Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማእዶ ምስ ዝሓብር፡ ኣንበሳ ይኣስር፡ – መጋርጃ ይቀንጠጥ 22፡

መጋርጃ ይቀንጠጥ 22፡ ማእዶ ምስ ዝሓብር፡ ኣንበሳ ይኣስር፡ መጋረጃ ይቅንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ ክንደይሻዕ ኽንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ ይኣክል ናይ ብርዒ ይገለጽ ኣስማቱ። ማእዶ ምስ ሓበረ ኣንበሳ ኣሰረ ማእዶ ምስተበተነ በበይኑ ሓሰረ ማእዶ ተኣኪቡ ኣንበሳ ካብ ኣሰረ ዝሓበረ ዜጋ ነጻነት

መጋርጃ ይቀንጠጥ 22፡
ማእዶ ምስ ዝሓብር፡ ኣንበሳ ይኣስር፡
መጋረጃ ይቅንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ
ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ
ክንደይሻዕ ኽንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ
ይኣክል ናይ ብርዒ ይገለጽ ኣስማቱ።
ማእዶ ምስ ሓበረ ኣንበሳ ኣሰረ
ማእዶ ምስተበተነ በበይኑ ሓሰረ
ማእዶ ተኣኪቡ ኣንበሳ ካብ ኣሰረ
ዝሓበረ ዜጋ ነጻነት ኣዕተረ
ሓቢሩ ክዛረብ ንዓለም ነገረ
ቁምነገር ኣብሕብረት ኣምስከረ
ዝሓበረ ህዝቢ ዝደለዮ ገበረ።
ዓወት የለን ብሓደ ኢዱ ዘጣቕዔ
መንእዩሞ! ብሓደ ኢዱ ዘድምዔ
ፍረኡ ንኽረክብ ዝበቕዔ
ድምጹውን ይኣቱ፡ ኣብ ዝነቅዔ
መን ድኣዩ በይኑ ዘጣቕዔ
ነለልዮ ጉድለታትና ምጥቓዔ
ንበገስ ብክልተ ኢድና ነጣቕዔ
ንለዓዓል ብክልተ ብኢድና ነጣቕዔ
ኢድና፡ ተደማሚሩ ሓይሉ ጸንዔ
ማፍያ ህግደፍ፡ ቀልጢፉ ከብቅዔ።
ተራእዩ ሓይሊ ሓድነት ኣብ ዲሲ
ንናይ ህገደፍ ሰልፍታት ኣፍራሲ
ኣብ ዋሺንግቶን ዝተረኽበ ገስጋሲ
ማእዶ ንኽድልድል ኣብቲ ፈልሲ
የድልዮ ድኹዒ ነቲ ማእዶ ንኽሰሲ
ኣጆኻ ንበሎ ንመንእሰይ ጠሓሓሲ
ንኾስኩሶ መንእሰያትና ክኸውን ቀላሲ
ማእዶ ተጠርኒፉ ንሓድነት ኣበጋሲ።
ይኣክል ፍልልያት ዝሓለፈ
ብዙሕ ኣሎ ኣብዘይ ሰዓቱ ዝተቐዝፈ
ሃረርታኡ ነበረ፡ ብሉጽ ዝሃርፈ
ድልየቱ ከይረኸበዶ! ህዝብና ተኾልፈ
ይኣክል! ይኣክል! ይኣክል! ዝሓለፈ።
ክንደይ ስድራቤት’ዩ ፈራሪሱ
ለባም ከሎ፡ ከም ህጻን ንኢሱ
ህዝብና ንኸይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱ
ነቒጹ ኸሎ ይብሃል እንሆ ርሒሱ
ጥምየት በርቲዕዎ ይነብር ተፋሒሱ
ጽመዋ በርቲዕዎ ኣራዊት ኣንጊሱ
ስጋ ሰብ ዝቐለቡ ገና ብንእሱ
ደጋጊሙ የብሎ ንህዝብና ኣነ ንሱ።
ወለዲ ስኢኖም ንሓዘኖም ዝድብሱ
ወዘራዝር መልክዔን ተደምሲሱ
ቖናጁ ሃገርና ሓሞተን ፈሲሱ
እናርኤየኦ መንእሰይ ተደኒሱ።
ይኣኽለና መረረ ሃገርና
ይኣክል ዝሓለፈ ዕሽነትና
ንመኻከር እብዘልና ኣሊና
ቅድሚ ሰብ ባይቶ ነበረና
ቅድሚ ሰብ ኣመንቲ ንሕና
ቅድሚ ሰብ ጸሓፍት ኣብ ብራና
ይመስክር ቆሓይቶ ኮነ መጠራና
ኣዱሊስ ኮነ ዙላ ወደባትና
እንታይ ድኣ! ሎሚ ፈዚዝና
ንዘክር ደቂ መን ምዃንና።
መንእሰይ ወዲ ቆላ ኮነ ወዲ ከበሳ
ኣይነበርኩምንዶ ትብሃል ጠሓሒሳ
ኣበይ ድኣ ከደ ብኩናት በንጢሳ
ኣማቲዶ ኣይነበረን ብዓል ጋሳ
ንዓባ ሰናድርካ፡ ዓሰርተ ኣጉርሳ
መርየትና ደጋጊምና ክንሓርሳ።
ርእየዮ ሓድነት ምምቃሩ
ደቂ ሃገር ብሓደ ክምድሩ
ተኣኪቦም ብሓደ ክዝምሩ
ተሰሪዖም ኣብ ዲሲ ክጭድሩ
መቐርት ሓድነት እስከንገሩ
ዝተርፈ የለን ዓለም ተበሲሩ
ኤርትራውያን ጸገሞም ነገሩ
ዓለም ገሪምዎ ርእይዎ ምስጢሩ
መንእሰይና እግሩ ተኣሲሩ
ኣብ ዓዱ ይነብር ተቐርቂሩ
ጸገሙ ነጊሮምሉ ዝነበረ ተዓቒሩ
ክንደሻዕ ክነብር ተሰቲሩ
ሓድነት እንሆ ጸገምና ሓቢሩ
ሓድነት ከም ማእዶ ምስ ተኣስሩ
ኣንቱም ዝወዓልኩን ንገሩ! ንገሩ!
ወዲ ሰብ ኣብ ዓዱ እዩ ኽብሩ
ከምድላዩ ንኽነብር ተኸቢሩ
ናይ ሓድነት ምስጢር ተመስኪሩ
ደቂ ዓደይ ሕበሩ! ሕበሩ! ሕበሩ!
መፍያ ህግደፍ ክምሖ ካብሱሩ
በንቑርና ነውጽኣዩ ካብሱሩ።
ምልኪ ማፍያ ይፍረስ
ዓወት ይንገስ!!!!!!!!!!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
30 ግንቦት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT