Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ አብ ዓዲ-እንግሊዝ ከተማ ኖቲንግሃም ብደለይቲ ፍትሒ ደሚቑ ውዒሉ።

26/05/2015 እቲ መደብ ብስምረት  ምንቅስቕስ  ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር  ዝተዳለወ ኮይኑ ብደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ደሚቑ አምስዩ። እዚ መበል 24 ዓመት ናጽነት ፍሉይ ዝገብሮ አብ ዘተ፡ አስተምህሮን ግጥምን ዝተመርኮሰ ምዃኑንን ደቀንስትዮ ዘሳተፈ ምንባሩን እዩ። ኣብ ልዕሊኡውን አብ ክንዲ

26/05/2015

እቲ መደብ ብስምረት  ምንቅስቕስ  ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር  ዝተዳለወ ኮይኑ ብደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ደሚቑ አምስዩ። እዚ መበል 24 ዓመት ናጽነት ፍሉይ ዝገብሮ አብ ዘተ፡ አስተምህሮን ግጥምን ዝተመርኮሰ ምዃኑንን ደቀንስትዮ ዘሳተፈ ምንባሩን እዩ። ኣብ ልዕሊኡውን አብ ክንዲ ብጓይላን ዳንኬራን ብሽምዓ ተዘኪሩ ኣምስዩ።  መጀመርታ ካብ 1940ታት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ዘንጸባርቕ ስእላዊ መግለጺ ተጌሩ። ቀጺሉ ተራ ደለይቲ ፍትሒ እንታይ ኢዩ ዝብል ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ብምቕጻል  ጮቆንቲ ስርዓታት ዝሕቡኡሎም በዓትታት ዝብል መግለጺ ተውሂቡ።  ድሕሪኡ  ተሳፍቲ በብጉጅለ  ኮይኖም  ትርጉም ናጽነት እንታይ እዩ? ትካላዊ አሰራርሓ መለት እንታይ መለት ኢዩ? ስለምንታይ እየን ደቀንስትዮ አብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ቦኺረን ዘለዋ? ኣብ ዝብል ኣርስታት ርሱን ክትዕ  ድሕሪ ምክያድ  ነብሲወከፍ ኡጅለ ናብ ተጋባእቲ ጹማቕ ጸብጻብ ኣቕሪባ። ግጥምታትውን ቀንዲ ናይቲ መደባት መላግቦ ኮይኑ አምስዩ ኢዩ።

ተራ ደለይቲ ፍትሒ ከምቲ  ስምና ዘመልክቶ ምስ ዉጹዓትን ሓቅን ርትዕን ደው ብምባል አብ ሓበራዊ ዘተ ዝተሞርኮሰ ሃገራዊ መፍትሒ ንምምጽእ  ብተወፋይነትን ምጽውዋርን ምክብባርን ተጠርኒፍና ምስ  ህዝብና  ምስራሕ እዩ  ብምባል ወሃቢ አስተምህሮ አቶ ሳሙኤል ዓንደማርያም ኣስሚሩሉ።  ብምቕጻል ደለይቲ ፍትሒ ንሓድሕድና ክንዳጋገፍ እምበር ክንወቓቐስን ክንጻላለምን ምቕናይ  ጸረ ዕላማና  እዩ ይብል። እቲ ቐንድን አገዳስን ክነስተብህሎ ዘሎና ነገር ይብል ወሃቢ አስተምህሮ ” አተሓሳስባና   ንምምዕባል አብ ቀጻሊ ዘተን አስተምህሮን ምጽማድ ኢዩ። እዚ አብ ነዊሕ  ዓመታት  ብህግደፋውያን  ኣብ  ኣእሙሮ  ዝተዘርኤ በታንን ኣርዓድን ኣተሓሳባ ንምስዓር ንነዊሕ  ጠመተ ግይርና  ከይተሓለልና  ብተወፋይነት  ክንሰርሕ ከምዘለና ኣቶ ሳሙኤል  ተላብዩ።

ብምቕጻል  ኣቶ  ተስፋማያም  ገ/ ሄር  ኣቦ  መንበር  ስ.ም.ኤ.ን.ሃ  ንኹሎም እቶም ብናይ ህገደፋዊ አተሓሳስባ ብዘይፍላጥ ተሞቚሖም ጸረ ረብሖኦምን ረብሓ ህዝቦምን ደው ንዝበሉ ብዘይምሕላል ክነረድኦም ከምዘለና  ተላቢዩ ። ቀጺሉ ህግደፍ አብ አተሓሳስባና ኢዩ ሰሪጹ ዘሎ ይብል። ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ጽንተትን ውድቀት ሃገራውነትን ዝወለደ  ኣተሓሳስባን ሜላን ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ካብ 1970ታት ጀሚሩ ብእሰያስ አፈውርቕን መጋበርያታቱን ዝተሃንደሰን  አብ  ሽንፍላ  ጅግንነት ህዝቢ  ኤርትራ  ተጠቕሊሉ  ብስም  ሰልፊ  ናጽነት  ዝመጸ  እምበር  ኣብ ሓደ ረፍዲ ወይ ሓጺር ዓመታት ዝመጸ አይኮነን ብምባል ጸቒጡ  አስሚሩሉ ። ካብቶም ቀንዲ ስርዓት ህግደፍ በተን ንናይ ጥፍኣት ዘመትኡ  ዘገልግላ  ረድዮን ተለቭጅንን ባዶ 3ን ጌሩ ኣብ አተሓሳስባና ከስርጾም ዝጸነሐ ዘርኢ  ክርዳድ  ከም ዓድኻ ወይ ኣውራጃኻን  ሃይማኖትካን ምጥቓስ ከም ትሕተ-ሃገራውነት  ምሕሳብ፡  መሰልካ  ምሕታት  ከም  ነውሪ  ምውሳድ፡ ናይ  ውሽጣዊ  ድኻማትና  ተሓታቲት ኣመሪካ ከምዝኾነት  ወግሐ-ጸብሐ  ምልፍላፍ  ፡ አብ  ምትግባር  ቁዋምናን  ምህናጽ  ሃገርናን  ጂሆ  ሒዙና  ዘሎ  ጉዳይ  ዶብ  ከምዝኾ  ዓንገረር  ምባልን ወዘተ  እዮም። ብተወሳኺ’ውን ተመክሮ ገድሊ መተካእታ ትምህርትን ምርምርን ምኻኑ፡ መንእሰይ ብሓላፊኡ ዝተባህሎ ጥራሕ ክገብር ከምዘዎ ብኣፈሙዝን  ብምፍርራሕ  ኣብ  ኣተሓሳስባና  አስሪጹዎ። አምሳይኡ  ኸኣ  እንታይ  ገደሰኒ፡  ፍርሒ፡  ዘይምትእምማን፡  ነብሰ-ፍትወት፡  መንነትካ ምጽላእ፡  መንግስትን  ህዘብን ሃአገርን ፍልልያቶምን ዝምድነኦምን ፈላሊኻ  ዘይምራኣይ፡  አብ ንቕሓት ዘይተሰረተ ህጹጽ ለውጢ ምድላይ፡ ሕሜታን  ምሕሹኽሻኽን፡  ውሽጢ ውሽጢ ዝኸይድ ጸለመን፡  ኣእዳውካ ናብ  ካለኦት ምውጥዋጥን ኣብ  ደምና  ሰሪጹ  ከም  ባህርያት ተላቢስናዮ ስለዘዜለና  አብ  ብርሃን  ወጺእና  ክንዝትን  ሓበራዊ  ኤርትራ  ትምርሓሉ ዲሞክራሳውን  ፍትሓውን መትከላትን አተሓሳስባን  ክንሃንጽን ብተግባር  ክንለማመዶምን  ከምዘለና ኣቶ  ተስፋማያም   ኣጥቢቑ፡ተማሕጺኑ።

አብ መወዳእታ ነብስወከፍ ጉጅለ ናይቲ ክካትዑሉ ዘምሰዩ ነጥብታት (ትርጉም ናጽነት፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን፡ ምኽንያት ብኩራት  ደቀንስትዮ  አብ ደለይቲ  ፍትሒ) ብወከልታ ጹማቕ ሓሳባት ተሳተፍቲ ናብ ጉባኤ  ኣቕሪባ።  ናጸነት ኩሉ ወዲ ዜጋ ብሓንሳብ ብዝሃነጾ ቁዋምን ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ክመሓደርን መሰሉን ግቡእን ብንጹር ፈሊጡ ዝነብረሉ ሃዋህው እንተዘይፈጠረ እንታይ ትርጉም አለዎ ብምባል ሓሳቦም ኣጠቓሊሎም። ትርጉም ተካልዊ ኣሰራርሓ ተሳተፍቲ ከምዘቕረቡዎ፡ ኩሉ መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካላት ንጹር ዝኾነ ቅርጽን ስርዓታት  ሒዙ ንነብስ ወከፍ ጽፍሒ ናይ ሰራሕ   ደረትን፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን አስፊሩ  ንምቁጽጻርን ኦዲትን ክፉት ዝገብር ስርዓት’ዩ።  አብ መውዳእታ ተስተፍቲ ንብኩራት ደቀንስትዮ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዘቤታዊ ዕማም ከምዝሕዘንን ንኽሳተፋውን ካባና ደለይቲ ፍትሒ ምትብባዕ ከምዘይረኸባን ይሕብሩ። ድሕሪ ናጽነት አብ ሃገራዊ አገልግሎት ንማዕርነት  ደቐንስትዮ ዘረማስስን ዝዕምጽ  ነተን ተቓሊሰን ናጽነት ዘምጸኣ’ኸኣ ንመሰላተን መንዚዑ እቲ ስርዓት ንሕሱም ድኽነትን ግህሰትን ስለዘቃለዐን ክቓለሳ አይተተባበዓን   ብምባል  ድማ  ይድምድሙ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Thomas Kelete May 26, 2015

    This is a typical manifestation of political ineptness and an acute lack of consideration. 24th of May is the product of years of our bloody struggle for a soverign independent statehood. What is unfolding now after this day is not the product of that historic day. We should be joyess and celebrate it happily and not mourn the day. It is shame that you guys have never given due thought about it.

    To simply pass the day by litting candle is a de-service to all those who made it became a reality.

    • ሳረል ኣምያፕ May 26, 2015

      ኣዚ ሓወይ፡ እዞም ሰባት ካባኻ በተሓሳስብኦም ስለዝበልጹ፡ ቀኒእካሎም ትዛረብ ከንዘለኻስ ግጡም፡፡ ግን ኣቲ ዝበለጸ ቅንኢ እቶም ዝቐናእካሎም ሰባት ዝደየብዎ መሳልል ምድያብ እምበሪ፡ ንዕኦም ስሒብካ ምውራዶም ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ዝሓወይ 44 እንተ ኣሸጊሮምኻ ናብ ጓይላኻ ተመለስ፡ እንተዘይኮነ ግዜ ከየጥፋእካ ነቲ መሳልል ክትድይብ ጀምር።

    • Alem K May 26, 2015

      Dear Thomas actually the way we celebrated our independence, in cities around the world and in Nottingham is the most honorable and graceful. When monthly three to four thousand of our Eritreans running away from tyranny and hopelessness, when thousands of our brothers and sisters decaying and dyeing in the dungeons of the ruthless dictator ISAYAS AFEWORKI, jumping up and down to drum beat make us heartless and confused, and it is not wise. Independence without freedom is meaningless and jumping up and down because we are independent but not free is delusion.

  • Awet May 26, 2015

    Folks you have my utmost respect and admiration for your selfless and thoughtful determination to celebrate may 24th not as a day of jubilation and dancing your hearts out. Instead you chose to deeply discuss what is wrong with us ???? What is independence mean??? What did we get out of it?? We got tears, killings, mass exodus, despair, and most repressive regime in Africa. People who are dancing their hearts out on this day!!!!!! I have no words to describe them!!!!!!!!!

  • Hizbi Zekbere May 27, 2015

    Weldone Nottingham ESMNS and justice seekers. That is what expected to do considering our nation’s situation.

POST A COMMENT