Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደ ካብ ማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጡ ሱዳን ዝኣተወ መንእሰይ ብሰንኪ ዝወረዶ ጽኑዕ ማእሰርቲ ኢዱ ናይ ምቝራጽ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ከምዘሎ ጠፈሊጡ።

ኣብ ተሰነይ ካብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ሳልስቲ ኣምሊጡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቢንያም ገብራይ ናይዝጊ ዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ማሕዩር ዘጋጠሞ ምቑሕ ሰንሰለትን ግፍዕን ሓንቲ ኢዱ ክትቍረጽ ምዃና

ኣብ ተሰነይ ካብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ሳልስቲ ኣምሊጡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቢንያም ገብራይ ናይዝጊ ዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ማሕዩር ዘጋጠሞ ምቑሕ ሰንሰለትን ግፍዕን ሓንቲ ኢዱ ክትቍረጽ ምዃና ሱዳናውያን ሓካይም ስለዝሓበሩዎ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ከሰላ ሓቢሮም።

እቲ መንእሰይ፣ ካብ ተሰነይ ንጎልጅ ክኸይድ ከሎ፣ ናብ ሱዳን ክትሃድም ሓሲብካ ተባሂሉ ቅድሚ 10 መዓልታት ድሕሪ ምእሳሩ፣ በቲ ዝወረዶ ጽኑዕ ማእሰርትን ምቕጥቃጥን ኣብ ንእስነቱ ስንክልና ኣንጻላልዩዎ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • dan May 26, 2015

    Eritra on
    ከምቲ ዝበልካዮ ብሕግን ፍትሕን ምኻድ እቲ ዝበለጸ እንድዩ እንተኾነ ኣብ ሕግን ፍትሕን ዘይኣምን ሽፍታ ጉጅለ በቲ ዝርድኦ ቃንቃ እንተከድናዮ ይሓይሽ ባሃላይ እየ።

  • Bere May 26, 2015

    ኣየ ግናይ ዘመን፤ ኤርትራውነት ውርደትን ሕሰርትን ዘኾነሉ ክፉእ ግዜ ኣርኪቡና።
    እዋእ፣ ክፉእ ግዜ ድዩ ኣርኪቡና: ወይሲ ክፉእ ግዜ ኢና ምሂዝና ?

  • rahwa May 26, 2015

    How can we help to save his arm?

  • wedi eri May 27, 2015

    BItaemi eyu zigerim nay eritreawi neger kulu akalatna bisenki higidef endatebatatekhe nizibetatikhuna chifra HGDF betikhna kesina keyninebit ab nenihdhidna kinichefachef niwiel alena. Amlakh mihretu yazizelna

POST A COMMENT