Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዲድ ተሰኪምካ ይቕሬታ ሕተት

ብ/ጀነራል ካሳየ እናኣዘከርኩ ክሓተካ። ካልእ`ሞ ንግደፎ፡ እቲ ባዕልኻ ትኣምነሉ ጒዳይ መበገሲ ሰውራ ኤርትራ፡ ጃንሆይ ብገዛእ ስልጣኑ ንፈደረሽን ስለ ዘፍረሶ ምዃኑ፡ ንእግረ መንገድኻ በጨቕ ኣቢልካዮ ኣለኻ። ምስኡ ልቅብ ኣቢልካ`ውን `ካብዚ ኲሉ እንታይ ነይርዎ እቲ ፈደረሽን ከይተተንከፈ

ብ/ጀነራል ካሳየ እናኣዘከርኩ ክሓተካ። ካልእ`ሞ ንግደፎ፡ እቲ ባዕልኻ ትኣምነሉ ጒዳይ መበገሲ ሰውራ ኤርትራ፡ ጃንሆይ ብገዛእ ስልጣኑ ንፈደረሽን ስለ ዘፍረሶ ምዃኑ፡ ንእግረ መንገድኻ በጨቕ ኣቢልካዮ ኣለኻ። ምስኡ ልቅብ ኣቢልካ`ውን `ካብዚ ኲሉ እንታይ ነይርዎ እቲ ፈደረሽን ከይተተንከፈ እንተ ዝቕጽል` ኢልካ። እንተኾነ ግን፡ ንስኻ ነዚ እናፈለጥካ ምስ`ቶም `እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጒርሶው ኣፈር ኣልብሶው` እናበሉ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ጦር ሰራዊት ኣቲኻ ጥራሕ ዘኮነ፡ ምሉእ ናይ ውትድርና ዘመንካ ንዕኡ ኣብ ምትግባር ኣሕሊፍካዮ። ሞሳ ናይ`ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንምጒዕጻጽ ዘፈጸምካዮ ኣረሜናዊ ግፍዒ ድማ ክሳብ ናይ ብርጌደር ጀነራል መዓርግ በጺሕካ። እዚ ወታደራዊ መዓርግ`ዚ እምበኣር ብምጒዕጻጽ ፍትሓዊ ሕቶ ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ ንሕልና ዘለዎ ዘሕፍር`በር ዘነይት ኣይኮነን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT