Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንኣሽባብ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣብ ዶብ ሶማልን ኬንያን ተታሒዞም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ነጻ ከምዝተለቁ ወኪል ኣሰና ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንዕጡቕ ጉጅለ ሶማል፡ ኣሽባብ፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣብ ዝገበረሉ እዋን እቲ ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ተደፍአ ኣብ ዶብ ሶማልን ኬንያን ተታሒዞም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንዕጡቕ ጉጅለ ሶማል፡ ኣሽባብ፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣብ ዝገበረሉ እዋን እቲ ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ተደፍአ ኣብ ዶብ ሶማልን ኬንያን ተታሒዞም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ እድሪስ ጋማን ነጻ ከምዝተለቁ ወኪል ኣሰና ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጹ።

ጋዜጠኛ ተስፋልደት ኪዳነን ሓደ ካልእ ምስኡ ተታሒዙ ዝጸንሐ ተሓጋጋዝን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኩነታት ጥዕናኦም ዝምልከት መርመራታት ክካየደሎም ከሎ፡ ጋዜጠኛ ሳልሕ እድሪስ ጋማ ግን ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐ ይንገር።

ይኹን`ምበር ብዛዕባ ነጻ ምልቃቕ ናይዞም ካብ ፈለማ 2007 ክሳብ 18 መስከረም 2017፡ ንኣስታት 10 ዓመትን 8 ኣዋርሕን ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ጋዜጠኛታት፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።

እቲ ነዞም ጋዜጠኛታት ግዳይ ወተሃደራዊ ዕንደራኡ ዝገበሮም ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ምስ ኣሸባብ ዝገበሮ ርከብ ክሓብእ ምእንቲ ንምትሓዞም ከይተኣመነሉ፡ ንምልቃቖም `ውን ጸዕርታት ከየካየደ ርእሱ ኣብ ሑጻ ቀቢሩ ስለዝጸንሐ፡ ነጻ ኣብ ዝተለቐቑሉ ኣጋጣሚ ምጽቃጡ ዘገርም ኣይኮነን።

ዋላ `ኳ ነዞም ብምልካዊ ስርዓት ተገዲዶም ናብ ሶማል ዝተዋፈሩ ክልተ ግዜ ግዳይ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ንኽንድ`ዚ ዓመታት ምእሳሮም ምኽኑይ እንተዘይኮነ፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት ን 16 ዓመታት መመላእታ ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ብሕቲ ኤርትራ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብታ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ዝተኣሰሩላ ዕለት 18 መስከረም እዞም ክልተ ጋዜጠኛታትን ተሓጋጋዚኦምን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምፍትሖም፡ ነቲ ሕሉፍ ጭካነ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ መሊሱ ዘቃልዕ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Gezae October 8, 2017

    Evert thing’s going be OKay. So our road is all to the mother land.

POST A COMMENT