Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሎሚ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኮይኑ ቃል ማሕላ ዝፈጸመ ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ንዝምባብወ ዳግም ኣብ ምህናጽ ብምትኳር ንኹሎም ደቂ ሃገሩ ብዘይ ኣፋላላይ ከገልግል ተመባጺዑ።

ነቲ ን37 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ሮበርት ሙጋበ ተኪኡ፡ ሎሚ 24 ሕዳር 2017 ኣብ ሃራረ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኮይኑ ቃል ማሕላ ዝፈጸመ ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ንዝምባብወ ዳግም ኣብ ምህናጽ ብምትኳር ንኹሎም ደቂ ሃገሩ ብዘይ ኣፋላላይ ከገልግል ተመባጺዑ። ንሱ

ነቲ ን37 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ሮበርት ሙጋበ ተኪኡ፡ ሎሚ 24 ሕዳር 2017 ኣብ ሃራረ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኮይኑ ቃል ማሕላ ዝፈጸመ ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ንዝምባብወ ዳግም ኣብ ምህናጽ ብምትኳር ንኹሎም ደቂ ሃገሩ ብዘይ ኣፋላላይ ከገልግል ተመባጺዑ።

ንሱ ኣብቲ ኣብ ስታድዩም `ታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ነቲ ቅድሚኡ ፕረዚደንት ብዝነበረ ሙጋበ ብቐጻሊ ዝምዝመዝ ዝነበረ ዓሌታውን ፖለቲካውን ፍልልይ ንዝፈጠሮ ነቓዓት ንምምላእ ከም ትእምርቲ ምጽውዋርን ስኒትን ንተቓወምቲ ጨናፍር ኣውሊዕ ኣበርኪቱሎም።

ኣብ ቅድሚ ዓሰርተታት ኣሽሓት እኩብ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖኣ ህዝባዊ መግለጺኡ ድማ፡  ` ብዘይ ኣፋላላይ ሕብርን ሃይማኖትን ቀቢላን ወይ ድማ ፖለቲካዊ ዝንባለ፡ ከም ፕረዚደንት ኩሎም ደቂ ዚምባብወ` ክመርሕ  ምዃኑ ነቲ ናብ ስልጣን ዘብቅዖ ደገፍ ህዝቢ፡ `ድምጺ ህዝቢ፡ ድምጺ ኣምላኽ እዩ` ክብል ሞጒሱ።

መሰል ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ክሕሉ ከምኡ `ውን ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጽምዶ ክኣቱ ምዃኑ ቃል ብምእታው ድማ፡ እቲ ንዓመታ 2018 ክካየድ ተመዲቡ ዝጸንሐ ሃገራዊ ምርጫ ከምቲ ተወጢኑዎ ዝጸንሐ ኣብ እዋኑ ክካየድ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ንሓደ ካብቶም ከም ጠንቂ ቁጠባዊ ቅልውላው `ታ ሃገር ዝጥቀስ ብጸዓዱ ሓረስቶት ተገቢቱ ዝነበረ መሬት ብሓይሊ ዝተመንዘዓሉ መስርሕ ናይ 2000 ዓመተ ምህረት ጽገና ዕደላ መሬት ከምዘይቅልብሶ ዳግም ኳ እንተነጸረ፡ እንተኾነ እቶም ንብረት ዝጠፍኦም ዜጋታት ካሕሳ ከምዝወሃቦም ተመባጺዑ።

እቲ ዘቕረቦ መደረ፡ ዋላ ናይ ፖለቲካ ተቐናቐንቱ ከይተረፈ ብኣውንታ ከምዝረኣዩዎ ዝገለጹ ተዓዘብቲ ገሊጾም።

ኪኖ`ቲ ልቢ ዚምባብወኣውያን ዘርክአ ጥዑም መግለጺ፡ እቲ ንሙጋበ ንዓሰርተታት ዓመታት ብተኣማንነት ዘገልገለ ምናንጋግዋ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ዘዘውትሮ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን መዕነዊ ቁጠባዊ ፖሊስን ዝኽሰስ ኣሰራርሓ ክቕይሮ ምዃኑን ዘይምዃኑን ህዝቢ ዝምባብወ ብሕቶ ምልክት ዝርእዮ ኳ እንተኾነ፡ ኣውንታዊ ለውጢ ከምጽእ ብተስፋ ከምዝጽበ ካብ ምግላጽ ግን ኣይተቖጠበን።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT