Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገርናን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ? ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም – 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/11/ዞባዊ-ምምሕዳራትን-ጽገናዊ-ለውጥን-5ይ-ክፋል-1.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you November 7, 2014

    ኽቡር ኣንቶንዮ ተስፋይ ኣዝዩ መሓሪን ኣገዳስን ታሪካዊ ሰንድ ኢኻ ኣቅሪብካልና ስለቲ ጻእርኻን ድኻምካን ኣምላኽ ኣስብኻ ይክፈለካ ይባርካ´ከኣ ብቅድሚያ እብል።
    ኣንቱም ሰባት ዝገርም እኮ እዩ ናይ ሕግደፍ ነገር። ብዘይምኽንያት እኮ ኣይኮነን “ካብ በኣል ጣፍ በኣል ኣፍ” ድተባሃለ። ሕሰቡሞ ነዚ ክቡር ሓውና ኣንቶንዮ ተስፋይ ብጭቡጥ ንዘንተወልና ናይ ተጋዶሎ ሓርነት ኤርትራ ለባም ናይ ኣመሓድራ ኣተሓሕዛን ስልቲን ምስተኣዘብኩ ብፍላይ ሕዝብና ሙሉእ ኣፍሪካ ከይሰልጠነ ብሕጊ እንዳባ እናተመርኸ ክሳብ ክንደይ ብፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ እናተመርኽ ዝማሓደር ዝነበረ ክሳብ ክንደይ ስልጡን ሕዝቢ ከምዝነበረ ካብቶም ኣቦና ባሻይ ገብረእግዚኣብሔር ተሰማ ዝሓብዎ ቃለ መጠይቕ ነቢብካ ብቀላሉ ምርዳእ ይከኣል እዩ። ሕግደፍ ግን ነቲ ዝነበረ ታሪክን ስልጣኔን ከምዘይነበረ ኣሕሲሱ፣ ታሪኽ ሰረሕትን ቀንዲ ደቀባትን እንከለዉ ታሪክ ጠማዚዙን ሕግ ኣፍሪሱን፣ ናይ ሓዲሽ ዘይንፈልጦ ታሪኽ ጎብለል ከከውን ምጽኣሩ ምስምንታይ ይቁጸር?
    ብዘይ ቀለዓለም ካብቲ ሕግደፍ ብ7 ትርጉም ዘይብሉ ዞባታት መቃቂሉ ካብዝሓነጾ ናይ ምምሕዳር ካርታን ዝከተሎ ዘሉ ወገናዊ ናይ ስልጣን ክፍፍፍልን፣ እቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ12 ሕዝባዊ ምምሕዳር ዞባታት ከፋፊሉ ከማሓድሮ ፈቲንዎ ዝነበረ እቅድን፣ ሻራ ዘየብሉ ናይ ስልጣን ክፍፍፍልን ብሚኢቲ ኢድ ይሓይሽ ክብል እደፍር። እዚም ስለዝነበረ እዩ ዳርጋ ኤርትራ ብሓጸር ግዜ ሙሉእ ሓራ ንክትወጽእ ኣብዝተቃረበትሉ ዕዋን፣ ኢሳያስ ናይ ስልጣን ሕርፋኑ ንምርዋይ ካብዘለዎ ስስእ ኣብልእሊ ተ.ሓ.