Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብራዊት ፊልም ወስል ኣልኸዛብ ሓተል ባብ(ንሓሳዊ ክሳብ ኣፍደገ ኣሰንዮ) ብምዕራፋት

ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ንኢሳያስ ሕቖኡ ምስ ጎዘዞ፡ርእሱ ከቕንዕን ቆለኡ ክለዓልን ሰለስተ ቅነ ተጀሊጡ፡፡ኣብ በዓል ስርሒት ፈንቅል ከይተቐልቀለ ደሃይ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምቕናይ ብ14 ለካቲት ፡ኣብ ቅድሚ እታ ብሕታዊ ዋኒኑ ተለቪጅን ተኾዲሙ፡ካብ በዓቲ ከምዝወጽአ ዝብኢ ኣዒንቱ

ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ንኢሳያስ ሕቖኡ ምስ ጎዘዞ፡ርእሱ ከቕንዕን ቆለኡ ክለዓልን ሰለስተ ቅነ ተጀሊጡ፡፡ኣብ በዓል ስርሒት ፈንቅል ከይተቐልቀለ ደሃይ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምቕናይ ብ14 ለካቲት ፡ኣብ ቅድሚ እታ ብሕታዊ ዋኒኑ ተለቪጅን ተኾዲሙ፡ካብ በዓቲ ከምዝወጽአ ዝብኢ ኣዒንቱ ቀባሕባሕ እናበለ ተዋስኦ ጀሚሩ፡፡ንሱ ነቶም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ክፍትሑን ዝጠለቡ ሓርበኛታት ኣስማቶምን ፍትሓዊ ጠለቦምን ከይጠቐሰ ነቲ ቅያ ስርሒት፡ከም ተራ ዕግርግር ኣቕሪብዎ፡፡ብዘይካዚ እቶም ኣብቲ ስርሒት ዝወዓሉ ንጹር ዕላማ ከምዘይነበሮምን ነንሓድሕዶም ከምዝተኻሰሱን፡ተርባጽ ብዝወረሶ ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ኣሰንዩ ተዛሪቡ፡፡ኢሳያስ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተማልአ ማሕበራዊ ባህላውን ቅርጺ ሃገርነት ከምዘይብሉን ዕምልግልግ ኣቢሉ ብምግላጽ  ነቲ ኣራሚ ምንቅስቓስ ዕላማ ከምዘይብሉ ከነኣእሶ ፈቲኑ፡፡ተዋስኦኡ ብምቕጻል ኣብ መዓልቲ ፍጻሜ ምስ ሚኒስተራት ከዕልሉ ከምዝውዓሉን፡እቶም ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሑ ሓንሳብ ድሕሪ ምሳሕ ፋሕፋሕ ኢሎም ኣስዒቡ ክሳብ ጸሓይ ትዓርብ ጸኒሖም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንጽባሒቱ ኢዶም ሂቦም፡ሓደ ግን ነብሱ ቀቲሉ ብምባል ተዋዝዩ፡፡ ነታ ፊልም ንምድላው ሰለስተ ቕነ ከምዝወሰደሉን እዚ ድማ ምስ ናይ 10 ዓመት ተሞክሮ ምውሳእ ሓጺር ከምዝኾነ ኣዕሊሉ፡፡

ቀዳማይ ክፋል ፊልም ወስል ኣልኸዛብ ሓተ ልባብ ፡ካብቶም ተጋጊና ዝበሉ ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ኣሃዱታቶም መታን ክፈልጣ መግለጺ ክህቡ ከምዝተገብረ ብምውካእ ተዛዚማ፡፡

ካልኣይ ክፋል ድማ ጀሚራ፡፡ብ21ለካቲት ልክዕ  ሓደ ወርሒ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ፡ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ድፋዓት ህዝባዊ ሰራዊት ታሪኾም ናብ ወለዶታት ንኽሰጋገር ብግቡእ ክዕቀቡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝቐረበ ተዋስኦ ኮሎኔል ሳልሕ ዑመር ተጠቒሱ፡፡ንሱ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ምንቅስቓስ ዝነበረዩ፡፡ኣብቲ ግንባር ንነዊሕ ካብ ዝዓረዱ ገዳይም ተጋደልቲ ኮለኔል ሳልሕ ዑመርን ኮሎኔል ጃበራ ሑመድን ንታሪኻውነትን ተራን ድፋዓት ሓልሓል ኣብ ምፍራስ ናደው እዝን ምሕራር ከተማ  ኣፍዓበትን ዝነበሮ ኣበርክቶ ድሕሪ ምብራህ ቅልጡፍ ጽገና ክግበረሉ ኣዘኻኺሮም፡፡ኮሎኔል ሳልሕ ነዚ ቅርሲ ዚን ሓቑፍዎ ዘሎ ታሪኽን ንምዕቃብ ብወገኖም ተበግሶታት ከምዝወስዱ ገሊጹ ይብለና እቲ ዜና፡፡እዚ  ዜናዚ ምስቲ ኣብ ሰራዊት ዝካየድ ዘሎ ተዋስኦታት ዝተኣሳሰር ኢዩ፡፡ኣብ ሰራዊት እቲ ምንቅስቓስ ውልቃዊ ጠለብ ብዘልዓሉ ውሑዳት ኣዘዝቲ ከምዝተኻየደን ኣብ ገለ ኣኼባታት ክልተ ኣስላም ክልተ ክርስትያን ዝመርሕዎ ከምዝነበረ ተገሊጹ፡፡ሰራዊት በቲ ተዋስኦታት ስለዘይዓገበ እቶም ውሑዳት ዝበሃሉ በዓል መንዮም ካልኦት ሰብስልጣን ከ ነይሮሞዶ እዚ ሓበሬታ ንምንታይ ኣብ እዋኑ ዘይበጽሓና ዝብልን ካልእ ማሕበራዊን ቁጠባውን ሕቶ ብምልዓል ከምዘፍሸሎ ሓበሬታታት ኣሎ፡፡

መቐጸልታ ፊልም ወስል ኣልኸዛብ ሓተል ባብ ኣብ ኣፍዓበት ዝግበር ዘሎ ምድላዋት መበል 25 ዓመት ምፍራስ ግንባር ናቕፋ(እዝ ናደው)ኢዩ፡፡ኢሳያስ ኣብ በዓል ስርሒት ፈንቅል ኣብ ነውጺ ብምንባሩን ነዛ ፊልም ከዳሉ ጊዘ ስለዘይነበሮን ብሰንዓ ካሜራ ከም ዝተሳተፈ ኣምሲሉ ብዝሰርሖ ተዋስኦ ተኻዒቡ ኢዩ፡፡እዚ ኣብ ኣፍዓበት ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ከምዝበዓል ጥሩምባ ዝንፍሓሉ ዘሎ ምቅርራብ ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ ንምውቃዕ ኢዩ፡፡መሓልፎ ኣብታ ዓስኪሩላ ዘሎ ባጽዕ ኣብ ታሪኻዊ ስርሒት ፈንቅል ዘይምስታፉ ኣብ ነብሱን ደገፍቱን ከቢድ ሞራላዊ ዕንወት ስለዝወረዶ ነዚ መፈወሲ ኣፍዓበት ተመሪጻ፡፡እቲ ቀንድን ፖሊቲካዊ መልእኽቲ ግን ነቶም ኣብ ስርሒት 21 ጥሪ ዝተሳተፉ ንከምበዓል ስውእ ኮለኔል ወዲ ዓሊ፡ንሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብር፡ኣብ የመን ቆንስል ዝነበረ ጃብር ደሪዕን ካልኦትን ብደቂ ሳሕል ጠቂኑ ንምንጻሎም ዝገበሮ ፈተን መልሰ እሳት(backfire)ስለዝፈጠረሉን ነዚ ንምክሕሓስ ኣፍዓበት ክዋስኣላ እፍን ክድን ይብል ኣሎ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ቃልዕ ተዋስኦታት፡ብታሕቲ ታሕቲን ጸልማት ከደኖን ድማ ምስቲ ምንቅስቓስ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎምን ተደናገጽቲ ዝበሎምን ብጥርጣረ ካብ ሰራዊትን ሚኒስትሪታትን ብዙሓት ይኣስር ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

እቲ ኣብ ፎርቶ ብንጹር በታ ብሕታዊት መጉልሒ ድምጺ ኢሳያስ ዝቐረበ ጠለብ  ህዝባዊን ፍትሓውን ኢዩ፡፡ነዚ ሕቶዚ ግቡእ ምላሽ ከይሃበ ኢሳያስ  ተዋስኦኡ እንተቐጺሉ፡እቲ ኮመዲ ኢሉ ዘቕርቦ ዘሎ ንዕኡ ብትራጀዲ ከምዝዛዘም  ዝተረጋገጸ ኢዩ፡፡

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • rora eskindir February 24, 2013

    eseyas guahaf! hatela iyu!!!!!!!kem guahaf botau ab enda guahaf iyu!!!!!!!!! ajona ahwat shig wedi ALI aynetfaya!!!!!

  • simon February 26, 2013

    antum hizby segem eritrea hade nay aemuro bidiho zelewo seb tibalashew mihilawa felitna nieuu mikhinsal malet mewedaeta segemna mukhanu niflet eto korakur tihtieuu zelewu kab tewagaet lam zeyedhinu weytotat eyom !!!

POST A COMMENT