Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስጋና ንተኻፈልቲ ሓዘና

ብምኽንያት ሞት ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን በዓል ቤተይን ፣ ኣቦናን፣ሓውናን ጸሃየ ኣውዓሎም ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ካብ ርሑቕን ቀረባ ፣ ብዝተፈላለየ መጎዓዝያ ተጓዒዝኩም ፣ ብኣካል ዝተኻፈልኩም ፣ ኣብ ገዛና ብምምጻእን፣ተለፎን ብምድዋልን ፣ ተኻፈልቲ ሓዘና ብሙዃን ዘጸናናዕኩሙናን

ብምኽንያት ሞት ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን በዓል ቤተይን ፣ ኣቦናን፣ሓውናን ጸሃየ ኣውዓሎም ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ካብ ርሑቕን ቀረባ ፣ ብዝተፈላለየ መጎዓዝያ ተጓዒዝኩም ፣ ብኣካል ዝተኻፈልኩም ፣ ኣብ ገዛና ብምምጻእን፣ተለፎን ብምድዋልን ፣ ተኻፈልቲ ሓዘና ብሙዃን ዘጸናናዕኩሙናን ዘተባባዕኩሙናን፣ ኣሕዋትናን ፈተውትናን ስለ‘ቲ ዘርኣኹምና ሕውነትን ፍቕርን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ብልቢ ነመስግን።

ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣበባ ኣርኣያ ፣ ደቆም ያነት ጸሃየ ፣ሆሚብ ጸሃየ ምስ ምሉኣት ቤተ ሰብ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Ogbai August 19, 2019

    RIP tኣታ እዛ ሞት መዓስ’ያ እትመውት ወዲኣትና’ኮ ብብሓደ ጽንዓት ንኩሉም ደቂ እባይ ኣውዓሎም ስድራ ቤትን
    ሓውኩም ዑቕባይ ተ/ማርያም ሃገረ ካናዳ

  • Stefanos Temolso August 23, 2019

    ምስ ክቡር ሓው ጸሃየ ኣዎኣሎም፡ ካብ 1972 ብጕዳይ ቃልሲ ናብ ባህርዳር ምስ መጽኣና እየ ዝፋለጥ። ሽዑ ክዝርጋሕ ዝግብኦ መጽሔታት ሒዙ ከም ዝመጽአ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝዝክሮ። ኣብ ባህርዳር ምስ ተቐበልኩዎ ድማ ናብታ ዝሰርሓላ ዝነበርኩ ኣብ ገምገም ቀላይ ጻና ትርከብ ንእሽቶ ቍሸት ሒዘዮ ብምኻድ ክሳዕ ዓርቢ ማለት ጃልባ ክሳዕ ትመጽእ ምሳይ ቀንዩ። ድሕሪኡ ብዝተፈጥረ ንሜዳ ክኸይድ ከሎ ኣነ ግን ኣብ ሓምለ ሰብዓን ሓሙሽተን ኣብታ ዝኣምነላ ዝነበርኩ ውድብ ተሓኤ ክስለፍ ኢለ ክረምቲ ምድሪ ካብ ላምዛ ሰሓርቲ ጀሚረ፡ ምሉእ ጽልማ ክሳብ ከባቢ ዓዲ መንጎቲ ኰሊለ። የግዳስ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ዝረኸብኩዎ ሓላፊ “ምስላፍ ደው ኢሉ እዩ ዘሎ፡ ከም ቀደምካ ኣብ ከተማ ኢኻ ክትጸንሕ” ዝብል መልሲ ሂቦምኒ። ኣነ ግን ክስለፍ ኢለ ስራሕ ጠንጢነ ስለ ዝመጻእኩ ኣይፋል’ኳ እንተበልኩ ዝሰምዓኒ ኣይረኸብኩን። ነቲ ዛንታ ንምሕጻር ከም ሳዕቤን ብፍሉይ ኵነታት ኣብ ህሓሓኤ ተሰሊፈ። ናብ ቀንዲ ኣርእስተይ ክምለስ፡ ነፍስሄር ጸሃየ ካብቶም ኣዝየ ዘድንቖም ተቓለስቲ ኮይኑ፡ ኣመና ቅኑዕ፡ ለዋህ፡ በሊሕ ኮታ ኣሎ ዝብሃል ቅጽል ዝግብኦ ክቡር ብጻይ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ። ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ተጣፊእና ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ደሃየይ ምስ ረኸበ ካብ ዝነብረሉ ከተማ ብሬመን ደዊሉ ረኺቡኒ። ድሕሪኡ ቀጻሊ ንደዋወል ኔርና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግዜ ምሕታም መጽሓፍ ሮዛን ሰሌን’ውን ምሳይ ኰለል ክብል ቀንዩ። ኣብ ገዝኡ ቀንየ፡ ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ፍቑራት ደቁን’ውን ክላለ ዕድል ረኺበ። ቀጻሊ ንደዋወል ከም ዘይነበርና ብዛዕባ ዜና ዕረፍቱ ሃንደበት ኣብ ኣሰና ምስ ረኣኹ ጸሃየ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ካልእ ጸሃየ ክኸውን ኣለዎ ጥራይ ኢለ ብዙሕ ኣይተገደስኩን። ቅንይ ኢለ ኣብ ናይ ምስጋና ጽሑፍ ስም ናይ በዓልቲቤቱ ምስ ኣንበብኩ ግን እምብዛ ሰንቢደ። ነዒንተይ ክኣምነን ኣይከኣልኩን። ሓሲበ ሓሲበ ድማ ምናልባት ቴለፎኑ ኣበባ ሒዛታ ትህሉ ብምባል ናብ ኣበባ ደዊለ። በጋጣሚ ኣሸበሸብ ኢላ ከይዓጸወታ ስለ ዝጸንሐት ድማ ጽንዓት ይሃብኪ ክብል ዕድል ረኺበ። ኣብ ቀብሪ ክርከብ ዘይምኽኣለ ገና ዘይወጻለይ ጓሂ እዩ። ጸሃየ ንክብርቲ በዓልቲቤቱን ደቁን፡ ኣሕዋቱን ጥራይ ዘይኮነ ንኹላትና እዩ ተፊኡና። ትማሊ ትማሊ ዱጭ ዱጭ ክብል ዝረኣኹዎ ዓርከይ ሃንደበት ክጠፍኣኒ ፈጺመ ኣይተቐበልኩዎን። ብዝኾነ ዝግበር ነገር ስለ ዘየሎ ደጊመ ንዑኡ መንግስተ ሰማይ ከዋርሶ ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ድማ ጽንዓት ይሃብ እብል።

POST A COMMENT