Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምንቅስቓስ ኤርትራውያን “ይኣክል” ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን

ምንቅስቓስ ኤርትራውያን “ይኣክል” ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን   ጸብጻብ ኣብ 06 ግንቦት 2019 ናይ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣኼባ ለስተር ልዕሊ ሚእቲ ተሳተፍቲ ዝተረኽብሉ ብውዕዉዕ ሃገራዊ ስሚዕት ኢዩ ተኻዪዱ። ዳርጋ መብዛሕትኦም ሓደስቲ ስደተኛታ ኰይኖም ጣዕሚ ህይወት ተነፊግዎም ኣብ ባርነት

ምንቅስቓስ ኤርትራውያን “ይኣክል” ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን

 

ጸብጻብ ኣብ 06 ግንቦት 2019 ናይ ዝተኻየደ ኣኼባ

ኣኼባ ለስተር ልዕሊ ሚእቲ ተሳተፍቲ ዝተረኽብሉ ብውዕዉዕ ሃገራዊ ስሚዕት ኢዩ ተኻዪዱ። ዳርጋ መብዛሕትኦም ሓደስቲ ስደተኛታ ኰይኖም ጣዕሚ ህይወት ተነፊግዎም ኣብ ባርነት ኣገልግሎት ዝነበሩ ኣጓብዝ ኢዮም።

ባህልና ብምኽታል ኣኼባ ለስተር ብጸሎት ኢዩ ተጀሚሩ – ናይ ክርስትናን እስልምናን ሃይማኖታት ናይ ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታው። ብድሕሪዚ፡ ፈላሚት ሽማግለ ዘዳለዎቶ 12 ንጥብታት ዝሓዘ ‘ኣጀንዳ’ በብሓደ ምስ ተዘሪበሉ ብተሳተፍቲ ብምሉእ ድምጺ ጸዲቑ።

ሓደ ካብቲ ኣተኩሮ ዝተዋህቦ ንጥቢ ዝኽሪ ሰማእታትና ኢዩ። ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሰሃራን ኣብ ብሕርን ዝጠፍኡ፤ ብኣሸበርቲ ተታሒዞም ኣመንቲ ክርስትና ብምዃኖም ዝተቐትሉ፤ ህዋሳት ኣካላቶም ዝስኣኑ ከምኡውን ዘስካሕልሕ ግፍዒ ዘጋጠመን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብምዝካር ናይ ሕልና ጸሎት ተኻዪዱ።

ብድሕሪዚ ኣኼባ ብምክብባርን ብውርዙይ ኣመላልሳን ክካየድ ከምዘሎዎ ኣብ ዝእምት ኣገባብ ኩሉ ተሳታፋይ ተሰማሚዕሉ።

እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ እኼባ ግና ዘተ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርናን እጃም ኤርትራውያን ኣብዚ ናይ ‘ይኣክል’ ጎስጓስ እንታይ ክኸውን ኣሎዎ ኣብ ዝብሉ ንጥብታት ኢዩ ነይሩ። መበገሲ ክኸውን ብማለት ሓደ ጽሑፍ ብዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል ቀሪቡ ነይሩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብቲ ዝቐረበ ጽሑፍ ዝነበሩ ነጥብታት ብምምርኳስ ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዶም።  ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ህዝብና ካብ ኩሉ ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ይርከብ ምህላዉ ብምግንዛብ ኩሉ ኤርትራዊ ተሓባቢሩን ተጠርኒፉን ህይወት ናይዚ ዘሎ ዲክታተረዊ ስርዓት ኣብ ምሕጻር ተርኡ ክጻዎት ከምዘሎዎ ተሳተፍቲ ተረዳዲኦም። ድሕሪ ሕጂ ጭርሖ ጎስጓስ ኤርትራዊ “ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ” ክኸውን ከምዘሎዎ’ውን ተሳተፍቲ ተማሕጺኖም። ዘንጊ ሓቂ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ስለዘላ ንዘይተረድኦ ብልዙብ ስነ-ሞጎተ ኣረዲእካ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ክዋሳእ ናይ ምግባር ተራ ናይ ኩላ ተሳታፋይ ከምዝኾነ ከኣ ተሰማሚዖም።

ኣብቲ ዝወዓለ ኣኼባ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮ ውሱን ስለዝነበረ ነዚ ብዓቢ ጎስጓስ ክእረም ከምዘሎዎ ብዕምቆት ተዘሪቡሉ።

ኣብ መወዳእታ፣ ተሳተፍቲ እዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘሎዉ  መሰማዕታትን ለበዋታትን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመሓልላሊፎም፤

  1. እዚ ብዘይ ሕጊ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ንህዝብና ኣብ ሓሳርን መከራን ሸሚምዎ ዝርከብ ስርዓት ብዘይ ውዓል ሕደር ስልጣን ንህዝቢ ከረከብ ጻውዒትና ነቕርብ።
  2. ኣኼባና ነዚ ዘሎ ስርዓት እንተኾነ ብውዲ እንተዘይኮነ ብግዲ ብህዝብና ኣብ ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ምሉእ ምትሕብባር ክንገብር ከምዝተሰማምዕና ነፍልጥ።
  3. ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሃገሩ ዲሞክራሲ እንዳለፍለፈ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይሕጋውን ጨቋንን ስርዓት ዝገብሮ ዘሎ ስዉር ምሕዝነት ከቋርጾን ኣብ ጎኒ ንዲሞክራሲ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብልን ብትሪ ንጽውዕ።
  4. ለማ መገርሳ ዝተባህለ መራሒ ክልል ኦሮሞ ዝነበረ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ምክልኻል ሚኒስተር ኮይኑ ዝተሾሞ፤ ነቲ “ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ኢዩ” ብማለት ኣብ ኣኼባ ዝተዛረቦ ምሉእ መግለጺ ክህበሉ ንጽውዕ፤ እንተ ዘረባ ለማ መገርሳ ንወደባት ኤርትራ ዝምልከት ኰይኑ ግና ዘረብኡ ኣብ ዳግማይን መወዳእታ ዘይብሉ ደማዊ ኵናት ከእትወና ስለ ዝኽእል እቲ ዘሎዎ ኣጉል ሕልሚ ከቋርጾ ኣጥቢቕና ነጠንቅቖ።
  5. ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን በቲ ዝተዋህበ ብይን መሰረት ኣብ መሬት ከይተተግበረ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ወግዓዊ ምሕዝነት ክምስረት ስለዘይክኣል ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክሕንጸጽ ነተሓሳስብ።
  6. ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰለስተ ዓመታት (1998-200) ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ብዝምልከት ዝኾነ ሰብ ብኣገባብ ኵናት ከይተቐየደ ንዝፈጸሞ ግፍዒ ተመርሚሩ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ መጸዋዕታና ነቕርብ።
  7. ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኣሕዋትና ዝዀኑ ትግራዎትን ጽልኢ ብምስዋር ዝግበር ዝኾነ ሓሳብ ይኹን ምንቅስቓስ ብትሪ ንኹንን።

 

ፈላሚት ሽማግለ

ለስተር።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT