Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ሳልሳይን መወዳእታን

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ሳልሳይን መወዳእታን-- “ክወግሕ’ዩ ቀደድ ክብል ለይቲ!”  (ኣዝማሪኖ.ኮም)                                                                                                                       ዳስ ክንትክል ኢና ክነንጽፍ ሰቲ                                                                                                                             ክንቅበል ኢና ካብ ስደት ተመለስቲ                                                                                                                           ክንጎዪ ኢና ናብ ስራሕ ትምህርቲ                                                                                                                                      ኣብ ደምበ ሳዋ ክነልምዕ ኢና ኣሕምልቲ ጽሩይ

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ሳልሳይን መወዳእታን–

“ክወግሕ’ዩ ቀደድ ክብል ለይቲ!”  (ኣዝማሪኖ.ኮም)                                                                                                                       ዳስ ክንትክል ኢና ክነንጽፍ ሰቲ                                                                                                                             ክንቅበል ኢና ካብ ስደት ተመለስቲ                                                                                                                           ክንጎዪ ኢና ናብ ስራሕ ትምህርቲ                                                                                                                                      ኣብ ደምበ ሳዋ ክነልምዕ ኢና ኣሕምልቲ

ጽሩይ ማይ ክንሰቲ ኢና ዘይብሉ ዓለቕቲ

ሰላም ኣሓትን ኣሕዋትን። ንኣመንቲ ክርስትና ርሑስ ብዓል ፋሲካ። ሃገርና፡ ናይ ምስልምናን ክርስትናን ሃይማኖት ዝኽተል፡ ብዙሕን ዝተፈላልየ ቋንቋ ዝዛረብን ህዝቢ ምዃና ዝዘንግዑን፡ ዘየለን ዘይነበረን ስርዓት ክፈጥሩ ዝጽዕሩን ናብ ልቦም ዝምለስሉ መዓልቲ ይሃቦም።

ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል፡ ሃገርና ብስርዓት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቑረን ከም ዝተወስነ፡ ምስ ፈረሰ ከኣ ህዝብና ናብ 30 ዓመት ዝወሰደ ደማዊ ኣትዩ፡ ንስርዓት ሃይለስላሴን ደርግን ጉሒፉ 24 ግንቦት 1991 ናጽነቱ ከም ዝጨበጠ፡ ብሩህ መጻኢ ክትልም ኣብ ዝቀራረበሉ ዝነበረ እዋን ግን ብ1998 ናብ ዘይተጸበዮ ኩናት ክኣቱ ከም ዝተገደደን ዝረኣዮ ዝነበረ ብርሃን ከም ዝጸልመተን  ንምሕባር ዝፍትን’ዩ ኔሩ። ዝስዕብ ከኣ፡ ነዚ ሓደጋን ሳዕቤኑን ንምግላጽን፡ ህዝብና ብኸመይ መሰሉን ልዑላዊነቱ ዘኽብር ሕብረተሰብ ክሃንጽ ይኽእል? ዝብል ሕቶ ብምልዓል ፍታሕ ንምርካብ ዝሕግዝን ንመዛተዪ ዝኸውንን ሓሳብ ንምንቕራብ ዝዓለመ ኢዩ። ዝተጋገ ምእራምን ዝጎደለ ምምላእን ከይትዝግዑ ግን ሓደራ። በሉ ንቐጽል።

ህዝብና ናጽነቱ ምስ ጨበጠ ዝተሰምዖ ሓጎሱ ወሰን ከም ዘይነበሮ ኩሉ ዜጋ ክዝክሮ ዝነብር ሓቂ ኢዩ። ንስዓታት እንተወጽኣ ገዝአን ግዒዛ ትጸንሐን ዝመስለን ኣደታት ከይተረፋ፡ ገዝአን ብርሑዉ ገዲፈን፡ ነጸልአን ደርብየን ኣብ ጽርግያታት ይዕልላን ይዘላን ከም ዝነበራ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያ’ውን፡ ዝኸፈለ ከፊሎም፡ ነቲ ብቪድዮ ዝርእዩዎ ዝነበሩ ናይ ሓጎስ መግለጺታት፡ ምስ ህዝቦም ክጽምብሉ ንኤርትራ ውሒዞም። ሓጎስና ብልክዕ ንግበሮ! ሓደጋ ከየስዕብ ዝብል ስምዕታ ዘመሕላልፉ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ሰማዒ ግን ኣይረኸቡን። ህዝባዊ ግንባር ዓዲ ምስ ኣተወን ብግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ስም ስልጣን ምስ ሓዘን፡ ‘ሳንዱቕ ሃገር ባዶ ጽኒሑና! እናበለ ዘስምዖ ዝነበረ ነጋሪት ዝሰምዑ ብዙሓት ዜጋታት፡ ቅልጡፍን ዝምስገንን መልሲ ይህቡ ኔሮም። ‘ኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና! ሰባ ኢዩ ሃብታ! ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ፋብሪካታት ክኽፈት’ዩ! ካብ ወጻኢ ሰራሕተኛ ከድላያ ኢዩ!!!’ ዝብሉ፡ ተስፋ ወዲ ገርሃ ልባ ሰማይ ዝሰቕሉ፡ ጭርሖታት ብራድዮን ጋዜጣን ተለቪዥን ዝስምዑሉ እዋን ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ፡ እዛ ንእሽቶ ሃገር፡ ንክንደይና ክትከውን’ያ! ዝብል ስግኣት ከየሕደሩ ናብ ሃገሮም ይውሕዙ ኔሮም። ብግዚ ደርግን ሃይለስላሴን ንሱዳን ተሰዲዶም ካብ ዝነበሩ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ንሃገሮም ተመሊሶም።  ናይ ዓለም ገበርቲ ሰናይ ትካላት’ውን ንመጣየሲ ዝኸውን ሓገዝ የበርክታ ኔረን።

ህዝብና፡ ብመስዋእቱ ዝጨበጦ ናጽነት ሕጋዊነት ንምልባስ፡  ብ1993 መስርሕ ረፈረንደም ኣካይዱ፡ ‘እወ ንናጽነት!’ ኣድሚጹ፡ ብዓወት ምስ ዝዛዘመ፡ ሃገርና ልዑላዊት ሃገር ኮይና ባንዴራኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጽሕፈት ኑው ዮርክ ከም ዝተሰቕለት ዝዝከር ኢዩ።  ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ህዝብና’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ኤርትራ እናተኣከበ ሓጎሱ ክገልጽን ናይ መርኣያ ሓጎሱ፡ ብሚእቲ ኣሽሓት ዝቑጸር ንድራር ምሳሕ ተጋደልቲ እናበለ ገንዘብ ከወፊ ዝስራዕ ብዙሕ ኔሩ። ኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያም ንኣዲስ ኣበባ ምስ መጹ፡ ድምጾም  ክሰምዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣዳራሽ ኤምባሲ ኤርትራ ተረኺቡ ብኽብሪ ተቐቢሉዎም። ሃገርና ናጻ ስለ ዝኾነት ዝተሰምዖም ሓጎስ ወሰን ከም ዘይብሉ ንዝተቐበሎም ህዝቢ ገሊጾም። ካብ ዘስምዑዎ መደረ ከኣ፡ ‘ኣስተውዕሉ! ዘክሩ! ኣሕዋተይ ደቀይ! ንሕና ኤርትራውያን ንኢትዮጵያን ህዝባን በዲልና ኣይንፈልጥን። ኩሉ ግዜ ንሳቶም’ዮም ዝብዱልና!’ ብማለት ዝገለጹዎ እዝክር። እዚ፡ ነቲ ዘውዴ ረታ ኣብ መጽሓፎም፡ ‘ንኤርትራውያን ኣሕዋትና ኣይበደልናዮምን፡’ ብማለት ዝገለጹዎ ሓቂ ከም ዘይኮነ ዘረድእ ኢዩ። ‘የወጋ ቢረሳ የተወጋ ኣይረሳ!’ ትብል ናይ ኣምሓርኛ ምስላ ኣብ ዘንበሩዋ ጠፊኣቶም ትኸውን!

ህዝብና ድሕሪ ረፈረንደም፡ ብሕጊ ዝምርሓሉ ቅዋም ንምትካል’ዩ ተበጊሱ። ንሰለስተ ዓመታት ዝተመያየጠሉ ቅዋም ብ1997 ምስ ጸደቐ፡ ኣወንዚፉዎ ዝጸንሐ ናይ ብሩህ መጻኢ ትልሙ ንምትግባር ይቀራረብ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ኢሳያስን መለስን ናይ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ኣንፈት የርእዩ ስለ ዝነበሩን፡ ንህዝቦምን ንዓለምን ዘስምዑዎ ዝነበሩ መግለጺታት ብምምዛንን፡ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ነበር ክሊንተን፡  ‘ኣብዚ እዋን ዝተቐልቀሉ፡ ናይ ኣፍሪቃ ተስፋ ዝኾኑ ቅኑዓትን ብቑዓትን መራሕቲ!’ ብማለት ከም ዝነኣዶም ዝዝከር ኢዩ። ብዓልቲ ቤቱ ሂላሪ ንኤርትራ ምስ ከደት፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ  ክዳን ሓበሻ ከዲነን፡ ክብርቲ ጋሻ ሃገርና ጌረን፡ ዕላማኡ ዘይፍለጥ ቲያትሮ ከም ዝሰርሓ ብኤርትራ ተለቪዝን ቀሪቡ ኔሩ። ተጋደልቲ’ውን ናብ ስቪላዊ ናብራ ንምምላስ ዝሕግዞም፣ ሰሚናር፡ ስልጠና፡ ትምህርቲ ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑን ብምግላጽ ክተሓጋገዛ ቅሩባት ምዃነን ይገልጻ ኔረን። ተጋደልቲ፣ ‘ኣታ ሰብኣይ! ትሰምዕ ድኻ! ኣቲ ሰበይቲ! ትሰምዒ ድኺ! ዘምጽኣካ ግበር! ወዲእና ኢና! ዝፈስስ ደምዶ ኣለካ ኢዩ! ተምበርከኽ! ሓፍ በል! ኮፍ በል! …!‘  እናበሉ ከሰራጥዎ ምስ ጀመሩ ከኣ ትምህርትን ሰሚናርን ከም  ዘድልዮም ተጋሂዱ። ምጥያስ ተጋደልቲ ግን ምስ ዕላማ ኢሳያስ ዘይቃዶ ስለ ዝነበረ ነጺጉዎ። ከምታ ኣብ ሜዳ ዝነበሩዋ ከይነቕሑ፡ ‘ጨጓር ዳንጋ’ ተጠሚቖም፡ መናዊሒ ስልጣኑ ኮይኖም  ዕድመኦም ከሕልፉ ፈሪዱዎም። ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት የመን፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያ ጠቢሱ ከጥፍኦምን መሪጹ። ኣብ ምንጋር ስውኣትን ህልዋትን ሌላን ጉሌላን ስለ ዝተገብረ ከኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናጽነት ከምጽኡ መሪቑ ዘፋነዎም ደቁ፡ ሃላዋቶም ከፈልጥ ስለ ዘይከኣለ ኣብ ሃገርና ጸሊም ታሪኽ ከም ዝተመዝገበ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ህዝብና ዝጸደቐ ቅዋም ንምትግባር ኣብ ዝቀራረበሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሰምበደ፡ ‘ወያኔ! (ኢትዮጵያ) ወሪሮምና!’ ዝብል ነጋሪት ሃሪሙ ኢሳያስ። ኣብቲ እዋን፡ ተጋዳላይ ሸሪፎ፡ ጀ/ል ስብሓት ኤፍረም፡ ኣምባሳድር ዓንደብርሃን ዝርከቡዎ ኮሚቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ዝነበረ ዘይምርድዳእን ናይ ወተሃደራት ምጉንፋጠን ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ፡ ‘ቀልጢፍኩም ተመለሱ!’ ከም ዝተባህሉን’ዩ ዝፍለጥ። ኢሳያስ ሰብ ስልጣንን ኣባላት ባይቶን ዝነበሩን ከየማኸረን ከየፍለጠን ኩናት ስለ ዝወልዐ፡ ከም ህዝቦም ብራድዮን ጋዜጣን ምስ ሰምዑ ሰምቢዶም። ከይሓፈረ ከኣ፡ ‘ናብ ሱዒዲ ገሸ ከለኹ ከይፈለጥኩ ኩናት ተወሊዑ!’ ዝብል ሰማይ ምድርን ዘጣብቕ ሓሶት ምፍናዉ  ይገድድ።  ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ብዘይካ ዝሓዘ  ሒዙ ናብ ዓውድ ኩናት ምጉያይ፡ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ኢሳያስ፡ ነቶም ኩናት ናይ ምምራሕ ክእለትን ተሞክሮን ዝነበሮም ጀጋኑ ኣደስኪሉ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኩናት ምምራሕ ምስ ቀጸለን‘ባዶ ገረወይና!’ ምስ በለን፡ ‘ንጸላኢ ካብ መጠን ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ግምት ምሃቡ፡ መሰረታዊ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ከም ዘይፈልጥ ብቃሉን ግብሩን መስኪሩ። ናይ ትግራይ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ገብሩ ኣስራት፡ ‘ዝተኸፍለ ይከፈል! ውግእ ክቕጽል’ዩ!” ዝብልን ካልእ ክትደግሞ ዘጽልእን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘናቑት ጎስጓስ የካይድ ኔሩ። ዝተካየደ ኩናት ከኣ፡ ‘ናይ ወዲሰብ ጅምላ መቕዘፍቲ ዝተራእየሉ! ዘመኑ ዝሓለፎ ዘስካክሕ ቅዲ ኩናት ዝተኸተለ! (Entrenched warfare)፡ ክልተ መላጣት ብመሰንተር ዝብኣሱ ዝወልዕዎ፡ ትርጉም ዘይብሉ ኩናት!’ ብማለት ዓለም ከም ዝዀነኖ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ናይ ሱዳን ኣልቱራቢ፡ ‘ንኣና ከጥፍኡ ንዓመታት ዝኾመሩዎ ኣጽዋር! ሕድሕዶም ይጣፍኡሉ ኣለዉ!’ ብማለት ተሳሊቑ። ብክልቲኡ ወገን ደረት-ኣልቦ ጽላለ ነጊሱ። ንገለ ሃይማኖት መራሕቲ ከይተረፈ ስለ ዝተለከመ ከኣ፣ ሓድ ኣቡን ካብ ኢትዮጵያ፡ ‘ታቦት ሒዝና ምስ ሰራዊትና ንዝመት!’ ክሳብ ምባል በጺሖም። ‘ብኤርትራ ታቦት ሖዞም እንተመጹኸ፡ ክልተ ታቦት ክነዋግእ ማለት ድዩ?!’ ዝብሉ ኣቡን ስለ ዝተረኽቡ ግን፡ ናብ ልቦም ከም ዝተመልሱ’ዩ ዝፍለጥ። ድሕሪኡ ግን፡ ናይ ኣስላምን ክርስትያንን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣይሰለጦምን እምበር ሰላም ክወርድ ዝምስገን ጻዕሪ ከም ዘካየዱ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ህዝብና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወልዐ ኩናት ተመርሚሩ ብሕጊ ክውሰን ኣብ ኣልጀርስ ስምምዕ ምስ ተፈረመ’ዩ ጠንቂ ኩናትን ሳዕቤኑን ንምፍላጥ ዕድል ዝረኸበ። ኢሳያስ፡ ‘ወያኔ ወሪሩና!’ ብማለት ዝገለጾ ኮነ ኢሉ ቅዋም ከይትግበር ዝጀመሮ ኩናት ምዃኑ ምስ ተጋህደሉ’ዩ ህዝብና ብጓሂ ክጥበስ ዝጀመረ። ‘ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጽሓይ ኣይትበርቕን ኣይትዓርብን!’  ምስ በለ ከኣ፡ ‘ስልጣን ፈጣሪ’ውን ክምንጥል ዝመጣጠር ሰይጣን ኮይኑ! እምበርዶ ጥዕና ኣለዎ’ዩ እዚ ሰብኣይ!’  እናበለ ይግረምን ይድንጽዎን ከም ዝነበረ ዝስሓት ኣይኮነን። ብጅ13 ዝፍለጡ ኤርትራውያን ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተራኺቦም፡ ሓገዝ ከወፍዩን ምኽሮም ክልግሱን ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ተኣኻኺቦም ነስመራ ከይዶም። ኢሳያስ ዘቕረቡዎ ሓሳብ ብቅንዕና ምትርጓም ገዲፉ፡ ዘይተጸበዩዎ ወቐሳን ጸለመን ስለ ዘውረደሎም ግን ናብ ዝነበሩዎ ክምለሱ ተገዲዶም።፡ ካብኡ ንድሓር ከጽቅጡ ዝመረጹ’ዮም ዝመስሉ። ብጅ15 ዝፍለጡ ሰብ ስልጣንን ኣባላት ባይቶን ዝነበሩ፣ ‘ኣኼባ ንግበር፡  ብዛዕባ ዝተኻየደ ኩናትን ሳዕቤኑን ገምጋም ነካይድ፡ ጌጋና ንኣርም፡ ተወንዚፉ ዘሎ ቅዋም ነተግብር፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ! እናበልና ክነባኹር የብልናን! ወዘተ … ዝብሉ ሕቶታት እንተቕረቡ  ነጺጉዎ። ህዝብና ከኣ፡ ቁስሉ ከየሕወየ፡ ናይ ውሽጢ ኩናት የንጸላልዎ ከም ዝነበረ ተረዲኡ ክጭነቕ ጀሚሩ። ‘ንኺድ ተኣኪብና ፍልልይና ክንፈትሕ!’ እናበሉ ብጂ15 ኣባላት ዘላግጹ ብዓል የማነ ማንክን ካልኦትን ልኢኹ፡ ኣብ እምባትካላ ዳጉኑዎም። ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዓጽዩ፡ ነዳለውተን ምሳኦም ሓዊሱዎም። ብዝወልዖ ኩናትን ዘስዓቦ ዕንወትን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክንዲ ዝሕተት፡ ገበኑ ናብ ካልኦት ኣላጊቡ፡ ብኽድዓት ጠቂኑ፡ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝኽእል መራሒ!  ብዘይካ ሳያስ ኣብ ታሪኽ ዓለም’ውን  ኣይተሰምዐን ኣይተረአን። ኣባላት ጅ15፡ ‘ብእምነት ንካየድ ኔርና!’  ምባሎም ከኣ ዘደንጹ ኢዩ። ምስ ፈጣሪ ብእምነት፡ ምስ ሰብ ብሕግን ብድግን ምዃኑ ብኸመይ ከም  ዝተሰወሮም እንድዒ። ክፉእ ምህዝኡን ግብሩን ከም ዘይፈልጡ፡ ኣብ መጻወድያ ክሳብ ዘእትዎም ምጽባዮም ከኣ፡ንብዙሓት ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ካብቲ፡ ምናልባት መፍለስ ኣብ ኦም እንተደየበ  ምሳር ተማላእ!  ዝብል ምስላ ቀዳሞት ተማሂሮም ክልብሙን ክጥንቀቑን ከም ዘይከኣሉ ግን ተግባሮም ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ኣብቲ ብዕለት 24-25 መጋቢት 2018 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ ንዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ንምዝካር ዝተኻደ ጽምብል፡ ተጋዳላይ ሃይለ ድሩዕ፣ “ንሕና ብወታሃደራዊ ጎነጽ (ብመፈንቀለ – መንግስቲ ) (coup de tat)፡ መንግስቲ ክንልውጥ ኣይንደልን ኢና። እቱይ ምንታይሲ፡ ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር ብኽምዚ ኣገባብ ስልጣን ምስግጋር ክትጅምር ኣይንደልያን ኢና። እዚ ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ሕማቕ ኣሰር ኢዩ ዝገድፍ፡” ብማለት ዝተዛረቦን ኣብ መርበብ ኣሰና ዶት ኮምን ቶጎሩባ ዶት ኮምን ዝቐረበን፡ ምርዳእን ምቕባልን ይከኣል ይኸውን እዚ ብዶ/ር ገብረ ገ/ማ ዝቐረበ፡ ብህዝቡ ንዝግደስ ኤርትራዊ ብዛዕባ ዝሓለፈን ዘሎን ኩነታት ሃገርና ዝምህርን ዘበራብርን ኮይኑ፡ ብጽሑፍን ብተቀርጸ ድምጽን ዝተሰነየ ብምዃኑ ከኣ ዝምስገን ኢዩ። ኣብቲ ጽምብል ዕላማ ጅ15፡ ኣብ ሜዳ ከለዉ ዝተመባጽዕዎ፡ ‘ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብን ብቅዋም ዝምራሕ መንግስቲ ምምስራትን!’ ዝብል ንምትግባር ከም ዝነበረን ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። ጅ15 ዝእዘዝዎን ዝመርሑዎን ዝሕልዎምን ሰራዊትን ናይ ስለያ መሓውርን ስለ ዘይነበሮም ይኹን፡ ከዳልዉ ስለ ዘይደለዩ ወይ ስለ ዘይከኣሉ ንምፍላጥ ከቢድ ኢዩ። ህዝቢ ክስዕበና’ዩ ዝብል እምነት ከም ዝነበሮም ግን ገሊጾም ኢዮም። ህዝብና ንቕሓቱ ክብ ከብል ዕድል ክረክብ ስለ ዘይከኣለ ግን ክስዕቦም ከም ዘይከኣለ ዝስሓት ኣይኮነን። ‘ብዛዕባ ዒራዒሮ ቤት ማእሰቲ ህግደፍ ዝርከቡ’ ዝብል ጽሑፍ፡ ‘35 ዝኾኑ ብጅ-15 ዝፍለጡን ጋዜጠኛታትን ኣብ እምባትካላ ከለዉ ንሓለውቶም፣ “ጉዳይና ተጻሪዩ ናብ ፍርዲ ኣቕርቡና፡” ዝብል ብተደጋጋሚ የቕርቡ ከም ዝነበሩን ሰማዒ ከይ ዘይረኸቡን፡ ንዒራዒሮ ምስ ወረዱ’ውን ኣብ ከክፍሎም ኮይኖም የእውዩ ኔሮም!” ዝብል ተገሊጹ ይርከብ። ሓጎስ ገ/ሂወት (ኪሻ) ግን ኣብ ጸበብቲ ሸላታት ብሃሩር ይጥጠቑ ከም ዝነበሩ እናፈለጠ፡ “ካባና ንላዕሊ ዝሓልየሎም የለን!” እናበለ ብተለቪዥን ኤርትራ ከሽካዕልል ይስማዕ ኔሩ። ጽጋብ ዝሰርነቖ ብሕጊ ዘይቅየድ ፈለል፡ ጽጋቡ ዘዝሕለሉ እንተዘይተረኺቡ፡ ዝፍጽሞ ግፍዒ መወዳእታ ከም ዘይብሉ ዘግሃደ ሓደ ኣብነት ኢዩ። ድሕሪ ምእሳር ጂ-15፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ዝእሰር፡ ዝጭወ፡ ዝቕንጸል ኣዚዩ! ኣዚዩ! በዙሕን ዘሰምብድን ኮይኑ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ልቡ ጠሊሙዎ! ማኪና ተጋጭዩ፡ ተገልቢጡ! ነፍስ ቅትለት ፈጺሙ! ተባሂሎም፡ ሓኪም ከይመርመሮም ዝቕዘፉ ኤርትራውያን መርድእ፡ ስድርኦም ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ክበኽዩ ስለ ዝተኸልከሉ ብዘይካ ማዕጾ ረጊጦም ደም ምንባዕ ምርጫ ኣይነበሮምን። ኢሳያስን ፊሊጶስን ህግደፋውያን ስዓብቶምን፣ ንህዝብና ደሙ ሰትዮም ዓጽሙ ቆርጥሞም ኣይጸገቡዎን። ከብዶም ኣብ ምግፋሕ ጅብኦም ኣብ ምስፋሕ’ዮም ተዋፊሮም ዘለዉ። ከምቲ ህበይ መሬት እንተትግልበጥ ኩዒንቲ ምጸገብና! ኢላ ዝብሃል፡ ሓመዳ ንላዕሊ ጌሮማ መሬት! መንእሰይ ብዕሩቕ ዝባኑ ጥሙይ ከብዱ፡ ጅባኦም ክመልእ ወርቂ ብሩር ክሓፍስ ጋሕ እንተበለ ኣይንታዮምን’ዩ። ኣብ ቤት ማሕቡሳት ዓዲ ኣበይቶ፡ ዓላ፡ እንዳቦይ ርጉም ወዘተ… ከም ቋንጣ ተሰቒሉ እንተሞተ፡ ከም ኣናጹ ኣብ ጎዳጉዲ እንተሕቀቑዎ፡ ሃገር ጥራሓ እንተተረፈት ዝስቖሮም ኣይኮኑን። ህዝብና  ናይ ሕቡሳት ኣውያት ድቃስ ይኸልኦ’ዩ ዘሎ። ብማኪና ተጻዒኖም፡ ካብ ዝነበሩዎ ማሕቡስ ዝውሰዱ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ብማእከል ኣስመራ ክሓልፉ ከለው፡ ዘሊሎም ክሃድሙ ዝፈተኑ ብዙሓት ፡ ብሓለውቶም ብጠያይቲ ተቐዚፎም። ነዚ ጉድ ዝረኣየ ዕጥቂ ዘይነበሮ ህዝብና፡ ኣውያት ምድርጓሕ ጥራይ ኮይኑ ዕድሉ። እዚ ነቲ ህዝቢ ጎንደር፡ ብግዜ ደርግ ብናይ ደቁ ምጥፋእ ምስ ተጨነቐ፣ “መላኩ ተፈራ የግዜር ታናሽ ወንድም! የዛሬን ማርልኝ ሁለተኛ ኣልወልድም!” (መላኩ ተፈራ ንኡስ ሓው እግዚሄር! ንሎሚ ምሓረለይ ካልእ ኣይወልድን!) ዝበሎ ዘዘኻኽር ግፍዒ ኣብ ማእከል ኣስመራ ተፈጺሙ። ቅድሚ ዓርቢ ስቕለት፡ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብኣስመራ ኣቢሎም ናብ ባጽዕ ገጾም ንታዕሊም ይጓዓዙ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ናይ ጽዕነት መኪና ኣብ ሸግርኒ (መንገዲ ባጽዕ) ድሕሪ ምግምጣላ 48 ክሞቱ ከለዉ ሓያለ ከም ዝቖሰሉ ምንጭታት ሓቢሮም። ቆሲሎም ዝተረፉ ዘጋጦሞም ማህረምቲ ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ቁጽሪ ምዉታት ክብ ክብል ከምዝኽእል ምንጭታት ይገልጹ፡” ዝብል ዜና ሰሚዑ ሰምቢዱ’ዩ ዘሎ ህዝብና።  “ኣርእስተ ዜናታት ህግደፍ ምልኪ የጸባብቑ መሬት ኤርትራ ብደም ንጹሃት ይጭቁ!!” ዝብል ብኣሰና ዝተገልጸ ከኣ ነዚ ስምባደ ዜና ዝገልጽ ኢዩ። ከምቲ፡ ማኽለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ! ዝብሃል፡ ደቀይ ዝብሎም! ሓብሒቡ ዘዕበዮም! ዝሓቖፎም! ብዘይፈልጦ መገዲ! ጻዕረ ሞት! ኮይኖም መጺኦሞ ህዝብና። ህግደፍ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ግፍዕታት ካብቲ ህዝብና ብ ‘ግዝኣት ቱርኪ! ዝዝክሮ ዝተዓጻጸፈ ስለ ዝኾነ ብዝመጽእ ወለዶ ዘባህርር ኮይኑ ክጥቀስ ከም ዝነብር ዝስሓት ኣይኮነን። ሃገርና ሎሚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ዓለም ቅዋም ዘይብላ! ናይ ኣፍሪቃ  ሰሜን ኮረያ! ተባሂላ፡ ናይ ጸሊም ታሪኽ መመሰሊ ኮይና። ኢሳያስ ከኣ ብዘስካሕክሕ ተግባሩ ምስቲ ስልጣኑ ውሑስ ንምግባር ንሓዉን ሓውቡኡን ከይተረፈ ’ዝቐተለ ናይ ሰሜን ኮረያ መራሒ ኪም ጆንግ ኡን (Kim Jong Un ) ዝወዳደር ዘሎ’ዩ ዝመስል። ዓለምና ብኸምዚኦም ከይትጠፍእ ይኽደነና! ዘብል ኢዩ። ሃገርና ጉድ ከይተሰምዐ ዘይወግሓላ’ያ ኮይና ዘላ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት መርማሪ ኮሚሽን ንዓመታት ብዘካይዶ ምርመራ፡ ሃገርና ብፍርሕን ራዕድን ትግዛእ ከም ዝኾነት ብምርግገጽ፡ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ዓለም ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ንውሳኔ ከም ዘቕርበ ዝዝከር ኢዩ። ነዚ ብምድጋፍ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ኣውሮጳን ኣብ ኣመሪካን ንዓለም ሕብረተሰብ ዝነቕነቐ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም። ምሕጽንትኦም እንታይ ከም ዝወሓጦ ግን እንድዒ። ኣብ ዓለም ዘመን ኣስኩት! ዝነገሰ’ዩ ዝመስል። ዓለም፣ ‘ባዕልኹም ትፈልጡ! ኣብ ሰሃራ ጥፍኡ! ኣብ ባሕሪ ጥሓሉ! ድቃስ ኣይትኽልኡና!’ ዝብል ዘሎ’ዩ ዝመስል። እዚ ከኣ፡ ህዝብና ባዕሉ ዘድሕኖ ፈውሲ ክረክብ እንተዘይክኢሉ ዝጽበዮ ጥፍኣት ምዃኑ ዘመላኽት ኢዩ። ህዝብና፡ ዝኽእሎ ከይገበረን ከይሓዘን፡ ናይ ካልኦት ሓገዝ ምሕታት ከኣ ዝገደደ ሓደጋ ምዕዳም’ዩ ዝኸውን።

ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ ዝተኻየደ ዝርዝር ውዕሎ ጽምብል ጀጋኑ፣ ሰንጋል ወ/ትንስኤ (ሓው ሃይለ ድሩዕ) ‘ህግደፍ ንጅ15 ክኣስርዎም ከለዉ፡ ‘ዕላምኦም፡ ስሞምን ታሪኾምን ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ከም ዝነበረን፡ ብኣንጻሩ ግን ህዝብና ስሞም፡ ታሪኾምን ዝበልዎን ዝገበሩዎን እናዘከረ፡ ቃልሱ የጎሃህር ከም ዘሎ ጠቒሱ። ህዝብና፡ ብመስዋእቲ ሃይለ ድሩዕን ብጾቱን እናተሓቑነ ከሎ ከኣ፡ ናይ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዜና ዕረፍቲ መጺኡዎ። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ  ኣብ ቤት ማሕቡስ ስቓይ 3 መጋቢት 2018 ከም ዝተሰውኡን፡ ኣብ ቀብሮም ዝወዓሉ ብዙሓት ተኣስኢሮም ይሳቐዩ ከም ዘለዉን ስለ ዝሰምዐ ይሕቆንን ይቑንዞ’ዩ ዘሎ። ኢሳያስ ንሜዳ ክስለፍ ምስ ተበገሰ ሓደ ካብቶም ዝፈልጡዎ፣ ባህርኡ በቐረባ ዝፈልጥ፡  ‘እዚ ዝመጻኩም ዘሎ ተመሃራይ ምምቕቓል ናይ ምፍጣርን ፈላሊኻ ናይ ምግጫውን ባህያት ኣለዎሞ ሰውራና ከይገማማዕ ሓደራ፡ ቀናእ፡ ህልኸኛ፡ ተንኮለኛ፡ መቓቓሊ ኢዩ!’ ዝብል መልእኽቲ ንሜዳ ከም ዝሰደደ’ዩ ዝንገር። ድሕሪኡ ንምንታይ ድሃይ ከም ዘይገበረ ግን እንድዒ! ኢሳያስ ዕላማኡ ስልጣን ብሒቱ ምንባር ስለ ዝኾነ፡ ካብ 1973 ጀሚሩ ካብ ናይ ቻይና መራሒ ዝነበረ ማዎ ከክፉኡ መሪጹ፡ በቶም ዘይነቕሑ ተጠቂሙ፣ መንካዕ! የሚን! እናበለ የጥፍኦም ከም ዝነበረ፡ ዝፈልጥዎን ዝወዓሉሉን የቃልዑ ስለ ዘለዉ ህዝብና ጉዱ ክፈልጥን ንቕሓቱ ክብ ከብል ዕድል ይረክብ’ዩ ዘሎ። ምስ ኢሳያስ ኮይኑ ንኤርትራውያ ዘጥፍእ ዝነበረ ናዝጊ ክፍሉ፡ ‘ኣነን ኢሳያስን ዝፈጸምናዮ ግፍዕታት ህዝቢ እንተዝፈልጥ ምተጸለለ!’ ከም ዝበለ’ዩ ዝፍለጥ። ስድርኡ ሬስኡ ኣብ ዓዱ ከይቅበር ምስ ከልከሎም’ዮም ኢሳያስ ሰብ ዝመስል ሰይጣን ምዃኑ ክፈለጡ ዝኸኣሉ።

