seen also it’s not interested in peace with Ethiopia.
    So what is to be done ?
    Why do we people continue to tolerate this horrible situation as if it’s normal and adjust to live with it ?

    • k.tewolde June 12, 2018

      Wedi Hager,the answer is…..”KAB ZEYTFELTO MELAAK TIFELTO SHEYTAN YIHAYISH”…….and the Lucifer keeps tearing up the place to pieces.

    • Amanuel June 13, 2018

      Hgdf kurdid do belkayom. Kurdidn Alektin ember.

POST A COMMENT