Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስከረምን ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን፡

መስከረምን ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን፡ 21.09.2018፡                                                                                                            2ይ ክፋል፡ “ተሞኩሮ ሃገርናኸ ከመይ ይመስል? ትብሉ ዘለኹም ይመስለኒ። ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንተሉ ምኽንያትን ስዉር ጥበባቱን ከመይ ከምዝመስል ንምብራህ ዱቋ ዕላል ቅድሚ ምቕራበይ”. . . . . ኢለ ነበርኩ መልእኽተይ ዝዓጸኹ። ኩቡራት

መስከረምን ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን፡ 21.09.2018፡                                                                                                            2ይ ክፋል፡

“ተሞኩሮ ሃገርናኸ ከመይ ይመስል? ትብሉ ዘለኹም ይመስለኒ። ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንተሉ ምኽንያትን ስዉር ጥበባቱን ከመይ ከምዝመስል ንምብራህ ዱቋ ዕላል ቅድሚ ምቕራበይ”. . . . . ኢለ ነበርኩ መልእኽተይ ዝዓጸኹ።

ኩቡራት ሃገራዊያን፡ ድሕሪ’ዚ ቀዳማይ ጽሕፍ ምስገለ ብጾት ውሱን ናይ ሓበሬታ ምልውዋጣት ከምዝገበርና ከብርህ እ ፈቱ። እቲ ዝሰዓበኒ ሓበሬታን ስክፍታን ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ግናስ ከምንዓይ፡ ሜዳ ቃልሲ ብገፊሑን ተቓለስቲ ከይሰሓ ዉን ተገዳዲዕና ጠንጢንናዮም ዝወጻእና ሰባት ሎሚ ተረኺቡ ብዝመሰለና ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ናይ ቃልሲ መኣዲ ከም ንዓጉግን ደጊምና ከምዘይንገዳዳዕንከ እንታይ ውሕስነት ተረኺብዎ’ዩ “ከይንዕንቅፎም” ዝዓይነቱ ክንድኡ ምሕጽንታ? እ ንታይ ዝዓይነቱ ምስጢር ስለንፈልጥ ኢናኸ ከይነቃልዖም ተሰጊኡ? ዝኾነ ድማ ይኹን፡ ንነገሩ’የ’ምበር ወሸለ’ንዶ ዝቃለ ሱ ኣይርከቡን! ከይቃለስ ዘዃልሙዎ መራሕቱ እንተዘይኮይኖም ከይቃለስ ዝኣበየ መንእሰይና’ኮ ኣይተራእየን። እንተ’ቲ ስክፍታን ሓበሬታን ጽቡቕ’ዩ’ሞ ንዘይምዕባሩን ፍጥረተይ እንተኾይና’ውን መታን ደጊመ ከየዐንቅፍን እናተማህለልኩ ነቲ ዱቛ ታሪኽ ብርሰትና ቀጣጢነ ናብዚ ዝተባህለ ህሉዊ ኩነታት ብምድሃብ ዝኸፈትኩዎ ኣርኣስቲ ክዓጹ ክፍትን’የ።

ከምቲ ዝጠቐስኩዎ ኮሪያ ናይ ሓደ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ክንሳ ብሰንኪ ዓለማዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ክልተ ስለዝተኸፍለት ዘስዓ ቦ ኲናት ነበረ’ቲ ጠንቂ ክልተ ኮሪያታት። ኤርትራን ኢቲዮጲያን ግና ክልተ ሃገራትን ክልተ ህዝብታትን ኢየን። እቲ ዶባ ዊ ኲናት ድማ ብሃንደበት ዝተወልዐ ዘይኮነ ብድጉል ዓላማ ጸረ ኤርትራውነት ስለዝተገብረ ንርእሱ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝኾነ ሓድሽ ናይ መሳበቢ ምኽንያት ከየቕረበ ብዱብዱቡ ንሱን ከምኡን ንዝፈልጡዎ ናይ 25 ዓመ ት ማለት ካብ1993 ኤርትራ ብረፈረንዱም ሃገር ካብትስመ ኣትሒዙ ንዝነበረ ክሳራ ከምተዓወተሉ ከበስር’ዩ ዝተሰምዐ።

ከምቲ ትግራዋይ ተጋዳላይ ስየ ኣብርሃ ኣብ ኣመሪካ ነቶም ኣምሓሩ ኣኪቡ “ነቲ ባዕልና ዝሰቐልናዮ ባንዴራና ባዕልና ከነ ውርዶ እንተበልናኩምሲ ስለምንታይ ተዕጠጥዩ?” ዝዓይነቱ መልእኽቲ ምስደርጓሓሎም ብጣቕዒት ዝተቐበሉዎ ድማ እ ንሆ ሃገርናን ህዝባን ዳግማይ ምስ ኢቲዮጲያዊያን ምዃኖም ዝኣምኑ ተጋሩ ክትጽንበር ይፍተን! እንሆ’ውን እቲ ተሪፉ ዝ ነበረ ሕንጫል ምንጫል ውላድናን ፖሊስ-ዓባይ ዝመስል ሰራዊትናን እግሩ ናብ ዝመርሖ መሬት ኢቲዮጲያ ይውሕዝ!

ኣብ ከምዚ ኩነታት ግድን ኮይኑ እሂን-ምሂን ኣሎ’ሞ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ ከምዝበሎ፡ ብፍላይ እቶም ንመጸዋዕታ ሓርበ ኛ ብርሃነ ኣብርሀ ከምዝድግፉ ዝገለጹ ሰበስልጣናትን ኣባላት ባይቶን ነበር ከም ተቓወምቲ መጠን ዓዶም ተመሊሶም ኣ ብ ምርግጋእ ሃገርን ምስግጋር መንግስትን ክሰርሑ ከምተበገሱ ሓበረኒ’ሞ፡ ምእማኑ ከምዝሰኣንኩ ምስኣረጋገጸ ምስናይ ተግሳጹ ሓቅነቱን መልእኽቱን ዘረጋግጽ ስእሊ ኣሰንዩ ሰደደለይ። ብኡ ዝተላዕለ ድማ ከይተኣማመና ነዊሕ ኣዕለልና።

ኣንታ ብዛዕባ ሚ/ር መስፍን ኣብዘለኒ ‘ሕማቕ’ ኣረኣእያ ክትወቕሰኒ ዝፈተንካ፡ ብቐዳምነት ዋላ’ኳ ከም’ኒ ጓል ልጃምን ባ ንተርን ዝኣመሰሉ ኣባላት እናጠቐስካ ውጹእ ወዲ ውሻጠነትካ ብዘረጋግጽ ቋንቋ ክሽነ ከተእምነኒ እንተፈተንካ፡ ንመስፍ ልዕለይ ዘስተማቐርካዮ ኣይመስለንን’ዩ። እታ ‘ውንጀላ’ ትመስል ዝጠቐስካለይ ጥቕሲ ድማ ሓቕኻ ኢለያ ኢየ። ምናልባ ሽ ብመንፈስ ሕሉፋት’ኳ እንተጠቐስናያ ህሉዋት ክሕወስዎ እታ ኣምሪርካ ዝወንጀልካያ ሕጂ’ውን ክደግመልካ፦

ጀነራልዶ ኢሉካ ኣይእዘዝን                                                                                                                ህዝቢዶ ኢልካ ኣይከትትን                                                                                                                ፈራዲዶ ኢልካ ኣይምጉትን                                                                                                           ዓለምዶ ኢላትካ ኣይከም ኢሳይያስን                                                                                                       ክትረክብ ክትስእን ዘይትፍትን                                                                                                         ባዕልኻ ገበርካዮ ስርሕ ብትን . . . . .

እዛ ዘቕረብኩዋ ቅጣፍ ጥቕሲ ካብ ታሪኽ ራእስናስ ንዕዑ ካብ ምስትንዓቕዲያ ካብ ኣኽብሮት ተሰዊርካ እንተኾይኑ ግብ ይበልካ!! ሕጂ’ውን ከምቲ ሚ/ር ብርሃነ ዝበሎ ኣነ በታ ውስንቲ ዓቕመይ ክወቅስን ነብሰይ ክከላኸልን፡ ከምኡ’ውን ክረ ትዕን ክርታዕን ብጋህዲ ክማጎት ድሉዊ ምዃነይ ክትርዳእ እደልየካ። ኣፍ ምጉት ድማ ንብርሃነ ኣብርሀ ብምእሳር ወይ ብምቕታል ትዕበስ እንተመሲልትካ ጽባሕ ንሪኦ። እንተታ ተሰኪምካያ ትኸይድ ዘለኻ እኪት ኩልዃል ድሒርካ ስለዘይት ኸብረላን ብቀንዱ ዘይተናግፈካን እቲ ዝባሃል ለውጢ ክብርዕን’ዩ ቀንዲ ሕልምኻ።

ንምንታይከ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተዛረብናዮ ክትጅርር ትትዕብ? ሽዑ’ውን ኣቃውማ ህግደፍ ስለዘይተበ ራሃኒ እወ ኢለ! መስፍን ኣብታ ኢሳይያስ፣ ኣልኣሚንን ዓልን ጥራይ ዝጸንበረት ዕስብቲ ሰልፊ ምእታዉ ይመራሳሕ ከም ዝነበረ ስለዝመሰለኒ ጥራይ’የ ተቓዊመያ። “ንምንታይ ካብቶም ክውደሱ ንወጻኢ ዝተላእኩ ሓለፍቲ ተሪፉ? ኮንዶኾን ካ ብቅድም ተቓዋሚ ኢሳይያስ ከምዝብሉዎስ ሎሚ’ውን ተቓዊምዎ?” ኢልካ ንዘምጻእካዮ ዕላል’ውን ምስ መቓልሐይ ጥ ራይ ኣይኮንኩን ተዛሪበዮ። ኣይወዓለት ኣይሓደረት 03 ንርእሳ ብዛዕባኡ ዝዘረወቶ ፖለቲካ ትግራይትግርኝነት’ውን ንሕና ኢና ኣብክንዲ መስፍን ዝመጎትና። እሱ እናኾነ ግና ፖለቲካዊ ጉዕዞ መስፍን የሰክፈና ከምዝነበረ እጂ’ውን ክደግመልካ ኣ ይጽግመንን። ግናስ ሕጂኸ ንምንታይ ኣብ ከምኡታት ንወድቕ ኣለና?

ደጊምካ ከተስተውዕለሉ ዝደልየካ ነገር ግን ኣለኒ። ቅዋም ከምዝመተ ‘ከምተበሰርና’ ረሲዕካ ሕጂ ብዛዕባ’ታ ግዜኣ ዝሓረ ረ ሬሳ ባይቶ ከምሓድሽ ካብ መቓብር ኣውጺእኩም ብምጥርናፍ ተምጽኦ ለውጢ ክንድኡ ካብተመነኻዮ ወሸለንዶሞ! ን ለውጢ ዘጽልእኸ ኣብምንታይ ክፋል ፍጥረተይ ክትረክብ! ብተወሳኺ፡ ተኾነ ዓለም ኣዳሊያትልና ኣላ። ካብኡ ሰረረ ወዲ

ህግደፍ’ውን’ኮ ፍቓድ ጥራይ’ዩ ዝጽበ’ምበር ከሰጋግር ከምዝኽእልሲ እምነተይ እንድዩ ንምንታይ ትጓንየኒ!

እዞም ህግደፍ ክትውቀስ ልብኹም ዝዝልሓጥ እንተትረጋግኡስ ክንደይኮን ምጸበቐ። ኣብ ውሽጢ ይኹኑ ኣብ ወጻኢ ዘለ ዉ ሓለፍቲ ነበር’ኮ ብጾትና ነይሮምን ኣለዉን’ውን። እቲ ሕመረት ፍልልይና ድማ ኣብ ሃገራውነትና ዘይኮነ ኣብ ፖለቲካ ዊ ዓሌትነትና ጥራይ ኢዩ። ማለት ንሕና ህዝብን ተራ ቚቛን፣ ንስኻን ንሳቶምን ግና ፖለቲከኛታትን ሰበስልጣናትን፣ ብ ቀንዱ ትስወሩን ትጋሃዱን፣ ትኣምኑን ትኽሕዱን፣ ትምሕሩን ትቐትሉን ብምዃንኩም’ዩ። ስለኡ ዋላ’ኳ መስፍን ኢሳይያስ ካብግዜ ንግዜ ከምዝጋላበጥ እናጠቐሰ ግናኸ ንናጽነት ኤርትራ ከምዝተቓከሰ ክምስክር እንተሰማዕናን ኪኖ ፖለቲካዊ ህ ልኪ ሓቀኛ እምነቱ’ውን እንተኾነን፡ ከምቲ ከይደቐቐ ክፈሪ ዘይካኣል፡ መፈጸምታኡ ድማ ንኣጀማምራኡ ከምዘግህድ እን ተገለጽናኸ ንምንታይ ትጸልኡና? እምበርከ ዋላ’ኳ ክትገላበጥ ዝድርኽ ኩነት እንተጋጠመኸ መገድን ኣሳጉማ እግርን’ም በር (ፓሊሲ) መዓልቦ (ዓላማ)ዶ ይቀያየር’ዩ? ስለቲንሱ ግደፍ መባጽሖናስ መበገሲና’ውን ሓደ ከምዘይነበረ’ዩ ዝርዳኣኒ ። እዚ ፍልልይ’ዚ ካብ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ኣሎን ናብዚ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ብርሰት ኣዕሪግናን እንሆ።

ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዓላማ ሰውራ ኤርትራ ድማ ከምብጾተይ ብጊሓቱ ክልተ ተጻራሪ መልክዕ ከምዝነበሮ’ዩ ዝመስለኒ። እ ቲ ናጽነታዊ ነገር ብዕጥቂ ከምዝዕተር ርዱእ ኮይኑ ድሕሪኡ ትሕሉ ኤርትራ ናይመን ከምትኸውን ነበረ’ቲ ወጥሪ። ብዙ ሓት እንተታት ገዲፍና፡ ናይ እስላማዊ ዓረባዊ ዓለም? ናይ ኣመሪካ-ሃጸያዊ ዓለም? ናይ ቻይና ማሕበረ-ዴሳዊ ዓለም?

ሰውራ ኤርትራ ንሱ ብዝመዘዙ ዋሕዚ ዕሉማት ተወሪሩ ምንባሩ ይዕለል። ስለኡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ሓድሽ መግዛእቲ ከምትኣቱ ርዱእ’ዩ ነይሩ። እዚ ተመኩሮ’ዚ ድማ ሳላ መራሕተን በርዒኑ’ምበር ከም ኣብ ኩባ፣ ቬትናም፣ ብዓ ባያ ቻይና ተፈቲኑ’ዩ። ሎሚ ዘዛርበና ዘሎ “ከመይ’ላ ኤርትራ ናብዚ ሓደጋ’ዚ ጥሒላ? ብከመይከ ትውጻእ?” ዝብል’ዩ።

እቲ ብንጉሁኡ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት” ኢሉ ዝነቐለ 2ይ ወገን ብቅትለት መራሒኡ ኣብራሃም’ዩ ዝጀመረ። ስዒቡ ኣብ ዝተራእየ ናይምእራም ተቓውሞታት ’ዝንባለታት’ እናተጠመቐ ሰብና ክበርስ እናረኣዮ ሽዑስ ኣይመሰሎምን።ብቀንዱ እቲ “ዲሞክራሲያዊ ማእከልነት” ዝተሰምየ ጽኑዕ ምሕደራዊ ሰንሰለት ከይብተኽ’ሞ ሰውራና ከይትብርዕን ነበረ’ ቲ ግሩህ ኣጠማምታ። ዓላማኡ ገዲፍና ዘርጋሒ’ቲ ሰንሰለት ኢሳይያስ ምንባሩ’ሞ ምንም ኣየጠራጥርን። ሰንሰለት ንታሕ ቲ ንምዝርግሑ ክጥዕም ተባሂሉ ድማ ሕቡኣን እሱራት ክንሶም ዘይተኣስሩ ክኣስሩ ተሰርዑ። እቲ ኣገባብ ሰንሰለታዊ ኣቀ ፋፍዳ’ቲ “ሰልፋዊ ውደባ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ወዮም ንናጽነት ከምዝተጋደሉ ዝፍለጡ ውዱባት ተጋደልቲ ድማ ኣንጻር ዘ ይተወደቡ ብጾቶም “ሹት!” ተባህሉ። ሂወት ተጋዳላይ ከኣ ከምክንቲት ፈኾሰት። ጽንተት እግሪ ዝተኸለትላ እዋን!

“ሰውራ ደቃ’ያ ትበልዕ” ዝብል ጥቕሲ ኣገባብ ቃልሶም ንግሩህ ሰብ ነቶም ንብጾቶም እናረኣዩ ኣብመጋሪያ ውግእ ንዝጠ ብሱዎም ሓለፍቲ ንምክልኻል ዝተባህለ ዝመስሎ ኣይወሓደን። እሞ እቲ ኩሉ መስዋእትስ ናብ ዓወት ንክብጻሕ’ ምበር ብተጻብኦ ብጾት ከምዝስዕብ ይእመን ኣይነበረን። ለካ ብገዛእ ብጾትካ መስዋእቲ’ውን ነይሩ’ዩ! ሓቂ፡ ሰውራ ደቃ በሊዓ!