ንድሕሪት ክመልሰኩም። እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ምዃና ከዘክረኩም። ቀዳሞት ብሕጊ ዝምእዘዝ፡ ተኸባቢሩ ዝነብር ህዝቢ፡ ንምህናጽ’ዮም ዝጽዕሩ ዝነበሩ። ሃገርና፡ ከምዚ ሎሚ ናይ ተበለጽቲ! ንርእሰይ ይጥዓመኒ፡ ናይ ካልእ እንታይ ገደሰኒ! በሃልቲ! ኣይነበረትን። ሓቂ፡ ፍትሒ፡ ቅኑዕ ፍርዲ ተሓቢኡ ከይተርፎም ዝጽዕሩን፡ ፍትሒ ብምውጻእ ዝስመዩን ዝፍለጡን ኮይኖም ክሓልፉን ዝጽዕሩ ከም ዝነበሩ’ዩ ዝፍለጥ። ሓደ ኣብነት ክጠቅስ። ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም ዳኛ ከለዉ፡ ወዶም ነጋሽ፣ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ጉድጓድ ኩዒቱ፡ ከይርአ ብሰለን ከዲኑ፡ ብዝተፈላለየ መዓልቲ ሰባት ይዕድም ከም ዝነበረን፡ ዕዱም ሰላም ክብል ኢዱ ወስ ምሰበለ፡ ነታ ንመቐበሊ ጋሻ ክትመስል ዝተነጽፈት ሰለን ረጊጹ ናብቲ ጉድጓድ ይጸድፍ። ነጋሽ ብላዕሊ ኮይኑ ርእሱ ቀጥቂጡ ይቐትሎ። ሸውዓተ ነፍሲ ኣጥፊኡ ምስ ተሰምዐ፡ ንሱዳን ክሃድም ከሎ ተታሒዙ፡ ናብቲ ኣብኡ ዝተሰመዩሉ መጋብእያ ይቐርብ። ‘ወድኹም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ክንዳኹም ካልእ ዳኛ ይሰየም!’ ካብ መንበርኩም ብፍቓድኩም ተለዓሉ!’ ምስ ተባህሉ ግን፡ ‘ኣይልዓልን። ኣነ ዘይፈረድኩዎ መን ክፈርዶ!’ ኢሎም፡ ኣብ መንበሮም ኮይኖም ንሞት ፈሪዶሞ። ንገዝኦም ምስ ከዱ ብዓልቲ ቤቶም ክበኽያ ይጸንሕኦም። ክትበኽዪ ከኣ! ሕጊ ዘይፈቅድ ኮይኑ እምበር፡ ረስኡ ንኣይ እንተዝህቡኒ፣ እግሩ ንሓደ፡ ኢዱ ንካልኣይ፡ ንሳልሳይ ቆሪጸ፡ ነቶም ሸውዓተ ሰቦም ዝቐተሎም ምዓደልኩዎም!’ ከም ዝበሉወን ይዝንቶ። ኣብ ሃገርና፡ ከም ሽፍታ ብሕጊ ዘይቅየድን ዘይዳነን፡ ዘይጸዓረሉ ሃብቲ ሰብ ዝምንጥልን ሰባት ዝቀትልን፡ ኣብ በረኻ ይንበር ኣብ ከተማ ሽፍታ ኢዩ። ህግደፍ ከኣ ብተግባሩ፡ ዝኸፍአ ቃል ተሳኢኑ’ምበር ‘ሽፍታ!’ ማለትስ ውሑዱዎ’ኳ።

እዚ ኣረመኔ ስርዓት ናብ ህዝብና ዘወርዶ ዘሎ ግፍዕታት ንምግንዛብ፡ ካብቲ ዳንኤል ረዘነ ብ2007 “ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኩሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ብ2001 ኣብ ሰለስተ ክፋል ካብ ዝዘርግሖ መጽናዕቲ፡ ቁሩብ ክጠቅስ። “እዛ ሃገር’ዚኣ ዘይምሕር ጋኔን (ሓለቓ ኣጋንቲ) ሰሪሩዋ ከም ዘሎ… መሰል ብሂወት ምንባርን ምንቅስቓስን ((Universal  Declaration of Human Rights) ምንጋዕ ግዝኣተ-ሕግን ማዕርነትን ኣብ ቅድሚ ሕግን” ብዘየማትእ ይጥሓስ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ኣብ 1999 ጥራይ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ 8958 እሱራት ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪ መስከረን 2001 ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ድጓናታት ህግደፍ ከም ሳርዲንን ሓሰርን ተሰጒዱ ከም ዘሎ፡ ቀንዲ ጠንቂ ምብዛሕ ዘይተፈርዱ እሱራት ምስ ምምስራት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝተተሓሓዘ ከም ዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኣዋዲ ዘይብሉ ገበናት (crimes committed with impunity) ይፍጸም ከም ዘሎ፡ ህግደፍ ብሰሪ ዘይምሕንጻጽ ዶብ ከምስሉ ከም ዝደልዩ፡ ዝሰዓበ ዕግርግርን  ህውከትን ብህግደፍ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ፡ ካብ ሓልፍነት ንምህዳም  ዝተኣልመ ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ሕጊ-ኣልቦ ውጹእ ምልኪ!” ምዃኑ ይገልጽ።

(መወከሲ፣ www.awate.com/portL/content/view/ 2007 zbanhgi@yahoo.com)

ኣብ ደቢብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ብኣፓርተድይ (apartheid) ዝምራሕ ስርዓት፡ ንጸዓኡ ቀዳማይ፡ ንጸለምቲ ካልኣይን ደረጃ ዜጋ ዝስርዕ’ዩ ኔሩ። ጸለምቲ ብውሑዳት ጸዓዱ ተጨቂኒም ተረጊጾም ይነብሩ ኔሮም። ነዚ ንምቅዋም ዝነቕሑ ጸለምቲ መሪር ቃልሲ ከካይዱ ተገዲዶም ኔሮም። ሓደ ካብኦም ስቲቭ ቢኮ (Steve Biko) ዝብሃል፡ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ብርቱዕ ቃልሲ ብምክያዱ ብጸዓዱ ተቐጥቂጡ ህይወቱ ዝሓለፈ፡ “እቲ ዝሓየለ ኣጽዋር ጨቆንቲ ኣእምሮ ጭቁናት ኢዩ!” ብማለት ዝገለጾ፡ ክነቕሕን ክውደብን ዘይከኣለ ህዝቢ ግዳይ ዓመጽቲ ከም ዝኸውን’ዩ ዘረጋግጽ ከምቲ፡ ሕንኡ ዘይፈዲ ወዲ ኣድጊ! ዝብሃል ካብ ዝሓለፈ ዘይመሃርን ጌጋታት ክደግም ዝነብርን ኣብዲ! ኢዩብሃል ዝክኣል። ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብኒልሰን ማንደላን ደገፍቱን ካብ ጭቆና ከም ዝተናገፉ ዓለም ክዝክሮ ዝነብር ታሪኽ ኢዩ። ህዝብና ቀደም ኣፈርክቡ ክብሃል! ከሎ፡ ዝሓዘ ሒዙ ክረድእ’ዩ ዝጓየ ዝነበረ። ሎሚ ህዝቢ ይጠፍእ ኣሎ እናሰምዐ! ብዝጠቅም ዘይጠቅም ክካታዕ ክጽሕፍ፡ ዝውዕል ዝሓድር ዝነገሰሉ ግዜ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ብፍላይ ንዓምታት ዝተቓለሱን ናይ ነዊሕ ግዜ ተሞክሮን ክእለትን ዘለዎምን፡ ብዕመ ዝደፍኡ’ኳ እንተኾኑ፡ ናይ ምስሕሓብን ምፍንጫልን ባህሊ ገዲፎም ንመንእሰይ፣ ‘ካባና ተመሃር! ጌጋና ከይትደግም! እናበሉ ክምህሩን፡ መገዲ ዓወት ክሕብሩን ምኽሪ ክልግሱን ሞራል ከስንቑን ዘይምኽኣሎም ዘደንጹ ኢዩ።  ጊለ ብጽልዋ ጀብሃን ሻዕብያን ዝተታሕዙ፡ ገለ ናይ ሃይማኖት ጸቕጢ ከንግሱ ዝደልዩ፡ ገለ ከኣ ካብቲ ህግደፍ ዝምርሓሉ፡ ኣእምሮ መንእሰያት ዝሓጽብን  ናብ ናይ ሕልሚ ዓለም ዘጥሕልን ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ከም ዘይተባተኹ’ዩ ተግባሮም ዘረድእ። ብቐዳምነት ዝስራዕ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ምእላይ ምዃኑ ዝዘንግዑ’ዮም ዝመስሉ። ብጸጋማዊ ስነ ሓሳብ ንዓመታት ክምራሕ ክኽተልን ዝጸንሐ ህዝባዊ ግንባር፡ ናብ ግዚያዊ መንግስትን ህግደፍን ምስ ተለወጠ፡ ብኸመይ ‘ስልጣን ብህዝቢ ንዝምረጹ ዝረከቡዎ መንግስቲ ምርካብ!’ ዝብል፡ ናብ ዲሞክራሲ ዘምርሕ ሓሳብ ክቕበልን ተግባራዊ ንምግባር ክንቅሳቐስ ከም ዝጀመረን፡ ንምርዳእ’ውን ከቢድ ኢዩ። ጅ15 ምስ ተላዕሉ ዝተጋህደ ሓቂ ከኣ ነዚ’ዩ ዝመስል። ጅ15፡ ካብቲ ዘማዕበሉዎ ብሚስጢር ምስራሕ ልምዲ ወጺኦም ብሕጊ ንዝምራሕን ብህዝቢ ንዝምረጽን መንግስቲ ስልጣን ምርካብ፡ ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ዝስሕቱ ኣይኮኑን። ዕላምኦም ንምዕዋትን ውሑስ ንምግባርን፡ ብቀዳምነት ነዚ ከቢድ መስርሕ ዝብድህ ብልሓት ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ጠፊኡዎ ክብሃል’ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ኢሳያስ፡ ‘ስልጣን ንህዝቢ ክነረክብ ኢና! ብማለት ዝደጋግሞ ዝነበረ ቃል ጥራይ ብምእማን፡ ዝሕልዎም ሓይሊ ንምድላው’ኳ ከይሓሰቡ ምንቅስቓስ  ምጅማሮም፡ ከምቲ፡ “ብእምነት ንካየድ ኔርና!”  ዝበሉዎ ኢሳያስ ዝጠልሞም ኣይመሰሎምን’ዩ ክብሃል ዝከኣል። ኢሳያስ ድሕሪ ጂ15 ምጭዋዩ፡  ንህዝብና ዝማረኾ መሲሉ ስለ ዝተራእዮ፡ ኣብ ቲቪ ኤረ ቀሪቡ፡ ‘ናይ ምንታይ ደሞክራሲ! ን40 ዓመት’ውን ኣብ ሃገርና ኣይህሉን ኢዩ! ቅዋም! ናይ ምንታይ ቅዋም! ከይተኣወጀ ዝመተ!’ ቅዋም! ዲሞክራሲ! ዝብል ንጠፈር ይኺድ! ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዩ የራኽበና! እናበለ ዘሽካዕልል ዘሎ። ንህዝብና ምሒር ዘሕዝንን ንምርዳእ’ውን ጸገም ኮይኑዎ ዘሎ ከኣ፡ ናይዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ፡ ብውዱብ ዝተጥርነፉን ዘይተጠርነፉን፡ ንዓመታት ናይ ቃልሲ ተሞክሮ ዘጥረዩን ኣርካናት ኢዩ። ን27 ዓመታት ዝኣክል ኣንጻር ህግደፍ ይቃለሱ ኣለዉ! ኣብ ኣዋሳ ተኣኪቦም ባይቶ መስሪቶም! እናተባህለ ህዝቢ ብተስፋ እናተጸበዮም ድሃዮም ይርሕቕ። ካብ ናይ ጆብሃን ሻዕብያን ጽልዋ ሓራ ክኾኑ ስለ ዘይከኣሉ ይኸውን። ብዙሓት ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኮይኖም ኣብ ስልጣን ዝነበሩን፡ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ካብቲ ስርዓት ርሒቖም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡን፡ ንኢሳይስን ስዓብቱን ስለ ዝፈርሁን ዝጸልኡን ይኹን ምስቲ ስርዓት ይባተኹ እዝጊ ዋንኦም። ንህዝባዊ ግንባር ክኹኑኑን ክነጽጉን ዘይስምዑ ግን ውሑዳት ኣይኮኑን። ህዝብና ነዞም ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ፖሊቲካን ገድልን ቃልሲ ተሞክሮ ዘለዎም ኣርካናትን ውዱባትን ብተስፋ ይጽበዮም’ዩ ዘሎ።   ትጽቢት ነዊሑዎ’ምበር። ተሰማሚዖም! ሰሚሮም ክብሃሉ ይፈላለዩ። ተግባሮም ንመንእሰያት ሃገርና ብሕማቕ ዝጸሉ ከይከውን ይኽደነና።

ናይ ህዝብና ጸላኢ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን። ዝተኸሎ ፍርሒ’ዩ ክብሃል ይክኣል። ኢሳያስ ህዝብና ብፍርሒ ለሚሱ ምእዙዝ ኮይኑ ክነብር ይጽዕር’ኳ እንተሎ፡ ህዝብና ናይ ጅ15ን ጅግና ወዲ ዓሊን ውዕሎን ታሪኽን እናዘከረ ቃልሱ የጎሃህር’ዩ ዘሎ። ድሕሪ ሕጂ’ውን ንዝልዓሉ ምዑታት ደቁ ስዒቡ፡  ጅግነንቱ ከም ዘመስክር ዘጠራጥር ኣይኮነን። ፍርሒ ግን ክሳብ ዘንፍጻ ትረክብ፡ ትጽይቕ’ያ ዘላ። ካብ ዓለማውያን ሓሊፋ፡ ንገለ መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ዝለከመቶም’ያ ትመስል። ‘ኢትፍርሁዋ ለሞት! ፍርህዋ ለሓጥያት! (ንሓጥያት እምበር ንሞት ኣይትፍርሁዋ!) ትብል ክህነት ክቕበሉ ከለዉ ዝመሓሉዎ ገዲፎም፡ መራሕቲ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ምዃኖም ዘንጊዖም፡ ካድረ ህግደፍ ክኾኑ ይመጣጠሩ ምህላዎም’ዩ ተግባሮም ዘመላኽት። ንካህናትን ሓለፍቲ ገዳማትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብጹእ ወ ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣንጠንዮስ ንኢሳይስ ኣሕሊፎም ሂቦም። ኢሳያስ ከኣ፡ ኢዶም ክሳለም ብትቪ-ኤረ ከም ዘይተራእየ፡ ብምድራዊ ሓይሊ ክድፈር ዘይግባእ ስልጣኖም ገፊፉ፡ ካብ ዝመቕሖም ዓሰርተ ዓመት ሓሊፉ። ፕረዝደንት ሃገርን መራሒ ቤተክርስትያን ተዋህዶን’ዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ ዓማጺ ስርዓት ሓላፊ’ኳ እንተኾነ  ክሳብ ዝሓልፍ ትንፋስ ሰብ የሕልፍ ኣሎ። ኣወዳድቑኡ ድኣ የጸብቆ’ምበር ኣብ ዘይተፈልጠ ስዓትን ዕለትን ክወድቕ ኢዩ። ዝነውሐት መሸላ ንዑፍ ወይ ንወጭፍ! ይብል ኔሩ ህዝብና ቀደም። ሎሚ መሸላ ድዩ ዘየለ! ወይ ነዕዋፍ ዝቖልብ ወንጭፍ’ዩ ተሳኢኑ! እንድዒ። ናብ ጥፍኣት መን ቀደመ? ኢዩ እቲ ጸወታ። ዝሰምዕ ይስማዕ! ከይልከም፡ ሕማቕ ታሪኽ ከይገደፍ ይጠንቀቕ። ይስማዕ’ቲ ጋዶ፡ ሰይጣን ኣብ ርእስና ስሪሑ ከም ዘሎ ኣጉዶ!  

