Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልክታ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ካናዳውያን እዚ ናይ ሕጊ ሕቶ’ዩ

ክሳብ ሕጂ ስርዓት ህግደፍ፡ ብድሌት ወይ ግዴታ ኣብ ውራዩ ክትሳተፉ ኣብ ዘይትኣምንሉ ንጥፈታት ክትዋስኡ ከገድደኩም ጸኒሑ። ንስኹም ከኣ፡ እንተስ ብፍርሒ ወይ ጉርሒ ዝተሓተትኩሞ ክትገብሩ ጸኒሕኩም። ብ2 ሰነ፡ ነቲ ካብ ዲፕሎማስያዊ መዝነቱ ወጻኢ ብምሕላፉ፡ ናይ ካናዳ ሕጊ

ክሳብ ሕጂ ስርዓት ህግደፍ፡ ብድሌት ወይ ግዴታ ኣብ ውራዩ ክትሳተፉ ኣብ ዘይትኣምንሉ ንጥፈታት ክትዋስኡ ከገድደኩም ጸኒሑ። ንስኹም ከኣ፡ እንተስ ብፍርሒ ወይ ጉርሒ ዝተሓተትኩሞ ክትገብሩ ጸኒሕኩም።

ብ2 ሰነ፡ ነቲ ካብ ዲፕሎማስያዊ መዝነቱ ወጻኢ ብምሕላፉ፡ ናይ ካናዳ ሕጊ ብምጥሓሱ ከምኡ ውን ብው.ሕ.ሃ. ዝተበየነ ሕጊ ብምርጋጹ፡ ካብ ካናዳ ዝተጠረዘ ቆንስል ህግደፍ ንምፍናው ተኣኪብኩም ኔርኩም። ካብዞም ኣብዚኣ ዘለኹም: እቶም 90 ሚእታዊት፡ በቲ ካናዳ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ሕጉሳት ምዃንኩም ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ፡ ኣብ ጠመተ ህግደፍ ከይትኣትዉ፡ ተደናገጽቲ ክትመስሉ ኣብ ግዜ ምፍናው ተረኺብኩም ኔርኩም።

ክንዛረበሉ ደሊና ዘለና ኣርእስቲ ግን እዚ ኣይኮነን፡ ወጥርታትኩም ስለነስተብህል ነዚ ተሳትፎ’ዚ ኣሉታዊ ጠመተ ውን ክንህቦ ኣይንደልን።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝቐረበ መደረን ሓሳባትን ብጥብቂ ከምንከታተሎ ከነገንዝብ ንፈቱ።

ህግደፍ ካብ ማፍያ ዘይፍለ ህይወት ንጹሃት ዜጋታት እናህለቐ መኽሰቡ ከኻዕብት ዝፍትን ኩባንያ’ዩ።ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራን ሃገርና ኤርትራን ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ስርዓት’ዩ። ነዚ እከይ ተግባራት ንምትግባር ዝተሓጋገዝዎ ቀንዲ ባእታታት ከኣ እሙናት ኣባላት ህግደፍ’ዮም። እዚኦም ብኣጻብዕ’ዮም ዝቑጸሩ፡ እንተኾነ ንህዝቢ እናፈራርሑ፡ ኣብ ውራዮም ከምዝሳተፍ ብምግባር ተንኮላዊ ኣጀንድኦም ኣብ ምዝራእ ይርከቡ ኣለዉ።

እዞም ፍጮ ሕብረተሰብ ኣብቲ ብ2 ሰነ ዝወደብዎ ናይ መፋነዊ በዓል ዘቕረብዎ መግለጺ ሰሚዕኩሞ ኢኹም። ብኣካልኩም ኣብኡ ተቐሚጥኩም ስለዝነበርኩም። ነዚ ካናዳ ኣብ ልዕሊ ቆንስል ህግደፍ ወሲዳቶ ዘላ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ንምቅዋም ኣብ ኦተዋ ከይድኩም ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብሩ፡ ኣብቲ ንሶም ኣትዮሞ ዘለዎ ናይ ጭቃ ታኼላ ክትሽመሙ ዝጉስጉስ’ዩ ኔሩ። ሕጂ ውን ገለ ብፍርሒ ገለ ውን ብጉርሒ ናብቲ ዝውድብዎ ሰላማዊ ሰልፊ ክትሳተፉ ትኸዱ ትኾኑ። እንተኾነ፡ ሳዕቤን ናይዚ ኣጸቢቕኩም ምእንቲ ክትርድእዎ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ንሓደ ሕጊ ብምጥሓሱ ካብ ካናዳ ዝተጠረዘ ሰብ ደጊፍካ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር፡ ኣብ ትዕዝብቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መዝገብ ታሪኽኩም ጸሊም ነጥቢ የቐምጥ’ዩ። ሕጊ ካናዳ ክርገጽ፡ መሰል ሰባት ክግሃስ ድሌትን ባህግን ከምዘለኩም ብሰልፊ ትገልጹ ከምዘለኹም ይምስክር’ዩ። ዘይሕጋዊ ስራሕ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ካናዳ ክቕጽል ትጽውዑ ከምዘለኹም ዘርኢ’ዩ።

እዚ ናይ ሕጊ ሕቶ’ዩ። ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጉዳይ ፈጺሙ ዝተፈልየ’ዩ። ናይ ደገፍ ወይ ተቓውሞ ሕቶ ኣይኮነን። ብዘይካ ስምኩም ምምርሳሕ ኣብ ኦተዋ ብምኻድ ትቕይርዎ ነገር የለን። ተጣበቕቲ ናይ ዘይሕጋዊ ስርሓት፡ ከምኡ ውን ኣንጻር ሕግታት ካናዳ ደው ክትብሉ ተዳሊኹም ከምዘለኹም ንመንግስቲ ካናዳ ንጹር ስእሊ ክህቦ’ዩ።

ሳዕቤኑ ረዚን፡ ሰራውሩ ድማ ነዊሕ’ዩ። ብህይወትኩምን መጻኢ ህይወት ደቅኹምን ምጥላዕ ምዃኑ ኣስተውዕሉ።  ነቲ ኣብ ግዜ ምቕባል ካናዳዊ ዜግነት ዝማሓልኩምሉ ረዚን ሕጊ ብወግዒ ተፍርስዎ ከምዘለኹም ኣስተብህሉ።።

ብሓጺሩ፡ ኣብዚ ወይጦታት ህግደፍ ዝውድብዎ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፊ ምስታፍ ንሓዋሩ ዘጣዕስ ከቢድ ሳዕቤን ከምዘለዎ ፍለጡ።

ስለዚ፡ ኣብ ቀራና መንገዲ ኢኹም ዘለኹም። ወይ ምስ ህግደፍ ተጸጊዕኩም ናብ መንገዲ ጥፍኣት ኣምርሑ፡ ወይ ድማ ኣብ ጎድኒ ፍትሒ ደው ኢልኩም ውሕስነት መጻኢኹም ኣረጋግኡ። እቲ ምርጫ ናትኩም’ዩ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ካናዳውያን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • solomon June 22, 2013

    Wey fekera bitaemi zehizin eyu discriminetion zibehal alo deki abeti

POST A COMMENT