Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓሳዊን ቆርበትን እናሓደረ ይፈኵስ 2ይ ክፋል

ብቐዳምነት እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቶም ንግፍዐኛ ጕጅለ ህግደፍ ትቃወሙ ተቓለስቲ ኣሕዋት ምስጢር ስለ ዘይኮነ፡ ነቶም መሳኪን ደድሕር’ቲ ዝተፈንፈነ ስርዓት ኰለል ዝብሉ ዘለዉ ንመነቓቕሒ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ክትግንዘቡለይ እፈቱ።ኣብ ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ምስ እንብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ

ብቐዳምነት እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቶም ንግፍዐኛ ጕጅለ ህግደፍ ትቃወሙ ተቓለስቲ ኣሕዋት ምስጢር ስለ ዘይኮነ፡ ነቶም መሳኪን ደድሕር’ቲ ዝተፈንፈነ ስርዓት ኰለል ዝብሉ ዘለዉ ንመነቓቕሒ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ክትግንዘቡለይ እፈቱ።ኣብ ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ምስ እንብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓምሳታት ከይተረፈ ደሞክራሲ ፈሊጡስ ኣብ ሃገራዊ ባይቶኡ ብስልጡን መንገዲ ይካታዕን ሃገር ይመርሕን ነይሩ’ዩ። ሽዑ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝብሃል ነገር ተሰሚዑን ተራእዩን ኣይፈልጥን ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ግን ብበዓል ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝምራሕ ሓያልን ምዕቡልን ማሕበር ሰራሕተኛታትን ሰልፍታትን፡ ከምኡ’ውን ናጻ ጋዜጣታት ነይረን። ሕጂ ድሕሪ ኣስታት ሰብዓ ዓመት ግን ኣብ ኤርትራ እዚ ዅሉ ነበረያ ነበረ ኮይኑ ኣሎ። በንጻሩ ኢሳያስ ሓደ መደናገሪ ስለዝኾነ፡ ነቲ ናቱ  ኣሉታዊ መዳይ ከይጸብጸበ ነቲ ኣብ ግምት ዘይኣቱ እወታዊ ዝብሎ ነገራት ጥራይ ብምጥቃስ፡ ንህዝቢ ዘታልል ስእሊ ክህብ ይፍትን። ከም ሳዕቤን ድማ ድሕር’ቲ ኢሳያስ ኵሉ ግዜ ሃተፍ ዝብለሉ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ሃለኽቲ ነገራት ነገራት ክሳቐን፡ ካልእ ይትረፍ ነዚ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ዝበቍል በርበረን ነፍስወከፍ ገዛ ዘፍርዮ ዝነበረ እንቋቕሖን፡ ካብተን ካብ ኤርትራ ዝሽምታ ዝነበራ በዓል የመን ብኮንትሮባንድ ከእቱ ተገዲዱ ኣሎ። ኢሳያስ ግን ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ኣብ ቍጠባ ዘሎ ጸገም ምስ ሓተቶ፡ “ኤርትራ ካብ ሽወደን ትምዕብል፡” ክብል ከም ዝመለሰሉ ኣብታ ናይ መደበር ሓሶት ዝኾነት ቲቪኤረ ሰሚዕና። እዚ’ኳ ናይ ባህ ኣይበሎ ክኸውን ይኽእል፡ ግን ከኣ እቲ ምድንጋር ኣመሉ ስለዝኾነ፡ ነቲ ናይ ዓለም መምዘኒ ቍጠባዊ ምዕባለ ነጺጉ ናቱ ባዕላዊ መዕቀኒ ስለ ዝጥቀም’ውን ክኸውን ይኽእል።

ኢሳያስ ኣብ ገለ ገለ እዋን ነቲ ብተደጋጋሚ ዝተሓተተሉ ጕዳይ ስግረዶብ ብጋዜጣኛታት ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ “ሃዳምነት የሎን። ሃገሩ ዝጸልእ ኤርትራዊ ስለ ዘየሎ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ሃገሮም ኣይርስዑን’ዮም፡” ክብል ጸኒሑ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኣብ ሳዋ ብህዝቢ ምስ ተሓተተ፡ “እዞም ዝሃድሙ ዘለዉ ሓተላ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾኑ እንተ ጠፍኡልና’ውን ኣየጕህን’ዩ፡” ክብል መዲሩ። ኣብ ካልእ እዋን እቲ ኣርእስቲ ምስ ተላዕለ፡ “ኣሽሓት ዶላር ሂብካ ናብ ደገ ምኻድ ስደት ስለ ዘይብሃል ንዙረት ከም ዝኸዱ’ዩ ዝርድኣኒ፡” ኢሉ። ንራብዓይ ግዜ ድማ “እዚ ብኣመሪካ ዝምወል ናይ ሲኣይኤ ሽርሒ’ዩ፡ ምኽንያቱ እቶም ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ብኸመይ ይምወሉ ኣዕሪና ንፈልጥ ኢና። ዝኾነ ሰብ ድማ ካብ ሃገር ከይውጽእ ክልኩል ኣይኮነን፡” ክብል ኣብ ነንሓድሓዱ ዝጋጮ መልስታት ክህብ ተሰሚዑ። ኢሳያስ ብዙሕ ግዜ ስለ ዝሕሱ መዓስ እንታይ ኢሉ ኣይዝክሮን’ዩ። ስለዝኾነ፡ ዝጋጮ ሓሶታት ክህብ ይስማዕ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ርኡይ ንዕቀት ከም ዘለዎ ዘርኢ ኣብነት’ዩ። እቲ ዘገርም ቀዳማይ ሓሳዊ ናይ ዓለም ባዕሉ ክነሱ ንተቓወምቲ ይኹን ንጋዜጠኛታት ሓሰውቲ ምባሉ እዩ። እዚ ግን ሓደ ለውጢ ምዃኑ ክንግንዘብ ኣለና። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፡ ቅድሚ ሕጂ ተቓወምቲ ዝብሃሉ የብልናን እዩ ዝብል ነይሩ። ሕጂ ሓሰወቲ ክብል ጀሚሩ ኣሎ፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ውሑዳት ትሕተሃገራውያን ክብል’ዩ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣሕዋትና ተቓለስቲ ክብል ክግደድ’ዩ። እዚ ዘይተርፍ ናይ ታሪኽ ግድነት’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዓለም ዝኾነ ኣንጻር ህዝቢ ዝዓጠቐ ጨቋኒ ጕጅለ ወይ ውልቀመላኺ እንተ ገደደ ግዜ ይነውሕ’ምበር ካብ ስልጣን ክእለ ግድን’ዩ። ኢሳያስ ነዛ ሓቂዚኣ’ውን ይፈልጣ’ዩ ምኽንያቱ ባዕሉ ይሰብከላ ነይሩ’ዩ። ንዓኣ ስለ ዝፈልጥ’ዩ ድማ መምስ ሰኸረ ንህዝቢ ኤርትራ፡ “ምስዚ ከዳዕ ህዝቢ ክንርአአ ኢና” እናበለ ዝፍክረሉ።

እቲ ዝገደደ ድማ ምስ ጅቡቲ ዓለም ዝፈልጦ ወሊዑ ከብቅዕ፡ “ኵናት ኣይነበረን፡ ሲእይኤ ዝፈነዎ ሓሶት’ዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ ሕቡራት መንግስታት ደጋጊሞም ካብ መሬት ጅቡቲ ክወጽእ ተማሕጺኖሞ እምቢ ኢሉ ድህሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መጨረሽታ እገዳ ስለ ዝፈርሐ ንመንግስቲ ቀጠር፡ “በጃኻትኩም ዕረቑኒ፡” ብምባል ካብ መሬት ጅቡቲ ክወጽእ ተረዳዲኡ። ነቶም ኣሲሩዎም ዝነበረ እንግሊዛውያን፡ “ኣፈትሖም፡ ምስ ቈንስል ኣየራኽቦም፡” ኢሉ ዕጭ ሓንፊፉ ከም ዘይነበረ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ነቲ ሃዳሚ ወዲ ገራህቱ መንቅስቃሱ ምስ ሓረሞ “ጠፋእኩ!” ብምባል ሰብ ከይፈለጠ ብመንገዲ ቀጠር ብዘይ ሓደ ቅድመ ኵነት ክፈትሖም ተገዲዱ። ኣቱም ሰባት! ካብዚ ዝከፍእ ውርደት ኣሎዶ!? ከምዚ ዝገብር ሓደ እንስሳዊ ጠባይ ዘለዎ ከብ ጌጋኡ ዘይመሃር ሰብ ጥራይ’ዩ። ኣነ ዘሕዝነኒ ኤርትራዊ ተባሂሉ ምጽውዑ እዩ! ምኽንያቱ ካብዚ ዝኸፍእ ውርደት የሎን። ናይ ኢሳያስ ነገር ብከቦሮ ኣብያስ ብሕምብጢጥ’ዩ።

ኣብ መጨረሽታ ኢሳያስ ንዓበይቲ ዓዲ ከበሬታ ከም ዘይብሉ ንምግንዛብ ዘመልክት ኣጋጣሚ ብምጥቃስ ጽሑፈይ ክዛዝም። ኣብ 1997 ንመጨረሽታ ግዜ ብህዝቢ ክሕተት ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ዓበይቲ ዓዲ፡ ኣኪቡ ሕቶታት ክምልስ ኣብ ዝተቐረበሉ ግዜ እንታይ ኢሉ ከም ዝመለሰ ንተዓዘብ። እቶም ክቡራት ወለዲ፡ “ፍሉይ ቤትፍርዲ ዝህቦም ብይናት ንህዝቢ ክግለጹ’ዮም ተባሂሉ ነይሩ፡ ስለምንታይ ከምቲ ዝተባህለ ዘይቀጸለ?” ኢሎም ምስ ሓተቱዎ፡ “መቀባበልቲ ወረ፡ መታን ቡን እናደግደግኩም ምሕማይ ክጥዕመኩም ዲኹም? እንሃለ እከለ እቲ ከምዚ ዘጠፋፍአ እናበልኩም ንተጋደልቲ መታን ክተጸልሙ ኢኹም ደሊኹም? ሳንቲም ጠፊኣ’ውን ምጽብጻብ ስለ ዘሎ’ምበር ሰሪቖም ኣይኮኑን፡” ብምባል ንተጋደልቲ ሓላዪ ክመስል ከም ዝዘንጠሎም ይፍለጥ። ኣብ ሕበረተሰብና ከምዚ ዓይነት ቃላት ዓቢ ነውሪ’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጊ ኣብ ዘለዎ ሃገር መኽሰሶን ጦርጦስ መእተዎን ነይሩ ይኸውን። እቲ ቀንዲ ከምዚ መበሊኡ ምኽንያት ድማ እቲ ንሱ ዘቘሞ ፍሉይ ቤትፍርዲ ብኣሉታ ክጥቀስ ከሎ ይትንክፉኒ ኣለዉ፡ ንዓይ’ዮም ዝቃወሙ ዘለዉ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ጥራይ’ዩ። ኢሳያስ ሓደ ክብሪ ዘይብሉ ሕሱር ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ይትረፍ ኣቦታትካ ንዝኣኽሉ ብክብሪ ንዝተዓደሙ ዓበይቲዓዲ፡ ንተራ ሓላፊ መንገዲ’ውን ዘይትብሎ ኣተዓባብያ ዝበደሎ ሰብ ጥራይ ክዛረቦ ዝደፍር ናይ ዓዋሉ ቃላት ደርቢዩሎም። ልቢ ኣዕብዮም ይኹኑ ፈሪሖም ብትብዓት ክምልሱሉ ስለ ዘይከኣሉ ድማ ክሳብ መዓልቱ ዝኣክል ከም ተባዕታይ ኣድጊ ክሃልል ክርአ ጸኒሑ። ሕጂ’ኳ ድሕሪዛ ታሪኻዊት ናይ 21 ጥሪ ፍጻሜ ስነስርዓት ክገብርን ክፈርሕን ጀሚሩ ኣሎ። ገናውን ኣኣዛኑ ከውድቕ’ዩ።

ስዉእ ወዲዓሊ ነባሪ እዩ! ኣሰር ወዲዓሊ ንከተል!

 

ሰላም ቅነ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Habte Michael March 2, 2013

    Mr. Estifanos I would like to congradulate you for speaking your mind regarding the psychopath who is destroying and suffocating innocent Eritreans. To begin with the meaning of Respect is never been in Isayas’s dictionary, it’s completely deleted.
    Habte Michael

  • asres alemu December 24, 2013

    azikulu tgebrow zelekum azyu konjo aye gn bkereba manti knketatelo face book awtsu amo lake kngebrekum.

POST A COMMENT