ህዝብና ሰላም ርሒቓቶ’ያ ዘላ። ኣብ ሃገሩ ምንባር ስኢኑ ሃጽ ኢሉ ይጠፍእ’ዩ ዘሎ። ዝእክቡዎን ዝመርሑዎን ስኢኑ ይሳቐ’ዩ ዘሎ። ተስፋ ዘይቆርጽ ስለ ዝኾነ ግን  ክሳብ ዓወትቃልሱ ከም ዝቕጽሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኢድካ ከይሓወስካ፡ ዝርከብ ዓወት  ግን የለን። ውሑዳት ኤርትራውያን ዝብሉዎን ዝጽሕፉዎን ከኣ፡ ደቂ’ዚ ጅግና ህዝቢ ምዃኖም ዝዘንግዑ’ዮም ዝመስሉ። ከምቲ ቀደም ህዝብና፡ ‘ጅንጅብል መን እንተበሉኻ መን ትብል! እናበለ ባህሉን ልምዱን ንውሉዱ ዝምህር ዝነበረ፡  ዘዘኻኽር ዓርኪ መሓዛ ዘድል’ዮም ዝመስሉ። ህዝበይ እናበልካ! ህዝብኻ ዝቕበረሉ ጉድጓድ ምፍሓር፡ ካበይ ከም ዝለገቦም እንድዒ። ህዝብና፣ ንኣፍ ጠልቆም ንኸብዲ ሓጥያት ዝኾነት ሓንቲ ባኒ ክቕበል ተሰሪዑ ዝሓድር! ዝሰተ ማይ ክዕድል ደድሕሪ ቦጣት ዝጎዪ፡ ብዘይ ፍቓድ ወረቐት ንቀብሪ’ኳ ክንቀሳቐስ ዘይክእል! ኣፉ ተለጉሙ ምዩቕ እናበለ ይነብር ከም ዘሎ እናሰምዑ! እናረኣዩ!  ‘ጽቡቕ ኣሎ!’ ይብሉ። ናብ ጓይላን ዳንኬራን ይጎዩ። ህግደፍ ዝበሎ ይደግሙ፡  መጥፍኢ ህዝቦም ዶላርን ዩሮን ንህግደፍ የቐብሉ። ካልኦት ከኣ፡ ‘ስለ ምንታይ እናጠፍአ ሱቕ ኢሉ ዝርገጽ! ነዲሩ ዘይጉሕፎም! ከምቲ ዝመስለና ጅግና ህዝቢ ኣይኮነን ማለት’ዩ! ይብሉ። ዝገደደን ዘሰምብድን ከኣ፡  ሎሚ ኢና ተገዲዑ ከሎ ነረኻኽበሉ፡ ስልጣኑ መንጢልና ንሕዞ ዝብሉ ዘይዓበዩ ኢሳያሳታት ይቀላቐሉ ምህላዎም ኢዩ።

ተመሊስካ ትረድኦስ ገዲፍካዮ ኣይትጉየ! ከም ዝብሃል ግን፡ ህዝብና ኣይነቕሐን! ኣይማዕበለን! ኣይሰምዕን’ዩ! ብማለት ምግዳፍን ከምዘይናትካ ምርኣይን ጥፍኣት ህዝቢ ምዕዳም’ዩ ዝኸውን። ንዝብኢ ስጋ ሓሉ ከም ማለት’ዩ ዝቑጸር። ህዝቢ ብኣጋኡ ከስተውዕለሉ ኣይከኣለን እምበር፡ ኢሳያስ መሬት ህዝቢ ናይ መንግስቲ ኢዩ! ካብ ዝበለሉ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ንህዝብና ምስ መሬቱ ዝወነኖ መሲሉ’ዩ ዝረኣዮ ዘሎ። ከም ኣቕሓ፡ ኣብ ድላዩን ከም ድላዩን ዘቐምጦ ዘምብሮ!  መሲሉ’ዩ ዝረኣዮ ዘሎ። ስዓብቱ’ውን ኣብነቱ ተኸቲሎም ንዝደልዩዎ ጨውዮም፡ ከም ኣቕሓ፡ ኣብ እንዳ ፖሊስ፡ ‘ብሓደራ ኣቐሚጦም! ከም ዝርስዑዎ’ዩ ዝንገር። እዚ’ዩ እቲ ሓቂ።  ንቕሓት ህዝብና ብደለይቲ ፍትሒ ዝጽሓፍን ዝገለጽን፡ በብግዚኡ ብዝካየድ ሰላማዊ ሰልፍን ይብርኽ’ዩ ዘሎ። ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን’ውን ናተን ወሲኸን በብመዓልቱ ዘመሓላልፍኦ ዘለዋ መሃርን ዝነኣድን ጻዕርን፡ ዝምዝገብ ዘሎ ዓወትን ብቀሊል ዝግመት ኣይኮነን። እዚ ግን እኹል ኣይኮነን። በብመዓልቱ ምክያድ ወሳኒ ኢዩ። ኣበይን ምስ መንን ኮንካ’ዩ ዝብል ሕቶ ግን ብቐዳምነት ክምለስ ዘለዎ ዓቢ ጉዳይ ኢዩ። ታሪኽ ብዝወዓሉዎ፡ ውጻእ መዓት ዝኾኑ፡ ክስማዕን ክንገርን ክጽሓፍን ከሎ’ዩ ኣብ ልቢ ዝሓድር። ሚዛን ዝደፍእ። ስለዚ ኣሕዋት ኣብ ዘለኹም ሃሊኹም፣ ‘ናይቶም ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ!’ ኢሎም ዝሓለፉ!’ ሕድሪ ተሸኪምኩም ከም ዘለኹም ዘኪርኩም ታሪኾም ንገሩ፡ ጽሓፉ፡ ምሃሩ ሓደራ። ዕትሮ ምዃን ንዕትሮ ግደፉላ!

ህዝብና ስለ ምንታይ ናብዚ ሓደጋ’ዚ ወዲቑ? ብኸመይ ካብዚ መቕዘፍቲ ክናገፍን ንኩሉ ብማዕረ ዘገልግል ሕጊ መስሪቱ ክነብርን ይኽእል? ዝብሉ ሕቶን መልስን ኩሉ ግዱስ ዜጋ ዘሰላስሎ ዘሎ ግድል ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ህዝብና ዝሓለፈ ጌጋታት ካብ ምድጋም ክድሕን  ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝብድህን ናብ ዓወት ዘብጽሕን ናይ ቃልሲ ብልሓት ምፍጣር ግድን’ዩ ዝኸውን። ናይ መጀመርያ ጥበብ ከኣ፡ ድኽመት ጸላኢ ምልላይ ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። ብግዚ ገድሊ ህዝብና ዝዕቆበሉ በረኻን ሚስጢሩ ዝዕቅበሉ ቋንቋን ባህልን ኔሩዎ። ሱዳን ከም ድላዩ ዝገላበጠሉ መቃለሲ ባይታ ኔሩ። ሎሚ እዚ ኩሉ ዕድል ዘሎ ኣይመስልን። ከም እንደገና ክፍጠር ዝኽእል’ውን ኣይኮነን። ስለዚ፡ ብሕማም እንታይ ገደሰኒ ተታሒዞም ትም ሕትም ዘይብሉ፡ ንህግደፍ ዝብድህ ብልሓት ክፈጥሩ ዝኽእሉ፡ ደቂ ህዝቢ ምዃኖም ከመስክሩ ዝጽዕሩን ዝጽበ ዓቢን ከቢድን ዕማም ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ህዝቦም ብተስፋ ይጽበዮም ከም ዘሎ ፈሊጦም ክሳብ ዝዕጠቑሉ ግን፡ በብወገና ካብዚ ጉድ ዘናግፍ ብልሓት ንምፍጣር ምጽዓር ግን ንጽባሕ ዘይብሃል ናይ ኩሉ ዜጋ ዕማም ኢዩ። ህግደፍ ፈላልዩ፡ ሓድነት ህዝቢ ዘሪጉ፡ ሕድሕዱ ከም ዝናቖር ንምግባር ብዝፍኑዎ ጸለመ፡ ሓሶት፡ ምድንጋርን ምፍርራህ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዘይፍጽሞ ተንኮል የለን። ህዝቢ እናጥፍአ! ‘ዓወት ንሓፋሽ! ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ!’ ይብሎ። እቲ ሓደ ልቢ’ውን ኢሳያስ ኣብ ሳንጥኡ መሊሱ፡ ኣብ ድላዩ ዘንብሮን ዘልዕሎ’ዩ ዝመስሎ። ስለዚ ህዝብና ዓው ኢሉ፡ ‘ዓሻኻ ድለ! ልብና ምሳና’ያ ዘላ! ሃገርና፡ ናይ ዝተፈላልየ ባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን ዘለዎ ብዙሕ ህዝቢ ምዃና እናፈለጥካ ኣይትጸይቕ!’ ዝብለሉ እዋን ኢዩ።

ኣብ ሃገርና ለውጢ ግድን ክመጽእ ኢዩ። ብዝቕድሙ እምበር ዘይቅደሙ ጀጋኑ’ዩ ዝመጽእ። ንህዝብና ዝበላ ናይ ለውጢ ክፈልጡዋ ዝኽእሉ ግን፡ እቶም ዝፈጥሩዋን ዘተግብሩዋን ጥራይ ኢዮም። ክሳብ ስዓቱን ዕለቱን ኣኺሉ ብተግባር ዝግለጽ ከኣ፡ ብኸመይ ከም ዝፍጸም፡ ክግምት ወይ ክትምቢ ዝኽእል የለን። ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ኣብ ፍሉይን ጭቡጥን (ዳይናሚክስ) ኩነታት ሓደ ህዝቢ ዝምስረት ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ቱኒዝያ ብ2010  ብሃንደበት ዝተላዕለ ናይ ዓረብ ለውጥ (The Arab Spring) ተባሂሉ ዝፍለጥን  ናዕቢ፡ ብሓደ ናብራ ዝመረሮ! ዝሓረቐ! ኣብ ኣደባባይ ኣብ ሰውነቱ ላምባ ኩዕዩ፡ ብሓዊ ከቃጽል ዝረኣየ ህዝቢ’ዩ ዝተላዕለን ብቑልጡ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝተላብዐን። ኩሉ ዝፈልጥ መሲሉ ንህዝቢ ከእምን ዝፍትን ኢሳያስ ግን፡ ነቲ ናዕቢ፡ ‘ኣመጻጽእኡ ፈሊጥና ተኣሊናሉ!’ ብማለት ከም ዝተጃህረ ዝዝከር ኢዩ። ክእለየላ ዘይክእል ሓንቲ መዓልቲ ከም ዘላ ግን ክስቆሮ ኣይከኣለን። ብተግባሩ ውድቀቱ የቀላጥፍ ከም ዘሎ ዝርዳእ’ውን ኣይመስልን። ኣወዳድቕኡ ድኣ የጸብቆ’ምበር ውድቀቱ ይቃረብ’ዩ ዘሎ። ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ጠብሎቕ ምባልን ሓዊ ምጽሕታርን ስለ ዘይገድፍ ከኣ ለካሚኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ግፍዕታት ብተደጋጋሚ ምግላጽ ጥራይ ናብ ዓወት ምብጻሕ ከም ዘይከኣል ከኣ ካብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝኣክል ትምህርትን ተሞክሮን ኣዋህሊሉ ኣሎ ህዝብና። ህግደፍ፡ ንብዙሓት ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ’ውን ከረኻኽበሎም ይጽዕር’ዩ ዘሎ። ጅ15ን ጅግና ወዲ ዓሊን፡ ነዚ ስርዓት ኣልዮም፡ ብግዝኣተ-ሕጊ ዝምራሕ ለውጢ ንምምጻእ ዘካየድዎ ፈተነ ክዕወት’ኳ እንተዘይከኣለ፡ ንህዝብና ዘበራበረን ዝመሃረን፡  ጅግንነት ህዝብና ተደጒሉ እምበር ከም ዘትጠፍአ፡ ዝጋልሆን ዘናኽሶን ይጽበ ከም ዘሎን ዘመላኽት ኢዩ። ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ምልጋስን ዓወት ምቅልጣፍን ዝከኣል ግን ደለይቲ ፍትሕን ውዱባትን ዝፈላልን ዘስሓሕብን ሓሳባት ምውንዛፍን ንኩሉ ዘስማምዑ ነጥብታት ምስምማዕ ግድን’ዩ ዝኸውን። ዓወት ዓወት’ያ ትጨኒ ዘላ መሬት! ድሕሪ ዓወት ቀዳምነት ዝወሃቦ፡ ንቕሓቶምን ክእለቶምን ብተግባር ዘመስክሩ መንእሰያት ምህናጽ’ዩ ዝኸውን።  ክሳብ ምህናጽ ዝከኣል ግን፡ ሓላፍነት ናብ ክእለት ዘለዎምን ብህዝቦም ዝግደሱን ዝውፈዩን ዜጋታት’ዩ ዝወድቕ። መሰረቱ ከኣ፡ ‘ንህዝቢ ብህዝቢ!’ ዝብል ናይ ኣብርሃም ሊንኮን ፍልስፍና ዝተኸተለ ክኸውን ምጽዓርን፡ ህዝቢ ዝደልዮን ምስ ዓቕሙ ዝኸይድ ምዃኑን፡ ብተሳታፊነት ዝዋሳኣሉን ዝምዕብልን ዝመሓየሽን ከኸውንን ዝብል ዕላማ ዝበዝሕ ደላይ ፍትሒ ክሰማምዓሉ ዝኸብድ ኣይመስለንን።

ናይ ኢሳያስ ጽላለ ደረት ከም ዘይብሉ ምዝካር ግን ኣድላዪ ኢዩ። ንሃገርና ናብ ምንታይ ክልውጣ ከም ዝሓስብ እንድዒ። ህዝብና እንታይ መሲሉ ከም ዝረኣዮ’ውን እንድዒ! ኢሳያስ ምስ ሞት ከይተረፈ ኣተሓባባእ ዝጻወት ጋኔን’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ነዛ ነፍሱ’ውን  እንታይ ከም ዝሓዘላ እንድዒ!  ጽላለ ይቕጽሎ’ዩ ዘሎ (He’s spiraling out of control)ዕሸላት ደቂ ህዝቢ፡ ንዕዑ ከገልግሉ ከም ዝተፈጥሩ፡ ከይምሃሩ ከልኪሉ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዳጒኑ ዕድምኦም የብልዮ ኣሎ። ህዝብና ካብ ዝሓለፈ ተማሂሩ መሰሉ ከኽብርን ህልውንኡን ውሑስ ክገብር ዝኽእል፡ ምስ ግዜን ኩነትን ተቐዳዲሙ፡ ተወሳኺ ዓወት ኣመዝጊቡ፡ ንቕድሚት ክስጉም ከሎ ኢዩ። ደቂ ህዝቢ!  ጅግንነቶም ዘመስክሩላ፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣላ። ግዜ ኣፋልጢ ኢና በጺሕና ዘለና! ‘ሎሚ ሓዲኣ ኣፍልጠኒ! ክ-ሓ-ድ! ወይ ው-ላ-ድ-ኪ-የ! በለኒ’ ኢያ ትብለና ዘላ እዛ ሓላል መሬት። ‘ቅዱም ኣይትኹን! እናበለ ዝቕደም ነፍሲ ኣይሃበና! ኣብ ዓወት የራኽበና።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ህዝብና ነናብ ገዝኡ ክምለስ።

ምስሉ ተኪኤ ሚይዝያ 15, 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde April 18, 2018

    It is a stark depiction of the state of a nation which is spiraling out of control like the character of its leader who took the helm without the consent of the people.

POST A COMMENT