Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ንዝርአ ዘሎ ናይ ሰላም ገስጋስ ዘለዋ ዘየማትእ ደገፍ ብወግዒ ገሊጻ።

እቲ ትማሊ 21 ሰነ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ፈቲሐን ዝምድንአን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰዳኦ ተበግሶ ከም እንተተባበዐት ብምጥቃስ፡ ንምዕዋቱ ምሉእ ደገፍ ክትገብረሉ ቅርብቲ ቅርብቲ

እቲ ትማሊ 21 ሰነ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ፈቲሐን ዝምድንአን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰዳኦ ተበግሶ ከም እንተተባበዐት ብምጥቃስ፡ ንምዕዋቱ ምሉእ ደገፍ ክትገብረሉ ቅርብቲ ቅርብቲ ምህላዋ የገንዝብ።

እቲ ኣብዘን ክሊኤን ጎረባብቲ ሃገራት ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ኣብቲ ኣገዳሲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዕንቅፋት ምርግጋእን ቁጠባዊ ዕብየትን ኮይኑ ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ነባሪ ሰላም ምርግጋጽ፡ ንሰላምን ምዕባለን ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት፡ ንጎረባብቲ፡ ከምኡ `ውን ንኣመሪካን ዓለምን ከም ዘገልግል ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ ማዕረ ማዕረ ናይቲ እተካይዶ ዘላ ኣውንታዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽገናታት፡ ብ 5 ሰነ ንስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ከምእንተተግብሮ ንዘውጽኣቶ መግለጺ ኣመሪካ ከምእትንእዶ፡ ኤርትራ ብ 20 ሰነ ነቲ መስርሕ ሰላም ንምድራኽ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትልእኽ ድልዉነታ ምግላጻ `ውን ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ድሕሪ ምግላጽ ከኣ፡ ዶር ኣቢይ ኣሕመድን ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ናብ ሰላም ዘምርሕ ተባዕ ስጉምቲ ምውሳዶም ኣመሪካ ከምእተድንቖ እቲ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተዘርግሐ መግለጺ የፍልጥ።

ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ስምምዕ ኣልጀሪስ፡ ኣመሪካ ገስጋስ ናይዚ መስርሕ ሰላም ንምንጥጣፍ ኣድላዩ ደገፋት ክትገብር ድልውቲ ምህላዋ ድማ የረጋግጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfai June 22, 2018

    There is nothing to celebrate here for Eritrea because Issaias had already killed Eritrea beyond repair. It is still Hgdef’s Eritrea with tens of thousands of prisoners and barren and empty towns of its young and productive citizens. The Ethiopians have a lot to celebrate, they have full global community support, grand fathers and mothers to honour their history – not ti insult, an economy that is on a solid foundation, prisons almost empty, free press, free political organizations, lots of colleges and universities, roads and railways, the UN, AU, EU, China, Arabs and USA on their side, a country intact.and at peace with its own languages and history to celebrate, even the Arabs are begging them to invest billions in Ethiopia though the Ethiopians never claimed to be “Arabs” or their slaves.
    What do we have in Eritrea? A failed nation thanks to Issaias, prisons and dungeons everywhere, endless National slavery and the endless Hidma of Eritrean refugees without young and productive generation, no water and electric power in Asmara, line ups for three loaves of bread
    Eritrea has become the shame of Africa with nothing to celebrate.

  • Tesfai June 22, 2018

    I do not agree with some of ato Tesfazion of the Agazian’s movement political themes; however, every Eritrean needs to listen to his latest broadcast titled: ምንታይ ድሕሪ እዚ ኩሉ ምጽናት ስቅያት ዕንወትን መሬትና ተጎቢጡን ዶብና ከይተጠረረን ከሎ ኢሰይስ ይዛተ አሎ?
    He hits very hard on Higdef and the Woyanes failed, discarded and expired political agendas that have used and abused the ethnic Tigrinya of Eritrea as their condoms.

POST A COMMENT