ኤ ምስ ተጋሩት ወጊኑ ሕድ ሕድ ውግእ ብምጅማሩ ነቲ ቀሪቡ ዝነበረ ነጻነት ብምኩላፍ ከምድናዋህ ዝገበሮ። ዝኾነ ኾይኑ ሕግደፍ ካብ ኣድና ምስተጛሓፈ እንተተከኣለ በቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ ዝሓንጸጾ ፩12 ዞባታት፣ ተዘይኮይኑ ከምቲ ቀደም ዝነበሮ ወይ ከኣ ሕዝቢ ብሓባር ብተስማማ ኣሉ ሓድሽ ምምሕዳር ዞባታት እንበር በዚ ሕግደፍ ዝሓንተሶ ዞባታት ክንቅጽል ከምደይኮና ንኹሉ ከበርሃሉ ኣለዎ።
    ኣብ መወዳእታ ንኣንቶንዮ ተስፋይ ክብሎ ዝደልይ ኣብታ ድምጺ ኤርትራውያን ትብል ካብሲውዲን ተመሓላልፋ ዘለኻ ናይ ተሌቪጅን ፕሮግራም ብዙህ ሰብ ፈሊጥዋ ይከታተልዋ ስለዘየለ፣ ምእንቲ ኣድማኢነት ንክሕልዋ ኩሉኹም ጋዜጠኛታት ኣብ ክንዲ ናይ ውድብኮም ወይ ናይ ውልቅኹም ማስ ሚዲያ ብምግባር ነቲ ትቀርብዎን ትደልይዎን ሰብ ጥራይ ብምቅራብ ነቲ ትጸልእዎ ስብ ድማ ዋላ ፍልጠት ይሃልዎ ብምንጻግ ክንድይ ክትበጽሕዎም ዘይከኣልኩም ሙሑራትን ለባማትን በከንቱ ይሃልፉና ስለዘለዉ፣ ካብ ኩለ ንደልዩ ፍትሓዊ ስርዓት ብሰንኪ ሰኣን ቅንእናን ፍልጠትን ጊዜ ብከንቱ ይናዋሃና ከምደሎ ተኣዚብኮም፣ ጉዳይ ሀገር ጉዳይ ውልቀ ሰብ ወይ ከኣ ጉዳይ ሓደ ውድብ ከምደይኮነ ፈሊጥኮም ኩሉኹም ጋዜጠኛታት ብሃባር ልክእ ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ ተቃወምቲ ዘለዎም ናይ ሳተላይት ቴሌቪዥን ጣቢያ (ኢሳት)ESAT ኣይነት ናይ ቴሌቪዥን ጣብያ ከፊትኩም፣ ካበብዘለኹሞ ኣዲ ሙሑራትን ለባማትን እና ኣደምኩም ንሕዝቢ ንከተንቅሁ ሓድነቱ ንምድልዳልን ተትጽእሩ ጽቡቕ ይመስለኒ። እንተተይኮይኑ ግን እዚ ሕዝቢ ቀስ ኢሉ እናተከፋፈለ ናቱ ዝኾኑ ሰበስልጣናት ጥራይ ደይኮነ፣ ናይ ደቅ ኣዱ ውድብ፣ ማስ ሚድያ፣ ደረፍቲ፣ በት ምግቢ ካብዚ ሓሊፉ ቤተ ክርስትያናትን መስጊድን ከይከፍት ስለዘስግእ፣ በዚ ድማ መፍትዎ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ኢሳያስ ኮይና ንከይንተርፍ በጃኹም ብሓባር ገለ ግበሩ፤ ስርሁ።
    ኣብመወዳእታ ኣንቶንዮ እዚ ኣቅሪብካዮ ዘለኻ ኣገዳሲ ትምሕርቲ ኣብ ክንዲ ብርእይቶ መልክእ ብናይ ኣስተምሕሮ መካት ኢ መልኽእ ተተቅርቡ ሕዝቢ ብዝያዳ ኣንቢቡ ትምሕርቲ ክረኽበሉ ምከ ኣለ ብኃላይ እዬ። ምኽንያቱ ሕዝብና ይርተፍ ሪኢቶ ነዊሑ ናይ ኣስተምሕሮ ጽሁፍ ይኹን ዜናም ተነውኸ ፣ ዋላ ሽህ ግዜ ቁም ነገር ይሃልዎ ብ ኣቕሊ ከንብብ ዘይክእል ሰነፍ ሕዝቢ ስለዝኮነ።

POST A COMMENT