Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ሓዘን ፣ ጃምማዊ ቅዝፈት ኤርትራውያን።

ሞት ኤርትራውያን ደው ክብል… ኣምባሳደራት ኤርትራ ሓላፍነቶም ክስከሙ፥ ደለይቲ ፍትሒ`ውን ብሓባር ክሠርሑ ይግባኦም!!! ኣብ`ዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፥ ብግምት ካብ 500 ክሳብ 1000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሃሊቖም፡ ዝብል ዜሕዝን ዜናታት ንሰምዕ ኣለና። ቅድሚ ኹሉ ነዞም ሕጂ

ሞት ኤርትራውያን ደው ክብል… ኣምባሳደራት ኤርትራ ሓላፍነቶም ክስከሙ፥ ደለይቲ ፍትሒ`ውን ብሓባር ክሠርሑ ይግባኦም!!!

ኣብ`ዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፥ ብግምት ካብ 500 ክሳብ 1000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሃሊቖም፡ ዝብል ዜሕዝን ዜናታት ንሰምዕ ኣለና።

ቅድሚ ኹሉ ነዞም ሕጂ ዝሃለቑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ልዑል ፈጣሪ ኣብ መንግሥቱ ይቀበሎም። ነቶም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ቅድሚኦም ዝጠፍኡን`ውን ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም። ኣብ ዓለም ከልዉ መንግሥቲ ስኢኖም ተሳቕዮም ኢዮም እሞ፡ ኣብ ላዕላይ ሰማይ ዘሎ መንግሥቲ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም። ንቤተሰቦምን መቕርቦም እውን ምሉእ ጽንዓት ይሃቦም፥ ንኢዮብ ዝደበሰ ኣምላኽ ይደብሶም። እዚ ሞት`ዚ ንኹላትና ኤርትራውያን ዝትንክፍ ክንዲ ዝኾነ፡ ንኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብካ ክንብል ንደሊ።

ኣበው ክምህለሉ ከለዉ `ካብ ቆልዓ ምሕንጋር፡ ካብ መረብ ምስጋር ኣድሕነና` ይብሉ ኔሮም። ካብ ስደት ኣድሕነና ንምባል ኢዩ ዝነበረ። ሎምዘመን ግን፥ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓዱ ክነብር ስለዘይከኣለ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይጠፍእ ኣሎ። እቲ ከም ንህቢ ሠራሕተኛ ዝነበር ሕዝቢ፥ ሎሚ ኣብ ቆፎኡ ትኪ ከምዝኣተዎ ንህቢ ፋሕ ኢሉ፡ ብዘገርም ቅልጣፌ ይጠፍእ ኣሎ። ከምቲ ሽም ዘይብሉ ንህቢ ዘይእከብ፡ ከምኡ ሕዝብና፡ ኣብ ገዛእ ዓዱ፡ ንሽመት ዘይበቕዑ እኩያን ሰባት ክሃድኑዎ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑዎ ኢዩ። ብኡ ምኽንያት ድማ፡ ሕጻናትን ጥኑሳትን ሓራሳትን ከይተረፈ ምስቶም ኣጉባዝን ኮተቴን ደቀን ሓዚለን ንቕድሚኤን ክስደዳ ክብላ፡ ደቀን ለኪመን ይጠፍኣ ኣለዋ። ኤርትራውያን ዝሓሰረ ናብራ ምንባር ጥራሕ ዘይኮነ፥ ዝሓሰር ሞት እውን ንመውት ኣለና።

ነዚ ሞትን ወረ ሞትን፥ ዘመነ ጸልማት፥ ዘመነ ኣፈርክቡ፥ ዘመነ ንብዓት፥ ዘመነ ስቅያትን ቀቢጸ-ተስፋን፥ ባዕልና ኤርራውያን ዝፈጠርናዮ ክንዲ ዝኾነ፡ ባዕልና ክንቅይሮ ኣለና! ብሞት ኣሓትናን ኣሓዋትናን ብሞት ሕጻናት ደቅናን ክንቁጣዕ ደኣምበር ክነጣቕ ኣይግብኣናን ኢዩ። ክብርና ክንመልስ ኣለና። ወላ ሞት እውን እንተኾነ፡ ክቡር ሞት ደኣምበር ሕሱር ሞት ክንመውት የብላናን!

ጓህና ክነጻናንዕ፡ ክንድበስ፡ ጸልማትና ቀንጢጥና ጮራ ብርሃን ክነምጽእ፡ ናብ ዘመነ ተስፋን ክብርን ክንሳገር እንተ ደሊና፥ ሕጂውን ፋሕፋሕ ኢልካ ዘይኮነ፥ ተኣኪብካን ተማኺርካን ስለዝኾነ፡ ኩላትና ደቂ ሃገር ኣብ ዘለና ኣሊና፥ ናይ ሓዘን ዳሳት ጥራሕ ዘይኮነ፥ ናይ ዘተን ናይ መገዲ ተስፋን ምትእኽኻብ ክንገብ ኣለና።

ኩሉ ሃገራዊ፥ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሓቢሩን ተማኺሩን ብሓደ ክስጉም ክጣበብ ይግባኦ። ከምዚ ኢልና ሬሳታት ሰሃራን ሬሳታት ባሕሪን (እቲኦም ሰኣን ማይ እዚኦም ከኣ ብሰንኪ ማይ ዝሞቱ)፡ ክንቌጽር፥ ኣብ ሲናይ ብዓመጽ ገፋዕቲ ዝተሳቐዩን ዝሞቱን ደጊምና ክንቌጽር፥ ኣብ ሊብያ መሸብራን ዝሓርዱዎምን ዝዕምጹወን ደቀንስትዮን ድማ ወሲኽና ኣብ ምቑጻር ክንነብር ኣይግብኣናን ኢዩ። ደው ክብል ኣለዎ!

ኣብ ዶባትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ደምን ስቓይን ሕዝብና ዘሔጉሶም ሰባት፥ ደይመደይ ኢሎም ነዚ ሕዝቢ ጓሕጒሖም የጥፍኡዎ ኣለዉ። እዚ ናብ ሕዝብና ተኣዊጁ ዘሎ ቅሉዕ ኲናት፥ ንኹላትና ኤርትራውያን ክልክመና ከምዝኾነ ዘማትእ ኣይኮነን፣ ምርምር ዜድልዮ እውን ኣይኮነ። ስለዚ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፥ እንኮላይ እቶም ኣብ ድቃስ ዝነብሩ ዜጋታትና፡ ቁሩብተይ ክሓስቡሉሞ፥ መገዲ ሕይወትን መገዲ ተስፋን ክነናዲ ኩላትና ሓቢርና ክንመክር ሓላፍነት ኣለና። ሰበ-ሥልጣናትን ሥርዓት ሕግደፍ፥ እንኮላይ እቶም `ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና` እናበሉ ኣብ ዘይወዓሉዎ ደም ዝፍርሙ፡ ቤተስቦም ካብቲ ኣብ ኤርትራ ተኣጒዱ ዘሎ ሓዊ ብዝተፈላላየ መገዲ ይኣልዩዎም ኢዮም። ስለ`ዚ ሕዝቢ ኤርትራ ንኸቢድ ስቓይ ወይውን ንሞት ከምዝተፈርደ ተረዲኡዎምስ ይእለዩሉ ኣለዉ ማለት`ዩ። ብሓቂ ሃገራውያን እንተ ኾይኖም፥ ምእንቲ ሕዝቦም እጃሞም ከበርክቱ፡ ነቶም መገዲ ጥፍኣት ተሊሞም፡ ናብ ሞት ዝኹብኲቡና ዘለው ሰበ-ሥልጣናት ድማ ዓገብ ክብሉዎም ሓላፍነቶም ኢዩ። ንእትፈትዎ ሰብ፡ ካብ ጌጋኡ ደኣ ትእርሞ እምበር፡ ኣጆኻ ኢልካ ኣይተስክሮን ኢኻ።

እቶም ደገፍትን ኣባላትን ሕግደፍ ዝኾንኩም ዜጋታት ኤርትራ፥ ኣብ`ዚ ዘለናዮ ዘመን ኣፈርክቡ፥ ካብ ሞት መታን ክንድሕን፥ ምእንቲ ሕዝብኹም፡ ተጣበቑ፡ ሞጉቱ፡ ዓገብ በሉ። ሕዝብኹም ምስ ጸነተ፥ ሃገር ክትህልወና ስለዘይትኽእል፡ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ሞትን መቕተልትን፡ ስደትን፡ ማእሰርትን ዝወርዶ ዘሎ ስለ ዝተረግመ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብሰንኪ እቲ ንስኻትኩም እተጣቕዑሉ ዘለኹም ሥርዓት ዝተበየነሉ መሪር መቕጻዕቲ ኢዩ። ተመሊስካ እትረድኦስ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ` ዝብሉዎ ምሳላ ተዘኪሩና። ብሕጊ ተመሪሕና፥ ብሰላም ተኸባቢርና ብታሕጉስ እንነብረላ ሃገር፥ ደቃ ዘይተጥፍእ ሃገር ትኹነልና ምባል ክጠፍኣኩም ኣይግባእን ኢዩ። እቶም ኣሚንኩም እትኽተሉዎም ዘለኹም መራሕትኹም፥ ዘይሰምዑኹም ካብ ኮኑ፡ ምእን ርእስኹምን ምእንቲ ኩላትና ኣሕዋትኩምን ኢልኩም፥ ናይ ነዊሕ ጠምቱ፡ ኣብ ጎድኒ ውጹዓትን ሕዙናትን ኩኑ። ሓደ ኤርትራዊ ክጎድል ከሎ ንሃገርና ኢዩ ዝጎድላ። ቡዙሓት ኤርትራውያን ብጅምላ ክጠፍኡ ከለዉ፥ ንሃገርና ዓቢ ክሳራ ከም ዝኾነ ኩላትና ክንፈልጥ ይግባእ። ናይ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ሃገራዊነት ዝግለጸሉ መገዲ፥ ንዜጋታት ክብረቶምን መሰሎምን ክረኽቡ ምጥባቕ ኪኸውን ይግባእ።

