Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእክቲ “ጉያይ ወዲአ ኣለኹ” – ሃገራዊ መልእክቲ ኣቡነ መቃርዮስ።

መልእክቲ “ጉያይ ወዲአ ኣለኹ” ሃገራዊ መልእክቲ ኣቡነ መቃርዮስ። እዚ ጽሑፍ ኣቦና ኣቦና መቃርዮስ ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጉጉይ ካልኣይ ውግዘት ውጉዝ ሲዶኖስ ኤርትራ፡ ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣብ ሊዕሊ ብጹዕ ወቅዱስ ሳልሳይ ፓትሪያርኽ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ካብ ዘመሓላለፍዎ

መልእክቲጉያይ ወዲአ ኣለኹ

ሃገራዊ መልእክቲ ኣቡነ መቃርዮስ።

እዚ ጽሑፍ ኣቦና ኣቦና መቃርዮስ ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጉጉይ ካልኣይ ውግዘት ውጉዝ ሲዶኖስ ኤርትራ፡ ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣብ ሊዕሊ ብጹዕ ወቅዱስ ሳልሳይ ፓትሪያርኽ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ካብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝተቆንጨበ እዩ። ኣቡነ መቃርዮስ መልእኽቶም ከመሓላልፉ ከለዉ “ስማዕ”፣ “እነግረካ ኣለኹ” ዝብሉ ሓያለ ቃል ተጠቂሞም፡ እቲ ዝደቀሰ ክበራበር፣ እቲ ሸለል ዝበለ ክግደስ፣ እቲ ዝፈዘዘ ክነቅሕ ዝሕግዛ፥ ስሚዒት ዘበራብራ ሓረጋት ተጠቂሞም እዮም። መልእክቶም ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ሰዓት መልእክቲ ዘመሓላለፎ “ጉያይ ወዲአ ኣለኹ” እዩ ዝመሳሰል። ካብ እዚ ሓሳብ ተበጊሰ መልእክቲ “ጉያይ ወዲአ ኣለኹ” ዝብል ኣርእስቲ ሂበያ ኣለኹ።

ኣቡነ መቃርዮስ መልእኽቶም ብምርጫ ናብ መንበረ ስልጣን ፓትሪያሪክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኢዮም ጀሚሮም። ሳልሳይ ፓትርያርኽ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ሕጊ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ኤርትራ ብዝፈቅዶ መሰረት፡ ብዓብላሊ ድምጺ ሲኖዶስ ኤርትራ እዮም ተሸይሞም። ድሕሪ ሽመቶም፡ ሕጉን ስርዓቱን ብዝእዝዞ መሰረት ከኣ ንኣቡናትን ጳጳሳትን ሸይመሞም። ኣብ መንጎ ግን ዘይምርድዳእ ስለዝመጸ ሕንፍሽፍሽ ኮነ። እቶም ተቀበልቲ ሽመት ክነሶም እንተብፍርሂ፣ እንተብጉርሒ፣ እንተብዕሽነት ተገምጢሎም መቀኛታት ኮይኖሞም። ካብ መንበሮም ከኣ ብውግዘት ኣለይዎም። ምስ ብዙሕ ጸለመን ጠቀነን ንማእሰርቲ ኣሕሊፎም ንመንግስቲ ሃብዎም።

ሕጂ ኣቡነ ኣንጠዮስ ካብ ስልጣን ዝተኣለዩሉ ምኽንያት ካብ ቃሎም ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። እዚኦም ኣቦ ኣብ መሓዩር ዝተደርበዩሉ ምኽንያት ምስ ፖለቲካ ኢሳይያስ ስለተራጸሙ እዩ። እቲ ናይ ሓሶት ጸለመን ጠቀነን ብሲኖዶስ ዝመጾም መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ስለዝእተወ፡ ነዚ ምትኣትታው ጸኒዖም ብትብዓት ስለተቃወሙ እዩ። ሲዶኖስ ተራ ተሓባባራይ መሳርሒ መንግስቲ ጥራይ ኮይኑ ተጻዊቱ። ሲኖዶስ ፓትርያርኹ ካብ መንበሮም ክእልዩ ምስ ወሰነ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ “ብስልጣነ ኣብ በስመ ወወልድ በስመ ወመንፈስ ቅዱስ” ካልእ ፓትርያርኽ፣ ጳጳስ፣ ካህንን ዲያቆንን ከይሾሙ ወጊዞሞም ነይሮም። ብሕጊ ሃዋርያዊ ሰንሰለት እቲ ተቀባሊ ነቲ ወሃቢ ሹመት ክግዝቶ ኣይክእልን። ናብ እስክንድርያ መልእክተኛ ሰዲዶም እንተነበረ እውን፡ እስክንድርያም ብዘይ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ከምዘይትፈልጦም እቅጩን ነጊራቶም። ሓቂ እንተዝህልዎም ነይሩ፡ እስክንደርያ ሽመት ፓትርያርኽ ደልዮም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ንኣቡነ ኣንጠንዮስ “መናፍቃን” ኮይኖም” ኢሎም መርትዖታት ኣቅሪቦም ምኸሰስዎም ነይሮም። ስለዘይብሎም ግን ሓፊሮም፣ ተረዳዲእና ተመሊስና ኢሎም ሓሲዮም።

ኣቡነ መቃርዮስ: እዞም ኣባላት ሲኖዶስ ዘለዉ ኣቡናት ስልጣን ከምዘይየብሎም ኣብሪሆም። እቲ ተጠቂሱ ዘሎ ሕጊ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ቤተ ክርስትያን ክኽበርን ክዕቀብን ነይርዎ። እንተኾነ ሊቀ ጳጳሳት ኢና ዝብሉ ጠሓስዎ። ኣባላት ሲዶኖስ ውጉዛት ክነሶም፡ ብዘይ ፈቃድ ሃዋርያዊ ሰንሰለት እስከንድርያ ኣብ ሊዕሊ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ንውጉዝ ኣቡነ ዲስቆርዮስ ራብዓይ ፓትርያርክ ጌሮም ሸይመሞም። ዝዓበየ ጌጋን ዝለዓለ ጥርዚ ሓጥኣትን ከኣ ፈጸሙ። ድሕሪኡ እውን ክሳብ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ሽመት ጳጳሳት፣ ኣቅሽሽቲን ድያቆናትን ወግዓዊነት ዘለዎም ኣይኮነን። እቲ ምሃብ ሽመት ብዘይ ባርኾት በዓል መሰል ብጽዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኢዩ።  እዞም ሕጊ ዝጥዕሱ ዘለዉ፡ ግዙታት እዮም፡ ቆቢዕ እንተገበሩ እውን እቲ ቆቢዕ ኣቡን ከብሎም ኣይክእልን ኢዩ።

ኣባላት ውጉዝ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ንኻልኣይ ጊዜ ስሕተት ይፍጽሙ ኣለዉ። ንዓስርተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ማሕዩር ንዝጸንሑ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ንኻልእይ ጊዜ ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ብመግለጺ ወጊዞሞም ኣለዉ። ዓቃቢ መንበርም ሸይሞም ኣለዉ። ካልኣይ ዕዉር ጌጋ ይፍጸም ኣሎ። ንኻልኣይ ጊዜ ፓትሪያርኽ ንኽሾሙ ምድልዋት ዝገብሩ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ። መልእኽቲ ኣቡነ መቃርዮን፡ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘለዎ ሃሊዩ ንኻልኣይ ጊዜ ክጋገ የብሉን ዝብል እዩ። ሽመት ክህቡ ስልጣን ዘይብሎም ፈለስቲ እንተደኣ ፓትሪያርኽ ሸይሞም፡ ጽባሕ ንጉሆ እስክንድርያ ብዘይ ውዕል ንዝሃበቶ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ብዘይቅድመ ኩነት ክትስሕቦ እያ። ሎሚ ነዚኣ ሃዋርያዊት ሰንሰለት እንተደኣ ጠፊኣን ካብ ኢድ ኤርትራውያን ሞሊቋን፡ ጽባሕ ዘውህባ ኣካል የልቦን።

ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ መልእክቶም ነቲ መንበረ ፓትርያርኽ ክወርስ ዘማዕዱዉ ዘለዉ ፈላሲ ምኽርን መጠንቀቕታን ሂቦሞም፦ “ኣታ መንበር ፓትርያርኽ ብዘይ ሃይማኖታዊ ሰንሰለት ክትወርስ ትሸባሸብ ዘለኻ፡ ሕራይ ኢልካ ከይትኣቱ። እቲ ስልጣን ዝህብን ዝኸልእን ኣምላኽ ክሃርመካ ኢዩ። ካብ ኣቡነ ደስቆርዮስ ተመሃር። እታ ትመጽእ መዓት ትቅበላ ንስኻ ኢኻ። ኣቡነ ዲስቆርዮስ ንዓሰርተ ሰለስተ ወርሒ  ኣብ ዓራት ጥንቅሊዒት ደቂሶም፡ ኣፎም ከፊቶም ክዛረቡ ኣይኽእሉ ክሰምዑ ኣይኽእሉ ኮይኖም እዮም ሓሊፎም። ናትካ ከኣ ክትብእስ እውን ኢያ። ወይ ዓይንኻ ወይ እዝንኻ ክትስእን ኢኻ።  ማዕጾ መንግስተ ሰማያት ክትዕጸወካ እያ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ብቅልጽምካ ኣይእቶን ኢዩ። ብጽቡቅ ግብሪን ስራሕን ጥራይ ኢዩ ዝእቶ።” ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ነቶም ወሃብቲ ሽመት  “ከም እቲ ክርዳድ ዝዘርአ ክርዳድ ዝዓጽድ ኣቱም ሸመይቲ ከም ጨውን ሽኮርን ክትሓቁ ኢኹም።” ክብሉ ብጥረኣ ነጊሮሞም። ብዛዕባ ኣቡነ እንጠንዮስ ከኣ “ንቡጽዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን እግዚኣብሄር ባዕሉ ክሕለቀሎም እዩ። ንሶም ከም ጒላ ክፈልሑ፣ ከም ጋባ ከኣ ክዕምቡቡ እዮም።” ኢሎም ዓወት  ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣመቱ።

ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ እውን ሓያል ዝኾነ መልእክቲ ኣመሓላሊፎም። ብፍላይ ኣብ እቲ ፈለማ ናጽነት ዝነበረሉ እዋን፡ ኢሳይያስ፡ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ከእቱ ምዃኑ እንዳዘከሩ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላለፉ፦ “ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ታሪኽ ንዘለኣለም ትውቀስ ክትነብር ኢኻ። እቲ ኩሉ ኣብ ሜዳ ዝገበርካዮ ታሪካ ክበላሾ ኢዩ። ስለምንታይ ንስኻ ክምስ ከይበልካዮ ዝኾነ ነገር ኣይስራሕን ኢዩ።” ኣስዒቦም እውን ነቶ ፓፓጋሎ ሰበስልጣን ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ዝምልከቶም “ኣቱም ኣብ ናይ ሃይማኖት ክፍልታት ዘለኹም ሹመኛታት። ንብጹዕ ወቅዱስ ሳልሳይ ፓትርያርኽ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ጥፍኣት እንተሃሊዎም፥ ጭብጥን መረጃን ሒዝኩም፡ ኣብ ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስትያናት፣ ኣብ እስክንድርያ መጺእኩም ክሰስዎም። ኣቡነ ኣንጠንዮስ ሓቂ ሒዞም ከምዘለዉ ስለ እትፈልጡ ግን ኣይትውዕልዎን ኢኹም።” በልዎም።

ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ እዋን እዚ ኣባል ናይ እስክንድርያ ሲኖዶስ እምበር ኣባል ናይ ሲኖዶስ ኤርትራ ከምዝሰረዝዎ ከብርሁ ከለዉ፡ “ንምንታይ ሓቂ ስለዘይብሎም። ንምንታይ ጉድለት ስለ ዝገበሩ።” ኢሎም ኢዮም ዝወቅስዎም። ዝነበሮም ተራ ከምዝፈጸሙ ዝገለጽሉ መንገዲ እውን  “ንክሉኹም ነጊረኩም ኣለኹ፡ ኢደይ እውን ካብዚኣ ጉዳይ እዚኣ ተሓጺበ ኣለኹ። ኣብ ታርኽ ኣነ ኣይውቀስን ኢየ። ኣነ ስጋዕ ዚኽእለተይ ሰሪሐ ኢየ። እቲ ሃዋርያዊ ሰንሰለታዊ ስልጣን እታ ሃገር ንክትረክብ ምስ ብጾተይ ጺዒረ ኣውሂበያ እየ።” ክብሉ እዮም ገሊጾሞ። ነቶም ኣብ ጎኒ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ደው ኢሎም ብዛዕባ ሓቂ ዝተጋደሉ ብሓፈሻ ኣድናቆቶም ገሊጾም እዮም፡ – “ኣቱም ኣብ ጎኒ ብጽዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ደው ዝበልኩም፣ “እምቢ ንምትእትታው መንግስቲ ዝበልኩም”፣ “መናፍቅ ጳጳስ፣ ዓላዊ ንጉስ እንተመጸ እምቢ በሉ” ዝብል ምኽሪ ኣቦታትና ዝፈጸምኩም፡ ታሪኽ ሰሪሕኹም ኢኹም።” ክብሉ ዝገበርዎ ንኹርዕእት ሃይማኖቶም ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ፍታሕ ከምጽእ ኢሎም ዝሓሰብዎ ኣንፈታዊ መምርሒ ባርኸቶ ሂቦም፦ “ኣነ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ ኣስላማይን ክርስትያንን እነግሮ ኣለኹ። ህዝቢ ኤርትራ ዓው ኢለ የእውየልካ ኣለኹ። ኣይሰማዕኩን ከይትብል ኣእዛንካ ጽለው። ሓዚነ እየ ዘለኹ። ንኣቦና ሼኽ ሙሳ ወዲ 80 ዓመት ከምዝሞቱ ኣሕሊፍና ሂብናዮም። ኣብ ጎኖም ደው ኢልና ኣይተኸላኸልናሎምን። “ለባም፡ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ እንተሎ ተዛረቡ” ኢሎም መጸዋዕታ ንህዝቢ የቅርቡ ኣቡነ መቃርዮስ። “ንስኻ/ኺ እንታይ የእቲካ/ኪ ኣይትበሉ። የእትወና እምበር በሉ። ህዝቢ ኤርትራ መሰልኩም ሓልዉ። ንመሰልኩም ደው በሉ። መስልኩም ኣኽብሩ። ኣብ ወጻኢ ኣብ ነጻ ዓለም ዘለኹም። ድምጽኹም ዓው ኢልኩም ኣኣብዘለኹሞ ኣስምዑ። እዞም ትሰምዑኒ ዘለኹም ኩሉኹም ድምጽኹም ኣውጽኡ። ምእመናን መንፈስ ቅዱስ የብረሃልኩም። እቶም ነቲ እምነት እትሓልዩ ተለዓሉ። ኣምላኽ ይሓግዝኩም።” ክብሉ መልእኽቶም መልእኽቲ “ጉያይ ወዲኤ ኣለኹ” ዓጸዉ።

መፍትሔ ርእይቶ ደብረ

ሓሰውቲ ኣቡናት፣ ሓሰውቲ ካህናት፣ ሃሰውቲ ዲያቆናት ኣብ ኣብያተ ክርስያናትና ፈሊሖም ኣለዉ። ከምዚኦም ዓይነት ከደዓት ካህናት ኣብ ኩሉ ቤተ ክርስትያናት ይህሉዉ እዮም። እዚኦም ንኽመርሑና ከመይ ኢልና ኢና ነፍቅደሎም፧ ኣብ ከምዚ ህሞት “ቀሺ ዝበለካ እምበር፡ ገበረ ኢልካ ኣይትግበር” ዝብል ኣበሃህላ ንንጸጎ። ንሕና ንሃይማኖትና ፈራዶ ክንከውን እንተዘይከኣልና ንመስል እምነትና ክንከላኸል ይግባእ። ንዑ ንሃይማኖትና ደው ንበል። ንዑ ንቅቡእ ፓትርያርክና ንስዓብ። ንዑ ንቅቡኡ ነጻ ነውጸኣዮም፣ ንዑ ነዞም ውጉዛት ንወግዞም ንንጸጎም። ንሶም ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ክንኣልዮም እንተዘይክኢልና ንሕና ናብኦም ምኻድ ደው ነብል። ንዑ ንመሰና ደው ንበል። ንዑ መስልና ነኽብር። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ኣብ ነጻ ዓለም ዘለና። ድምጽና ዓው ኣብልና ኣኣብዘለናዮ ነስምዕ። ቅንዕና ሒዝና ስለዘሎና መንፈስ ቅዱስ ከብረሃልና ኢዩ። ንዑ ንእምነትና እንሓልይ ንለዓል። ንዑ ምእመናን ክሳብ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ዝምለሱን በትረ ፓትርይርኾም ዝጭብጡን፥ ንኣብያተ ክርስትያን ምኻድ ነቋርጾ።  ኣምላኽ ምሳና ኢዩ፡ ክሕግዘና ኢዩ።

 

ካብ ምሽካዕለል ውጉዛት ይሰውረና

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ፣

መስትርሆት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

ሓውኹም ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT