Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ – ህዝባዊ ጻውዒት ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝታይ

ERITREAN SNEET ASSOCIATION ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ الإريترية سنيت جمعية   ህዝባዊ ጻውዒት ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ናይ ሰላም ውዕል እናደገፈ፤ “ምድማር” ዝብል ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ኣምርን፡  ጻውዒትን ጌርካ፣ ኤርትራውያን መራሕቲ ከምተሳእኑ ናይ ኤርትራ መንግስቲ

ERITREAN SNEET ASSOCIATION

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ

الإريترية سنيت جمعية

 

ህዝባዊ ጻውዒት

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ናይ ሰላም ውዕል እናደገፈ፤ “ምድማር” ዝብል ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ኣምርን፡  ጻውዒትን ጌርካ፣ ኤርትራውያን መራሕቲ ከምተሳእኑ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ናይ ምሕደራ ስልጣን ናብ ካልእ ናይ ጎረቤት መራሒ ብምስግጋር ዝተገብረ ናይ ክሕደት ስጉምቲ ንምቅዋምን፣

  1. ንኩሎም ናይ ሕልናን፣ ናይ ፖለቲካ እሱራትን፣ ብዘይ ቅድመኹነትን፣ ብዘይ ሎሚ ጽባሕን ሕጂ ንክፍትሑን፣ ካብ ሕጂ ንንየው ዝኾነ ዜጋ ብዘይ ክሲ ከይእሰርን፣ ተጨውዩ ከይውሰድን፣
  2. ብዘይካ ስሩዕ ሰራዊት፣ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” መራሕቲ ዘሎ ኩሉ መንእሰይ-ወተሃደር ብዘይ ሎሚ ጽባሕ ሕጂ ነንዓዶም ክምለሱን፣
  3. ህዝብና፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ንወጻኢ ንምኻድን፣ ብዘይ ገደብ ናብ ድላዮም ክንቀስቐሱን፣ ክጽሕፉን፣ ክእከቡን፣ መፈሳዊ እምነቶም ብነጻ ብዘይ ሎሚ ጽባሕ ሕጂ ከምልኹን፣
  4. ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል፣ ኣብ ግዳም ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መስርሕ ቅዋም ሃገር ብዝተዋሕሰ መንገዲ ብዘይ ሎሚ ጽባሕ ሕጂ ክስለፋን፣
  5. ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ዜጋ ትእዛዛት ተቐቢሎም ከየተግብሩን፣ ብመስውእቲ ጀጋኑ ዝተረኽበት ሃገር ብጅግንነት ክከላኸሉን፣ ንምጽዋዕ፡-

ኩሎም ደላይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሳንድየጎን፣ ሎስ ኣንጀለስን፣ ኦረንጅ ካውንትን፣ ሳን በርናርዲኖን፣ ፊኒክስ ኣሪዞናን፣ ቱሳንን፣ ኣብ ከተማ ሳንድየጎ ንቐዳም 21 ሓምለ 2018 ኣብ ኮርትያርድ መርያት 595 Hotel Cir S, San Diego, CA 92108 at 2:30 PM ተኣኪብና ኣብ ክንዲ ህዝብና ኵይንና ንመንግስቲ ኤርትራ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ጠለባት ህዝቢ ብቕጽበት ከተግብር ብስም ህዝብና ናይ ጸቕጢ መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ

ሓምለ 17, 2018

 

ERITREAN SNEET ASSOCIATION

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ

الإريترية سنيت جمعية

Public Announcement

The Eritrean Sneet Association in San Diego (ESA) supports of the peace Agreement signed between Eritrea and Ethiopia, but we oppose the undefined concept of “Summation” “Medemer”, and the unauthorized treasonous transfer of power to a foreign leader instead our own. ESA-SD therefore calls for a public meeting:

  1. To immediately release all political, and prisoners of conscience; and to stop future arrests and kidnappings without due process of law
  2. To rehabilitate all soldiers in the “National Service” and immediately return them home where they belong
  3. To Immediately allow freedom of speech, the press, assembly, faith and allow freedom of movement within the country and exiting overseas.
  4. To immediately Introduce a Constitutional system of government, and call for an immediate guaranteed return of all political organizations and activists in the Diaspora to participate in the process
  5. To alert the military and other public servants to not obey orders from foreign entities, and must oppose and die in defence of the nation brought about by your fallen comrades.

We hereby call all Eritrean Justice Seekers in San Diego, San Bernardino Los Angeles, Orange County, Phoenix AZ, and Tucson AZ meet in the city of San Diego CA on Saturday July 21, 2018 at the Courtyard Marriott-595 Hotel Cir S, San Diego, CA 92108 at 2:30 PM to speak our people’s behalf pressure the government of Eritrea to implement the demands stated above.

Eritrean Sneet Association

July 17, 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT