Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ን”ፈጻሚት ቦርድ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣትላንታ- ጆርጂያ”

መልሲ ን”ፈጻሚት ቦርድ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣትላንታ- ጆርጂያ” “Statement of Eritrean community in Atlanta-GA”,ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣብ ዳሃይ ዶት ኮም ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ኣንቢበ፡፡ ኣዳለውቲ ናይቲ ጽሑፍ፡ ፈጸምቲ ቦርድ ናይቲ ንነብሱ ብ”ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ”

መልሲ ን”ፈጻሚት ቦርድ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣትላንታ- ጆርጂያ”

“Statement of Eritrean community in Atlanta-GA”,ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣብ ዳሃይ ዶት ኮም ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ኣንቢበ፡፡ ኣዳለውቲ ናይቲ ጽሑፍ፡ ፈጸምቲ ቦርድ ናይቲ ንነብሱ ብ”ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ” ዝፈልጣ ጉጅለ  ምዃኖም ኣብ መደምደምታ’ቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ይርከብ። እቲ ጽሑፍ ነንሓድሕዱ ዝዋቓዕ ዕሸላዊ ትሕዝቶ ዝሓቖፈ ንመንነትን ብቕዓትን ኣዳለውቱ ኣጉሊሁ ዘርኢ መነጽር’ዩ። እዚ ኻኣ ነቲ “ጽሑፍ ከም ጻሓፊኡ” ዝብል ኣበሃህላ ዝድግፍዩ። ብዝኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ዘይብሱል ጽሑፋት ውጥም ቅልቅል ምባሉ ስለዘይተርፍ ብኣጋ ምግርሑ ኣማራጺ ዘይብሉ ስጉምቲ እዩ። ካብ ውጽኢቱ ኻኣ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣዳለውቱን ተደናገጽቶምን ተረባሕቲ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ እዚ ክኽውን ዝኽእል ግን ካብ ዝሓለፉ ጌጋታት ንምእራም ዘኽእል ልቦና ምስ ዝሃሉ ጥራይ እዩ።  ስለዚ እየ ኻኣ፡ ነቶም አንተስ ናይ ዓቕምን ባህርን ጉዳይ ኮይንዎም፡ ወይ’ውን ጸቕጥን ድፍኢትን ናይ ላኣኽቶም በርቲዕዎም፡ መልእኽቲ ኣልቦ ሕንጣጦ ክሕንጥጡ ግዚኦም ዘባኸኑ ኣዳልውቲ ናይቲ ጽሑፍ፡ ንሓቀኛ ትሕዝቶ ናይ ጽሑፎም ዘርኢ መልሲ ከዳልዎሎም ዝመረጽኩ። ምርኩስ ናይ ጽሑፎይ ድማ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍን እቲ ጽሑፍ ባዕሉን እዩ።

ኣዳለውቲ ናይቲ ጽሑፍ ኣብ መእተዊ ናይ ጽሑፎም፡  ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃሙን ቀልቡን ምስቶም ንድሕሪት ገዲፍዎም ዝመጸ ህዝቡን ሃገሩን ማኻኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኣብ ልቢ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከምዘሎ እምነቶም ምዃኑ ኣስሚረምሉ ይርከቡ። እንትኾነ ግን እቶም ንጽሕፍቶኦም ብኸምዚ ኣገባብ ዝፈለሙ ባእታታት ገና ትሕዝቶ ናይ ጽሕፎም ከይተፋረቐ እንከሎ፡ “ዳርጋ መብዛሕትና ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣትካንታ፡ እታ ኤርትራ እትብል መለለይትና ኣብ ልብና ዓጢቕና……… ወዘተ” ዝብል ነቲ ኣቐዲሞም “እምነትና” ዝበልዎ ዝጻረር ሓረግ ብምስፋር፡ ንሳቶም ኤርትራ እትብል ሕላገት ዝመቐነቶም ክምዝኾኑ፡ ገለን ካኣ ሰብ ዘይ-ኤርትራዊ ኣመለኻኽታ ምዃኖም ክነግሩና ፈቲኖም። እቲ ሽግር ካብ’ዚ እዩ ዝዽምር። ንነብስኻ ከም ኤርትራዊ፡ ንኻልእ ካኣ ከም ዘይኤርትራዊ። ንስኻ ሃገራዊ ካልእ ካኣ ዘይሃገራዊ። እዚ ዓይነት እምነት ይኹን ኣመለኻኽታ ዘይ-ናይ ጥዕና ጥራይ እዩ። ከምኡ ጥራይ ኢልካ ምሕላፉ ግን እኹል ኣይኮነን። ኣብ ደረዻ ናይቶም ከምዚ ዓይነት ዘረባ ከኳማስዑ መሬት ወጊሓ ትዓርቦም ውልቀሰባት ይኹኑ ጉዽለ ወሪድካ፡ “መንዩ ኤርትራዊ? መንዩ’ኸ ዘይኤርትራዊ። ብመሰርቱ’ኸ መዐቀኒ ኤርትራውነት እንታይ እዩ” ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታት ኣልዒልካ ምዝራብ ዘይተድላዪ ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ንጎድኒ ገዲፈ፡ ሓደ ነጥቢ ከልዕል። እዞም ኣብዛ ንኣመሪካ ብወረቕት ጥራይ ዜጋታታ ዝኾኑ፡ እሞ ኻኣ መብዛሕትኦም ግቡእ ናይ ቀረጽ ክፍሊቶም ዘየማልኡ፡ ህዝብን መንግስትን ኣመሪካ ዝፈጠርሎም መሰል ተጠቒሞም ድላዮም ክብሉ ዝውዕሉ ባእታታት፡ ነቲ ንኤርትራ ህይወት የሕዋቱን ብጾቱን ዝኸፈለላ፡ ደሙን ርሃጹን ዝኻዓወላ ወዲ ሃገር፡ ብዛዕባ ፓለቲካዊ ኩነታት ናይ ሃገሩን ህዝቡን ንኸይዛረብ ልጓም ከገብርሉ ዝፍትኑ በየናይ መዐቀኒ እዩ? እዚ እዩ ኻኣ ዘይ-ናይ-ጥዕና ዘበለኒ።

ኣዳለውቲ ናይ’ቲ ጽሑፍ፡ መትከላት ናይ’ቲ ኣለና ዝብልዎ ዘለው “ማሕበረ-ኮም” ክገልጹ እንከልው፡ እቲ ማሕበሮም ብኣባሃህለኦም፡ “ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ማሕበር ኮይኑ፣ ንኣባላት ማሕበር ይኹኑ፣ ብኣባልነት ንዘይተመዝገቡ፣ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ሃይማኖታዊ እምነቱ ወይውን ጾታ፣ ሓዱሽ ይኹን ንነዊሕ ዝጸንሐ ተቐማጢ ብማዕረ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህብ ይኸውን” ይብል። ኣብ መእተዊ ናይ ጽሑፈይ፡ እቲ ኣብ ዳሃይ ዶት ኮም ተለጢፉ ዝርከብ ሕንጣጦ፡ ንዓቕምን ትሕዝቶን ናይ ሓንጠጥቱ ከምዘንጸባርቕ ገሊጸ ኣለኹ። እዚ ኣብ ናይ ጥቕሲ ምልክት ሰፊሩ ዘሉ ትሕዝቶ ኻኣ ነቲ ዝበልክዎ ኢዩ ዘራጉድ። ብመሰረት መትከላት ናይ’ዚ “ማሕበረ-ኮም’ዚ”፡ ዝተፈላለየ ፓለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ኣባላቱ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ኻኣ ሓቀኛ መትከል ናይ ማሕበረ-ኮም ዘይኮነስ፡ ንመጋበርያ ናይ’ቲ “Either my way or no way” ዝጭርሕኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባሓቲ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። እዚ ተራ ጠቐነ ኣይኮነን፡ ባዕላቶም “መትከላትና” ኢሎም ዘስፈርዎ ጽሑፍ’ዩ ጭብጢ መረጋገጺ። እቲ ዝገርም፡ ከምዚ ዓይነት ኣግላሊ እምነትን ባህርን ሒዝካ፡ ምስቲ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሻራነት ነጻ ዝኾነ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ኣብ ጆርጅያ “እንዳተቐራረብና ክንመጸሉ ዘየኽእለና ምኽንያት የለን ንብል” ዝብል ሓረግ ምስፋር’ዩ። እቲ ጽሑፍ ንገለ ገርህታት ኣባላት ናይ’ቲ ጉጅለ ንምድንጋር ዓሊሙ ዝወጸ ምዃኑ፡ ቆልዑት እንከልና “ግጡም” ንብሎ ከም ዝነበርና፡ እዚ ኻኣ ግጡም እዩ። እንተዘይኮነ፡ ትማል-ትማል ሓንሳብ ወያኔ፡ ሓንሳብ ካሓድቲ ሃገር፡ ክሳብ’ውን ኣንጻር ኤርትራ ኩሉ ሕማቕ ዘበለ ስጉምቲ ንኽውሰድ ናብ ስተይት ዲፓርትመንት ከይዶም ዝጠርዑ እዮም፡ ኢልካ ምስ ትውንዽሎምን ትዝልፎምን ዝነበርካ ሰባት ዳኣ፡ ሃንደበት እንታይ ትኣምር ስለዝተረኽበ እዩ፡ ናይ ምቅርራብ ተኽእሎ ከምዘሎ ዝድኮር ዘሎ?

እቲ ሃጠው ቀጥው ብዙሕ’ዩ። ደረስቲ ናይ’ቲ ሕንጣጦ፡ ብማሕበረ-ኮም ክባዓል ዘይብሉ ባዓላት ከምዘሎ ክሰብኩና ፈቲኖም። ንድርሰቶም ብጭብጢ ከሰንይዎ ጥራይ እየ ዝሓቶም። ኣየናይ ዓንቀጽ ናይ ማሕበረ-ኮም እዩ ከምኡ ዝብል። ብዛዕባ’ቲ ሰለስተ ዝበልዎ ባዓላት፡ ዝርዝር ኣስማት እኳ እንተዘይጠቐሱ፡ ኣናፍረኦም ስለእንፈልጦ ግን፡ ሓደ-መስከረም፡ ማዓልቲ ነጻነት ኤርትራን 20 ሰነን ማለቶም ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። እዘን ባዓላት እዚኣተን  ዝያዳ’ቶም ምስሊ ናይ ሃይለስላሴ ኣብ ካናቲረኦም ጌሮም ዝኸዱ ዝነበሩ፡ ነቶም ንስርዓታት ሃይለስላሴን መንግስቱን ካብ ኤርትራ ንምሕግሓግ ዝተቓለሱ ጀጋኑ፡ ደቆምን ብጾቶምን ይቐርበኦም። ክንይኡ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን።

ብዛዕባ ሓገዝ ንደቂ ስውኣት’ውን ክንየቱልና ፈቲኖም። ኣብ’ቲ ደረጅኦም ወሪደ ብዛዕባ ሓገዝን ወፈያን ኣልዒለ ክዛረብ ኣይደልንየ። ነቶም መሸቀጢ ክገብርዎም ዝጸንሑን ዘልውን ደቂ ስውኣት ይኹኑ ስድራቤት ስውኣት ብዝምልከት ግን፡ ሕዺ’ውን ትዛረብዎ ፈሊጥኩም ተዛረቡ ጥራይ እየ ዝብሎም።

በዚ በለ በቲ፡ ደረስቲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ኣብ ትሕዝቶ ናይ ጽሕፎም ብዙሕ ነገራት ክጠምዑ እኳ እንተፈተኑ፡ ክሃርምዎ ዝደልዩ ሸቶ ግን ኣብ ክልተ ጸሚቕካ ክርአ ዝካኣልዩ። ንሱ ድማ

  1. ጉጅለኦም ከም ሓደ ነብሱ ዝኻኣለ “ ማሕበረ-ኮም” ተፈላጥነት ረኺቡ ማስቲ ስሩዕን ሕጋውን ኣካይዳን ምሕደራን ዘለዎ ማሕበረ-ኮም ኤትርትራውን- ኣመሪካውያን ኣብ ጆርጅያ ኣብ ቀጻሊ ናይ ምትሕንፋጽ መስርሕ ክገብር።
  2. ነቶም “ፓለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ኣብ ማሕበረ-ኮም ተጠርኒፍና ክንሰርሕ ኢና” ብምባል፡  ድሮውን ኣብ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ኣብ ጆርጅያ ኣትዮም ምስራሕ ጀሚሮም ዘለው ዜጋታት ንምወንጃልን እዩ።

ብዛዕባ’ቲ ካልኣይ፡ እቶም ዜጋታት ባዕላቶም ስለዘለውዎ ንዓታቶም ይሓድጎ። ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ ግን፡ ነዞም ሰባት ሓንቲ ነገር ክብሎም ይደሊ። ብመሰረት ሕጊ ናይ ማሕበረኮምና፡ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ወይ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ዜጋ፡ ኣባል ክኸውን ምስ ዝደሊ ናይ ኣባልነት ቅጥዒ ኣማሊኡ ብውልቁ ኣባል ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበል። ስለዚ እቲ ትእምትዎ ዘለኹም ጉዕዞ ኢ-ተግባራዊ ምዃኑ ከይገልጽኩልኩም ክሓልፍ ኣይደልን።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ኣብ ጆርጅያ ብሕግን መትከላትን ናይ ማሕበረ-ኮም ዳኣ’ምበር ብሃውሪ ዝጓዓዝ ኣይኮነን። ኣካይዳ ናይዚ ማሕበረ-ኮም’ዚ ነቶም ብዛዕባ ሕግታትን መትከላትን ናይ ማሕበረ-ኮም ካብ ዘይተጻሕፈ ኣንቢብኩም ህውተታ ተብዝሑ ዓቢ ትምህርቲ ስልዝኾነ፡ ዋላኳ ናጽነትኩም ንኻልእ ኣካል ኣረኪብኩም ትጓዓዙ እንተኾንኩም፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣለው ምባልኩም ግን ስለዘይተርፍ ካብ’ኡ ክትማሃሩ እየ ዝመኽረኩም።

ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለኒ፡ ሰሰናዩ ንኹልና።

ውድሓንኩም

ኣባዲ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • kemal March 5, 2013

    well said Mr. abadi Tekhlu ” anafra kokah zeyfelit si ayhadanayn”. keep the good work. Eritrea belongs to all Eritreans and in that context Eritrean community wherever it is located must abide by the core principle of Eritrea for all regardless their background,ethnicity,religion or political view as far as they are abide by the rules a regulations of that community. But as you mentioned they are either infested by the blind and smearing campaigns of the criminal regime which have no room for accommodating such noble principles or they did not have the know how of a healthy community. After all as you mentioned it is shame to any one to advocate for tyranny and its ugly ideology being surrounded by the fruits of rule of law and democracy. I just would like to tell them to wake up and regret of their past mistakes. Enough is enough!

  • Betri Haqqii March 6, 2013

    ክቡር ሓው አባዲ፡
    ጽሑፎም ምስ ኣንበብኩ ጌሪሙኒ! አብ ትሕቲ እንታይ ድፍኢት ከምዘለዉ ውን ተዓዚበ። ከምቲ ቢሂል “እተን አሓ ከይደን ኢየን እንተ ጸርፊ ግን ዝገደፍናሎም የሎን” እዩ ነገሩ። እቲ ሓቂ ዳሕድሕካዮ ኢካ ክቡር ሓው አባዲ። ግን’ከ ልዕሊ ኹሉ ተግባራዊ መልሲ ባዕሉ ሕዝቢ አትላንታ ሂብዎም አሎ። ምስ ዝጠፈሹ አብ ዘይነበረት ድኳኖም አብ ምዕጻው ዝርከቡ ግብረ መልሲ ምሃብ አየድሊን እዩ። ብዛዕባ ሕዝባውያን በዓላት እዩ እቲ ሕማሞም እምበር ጉዳይ ማሕብረ-ኮም አይኮነን። እዚኤን ሰለስተ በዓላት ድማ ንአበዓዕላኤን ክውንኖ ዝግባኦ አካል ክህሉ አይግባእን ከም ድሌት ህዝቢ ክኸውን አለዎ። ንናይ 3 መዓልታት ዶ ወይስ 365 መዓልታት ትሰርሕ? ሕዝቢ ብፍቕሪን ሓድነትን ዝሰርሓሉ ምንዳይ ይሓይሽ! እቲ ስርዓት አብ ኤርትራ ዘሎ ነባሪ አይኮነን፡ መናብርቲ ህዝቢ እዮ። ከምኡ’ውን እቶም ተቋወምቲ ናይ ፖሎትካ ኣጀንድኦም ካብቲ ማሕበረ-ኮም ወጻኢ ይግበርዎ። ማሕበረ-ኮም በቲ ዘጽደቆ ሕግታቱ ድማ ይማእዘዝ ምስ ዓለምና ክንስራዕ። ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን አሜርካውያን ሳላ ብሕግታቱ ተማእዚዙ ብምኻዱ ድሌት ህዝቡ ብምምላኡን ህዝቡ እናጠርነፈ ይኸይድ አሎ። አቱም ንአተሓሳስባኹም ዘይትውንንኑ፡ ተበራበሩ ምስ አሕዋትኩም ተጸንበሩ ድልዱል ማሕበረ-ኮም ንምህላው ጸዓሩ እምበር ንዘሎ አይተፍርሱ።
    ሓድነት ህዝቢ ይደልድል፡ አንጻር ድንቁርና!!!!!!!!!!!!!!!!

POST A COMMENT