Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓበሬታ፣ ዓመታዊ ንግደት በዓል ማርያም ደዓሪ ኣብ ከተማ ቱቢንገን ሃገረ ጀርመን።

ሓበሬታ፣ ዓመታዊ ንግደት በዓል ማርያም ደዓሪ ኣብ ከተማ ቱቢንገን ሃገረ ጀርመን። „ዝክረ በዓለ ማርያም“ ህልውና እምነተ-ክርስትና፣ እቲ ዘለዓለማዊ ቃል-እግዚኣብሔር፣ ብስራሕ ሓይሊ መንፈስ-ቅዱስ፣ ኣብ ከርሲ ንጽህቲ ድንግል-ማርያም ተጸኒሱ፣ ትስብእትነት ክለብስ ብምርካብ‘ዩ መሰረቱ ከጠጥሕ ዝተረኽበ። በዚ ኸዓ‘ዩ፣ እቲ ንድንግል-ማርያም ኣደ

ሓበሬታ፣

ዓመታዊ ንግደት በዓል ማርያም ደዓሪ ኣብ ከተማ ቱቢንገን ሃገረ ጀርመን።

„ዝክረ በዓለ ማርያም“

ህልውና እምነተ-ክርስትና፣ እቲ ዘለዓለማዊ ቃል-እግዚኣብሔር፣ ብስራሕ ሓይሊ መንፈስ-ቅዱስ፣ ኣብ ከርሲ ንጽህቲ ድንግል-ማርያም ተጸኒሱ፣ ትስብእትነት ክለብስ ብምርካብ‘ዩ መሰረቱ ከጠጥሕ ዝተረኽበ። በዚ ኸዓ‘ዩ፣ እቲ ንድንግል-ማርያም ኣደ ክርስቶስ ምዃና ዘይቅበል-ሰብ፣ ንጽሑፍ ሓዲሽ-ኪዳን ዘይኣምን ሰብ‘ዩ ዝበሃል። ነቲ ንድንግል-ማርያም ብላእከ-እግዚኣብሔር ዝኾነ ሊቀ-መላእክት ገብርኤል ዝተመሓላለፈ ብስራት፣ ከምቲ ወንጌላዊ-ሉቃስ ኣብ ጽሑፈ-ትረኻኡ ንዝትንትኖ ትምህርቲ‘ውን ከም ተወሳኺ ክውሰድ ይከኣል። ንከሃሌ-ኵሉ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ኣደ ክትከውን ዝተሓርየት ፍጥርቲ ብምዃና ከዓ ኣብቲ ሕይወት-ወዳ ዓቢ ግደ ከም-ዘለዋ ዮውሓንስ ወንጌላዊ ከምዝሰበኾ፣ እሞ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ናይ ጽሑፉ ሰፊሩ ከም-ዝርከበልና ትምህርቲ‘ዩ። ድንግል ማርያም፣ ደቂ-ኣዳም ንናይ ዝኸኑ ውሉድ „ኣደ“ እያ። ነዚ ህያብ እዚ መሰረት ብምግባር ከኣ በቶም ዝቀደሙ ቅዱሳን ኣቦታትና ንዝተደርሰ ምስክርነት ክንጠቅሶ እንተ ተረኸብና፣ „ንኣብ መርዓቱ፣ ንወልድ ወላዲቱ፣ ንመንፈስ ቅዱስ መዕረፊ ቅዱስ-ታቦቱ“ እና ተባህለ ንምእንቲ ውዳሴኣ ንዝተደርሰላ ድንግል-ማርያም ብምዝካር ኣብ ዕለት 04-06-2016 ነታ ናይ „ደዓሪ“ ማርያም ተባሂላ ንእትፍለጥ እኖና ቅድስቲ ድንግል ከም ዓመታዊ ልመናና ንሎም-ዘመን ኣብ ከተማ ቱቢንገን ኣብዚ ዝስዕብ ቦታ ብሓባር-ተጋቢእና ክንምህልልን ከነመስግንን ክንርከብ ኢና። ሰዓት 11.00 ጸሎተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ ዮውሓንስ (St. Johannes, Bachgasse 3, 72072-Tübingen) ክፍጸም እዩ። ድሕሪ ቅዳሴ ንዝተባረኸ መግደፍ እንቀምሰሉ ቦታ ከዓ TRZ. Lilli-Zapf-Strasse 14-16, 72072 Tübingen እዩ።

ሓበሬታ ዘድለዮ በዚ ዝስዕብ ቊጽሪ ስልኪ +4915208326506. ወይ +4915730614390 ክውከስ ይከኣል።

ብደሓን ምጹ።

 

ኣኽበርትኹም ኣዳለውቲ በዓል ማርያም ደዓሪ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ugbaldet May 9, 2016

    ametawi nigdet beal mariam deari ab london [england] elet 4/6/16 kenebiel kem mukhuana nihbir

POST A COMMENT