በዚ መሠረት፥ ኩላቶም ኣምባሳደራት ኤርትራ፡ ኣብቲ ዘለዉዎ ሃገር፡ መሰረታውያን መሰላት ዜጋታትና ከኽብሩ ሓላፍነቶም ክስከሙ ይግባእ። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ነዞም ብስም ሃገርና ዲፕሎማስያዊ ሥራሕ ተዋሂቡዎም ኣብ ኩለን ሃገራት ተዘርጊሖም ዘለዉ ኣምባሳደራት፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ንዝሃልቁ ዘለዉ ዜጋታትና ክጣበቑሎም ክነዘኻኽሮም ግቡእ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ምሒር ሓሲሙዎም እንከሎ፡ ሸለል ምባልኩም፡ ንወለዶታት ዜሳቒ ቁስሊ ኢኹም እትፍጽሙ ዘለኹም። እዚ ቁስሊ`ዚ ንዓኻትኩም ነቶም ኣምባሳደራትን፡ ነቶም ዝድግፉኹምን ከይተረፈ ዝልክም ረኽሲ ክንዲ ዝኾነ፡ እተምልጡሉ ኣይመስልን።

ኹላቶም ደለይቲ ፍትሒ ድማ፥ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኣፈርክቡን እዋን ሓዘንን፥ ብሓደ ኮይኖም ሕዝቢ ዘድሕኑሉ ጥበብ ክምህዙ ብሓድነት ክምርሹ፡ ደምን ንብዓትን ኤርትራውያት ደቀንስትዮን፡ ስቅያት ኤርትራውያን ሕጻናትን፡ ንብዓት ኤርትራውያን ወለድን ኩሉ፡ ናይ ሕልና ደወል ካብ ዝእውጅ ውሑድ ስለዘይኮነ፥ ወዓል ሕደር፡ ወይ ጽባሕን ጽናሕን ከይበሉ ብህጹጽ ናይ ሓድነት ጉዕዞኦም ክጅምሩዎ፡ ኣብዚ ሓደገኛ ህሞት`ዚ ይሕተቱ ኣለዉ። ኣብ ነንሓድሕና ዝውንጨፍ መርዚ ልሳን ደው ኢሉ፡ ንሃገር ዝኸውን ሓሳብን ዘረባን ክነመንጩ፡ ብተግባ ድማ ክንሠርሕ የድሊ። ኩላቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣንተ ዝተሓባበሩ፥ ዓቕሚ ሰብን ዓቕሚ ንዋትን ምረኽቡ`ሞ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣድማዕነት ዘለዎ ቤትጽሕፈታት ከፊቶም፡ ነዞም ዝዋረዱን ዝሃልቁን ዘለዉ ዜጋታና ተስፋ ምኾኑዎም ነይሮም። ኤርትራዊ ክብሪ ምተመልሰ ክንብል`ኳ እንተ ዘይደፈርና፥ ካብ`ዚ ዘሎናዮ ሕስረትን ጥፍኣትን ግን ምሓሽና ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና።

እዞም ዝሞቱ ዘለዉ ዜጋታትና፥ ከምቲ ግቡእ ጸሎተ ፍትሓት ክግበረሎም፡ ንኹላቶም መራሕቲ ሃይማኖታት ካህናትን ኣቡናትን ፣ መሻይኽን ክነዘኻኽሮም ዜድሊ ኣይመስልለናን። ሬሳ ኩላቶም ኤርትራውያን ብማዕረ ክኸብር ኢዩ ዝግባኦ እምበር፡ ደገፍቲ ሕግደፍን ደለይቲ ፍትሒን ተባሂሎም ክፋላለዩ ኣይግባእን ኢዩ። ስለዚ ኩላተን ኣብያተ ክርስትያናትን፥ መሳጊድ ከምቲ ንቡር ጸሎተ ፍትሓት ክፍጽማሎም፡ ደገፍትን ሰበ-ሥልጣናትን ሥርዓት ሕግደፍ ኢዶም ከየእተዉ ናጻ ክገድፉወን ይግባእ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናትን መኣኢድን እውን ከምኡ ብናጻ ጸሎተን ኬቃንዓ ይግባኤን። ወዮ ደኣ ሕማቕ ዘመን ኮይኑ እምበር፡ ሬሳ ደቂ ሰብ ክቡር ኢዩ! ምስ ሬሳ ምብኣስ ግን ሕስረት ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ንቡር ክብረትና ክንመልስ ኣለና! ክብሪ ምዉታንን መሰል ኅያዋንን ናብ ንቡር ክምለ ኣለዎ።

እዚ ሓዘን`ዚ ናይ ምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ንኹላትና ሓደ ኢዩ ዝብጽሓና። ስለዚ እዚ ዝወርደና ዘሎ መቕዘፍቲ ሓቢርና ደው ክነብሎ ክንጽዕር፡ ሃገራዊ ሓላፍነትና እዩ።

ካብ ዳግማይ ሞትን ካብ ዳግማይ ሓዘንን የድሕነና።

ኣሕዋትኩም ኮሚቴ ሓድነት

05 ሰነ 2016 ዓ.ም.ፈ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Massawa June 11, 2016

    እንኳዕ እቶም ኩሩዓት ብታሪኾም ባህሎም እምነቶም ቋንቋታቶም ኣባሓጎታተይ፥
    ነዚ ናይ ሎሚ ዘሕዝን ፍጻመን ታሪኽ ባርነትን ፋሺሽቲ ሸፋቱ ኤርትራ ኣይረኣዩ።

  • AHMED SALEH !!! June 11, 2016

    Desperate people do not care to take dangerous route in their life .
    The potential for catastrophic consequences is highly anticipated but
    majority of Eritreans prefer silence than admit our weakness to ignore
    the threat because tendencies for selfishness and betrayal ruled .
    Prayers is not enough because God help people who showed the will to make differences on others well being life .
    Until now we can’t come with framework how to resolve our issues except
    from lack of influential leaders to engage at HASHEWYE politics . And do
    not blame nobody because we permit them unconditional authority to draft the future of our people . Don’t expect change from HGDF remnant gangs .
    To fix the mistakes needs critical attention to avoid such catastrophes .

  • Asghedom June 12, 2016

    I am sorry my friend Eritreans are deaf , people . I have never seen in the world who get happy of his brother disaster, Eritreans yes. They are only stupid arrogant against their brother Agame, but they are Dogs against others.
    Eritreans actually they have already lost the courage and the holiness of thier fathers and grand fathers.
    We have coward Eritreans useless and egoists. Hoy Maria Hagzina is already lost as our slogan , it is change 50 year ago into Hoy Shetan Hagezena and drinks our blood every second.
    we ourselves we are very bad people , and we could not help our brothers and sisters. we are always dancing with Evil.
    God help the weak Eritreans from the big Eritrean Evil.

  • Hidat June 12, 2016

    AHWAT KOMITTE HINFSHFISH!!!!!!!!””””KAB ERITRA ANSTN HIXANATN NEWIXEE ALENA NEZI KINGEBIR DIMA ZITHBABERUNA ALEWUNA””””ZIBIL ZEREBA O B A M A AYSEMAKUMON DIKUM KONKUM WEYS TEHABABERTU IKUM. NIBAT HARGEX !!!!!!!!

  • Palumba June 12, 2016

    ብጣዕሚ ጽቡቅ መልእኽቲ ንኣስተማቂሩ ዝውሕጦ!ብምባል ሓዘነይ፡ጉሃእየይ፡ኢንኮላይ ስንፍናይ፡ከም ዘይ ተሰካሚ ሕድሪ፡ ብሰንኪ በለጽ ዓገብ እንዳረኣኹ ዓገብ ዘይምባለይ ይቅረታ ሓቲትና ንደባበስሉ ጊዝየ ሕጂ ኢዩ’ም ጋእ-ማን ጋእ-ማን ኢሕዋተይ ኣብ ጅነቭ የራኽበና።

  • mulubirhan June 12, 2016

    Evil and barbaric gedli is the wrong medicine given to the wrong patient rather to a healthy nation and
    people of Eritrea; and unfortunately what we see today in poor Eritrea is its side effects or madness of 50 yrs evil gedli.
    It is also very sad that most Eritrean elites don’t want to cure the patient with some other medicine, and they insist that
    the fault doesn’t lie with the medicine or the doctor, but with the sick patient (poor Eritrea & Eritrean people).
    The worst of all the so-called moslem Eritreans still serving their Arab slave masters by fighting for Islam and Arabic language/identity in Eritrea and mistreating our young Eritrean refugees in their Arab slave masters countries.

POST A COMMENT