ማንም ብጸረ ዲሞክራሲያዊ ማእከልነት ኣብ ሸረኾም ዝተጎብጠ ተቓላሳይ ኣምስዮምን ተሓቢኦምን ከምገበነኛ ክመጃር ጥዎ ይሓድሩ’ሞ እንተድኣ ከምዘይንቀፍ ተፈሊጡ ጉዳዩ ብ“እለይዎ” ትብል ኣሻማዊት ቃል ትዕጾ። እለይዎ ብዙሕ’ዩ ት ርጉማ። በቲ ግሩህ ኣተሓሳስባ “ምዓድዎ፣ ኣረድእዎ፣ ኣስተምህርዎ” ትትርጎም። ስለዚ ኣብ ቦታኡ ካብ ምኽሪ፡ ተሃበረ ክሳ ብ መቕጻዕቲ ይብየነሉ። እንተድኣ ከምዘይጻዓድ ተፈሊጡ ድማ ከም መቐጸልታ እልያ እንዳ ተዓገስ (ሓለዋ ሰውራ) ይላ ኣኽ። ኣብኡ’ውን ተመሳሳሊ መስርሕ ምስሓለፎ መንን ብከመይን ከይተፈልጠ ከምታ ዝለመዱዋ ‘ክኣልይዎ’ ነይርዎም።

ጨንፈር እልያ ከም ፈረድቲ፣ ፈጸምቲ፣ (ኣግለልቲ) ጐስጓስን ፈጠራን ዜና (03) ዝዓይነተን ንኡሳን ጨናፍር ኣለውኣ። “መንከ ይምእክለን?” እንተበልኩም ብዘይምምንታው ብኣዚዩ ጥንቁቕን ስዉርን ጥበብ 99% ኢሳይያስ ባዕሉ።

ጉዳይ ‘ገበነኛ’ ካብ ፈረድቲ ናብ ፈጸምቲ ምስተመርሐ ብክልተ መልክዑ ይትግበር። ወይ እቲ ገበነኛ ዝተባህለ ሙሉእ-ብሙሉእ ክምስራሕ ምእንቲ ብስነ-ኣእምሮ ክቕተል ይፍተን’ሞ እንተመይቱ ጀጉኒኑ ክስንዶ ይትስፈዉ። እንተርዒሙ ባ ህራሪ ክንሱ ብሓድሽ ዋጋ-ዕዳጋ ዝተባህሎ ጥራይ ዝደግም ‘ጅግና’ መሲሉ ይወጽእ። ፈጠራ ዜና ብግደኣ መታን ኩሉ ክ ፈልጦን ክጥንቀቐሉን ዓሊማ ክንሳ ግንድማ ከምተኣለየ፣ ከምተኣረመ ኣምሲላ መናፍሓ ተቃልሕ። ወዮ ግዳይ’ውን ምእን ቲ ንፋስ ዓለም ክብል ናይ ዘይፈልጦን ዘይዋዓሎን ገበን ክናሳሕን፡ እንተሰሪጽዎ ድማ ምእንቲ ክእመን’ውን ናብ ዘይተሰ ለፈሉ ገበን ክዋፈር ይዳሎ። እንተድኣ ነዚ ዝተጠቕሰ ዝብድሆ ኮይኑ ግንከኣ ኢሳይያስ ንግዚኡ ሂወት ክሱስ ዘውስድ ስግ ኣት ዘይሃልይዎ፡ ፍጹም ክርዱድ ኮይኑ ከዕነኒ ከምዝነብር ጉዳዩ ናብ ጎስጎስቲ ይማሓላለፍን ካብ እንዳ ተዓገስ ይወጽእን ። ክሳብ ብሂወት ዘሎ ከኣ ብፈጠርቲ ዜና ከም ዓባቕ ማንቲለ ንከይልገብ “ዝንቡል” ይኸውን መጸዊዕዑ። እንተድኣ ብግ ምት ክቡር ግዜያዊ ፕረሲደንት እቲ ሰብ ‘ክእለ’ ተወሲኑ ናብ ፈጻሚት ይምራሕ’ሞ ንሳድማ ብጭካነኣን ዕጥቃን ዝወጸላ ንእስቲ ኮሚተ ስለዘላታ፡ ኣበይ፣ ብከመይ፣ ፈጸምትን ኣገባቡን ብዘይፍለጥ ሂወት ናይ’ቲ ንጹህ ሃገራዊ ትቐዝፍ። እቲ ኣ ንበሳ ከምዝወደቐ ምስተፈልጠ ጉዳይ ናብ ንኡስ ጨንፈር 03 ይሰግር። ሽዑ፡ “ነብሱ ቀቲሉ፣ ብስልኳ ጸላኢ ተሰዊኡ፣ ብ በራሪት ጥይት ጸላኢ ተመንጢሉ፣ ክሃድም ክብል ኣብ ፈንጂ ጸላኢ ተደርጊሙ፣ ክሃድም ክብል ብጾትና ኣካሪጆሞ” . . . .

“መን’ዩ ዝቐትል ዝነበረ?” እንተኾይኑ ሕቶና፡ ኢሳይያስ ባዕሉ ወንጀል ክሰርሑ ብዘይጽሕፈት ይእዝዝ’ሞ ተገልቢጡ በቲ ትእዛዝ ኮይንዎም ዝገበሩዎ ወንጂሉ ይሕይሮምን የቕህሞምን። “መን’ዩኸ ዝቕተል ዝነበረ?” እንተበልና’ውን እቲ ሃገሩ ዝ ፈቱ ጽሩይ ሃገራዊ! “ስለምንታይ ድኣ ንሃገርና እናተጋደልና ሃገራዊያን ዝቕተሉ?” እንተተባህለ’ውን መልሱ ከምቲ ዓብደ ላ “ውድድር ስልጣን” ዝበሎ ዘይኮነ፡ ጽባሕ ንጉሆ ኤርትራ ትባሃል ናጻን ሓያልን ሃገር ክትህሉ ስለዝተደልየ እቶም ናይ ምግባራ ተኽእሎ ዝነበሮም ክጸንቱ ስለዝነበሮም ጥራይ ባቃ። እቲ ኣዚዩ ዘሕፍር መልክዕ ጽንተትና እንታይ ከምዝመስል ‘ሞ ኣቕልቡሉ፡ ኣዛዚ፣ ተኣዛዝን መዋትን ኩሎም ደቂ ሓንቲ ሃገርዶ ክንብሎም ወይስ መልሲ ኣለኩም?

ምስ’ዚ ኩሉ ሽግር ሃገር ብዕጥቂ ብረትን ዋሕዚ ኩሉ ሃገራውን ከምትሕረር’ኳ እንተተፈልጠ፡ እቲ ቀንዲ ስዉር ዓላማ ግ ና ብሰላሕታ ከምዝበጽሑዎ ጽኑዕ እምነት ነበሮም። ነዚ ዘሳልጠሎም ሰብ’ውን ብርግጽ ሓሪዮምን ተዓዊቶም’ውን። ሎ ሚ እቲ ዶጎል ምስጢር ስለዝዓነወ ምስጢር ንከይትፈልጥ ዝኽልክልን ክትፈልጥ ዘሀርድግን የለን’ሞ ኩሉ ጋህዲ ኮይኑ።

“ቅትለት ኢብራሂም ዓፋ እንተዝሰምዕ ኣይምቀጸልኩን” ዲዩ ዝበለ ኣምባሳዶር ዓብደላ ኣድም? መን’ዩ ቅትለት ኢብራሂ ም ክነግሮ ዝሓስብ ዝነበረ? እምበርከ ግደፍ ቅትለትን ቀተልትን ኢብራሂምሲ መስዋእቱኸ ይፈልጥ ዲዮ? እቶም ነብሶም  ከምዝቐተሉ ዝተወርየሎምከ መን’ዩ ምስክሮም? ኢሳይያስ ንናይዝጊ ብጉዳይ ትግራይ-ትግርኚ ክቕበል ከምዝሓተቶ ዝም ስክሩስ ‘ብከፈር’ ይህልዉ። ግናኸ ናይዝጊ ኣብዘይብሉ ሎሚ ቃል እምነት በየን ትምጻእ? እቲ ኣውራ፡ ንሱ ብከምኡ ተሓ ቲቱ ስለዘቕበጸ ምስጢር ንምዕቃብዶኾን ‘ተኣሊዩ’ ወይስ ንቡር ሕልፈት? መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ ስዉእ ናይዝጊ ክፍሉ!

ዓብደላ ምስ’ቲ ኩሉ ቁምነገሩ ነቲ ናይ 73 ምንቅስቓስ ከም ናይ ስልጣን ውድድር ኣምሲሉ ክገልጽ ኣይግድን’ሞ “ኣይፋ ልካን ዓብደላ ኣይትጋገ! ንሳቶምሲ ነዚ ዘለናዮ ከምዝመጽእ ስለዝፈለጡ ጥራይ ኢዮም ዝተቐትሉ’ሞ ኩነትካ ኣመዓራሪ” ዝብሉ ከምዘለዉ ከዘኻኽሮ እደሊ። ከምኡ’ውን ሚ/ር መስፍን ወዮም መሳርሕቱ ነበርሲ ኢሳይያስ ከምዋዛ ምስ ኢህወ ደግ ክሓብር ከምተሰማምዐ ንዝሰንደዋ ዘረባ እናሰምዑ ከምዘይተቓወሙ’ዩ ገሊጽልና። ንሳቶም ድማ እቲ ክሕወሶም ዘይ ነበሮ መስፍን ስለምንታይ ከምዝመጸ እንተዘይበርሃሎም ወይ’ውን ኣብ ልዕሊኡ ጥርጣረ እንተነበሮምከ መን ይፈልጥ? ዝኾነ ድማ ይኹን’ሞ ብግብሪ ክርአግና ንሳቶም’ዮም ኣብቲ ዝፈረሙሉ ጸኒዖም ንሞት ዝተደርገሙዋ’ምበር ንሕና’ዞም መታርፍቲ’ኮ ኣይኮናን። መስፍን ካብ ጀርመን ኣስመራ ከይምለስ ከምተኸልከለ ዝውረ’ውን ኣሎ። እንተኾነ ብጾቱ መሪ ሑ ካብ የመን ሳሕል ዝተደርገመ ጥሒሻ እንተደልዩ መን ይኽልክሎ? እምበርከ ኣብ ሱዳን ምስተቐልቀለ ብደገፍቱ መን እሰያት ኣይተኸበበንዲዩ? ካን መስፍን ዝኣክል ኣርካን ብሂወቱ ክረማሰስሲ መንከ ሓሰቦ? ሕንቅል-ሕንቅሊተይ!!!!!

ኣይፋልኩም ብጾትና! ብወገነይ ጥፍኣትኩም ዘብሃገኒ እንተመሲልኩም ተጋጊኹም፣ ግናስ ክንዲ “እናኸኣልና ኣይደለናን፡ እናደለና ኣይከኣልናን” ኣይተቐድሙ። ነዚ ሕንጫል ወሎዶና ብውሽጥን ወጻእን ስልጣን ከምዘይምንዝዕ እናኾለፍናስ ስ ልጣን ክምዝምንዛዕ ከነስተምህሮ የምሕረልናዶ? መንእሰይን ህዝብን ዝውንጅል መንፈስከ ቅቡልዶ? ዝተኸልኩማ ገረብ ዘፍረየቶ ምህርቲ ተመጣጢርኩም ካብዘይቀንጥብኩማን ካን መደያይቦ ካብሰኣንኩምን’ሞ እንታይ ንበል! ሎሚ ዝምኽነ ካብተሳእነ ከምታ ናይ ጀነራል ስብሓት“ዓለም ዝገበረትና ኢና ንግበር” እንተኾይኑ ሓራይ ንፈርጠመላ! እንተድኣ ንበይንና ከምዝኸፍኣና መሲልኩም፡ ዘይኩልና ሓሓንቲ ሂወት ጥራይ ኢያ ተዋሂባትና’ሞ ከምዘመኑ ንሓልፎ ይግበረና ፈጣሪ።

እንተ’ቲ ነገር ሎሚ ዘመን፡ እቲ “ብሓለዋ ሰውራ” ዝተኸወለ ቅዝፈት እንሆ ሎሚ’ውን ብጉልባብ ”ድሕነት ሃገር” ህዝብና ክሃልቕ ንሪኦ። ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ሃገሮም ከድሕኑ ዝወፍርዎ ጸላኢ እንተሊዩዎም ኣንጻር’ቲ ወዲሃገሮም ጥራይ’ዩ። ሎሚ’ውን ከምቲ ሕሉፍ ነዞም መዓንጣ ዘይቆጸሩ ህጻውንቲ፡ ዘርእን ዓይነትን እናጸብጸብካ ብሕርያ፡ ካብ ገዝኦም ክወጹ ዝጉስጉሱ፣ ዘውጽኡ፣ ዝዋገዩ፣ ኮታ ስደትን መሸጣ ሰብን ከም ቀንዲ ምንጪ እቶት ህግደፍ ኮይኑ ጽንተትና ሰማይ ዓሪጉ።

“ውላድኩም ኣብ ትግራይ ብሰላም ስለዘእተናልኩም ክንድዚ ኣሽሓት ዶላር ክፈሉ። ክሳብ ትኸፍሉ ግና ውላድኩም ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ’ዩ” ዝብል ዜና እንተዝመጸኩም እንታይ ምተሰማዓኩም? ሂወት ሰቡ ዝተሰልበቶ ተቐባሊ መልእኽቲ ከ ምገለ እንተንጸርጺሩ ከኣ ንጉሆ-ንጉሆ ሽሕ ከምዝወሰኸት ክንገሮኸ? ከምኡ’ውን ካብቶም ኣብ ሱዳንን መሰሉን ዝተኣስሩ ሰብኩም ከምኡ ወይ ካብኡ ዝባኣሰ ዜና ሞትን መሸጣን እንተትርድኡ እንታይ ምበልኩም?

እቲ ዝገረመና እቲ ዕዮ ‘ብሸፋቱ ትግራይ ከምተፈጸመ ክእመን ምእንቲ ኣብ ሓንቲ ሳልስቲ ካብ ትግራይ ብስእሊ ተሰንዩ ኣብ ከባቢ ሽረ እንዳስላሰ ሽፍትነት ከምዘሎ ዝመስል ዜና ምስተፈነወ፡ እቲ ጥፍኣት ኤርትራውነት ብክልቲኡ ወገን ይፍ ጸም ከምዘሎ ዘውግዐ ፍጻመ ኮነልና። ዝብሎ ዘለኹዶ ትርድኡኒ ኣለኹም ሓቀይ?

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብሸፈጥ ‘ስምምዕ’ ንኣሕዋቶም ካብ መሬቶም ኣውጺኦም ናብ ትግራይ ይሸጡዎም። እቶም ተጋሩ ድማ ነቶም ሰብና ዳጒኖም ካብ ሸላ መፍትሒ ኣሽሓት ዶላራት ይሓቱና። ምስ ህግደፍ ዝተሻረኸት ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ኣለና ሸው” ዝኸፈተትሉ ዓላማስ ለካ ሰብና ንምስዳዕ ኢዩ። ካብ ትግራይ ንምውጻእ’ሞ ዝበዝሐ ክፍሊት ኣሎ። እ ንተላይ ብስም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝመጸ ናይ ጸግዒ ፍቓድ ተጋሩ ከምዝጋዓዝሉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። እቲ ኣብዛ መስከረም’ዚኣ ዝተራእየ ዘይጥቁው ምኽፋት ዶብ ድማ ከም ቀዳድ መዕቆርማይ ዝተረፈ ሰብና ዘሪቑ ጥራሕና ተሪፍና።

“መስከረምን ፍልሰት ህዝቢ ኤርትራን” ክብል እንከለኹ ወያ ነዚ ከይመጽእ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረት ወርሒ መስከረ ም ኣይከምትምኒታን ክብል ኢለ’የ። ኣብ ክፍላ መስከረም ጀማሪ ሰውራና ተሰዊኡ። ክፍላ መስከረም’ውን መራሕትና ብ ጅምላ ተሓይሮም። እንሆ ድማ ትማሊ ተባዕ ሚ/ተርና ብርሃነ ንቀዳሞት ስዒብዎም። ብሳላ’ዝን ከምኡን ዓለም ብዓለማ ተገሪማ ጉድ ኮይኑ። ክሳብ’ቶም መጉዳእትና ዝሓከሙ ጻዓዱ ከይተረፉ ክሳራ መሓውርናን ሩሕና እናዘከሩ ተዓዚሞም።

ኤርትራዊያን፡- ከምቲ ዝጠቐስኩዎ ሃገራውነትና ዘይኮነ ፖልቲካዊ ዓሌትና’ዩ ተፈላልዩ ዘሎ። ስለኡ ክኾኑ ዝኽእሉ ደቂ ሃገር በሪሶም። ኣብ ቦታኡ ጠንጢንናዮ ዝመጻእና ቃልሲ ድማ ካብ ‘ስደት’ ተመሊስና ክንቅጽሎ ንሰብ ኣየተኣማምንን። ኮይኑ ተሪፉ ኣብኡ ዘሎ እንተተንቀሳቒሱ ነበረ ትጽቢትና። ብዝተረፈ ዘመን ገበል ዝሃበና ክንቅበል እንተዘይፈቐድና’ውን ኣይተርፍን’ዩ’ሞ መንግስተ-ምድሪ ካብ ተፍኣናስ መንግስተ-ሰማይ ክቕበለና ፈጣሪ ክንልምን ግዚኡ እመስለኒ።

ጽንተትና ደቢሳ ልብናን ዝዓጠቕናያ ስረን ተመዓራሪ መስከረም ይፍጠረልና!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ወዲ ጥሮታ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT