Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ “ይኣክል” ኤርትራውያን ተቀማጦ ቺካጎን ከባቢን 5 ግንቦት 2019

መግለጺ “ይኣክል” ኤርትራውያን ተቀማጦ ቺካጎን ከባቢን   5 ግንቦት 2019 ብመጀመርታ፡ ናብዚ ከም ህዝቢ ንሃሉ’ዶ ኣይንሃሉ፡ ደቅናን ደቂ ደቅናን፡ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ይረከቡ’ዶ ኣይረከቡ ዝውስንን፡ ህይወት ናይ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝርገጽ ዘሎ ህዝብና ንምድሓን እጃምና እንታይ ይኹን ዝብል ምይይጥ

መግለጺ “ይኣክል” ኤርትራውያን ተቀማጦ ቺካጎን ከባቢን   5 ግንቦት 2019

ብመጀመርታ፡ ናብዚ ከም ህዝቢ ንሃሉ’ዶ ኣይንሃሉ፡ ደቅናን ደቂ ደቅናን፡ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ይረከቡ’ዶ ኣይረከቡ ዝውስንን፡ ህይወት ናይ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝርገጽ ዘሎ ህዝብና ንምድሓን እጃምና እንታይ ይኹን ዝብል ምይይጥ ንምስታፍ ምምጻእኩምን ምምጻእክንን ብስም ኩሉ ደላዪ ፍትሒ፡ ሰላምን ናጽነትን ከመስግን ፍቀዱለይ።

ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣዝዩ ኣሻቃሊ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ጸጥታውን ኩነታት፡ ምግላጽ ዘድልዮ ኣይኮነን። ተኣኪብናሉ ዘለና ቀንዲ እዋናዊ ምኽንያት ድማ፡ ነዚ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ልኡላውነትናን ዝፍጸም ዘሎ ዘይፍትሓውን ዘይንቡርን ኩነታት፡ ናብ ንቡር ንምቅያሩ፡ ፍትሒ ንምንጋስን ሃገርና ንምድሓንን’ዩ።

እዚ ኣብ ሃገርና ሰራውር ሰዲዱ ንሰብኣዊ መሰል ህዝብና  ዝግህስን  ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሬትናን ባሕርናን ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ዘሎ ጨካንን ጸላእን ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ብሰንኪ ስቅታናን ምፍልላይናን ኢዩ። ነዚ ዓለም’ውን ትዛረበሉ ዘላ ኣሰቃቂ ኩነታት ኤርትራ ብምኽሓድ፡ ገለ ገለ ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ “ዓዲ ሰላም’ዩ ዘሎ፡ ጸገም መነባብሮ የለን” እናበሉ ሕሰም ህዝብና ከናውሑ ይጽዕሩ ምህላዎም ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ብሰንኩ፡ ዓቢ ክፋል ካብ ህዝብና ክእሰር፡ ክስደድ፡ ብሓለንጊ ጥሜት ክግረፍ፡ ክዋረድን ኣደዳ ሞት ክኸውንን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ’ሎ። እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ፡ ምስኮነ ጣዕሳን ዓሕ ምባልን ትርጉም ስለዘይብሉ፡ ንመሰልና፡ ንኽብርና፡ ንዋንነት መሬትና፡ ንምርግጋጽ ሰላምናን ብልጽግናን፡ ብዘይካ ንሕና ካልእ ንውራይና ክጣበቀልና ዝኽእል ኣካል ከምዘየለ ክንኣምን ይግባእ። ንጉዳይና፡ ንረብሓታቶም ክብሉን ሓድነትና ክዘርጉን ውጥም ቅልቅል ንዝብሉ ዘለዉ ናይ ግዳም ሓይልታት ዕድል ክንህብ የብልናን።  ንሕና ብህይወትና እንከለና፡ ህዝብና ኣብ ስደትን ኣብ ትሕቲ ህግደፍን ክዋረድ፡ ኣሕዋትና ኣብ ባሕሪ ክሓርሳ፡ ሬሳና ንቡር ስነስርዓት ቀብሪ ክስእን ብስቅታ ክንዕዘብን ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ተሰኪምናዮ ክንጓዝን ገበን’ዩ።

ሕቶናን መእከቢናን ደገፍቲ ወይ ተቃወምቲ ስርዓት ህግደፍ እናበልና ግዜና ንምብኻን ኣይኮነን። ምፍልላይን ንሕናን ንስኹምን ዝብል ዓንቃጺ ምዕባለ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዘእረገናን ንድሕሪ ዝመለሰናን ስለዝኾነ ከብቅዕ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንኹልና ኤርትራውያን፡ ንህላወናን መንነትናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ካርታ ዓለም ንሃሉዶ ኣይንሃሉ፡ መጻኢ ወለዶ ይቀጽል’ዶ ይጥፋእ፡ ሕድሪ ስውኣትና ይከበር’ዶ ይረሳዕ ዝብሉ ወሰንቲ ጉዳያት ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ኣለዉ። ነዚ ንምብዳህን ቅኑዕ ፍታሕ ንምርካብን ድማ ኩሉ ካልኣዊ ፍልልያትና ወንዚፍና፡ ቀዳማይ ጸላኢና ክንኣሊ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ስለዚ ካብዚ ናይ ሎሚ ኣኼባና፡ ጠለብናን ጽኑዕ መትከላዊ እምነትናን እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡

ቀዳማይ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ውዓል ሕደር ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክበን ኣብ ኤርትራ ንመሰልና፡ ንኽብረትና፡ ንልኡላውነትና ዘውሕስ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ስርዓት ክትከል፡

ካልኣይ፡ ኣብ ኤርትራ፡ መታን ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽን ፍትሒ ክነግስን፡ ታሓታትነት ዘለዎ ብቅዋም ዝምእዘዝ ስርዓት ክህሉ፡

ሳልሳይ፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝተኣስሩ ዘጋታት ብቅጽበት ክፍትሑ፡

ራብዓይ፡ እቲ ህልቂት ሰብ፡ ዕንወት ንብረት፡ ስደትን ምብትታን ስድራቤታትን ዘስዓበ ብዶብ ተሳቢቡ ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን መዕለቢ ክግበረሉ፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዶባትና ክሕንጸጽን ልኡላውነትና ክረጋገጽን፡

ሓሙሻይ፡ ስርዓት ህግደፍ ብኢደ ዋኒኑን ንህዝቢ ኤርትራ ከየፍለጠን ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ዘፍጽሞ ዘሎ ውዕላት፡ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ መንግስቲ ስለዘየለ ብትሪ ንቃወምን ሕጋውነት ከምዘይብሉ ነፍልጥን፡

ሻዱሻይ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃለና ሃሊና፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝሳቀ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንምውጻእ፡ ብፍቅሪ፡ ብሓድነትን ብተግባርን ይኣክል ምስቃጥ ይኣክል ዓመጽ ንበል፡

ሰላም፡ ፍቅሪ፡ ብልጽግናን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • bardavidi May 13, 2019

    It looks like Isaiases and his Cronies time is about to run out……… Its time for him to learn from the Fate of his old friends Gaddaffi and Al Bashir………….NO….No No………..He still wants to defy the will of the People ……….after all Dictators are Hard of Hearing………..Selah

POST A COMMENT