Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕሉፍነት!!!!!!!!!?

ሕሉፍነት!!!!!!!!!? “ስነ -ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ጨው ከም ዘየብሉ መግቢ” መጽሓፍ ኣርባዓን ኣርባዕተን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዘበነ ፈደረሽን ኤርትራ፡ ካብ ዝነበረ መጻሕፍቲ። ጥዑም መግቢ፡ ብዝሒ ሓዊዶ! የብስሎ? ብዝሒ ጨው ከ! የጥዕሞዶ? ብዝሒ፡ በርበረ ኸ! የምቅሮዶ?  ብዝሒ፡ ቀመም ከ!

ሕሉፍነት!!!!!!!!!?
“ስነ -ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ጨው ከም ዘየብሉ መግቢ” መጽሓፍ ኣርባዓን ኣርባዕተን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዘበነ ፈደረሽን ኤርትራ፡ ካብ ዝነበረ መጻሕፍቲ።
ጥዑም መግቢ፡ ብዝሒ ሓዊዶ! የብስሎ? ብዝሒ ጨው ከ! የጥዕሞዶ? ብዝሒ፡ በርበረ ኸ! የምቅሮዶ?  ብዝሒ፡ ቀመም ከ! ይጥዕምዶ? ወሓለ ዘይሰርሓቶ! ይነ ኣድ ዶ?።
ሕሉፍ!! ሓለፋ!!!ሕሉፍነት እንታይ እዩ? ሕሉፍ ምዃንከ! እንት እዩ ረብሓኡ? ሕሉፍ ብምዃን፡ የፋቕር ዶ? ሰላምን ምርግጋእን ከ! የምጽእ ዶ? ፍትሕን! ስርዓትን ኣሎ ዶ? ሕሉፍ ሰብ ብምዃኑ! ሰብ ይነኣድ ዶ? ሕሉፍ ሰብ ይዕወት ዶ?
ሕሉፍነት! ባህርይ ኣብ ኤርትራውያን፡ ንሃገርናን፡ ንህዝብናን ኣብ ድቕድቕ ጸላም ኣእትዩዋ ይርከብ ኣሎ። ሕሉፍነት! ዘስዕቦ! ካብ ጥቕሚ!! ጉድኣቱን፡ ስቓዩን፡ ድኽነቱን፡ ዉርደቱን፡ ድንቑርናኡን፡ ዕሽነቱን፡ ስድነቱን፡ ብዕልግናኡን፡ ድሕረቱን፡ ስድራቤት ምብታኑን፡ ህልቀቱን፡ መቕዘፍቱን፡ ኣደራዑን፡ መረረኡን፡ ደሚርካ ኣጉዲልካ መልሱ፡ ባዶሽ፡ዝኾነ ዜግነት ኤርትራውያን ኮይኑ ይርከብ። ሕሉፍነት!! ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ፡ ኣንነት፡ ብመጽናዕትን፡ ብታሪኽን፡ ብባህልን፡ ዘይድገፍ፡ ሓዱሽ ባህሊ ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ባህሊ እዚ፡ ብዓዋሉ፡ ብናይ መንንነት፡ ቅልውላው፡ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ዝተመርኮሰ፡ ናይ ሓሶት ልዕልና፡ ኣብ ልዕሊ፡ዜጋን! ኣብ  ልዕሊ፡ ህዝብን! ኣብ ልዕሊ ሃገርን፡ ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ፡ መጽነትን፡ መቕዘፍትን፡ህልቀትን፡ ኤርትራውያን እዩ። ሓቢርና፡ ንመልከት።
 
“ነዋሕ፡ መሽላ!!ወይ ንዒፍ!!ወይ ንወንጭፍ!!” ከም ዝባሃል፡ ኣስዕብ ኣቢልካውን፡ “ብዘበነይ ይጥዓሞ ንወገነትይ” ይባሃል እዩ።
ሓለፋ ንምንታይ ኣድለየ? ሓለፋ ዝደሊ ዓማጺ!! ብሕጊ ዘይ ከይድ ጥራሕ እዩ። ሓለፋ ዝደሊ፡ ንዓይ ንዓይ፡ዝብል ፍጥረት እዩ። ናይ ሓሰማ ባህርይ ዘለዎ። ኣነ ይጽገብ፡ ጸጊበ ይድቅስ፡ ብድሕሪኡ ይሕረድ። ናይ ዓመጽ፡ ባህርያት፡ ዓመጽ ኣብ ርእሲ ዓመጽ፡ ሓሶት ኣብ ርእሲ ሓሶት፡ ዘይናትካ ምድላይ፡ ብዘይ ጉልበትካ ምንባር፡ ሕጊ ኣልቦነት፡ ሽፍትነት፡ ጸብለትነት፡ ተበላጽነት፡ እንተ ዘይኮይኑ! ካልእ ዘምጾኦ፡ ትርፍን፡ መኽሰብ፡ ረብሓን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣይተራእየን።
ሕሉፍነት እንታይ እዩ?
ሕሉፍ ዝባሃለ ከመይ ዝኣመሰለ ኮን ይኸውን? ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ ክድርደር ስለ ዝኽእል፡ ሕሉፍ ማለት ካብ ዓቀን-ዝሓለፈ፡ ካብ መጠን-ዝበዝሔ፡ ካብ መምዘኒኡ፡ ዝዛየደ፡ ብቑመት ኮነ! ብኽብደት! ብስፍሪ! ካብቲ መለክዒ! ቅቡል ዝኾነ ኣብ ሓደ ህዝቢ ወይ ኣብ ሕብረተ ሰብ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ ዳኝነት፡ ኣብ ኣከባቢ፡ ኣብ ሃገር ኮነ! ኣብ ኣሕጉራዊ፡ ንሰብ ኮነ! ንነገራት ዝልከዓሉን፡ ዝምዘነሉን፡ መለለዩ፡ ባህርያዊን፡ ሳይንሳውን፡ ሕጋውነት ዝለበሰ እዩ። ዓቀኑ ብዙሕ ኮይኑ ዝርከብ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓሊፉ ዝርከብ፡ ሕሉፍነት! ጸብለልትነት ኣለዎ፡ ክብሃል ይከኣል።
ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅመሉ፡ ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ” ምስላ ናይ ኣድከመ ምልጋእ
ሕሉፍ!!! መን እዩ? ሕሉፍ ዝባሃል እምበኣር ካብ ሰቡ ንላዕሊ፡ ጸብለልነት ዝሓትት፡ ዝያዳ ንዓይ ቀርቡለይ ዝብለ፡ ቅድሚ ሰበይ ክዛረብ ዝብል፡ ታራኡ ዘይጽበ፡ ንዓይ ስምዑኒ፡ ኣነ ምስተዛርብኩ ካልእ ክዛረብ የብሉን ዝብል፡ ልዕሊ ሰበይ ምሁር፡ “ዓለም ኩላ ደንቆሮ” ኣነ ብዝያዳ ፈሊጥ ስለ ዘለኹ!! ካልእ ሰብ ከም ዘይምልከቶ ጌርካ ምውሳድ፡ ኣብ መስርዕ፡ መስርዕካ ከይተጸበኻ ኣቀዲምካ ምሕላፍ፡ ጉዳይ ስለ ዘለኒ ቀልጢፍኩም ኣፋንዉኒ ምባል፡ ቅድሚ ሰብ ክትከውን ምፍታን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንበዓል ስልጣን ስለ እትፈለጥ! ጉዳይካ ብዘይ ኣግባብ ክሰልጠካ ምግባር፡ ብምጕብዕባዕ፡ ቆሉዑ ስለ ዘለውኒ፡ መገሻ ስለ ዘለኒ፡ ኣኼባ ስለ ዘለኒ፡ ዕድመ ስለ ዘለኒ፡ ኣጋይሽ ኣብ ገዛ ስል ዝገደፍኩ፡ ኣነዶ ከም ኩሉ ሰብ ክርኤ ኣለኒዩ፡ ……ወዘተ። ዝብል ሓለፋ ምድላይ።
ሓለፋ ብምድላይ ሰላም የምጽእዶ? ሓለፋ ዝደሊ ብምንታይ ይልለ? ኣብ ዕለታዊ ኣካይዳ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣሰራርሓን፡ ተግባሩን ሕሉፍነት ክርኤ ይኽእል። ሓለፍ ዝደሊ እንታይ ረብሔ? ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ካልእ እንታይ ገደሸኒ ስለ ዝብል፡ ተበለጸ። ሰስዔ፡ ስነ ስርዓት ኣጉደለ፡ ኣነ ጽሩይ ማይ ኣስትዩኒ፡ ብድሕረይ! ማይ ይዘረግ።ኣነ ከለኹ ዳኣ ይጸብቕ እምበር ብድሐርይ ይበላሾ። ኣነ ኣይኮንኩን ባዕሎ እዮም ኣጨማሊቖሞ!። ዝገበርካ ምስ ገርካ ካብ ሓልፍነት ምህዳም፡
ኣነ እንተ ሞይተላ ዳንደር ኣይትብቆላ” በለት ኣድጊ ከም ዝባሃል እዩ።“ኣነኮ ሓደ ሰብ እየ! ዓዲ ብዓዳ እንድያ ከምኡ ትገብረ ዘላ” አናበልካ ምሽክዕላል።
መተሓሳሰቢ!!!ኩሉ ዜጋ ወዲ ሃገር ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት፡ ስነ ምግባር ናይ ምሕላው ሓልፍነት ኣለዎ። ስነ ምግባር ዘጉደለ፡ ስርዓት ሃገር ኣጉደለ፡ ፍትሒ ኣዘናብዔ፡ ሕጊ ረገጸ፡ ሃገር ኣፍረሰ ወይ ሃገር ኣዕነወ እዩ።
ሕሉፍ፡ኣብ ሃገራውነት!!!!
ሕሉፍ!! ሃገራውነት፡ኽ? ካብ ዝጅምር፡ ዕድሜኡ ነዊሕ እካ እንተኾነ፡ እዚ ሕሉፍነት እዚ እናተወራረሰ፡ ምስ ግዜን ኩነታቱን፡ መልክዑን ሕብሩን፡ እናቐያየረ ልዕሊ ሰብዓ ዓመታት፡ ብጭብጢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተምዝጊቡን፡ ተሰኒዱን፡ ተኾሚሩን ይርኤ ኣሎ። ብዘበን እንግሊዝ ዝጀመረ ሕሉፍነት፡ዝተዘርኤ ዘርኢ ሕሉፍነት፡ ስዒቡ ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ብሕሉፋት፡ ዜጋታት ዝተመስረተ፡ቃልሲ ኤርትራ? ሕሉፍ ሃይማኖትነት፡ ዓረብነትን፡ ስለ ዝተወሰኾ፡ ሕሉፍ ገድሊ ኤርትራ ብስም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተመስረተ። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ እንታይ ይሕሸና? እንታይ የሰማምዓና? ከመይ ኢልና ሓቢርና ክነብር ንኽእል? ዝብል ሕቶታት ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምሃብ!!! ኣነነት ስለ ዝዓብለለ ኣብዘይ ኣድለየና፡ ናይ ህልኽን ናይ ቅርሕንትን፡ ናይ ሓጺር ስጉምቲ፡ሓጺር ዉሳኔ ብምውሳድ፡ ምስ ውልቃዊ ረብሓ ብሕዋስ ጸገምናን፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራን ከይተፈትሔ፡ ሽግርና፡ እናበዝሔን፡ ናብራ ህዝብና እናኸፍኤን ይኸይድ ኣሎ።
ይተካእ ይለቀም፡ ድሕሪ ጉባኤ ኣዶብሓ፡ ሽግራት ኣብ ክንዲ ዝፍታሕ፡ እንተ ብቕንዕና!!እንተ ብተንኮል፡ ኣቐዲምካ ስልጣን ሒዝካ ጎብለልነት ምዃን፡ ምስጢሩ ብሩህ ብዘይኮነ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ታሪኽ ኣብ 1970 ዝተገብረ ምፍንጫላት፡ ደቂ ባርካ ኮነ ደቂ ሰምሃር ብሓደ ወገን ደቂ ከበሳ በት ሓደ ወገን ንጽር መጽናዕቲ ዘይተገብሮ፡ ነናትካ ታሪኽ እናተጸባበቐ ህዝቢ ኤርትራ ብበሎ በሎ ክንድንቑር ከኣለ። “ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብደቡባዊ ምብራቕ ባርካ ዑበሊን፡ ኣብ ከበሳ ወይ ክርስትያን፡ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ” ኢልካ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ደጋጊምካ እንክርኤ፡ ሕሉፍነት፡ ዘስዓቦ መሪር ናይ ሓቢርካ፡ ዘይምስራሕ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ኣጉዲልካ፡ ሕግን ሓልፍነትን፡ ረጊጽካ፡ ኣብ ዘየድሊ ፈኸራን፡ ዕንደራን፡ ተኣትወ። ንእትብሎ ሓቅነት ከተልብስን፡ ደጋፊ ሰዓብን ክትረክብ፡ ናይ ሓሶት ታሪኻን፡ ገበናትን እናደራደርካ፡ ዝጠፌኤ ሂወት መንእሰይ ኤርትራ፡ ዝጠፌ ጉልበትን፡ ቅንጸላን፡ መስዋእትነትን፡ መሪር ታሪኽን፡ ሓተላ ምምሕዳር፡ ኣጽናቲ ስርዓትን፡ተፈጢሩ ዘሎ፡ ሑፍነት ዘስዓቦ ጠባያትን፡ ተግባራትን እዩ።ኣብ ታሪኽ ሓተላ ዝኾነ ትግባራት እዩ።
“ምሳና ዘይኮነ ካባና ይፈለ”
ዝዓይነቱ ኣመሃህራን፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳን፡ ኣሰራርዓን፡ ኣወዳድባን፡ ካብ ወላዲኻን፡ ወላዲትካን፡ ሓፍትኻን፡ ሓውኻን፡ ሓዳርካን፡ ደቅኻን፡ ሂወትካን፡ ዓርክኻን፡ ዓድኻን፡ ወረድኻን፡ ኣውራጃኻን፡ ፈሊኻ፡ ሕሉፍ ሃገራውነት ከተእምንን፡ ከተጽልይን፡ ከተስምዕን፡ ከተሕስብን፡ ተጋዳልይ! ከተስቆርቑርን፡ ብምግባር፡ መደንቆር ዝኾነ ትምህርቲ!!! ንኣእምሮ ተጋዳልይ ሰለበ።ተጋዳላይ ጻዕዳን ፡ ጸሊምን ክፈልየሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃውን በጽሔ። ተጋዳላይ፡ ናብ ሮቦት ወይ ናብ ዛህላልነት ተቐየረ። እዚ ስለ ዝተገበረ፡ ዘስዓቦ! ወይ ዘፍረዮ፡ ምግዳል ከም መለኮታውነ ኮይኑ ክእመን ከኣለን፡ ለበሰ። መስዋእትነትን፡ ጅግንነትን፡ ድማ ኣንዊሕካ ኣብዘይ ትጥምተሉ ስለ ዝበጽሔ!!! ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ እናተባህለ፡ ናብ ከቢድ ስምዒታዊ ወይ ከም ሻህረትነትን፡ ተቐየረ። ተጋዳላይ! ንሂወቱ ምንም ዋጋ ኣብ ዘይህበሉ እዋን ተብጽሔ። ተበልጽቲ ክጸንሑ፡ የዋሃት ኣቐዲሞም ተበጀዉ።ኣባጽሕን፡ ዕሸላትን መናእሰይ ተጋደልቲ ኤርትራ ኣብ ባርዕ ኩናት እና ኣተዉ፡ ሃገራዊ መስዋእቶም ቀጸሉ፡ በጃ ሃገር ህዝብን ሓሊፎም ነጻነት ናይ መርየትን፡ ክብሪን ግርማን!!! ንህዝቢ ኤርትራ ኣረኪቦም ሓለፉ።
ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ኤርትራ፡ ዝተሰዉን፡ ዝሰንከሉን፡ ዕድሚኦም ኣብ ቃልሲ ዝወዱኡን፡ ዝደኽሙን፡ ኣብ ኣገልግሎትን ዘለዉ ኩሎም ምስጋና ይብጻሓዮም።
“ተመሊስካ ትርእዮ፡ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ”
ሕሉፍነት፡ ዜጋ!! ኣብ ርእሲ ዜጋ ብምዃን፡ ሓደን ክእመን እቲ ሓደን ክጥእርጠር እናገበርካ፡ ሓደን ክግደስ ብዙሕ ስለ ዝሕሰወ፡ እሙን ዜጋ ክመስል፡ ሓሳዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓሳዊ፡ ዜጋታት ኔርትራውነ ተወዳደሩ፡ ናይ ዘይኮንካዮ ሕልምን በለጽን፡ ዝተኣልመ ማእለማ ሕሉፍ ተኣማኒ፡ “ሕሉፍ ጸጋማይ፡ ሕሉፍ የማናይ፡ ሓለፋ ዝዋሃቦ ኣውራጃ፡ ንሓለፋ ዝወዳደር ኣውራጃ፡ ሓለፋ ዘየድልዮ ኣውራጃ፡ ሓለፋ ዝወሃቦ፡ ሃይማኖት፡ ሓለፋ ዝሰኣነ ሃይማኖት፡ ሕሉፍ ሓገራዊ፡ ሕሉፍ ሓፋሽ ዉድብ፡ ሕሉፍ….ወዘተ። ብሕሉፍነት ሃገርና በረሰት።
ሕሉፋውያን ዓድታት
ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓለፋ ክዋሃብ ተራእየ፡ ሕሉፋት ጀጋኑ!!! ዘፍርያ ክመስላ ኣብ ሓለፋ ሽመትን መዓርግን ተሰሪዔን ይርከባ። ሕሉፋት ዓድታት፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ዓሰርተ ጀነራላት፡ ካብ ሚእትን ዕስራን፡ ንላዕሊ ኮሎነላት፡ ክህሉ እንከሎ፡ ጥዑይ ዓይንን ኣእምሮን፡ ዘለዎ ዜጋ፡ ክሓትት ናይ ግድን እዩ፡ ከመይ ኢሉ ክኸውን ካኣለ? እዛ ዓዲ እዚኣ ንበይና ድያስ ከማኣ ዝኣመሰላ ዓድታትከ ኣለዋዶ? ኢሉ ንዝሓትት፡ እወ፡ ኣብ ከባቢኤን ዘለዋ ዕድታት እየን እዩ መልሱ። ሕሉፍነት!! ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ሕሉፍ ኣውራጃ እንሆ። ናይ ሃገር መከላኸሊ ምኒስተር ብሓደ ኣውራጃ ክምራሕ፡ ንፍትሕን ስርዓትን ፡ ንሃገራዊ ቕዋም ጠጠው ዘይብሉ፡ ሃገራዊ ሰራዊት፡ ንነብሶምን ንዝሸሞምን፡ ከገልግሉ እዮም ተመዲቦም።እዚ፡ ስል ዝኾነ ድማ እንሆ! ጀነራላት ኤርትራ፡ ሕሉፍ ሓገራውነት ተጎልቢቦም፡ሃገርን ህዝብን እናበረሰ ስቕ ኢሎም ይርእዩ ኣለው።
ካባና ዘይኮነ!! ካባና ይፈለ ዝዓይነቱ፡
ስርዓት ኤርትራ ካብ ሓደ ኣውራጃ ብብዝሒ ጀነራላትን፡ ኮሎነላትን፡ ማጆራትን፡ ብጠቕላላ መኮነናት፡ ሃገራዊ ጸጥታን፡ ድሕነትን፡ ምክልኻልን ስለ ዝተታሕዜ፡ ፍትሒ ኣልቦነት ኣብ ስራሕ ውዓለ። ሕሉፍነት ዝተጎልበቡ ምሁራት፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ “ሃገርናን መንግስትናን ንሓሉ” ሃገር ንበይኖም ከም እትብጽሖም፡ ዓው ኢሎም ክጭድሩ ዕለታዊ መደርን ሓቂን እዩ። ብሕሉፍነት!!! ሃገርና ኣበየናይ ሓደጋ ኣትያ ከምዘላ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ተወሳኺ መርትዖ ዘድልዮ ኣይኮነን። ሕሉፍ ሃገራውነት፡ ሓለፋ ናይ ኣገልግልቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋኻ ኣሽካዕልል!! ድላይካ ግበር፡ ሕጊ ንስኻ ኢኻ፡ ሕጊ ከምድላካ! ተርጉሞ! ዘድለካ ግበር ሃገር ናትካ!! ናተይን!  እዩ ዝብል ንጉስ ኣብ ኤርትራ ነገሰ።
“ደርሆ!! በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝባሃል፡
ገለ ገለ ኣካዳሚክስ ትምህርቲ ዘለዎ ሕሉፋት ዜጋ ኣብ ዕብዳን ምዝርና፡ ብዕልግናን፡ ከም ሓለፋ ወሲዶም፡ ናብ ሃገርና ኤርትራ ክመላለሱ ይራኣዩ። ሕሉፍነት ዝተኸድኑን፡ዝተዓጥቑን፡ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ንህዝቢ ዓለም ዘደናግሩን፡ ንዲክታተር ንጹሁነት ዘልብሱን፡ ሃገርና ብጸላእቲ ተኸቢባ፡ እናበሉ ዝግዕሩ ብገንዘብ ዝተዓደጉ፡ ንቖልመጽመጽ ዝሓድሩ፡ ኣብ ኤርትራ ከይዶም ከምድላዮ ክምንዝሩን፡ ክብዕልጉን፡ ይፍቀደሎም። መንእሰይ ሃገርና፡ ኣብ ባርነት ክነብር ጥዑይ መነባብሮ ስለ ዘየብሉ፡ ድኽነት ስለ ዝበዝሖን፡ መስዋእትነትን፡ ስደትን ተወሲኹ፡ ኣዋልድ ኤርትራ ሓዳር ክገብራ ስለ ዘይከኣላ፡ ኣደዳ ምንዝርናን፡ ዉርደትን ኮይነን ይርከባ ኣለዋ።
ተወሳኺ!  ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዘበነ ጸነተ!!! ናብ ኤርትራ ዘኺዶም ንኽምንዝሩን ንኽዓብዱን፡ ድሃይ ገዛይ ክፈልጥ እናበሉ ይገሹ።
ሃገራዊ!!ንገበንካ ሓቅነት ዘብሉ፡ ከተምስል ተጣበቕቲ ስል ዘድልዩ፡ ካብ ህዝቢ፡ክትምልምል ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ብትምህርቲ ኣካዳምያዊ ደረጃኦም፡ ልዕል ዝበሉ ብማስተርስን፡ ብዶክተርነት፡ ዝወድኡ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝግበር ግፍዕን በደልን ኣብ ስደት፡ ንዝግበር ምንቅስቃሳት ከተዓናቅፉን፡ ነቲ ዝግበር ኣብ ህዝቢ በደላዊ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ሕጋዊ ስም ከልብሱ ይኽእሉ ዝባሃሉ ይቑጸሩ። ቑጻር ወይ ዓሰባ ዝተባህሎ ይፍጽም። ገለን ብገንዘብ ተቖጺሮም፡ ገለን ብሕሉፍ ሃገራውነት ኣእምሮኦም ሸፊንዎም፡ ዝተበላሸዉ፡ ንህዝቢ ዓለም፡ ሃገርና ኤርትራ ምዕብልትን ብልጽግትን ብወርቂ፡ዝነትዔትን፡ ድኽነተ ኣልቦ ክገብሩ ይፍትኑ። ኣብ ስደት ካብ ሓደ ከተማ ናብቲ ሓደ ከተማ እናኸዱ ይግዕሩ ኣለው።
ናይ ኤርትራውያን ሕሉፍነት!!!ንበይኑ እዩ??
ኣቕሽሽትን፡ መሻይኽን ካብ ሃይማኖት ወጻኢ ኣብ ዘይምልከቶም፡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዘፋቕሩ ከባእሱን ይውዕሉ ኣለዉ። ነፍስ ወከፍ ዜጋ ብሕሉፍነት ተበላሽዩ ስለ ዘሎ፡ ካብዚ መርዛም ብልሽውና፡ ጠባይ ክንፍወስ ናይ ግድን እዩ።ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዘይሓልፍነታዊ፡ ዘይ ስነ ምግባራዊ፡ ዘይሕጋዊ ተጋባራት ክፍጽሙ ይዉዕሉን፡ ይሓድሩን፡ ኣለዉ። እዚ፡ ድማ፡ ኣብ ዘዝነብሩ ዓዲ፡ ኣብ ሓገዝን፡ ረዲኤትን፡ እንጀራ ልማኖ እንዳነበሩን፡ እናበልዑ፡ ዝበልዕሉ ጻሕሊ ክሰብሩ ይራኣዩ።ኣብ ዝነብሩሉ ዓዲ ወይ ሃገር፡ ዑቕባ ክሓቱ ከለዎ ዝበልዎ ረሲዕም፡ኣብ ኤርትራ እንክበጽሕ ኣብ ሓሶትን፡ ሕግን ስርዓትን፡ ክጥሕሱ ይርከቡ ኣለዉ።ኤርትራዊ ስነ ስርዓት ኣጕዲሉ ይርከብ ኣሎ።
 “ስነ ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ ጨው ከምዘይብሉ መግቢ” ኮይኑ ስለ ዘሎ ኣንዊሕና ክንሓስብ ይግባኣና።
ሕሉፍነት ዘይፍወስ ሕማም ምንሽሮ ኤርትራ እዩ
ኤርትራዊ፡ ነን ነብሱ፡ ይፈትሽን ይመርምርምን፡ ብሕሉፍነት ምንም መድሃኒት ኣይርከቦን እዩ። ሕሉፍ ቛንቛ የለን። ሕሉፍ ሃይማኖት፡ የለን። ሕሉፍ ብሄር የለን።ሕሉፍነት ዜጋ እውን የለን። ሕሉፍ ኣውራጃውን የለን።ሕሉፍነት ሕማም ምንሽሮ እዩ። እሞ ሕማም ምንሽሮ ካብ ኮነ፡ እዚ ሕማም ምንሽሮ ተሰኪምና ካብ ምንባር ክንገላገል ንጽዓር፡ ፈውሲውን ንርከበሉ።
ካብ ሕሉፍነት ሓራ ንኹን።ህዝብና፡ ተር ከም ዓተር ኢሉ፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ማንም ዜጋ ማዕረ ዳኣምበር!!!ሓለፋ፡ የብሉን።ኩሉ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣብ ማዕርነት ዜጋታት፡ኣሚኑ ክነብር፡ ብቕዋም ክምራሕ፡ ብሕግን፡ ብፍትሕን ብስነ ርዓትን፡ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ክነብር እንተዳኣ ኮይኑ? ኩሉ ዜጋ ኣብ ሃገራዊ ትካልን፡ ቅዋምን ንኽተክል ክጽዕር ሓላፍነት ኣለዎ።ናይ ኩሉ ዜጋ ጻዕርን ድኻምን ድማ ይሓትት። ደው በለለይ ክብለጸልካ ግዜኡ ኣብቂዑ እዩ።
ፍትሒ ይንገስ!!!
ዉድቀት ንሸፋቱን ሕሉፋት ሃገራውያንን
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ፡ ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 03/21/2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • tesfamariam April 2, 2016

    ኢሰያስ ዘይከምዚ ዘኣመሰሉ እዩ ዝደሊ ኣውራጃዉያን ሃይለ ደይንስካ ከምቶም ጀነራት ኢካ ወገን ዝብል ወገናዊ ጥራይ እዩ፡፡

    • Haile Tensae April 3, 2016

      ሰላም ተስፋማርያም!!
      ርእይቶኻ ቅቡል እዩ። እቲ መልእኽቲ እንታይ ይብል ኣሎ? “ንእንጀራ ኣኾምሲዕካ: ንዘረባን ኣስተውዒልካ” ምኽሪ ቀዳሞት።
      ደጊምካ ኣንብቦሞ!!!መልሲ ኣብኡ ክትረኽቦ ኢኻ።
      ሰሳም

      • tesfamariam April 3, 2016

        እንታይ ዝኮማሳዕ እንጀራ ቀረብካ እቶም ትብሎም ዘሎካ ጀነራላት ብዘይካ ከብዶም ዝዉክልዎ እዉራጃ የብሎምን ሓማሰን እንታይ ረኪቦም ከምኩሎም ኣሕዋቶም እደራዕ ኢሰያስ የውርዶም ኣሎ ንስካ ናይ ሓደ ኣዉራጃ ሕማም ዘሎካ ሰብ ኢካ ንኩሉ አርትረዊ ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡፡

      • tesfamariam April 3, 2016

        እንታይ ዝኮማሳዕ እንጀራ ቀረብካ እቶም ትብሎም ዘሎካ ጀነራላት ብዘይካ ከብዶም ዝዉክልዎ እዉራጃ የብሎምን ሓማሰን እንታይ ረኪቦም ከምኩሎም ኣሕዋቶም እደራዕ ኢሰያስ የውርዶም ኣሎ ንስካ ናይ ሓደ ኣዉራጃ ሕማም ዘሎካ ሰብ ኢካ ንኩሉ አርትረዊ ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡፡

  • Teclay April 2, 2016

    ክቡር ኣቶ ሃይለ
    ጽሑፋትካ ኩሉ፣ሽግራትና ብዘይ ቀልዐለም ንደገ ኣውጺእና ብግልጺ ተኻቲዕና መፍትሒ ንድለየሎም ካብ ዝብል ኣምር ዝነቅል ይመስለኒ።ብጣዕሚ ዝንኣድ እዩ።ክንዲ ዝኾነ ጀሚረ ዝውድኦ ጽሑፍ ናትካ ጥራይ እዩ። እዛ ናይ ሎሚ ግን ኣይነኣድኳዋን ፣መኽያቱ እቲ ኣርእስትን እቲ ዝርዝርን ኣይተጋጣጠመለይን። እቲ ካልእ እቲ ብዛዕባ እዞም ጀነራላትን ኮለኔላትን ዝበልካዮ እዩ።አቶ ሃይለ ካብ ርሑቕ ካብ ኣሜርካ ክትርእዮ ከምቲ ዝበልካዮ ክመስል ይኽእል እዩ።እቲ ሓቂ ግን ብ ኣንጻሩ እዩ። እዚ ዝተባህለ ቦታታት ፣እቲ ካብ ሙሉእ ኤርትራ ዝተወጽዓ ህዝቢ እዩ ምበልኩ። ንምሳሌ፤ -ኣብዚ ከባቢ እዚ ጤሳ ኣይተዋህበን፣ስለ ዝኾነ ደቂ 60 ዓመት ተጸጋጊዖም ይነብሩ ኣለዉ ፡፡-እንባደርዎ ነይ መሬት ተቓውሞ ገይሮም ዓዲ ብዓዳ ትኣሲሮም ነይሮም ።።-ኣብ ዓዲ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬት ድምበዛን ካርነሽም ጸቢብ እዩ፣ እቲ ቐንዲ ሕርሻ ኣብ ሰምየናዊ ባሕሪ እዩ ነይሩ። መንግስቲ ገድሊ ቁማር ኢልዎ ኣሎ ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ፣ ግን ከኣ ኣብ ሙሉእ ባሕረ ነጋሲ እቲ ሽግር ተማሳሳሊ እዩ።ስለዚ እዞም ዝበልካዮም ስባት ንነብሶም ምናልባት ፣ነቲ ካባቢ ግን ጸልማት ጥራይ እዮም ከዲኖሞ ።ኣብ ሃይለ ስላሴ -ደርጊ ከመይ ነይሩ እቲ ከባቢ ሕጂ ኸ???????
    ኣቶ ሃይለ ኣብቲ ዘለካስ እንተትውሱኹኻ ድዮም ዝብልዎ ፣ንእሽቶይ ምኣረምታ ማለት እንበር ንምቅዋም ኣይኮነን።
    ትምህርትኻ ቐጽሎ፣ምስ ምሉእ ኣኽብሮት።

    • Haile Tensae April 3, 2016

      ኣቶ ተክላይ ሰላም!
      ርእይቶኻ ቅቡል ኮይኑ! ኣብ እምባ ኮንካ ክትምትን: ኣብ መዓሙቕ ኮንካ ክትጥምትን ፍልልዩ ብዙሕ እዩሞ!! ኣብ ብርኽ ዝበለ እምባ ኮንካ ከም እትጥምት ኮንካ ከተንባ እምሕጸነካ።
      ሓውካ
      ሃይለ ገብረ ትንሳኤ

  • Moki April 2, 2016

    It’s not a secret any more, that the supporters of the regime, in particular those in Diaspora, are mostly from Hamasien. They stand with the regime because they are benefiting from it. Almost every Ministry, at all levels, is fully controlled by them. The region gets priority in development projects. In nineties a lot of public rural works made the region the most developed in the country . Now, like the rest of Eritreans, they have started complaining, mostly because they are affected by the failing economy. The Army generals are the most cruel gang Eritreans have ever seen. No doubt they are regionalists to the core, but hopefully they too will face justice one day.

  • Simon G. April 3, 2016

    ጸገም ኤርትራውያን: ንግሁድ ነገር ከምዘየሎ ጌርካ ምውሳድን: ንሓቂ ምኽሓድን ‘ዩ።
    ኣቶ ሃይለ ዝገለጾ: ሓቂ ከም ጸሓይ ቀትሪ ‘ዩ። ናብ ካልእ ከይከድና: ዝበዝሑ ደገፍቲ ህግደፍ መን ‘ዮም?
    ጥውይውይ ኢልካ ሓቂ ምዕባጥ ኣይጠቐመናን። ኤርትራ ናብ መደየቢ ዘይብሉ ሸለው ዝበለ ጸድፊ ኣምሪሓስ ኣብ ናይ መወዳእታ ኪሎ መተር በጺሓ ትርከብ።
    ነዚ ዘይርድኦ ሰብ: ሰብ ኢልካ ክትጽውዖ ከጸግም ‘ዩ።

    • k.tewolde April 3, 2016

      ‘True like broad daylight’, you can’t put it any better in the sweetest language in the whole wide world Simon G., Haile is not preaching regional nepotism as some smart commentators try to label him, on the contrary,he is pointing out the tools the tyrant used to inflict pain upon us.The article is written in tigrigna not mandarin,don’t try to misconstrue it.Thanks S.G.

  • Aman April 3, 2016

    ኣቶ ሃይለ።
    “ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቅስ”እዩ ነገሩ። እቲ ሓቂ ንሱ እዩ። ኤርትራውን ናይ ይምሰልን ናይ ክሕደትን ኣካይዳ ክሳብ ዘየቃረጽና፡ ናብ ሓደ መስመር ክንመጽእ ኢና ማለት ዘበት እዩ።
    ክውንነትን ሓቅን እናሸፋፈንካ ትጽገን ወይ ትምዕብል ሃገር ኣብ’ዛ ንነብረላ ፕላነት ተሰሚዓ ኣይትፈልጥን ኢያ።
    So, let us talk loudly about the real reality of our country, geniunly and bravely.

  • AHMED SALEH !!! April 3, 2016

    YajemaA
    Regardless regionalism influenced tendencies of some Eritreans we must
    stand in progressive principle to defeat negative forces . Either
    few corrupted officials or blind supporters in diaspora have never
    considered the well being of people from their region . In fact they
    ignore the plight of their people in Hamassien . So instead we take
    responsibility to defend the right of Eritrean dissidents in general,
    I don’t think to follow their corrupted steps will help the UNITY we
    keep advocating . Otherwise we are at fault on allowing religious
    and regional sinister motives in national politics . Bad apples
    can not spoil the whole produce unless neglected .
    Please consider Gen. Bitweded and other compatriots HGDF victims
    who hail from Hamassien suffering under hands of selected criminals .
    “HADNETNA SHET MEANTANA ” can not be compromised if we put ourselves
    dedicated to change destructive mentality for common interest .

  • Bahata April 5, 2016

    Ato Haile
    Nisika ze bihere seraye elka adi silezeleki. Etom jeganuna , baal Issais, Yemane 2, Hagos kisha, we’d Abee … Kindey kinblom ke zebiher entay kibluu eyom ?ze bihere Tigray ?

    Ethiopia Tikdem !!!

POST A COMMENT