Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕቋር !ጠንቂ ናይ`ቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ጥምየት ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ምዕቋር !ጠንቂ ናይ`ቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ጥምየት ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ካብ ኣፍ መንጢልካ ምብላዕ ኣብ ሰብን እንስሳን ዝረኤ ጠባይ`ዩ። ካብ ኣፍ  መንጢልካ ምዕቋር ግና  ኣብ ደቂ ሰብ ጥራሕ ዝረኤ ግናይ ጠባይ`ዩ። እዚ ግናይ ጠባይ`ዚ  ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት  ናይ ምጥማይ ደቂ

ምዕቋር !ጠንቂ ናይ`ቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ጥምየት

ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ካብ ኣፍ መንጢልካ ምብላዕ ኣብ ሰብን እንስሳን ዝረኤ ጠባይ`ዩ።

ካብ ኣፍ  መንጢልካ ምዕቋር ግና  ኣብ ደቂ ሰብ ጥራሕ ዝረኤ ግናይ ጠባይ`ዩ።

እዚ ግናይ ጠባይ`ዚ  ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት  ናይ ምጥማይ ደቂ ሰብ ኣብ ዓለምና ኮይኑ ምስቶም ዝተረፉ ካለኦት ጠንቅታት ከም በዓል ውግእ ….. ከኣ ዘተኣሳስሮ  ነገራት ኣለዎ ።

ፈጣሪ ነዛ መሬት ንተቀመጥታ ዝኣክል ምግቢ ኣስኒቁ ከም ዝፈጠራ ርግጽ`ዩ፤ ዝኾነ ኾይኑ እቶም ነዚ መሰረተ እምነት`ዚ  ንኣምንን ዘይንኣምንን ብሓደ ንኽንሓስብን ንፍታሕ`ቲ ጸገም ብሓደ ክንጓዓዝን ምእንቲ ፤ ብኽንፈላለየሉ ዘይንኽእል መንገዲ ማለት  ቁጽሪ ናይቶም ጾሞም ዝሓድሩን መጠን`ቲ ኣብ ኢድ`ቶም ዓቆርትን / ገበቲን  ዘሎ  ኣነጻጽርና ንርኤ። ሽዑ  ድራር`ቶም ጡሙያት  ኣብ  ኢዶም ክበጽሖ   ዘይክእል  ቦታ ተዓሺጉ ከምዘሎ ሓቢርና ከነረጋግጽ ኢና።

ብዛዕባ ሃብትን ድኽነትን ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ሃብትን ድኽነትን ደቂ ሰብ ንቆጻጸሮ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዛዕባ`ቲ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ጽጋብን ጥምየትን`የ ዝዛረብ ዘለኹ፤ ዓለምና ሎሚ ኣስታት 815 ሚልዮን ጡሙያት ኣለውዋ  ማለት ኣብ ውሽጢ 9 ሓደ ጡሙይ (UN 2017 )።

ነቶም 2 ደቃ ሓንቲ እንጀራ ዝነበራ ኣደ ሓደ ጋሻ ተጸንቢሩዎም ኣብ ክንዲ ፈፍርቆም  ሰሲሶ ሂባ ንሰለስትኦም ከተድርር ብዙሕ ትሓስበሉ ጉዳይ ኣይመስለንን !ከም ናይ`ዘን ኣደ  ኣእምሮ ዘይብሉ ሰብ ከኣ ህዝቢ ከመሓዳድር ኢሉ ክሓስብ የብሉን።

ጥምየት ክንቆጻጸሮ ንኽእል ጉዳይ`ዩ ።

ስለዚ ኣብ ሓደ መወከሲ ዘለዎ ፤ ንጥምየት ምቁጽጻር ዝተኻእለሉ፤ ተሰደቅቲ / ተመጽወቲ  ሰደቀኦም / ምጸወተኦም ዝቅበል ድኻ ዝሰኣንሉ፤ ጥምየት ክንቆጻጸሮ ንኽእል ጉዳይ ምዃኑ ዝተረገጋገጸሉ  ምዕራፍ ታሪኽ ደቂ ሰብ ደው ኢለ ንኸመይነት ምቁጽጻር ጥምየት ክትንትን`የ።

እቲ ዘመን፤ ዘመን ግዝኣት ዑመር ዓብደል ዓዚዝ (682 – 720  ድሕሪ ልደት) 8ይ ኸሊፋ ኡመዊ`ዩ ፤ ስፍሓት ግዝኣቱ ደቡባዊ ምዕራብ ኣስያ – ማእከላይ ምብራቅ –  ሰሜን ኣፍሪቃ – እስፓንያ ።

ታሪኽ  ናይዚ ንጥምየት / ንድኽነት ዝሰዓረ ጅግና መራሒ ዑመር ዓብደል ዓዚዝ ዝምህረና ኣገደስቲ ነገራት፡-

  • እዚ ዕድሚኡ 40 ዓመት ቅድሚ ምምልኡ ዝሞተ መራሒ፤ ንቡቁዕ መራሒ ምዃን  ዕድመ ወሳኒ ከምዘይኮነ። ማለት ብቁዕ መራሒ ካብ ውሽጢ መንእስያት ይኹን ሽማግሌታት ክርከብ ከም ዝኽእል።

 

  • ንፍትሓዊ ምዃን ድሕረ ባይታኻ  ናይ ውጹዕ ሸነኽ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ፋልሶ ምዃኑ፤ ምኽንያቱ ዑመር እብኒ ዓ/ዓዚዝ  ድሕረ ባይትኡ  ካብ ኑጉሳዊ ስድራቤት`ዩ።

 

  • ጥምየት ካብ ግዝኣትካ ጓሕግሕካ ንምውጸእ እኹል ግዜ የድሊ ዝብል ምምኽናይ`ውን ፋልሶ ምዃኑ፤ ምኽንያቱ ዑመር እብኒ ዓ/ዓዚዝ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓለን ክልተ ዓመትን ፈረቃን ጥራሕ`የን።

 

  • ብዝሒ ህዝቢ ጥምየት ንምጥፋእ ከም ኣሸጋሪ ገርካ ምቅራብ ሀለውለው ምዃኑ፤ ምኽንያቱ ዑመር እብኒ ዓ/ዓዚዝ ዘመሓድረን ዝነበረ ሃገራት፤ በዚ ናይ ሎሚ ጂኦ ፖለትካ ልዕሊ 20 ሃገራት` የን።

ስለዚ ጥምየት ንምጥፋእ፤  ብሓፈሽኡ ኸኣ  ፍትሒ ንምርግጋጽ፤ እቲ ወሳኒ ሮቋሒ ፍትሓዊ መራሒ / ብፍትሒ ዘመሓድር መንግስቲ`ዩ ።

ፍትሓዊ መራሒ መለሌይኡ  እንታይ`ዩ ?

  • ጽልኢ ስልጣን ህዝቢ በጀካኻ ካልእ የብልናን ምስ በሎ ንስልጣን እናጸለኦ ከም መሪር መድሃኒት ንሕሙም መጠን ዝቅበል ሰብ ክኸውን ኣለዎ ።

ዝኾነ ንስልጣን ክጓየ፤ ንምእንቲ ስልጣን ንጻዕዳ ከጸልም ንጸሊም ከጻዕዱ፤ ስልጣን ዝበሃል ክሰምዕ እንኮሎ ኣፉ ማይ ዝመልእ ሰብ ሪኢኻ ካብዚ ፍትሒ ኣይትጸበ።

ዑመር ዓ/ዓዚዝ  እቲ ቅድምኡ ዝነበረ ንጉስ ክወርሶ ምስ ተላበወ ፤ ህዝቢ ኸኣ ምስ መረቆ ። ንህዝቢ ኣኪቡ ፤ ነቲ ስልጣን ከም መከራ ቆጺሩ “ እዚ ወርዱኒ ዘሎ ……… “ እናበለ`ዩ  ዝገለጾ። ህዝቢ ካልእ ዝኾኖም ክመርጹ፤ ምራቀኦም (ድምጾም) ክስሕቡ ምስ ጠለቦም፤ ህዝቢ ኣይፋልና ! ንዓኻ ኢና ንደሊ ኢሉ ምስ ኣቅበጸ`ዩ ዝመረሔ።

  • ጽልኢ ሓለፋ  ንሱ ይኹን ስድራ ቤቱ ወይ መቅርብኡ ልዕሊ ሰቦም ሓለፋ ክህልዎም ዘየፍቅድ ሰብ።

ዑመር ጾሙ ዝሓድር ሰብ ዘይብላ መንግስቲ ክምስርት ዝኸኣለ ኣካይድኡ ናብኡ ዘብጽሕ ስለ ዝነበረ`ዩ። ንኣብነት ቤተ መንግስቲ ምስ ኣተወ በጀካ`ታ ዝጓዓዘላ በቅሊ ኩሊ`ቲ  ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝጸነሖ ንብረት ይኹን ናይ ግሉ ንብረት ንቤተ ማል (ንብረት ህዝቢ)ክኣቱ ኣዘዘ ።

ነታ ጓል 5ይ ኸሊፋ ኡመዊ፤ ሓፍቲ 6ይ፡7ይ፡9ይ፡10ይ ኽለፋእ (ነጋውስቲ)  ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ  ” ሽልማትኪ`ዶ ንዓይ ትመርጺ ?” ምስ በላ ንዕኡ ከምትመርጽ ምስ ገለጸትሉ ሽልማታ ብምልኡ ንብረት ህዝቢ ኾነ።

ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ብዘይ ግቡእ ዝወነንዎ መሬት ይኹን ንብረት ከኣ ናብ ንብረት ህዝቢ ከም ዝኣትው ገበረ።

  • ቆራጽነት ! ፍትሒ ንምርግጋጽ ሰጋእ ዘይብል ሰብ።

ዑመር ንስለ ፍትሒ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ምስጓሙ “ ንዓበይቲ ” ብምድፋሩ ንኽመጾ ዝኽእል ተጻብኦ ዋጋ ዝህብ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ንሂወቱ ምሕላው ንላዕሊ ዘገድሶ ዝነበረ ንፍትሒ ኣንጊስካ ምሕላፍ ስለ ዝነበረ፤ ንዓለምና ጥምየት ክንስዕሮ ንኽእል ሽግር ምዃኑ ኣብ 2 ዓመትን ½  ኣምሂሩን ኣፍሊጡን ብጸላእቱ (ብስሚ)ተቀትሉ ሓለፈ !!!

  • ዘይምንሓፍ ! ቅድሚ ኣብ ስልጣን ምብጽሑ ንጌጋ ብምንቃፍ ዝተፈልጠ ፤ ንፈላጣት ዘኽብርን ቦተኦም ዝሕሉን ካብ ምኽሮም ዝጥቀምን ክኸውን ኣገዳሲ`ዩ።

ዑመር እብኒ ዓ/ዓዚዝ ቅድሚ ሓላፍነት ምስካሙ ንሃለዋት`ታ ሃገርን ህዝብን ይከታተል ስለ ዝነበረ ስልጣን ምስ ጨበጠ ነቶም መጠፋፋእቲ፤ ነቶም ጨኮንቲ ካብ ስልጣን ኣርሓቆም። ኣማኸርቱ ኸኣ ብፍልጠት ዝላዓሉ፤ጽፉፋትን ነበሩ።

ዑመር ዓ/ዓዚዝ ንጥምየት ምስ ተቆጻጸረ፤ ንሓዳር ክምስርት ዓቅሚ ዘይብሉ መንእሰይ ብቤተ-ማል ክሕገዝ፤ ኣላይኣ ዝተኣስረ ስድራ ደሞዝ ክስላዓላ፤ ንምምሃር ዝተዋፈሩን ተማሃሮኦምን ደሞዝ ክኽፈሎም ገበረ።

መደምደምታ

  • ከይተደረሩኻ ተመሳሓዮም !

ን ጉዳይ “ከይተደረሩኻ ምምሰሖም” ብምንጽጻር ምስ ታሪኽ ዑመር ዓ/ዓዚዝ  ኣዛሚደ  ንኽርእያ ጸጊሙኒ`ዩ ፤ዝኾነ ኾይኑ ፡ ጸሬ ፍትሒ፡ ፍትሒ ንኸይዕወትን ንምድኻሙን ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ ዝኾነ ዓይነት ማስኬራ`ዮም ዝለብሱ፤ ብዝኾነ መንገዲ`ዮም ዝኸዱ፤ ሓራም ሓላል ኣብ መዝገበ ኣእምረኦም የለን። እንዳወደሱ እንዳጸረፉ፤ እናሰሓቁ እናበኸዩ፤ እናማሓሉ እናጠሓሉ፤ ፍትሒ ንምቅታል`ዮም ዝሰርሑ። ስለዚ ክትግረሃሎም የብልካን ማስከረኦም ብ ምቅላዕ ይኹን ነቲ ብጋህዲ ዘይገልጽዎ ዕላመኦም ብምኽሻፍ ከይተደረሩኻ ክትምሰሖም ኣለካ።

ዝኾነ ብፍትሒ ክመርሕ ዝደሊ ይኹን ብፍትሒ ክምራሕ ዝደሊ ንታሪኽ ዑመር ዓ/ዓዚዝ ከንብብ ወይ ክሰምዕ ኣገዳሲ`ዩ

AAHafiz 03/07/2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Haqi July 5, 2019

    መልሲ ገጀ ነዚ ግሩም ጽሑፍ ካብ ፈቡ::

    ኣይተ ዓብደልሓፊጽ ፡ ኣብ “ዘመን ግዝኣት ዑመር ዓብደል ዓዚዝ (682 – 720 ድሕሪ ልደት) 8ይ ኸሊፋ ኡመዊ`ዩ ፤ ….” ጠቒስካ ሎሚ ዓቢዪ ዝኾነ ቁምነገር ኣምጻእካ፥ ብዛዕባ ምዕቋርን እቲ ጀግና ዝበልካዮ እስላማዊ ከሊፋዊ ኡማ ዝመስረተ ፡ ካብ ግዝኣት ዑመር ክንመሃር ይግባእ።
    ካብዚ ግና ብዛያዳ ኩሉ ክመሃሩ ዘለዎም እቶም ካብ ኣፍጋኒስታን እስካብ ሞሮኮ ሰዓብቲ ዑመር ኢና ዝብሉ እዩ። ከመይ እንተበልካ ፡ ካብተን ኣብ ዓለም ብብልሽውና ካብ ሓደ ክሳብ ዕስራ ተር ኢለን ተሰሪዔን ዘለዋ ዝበዝሓ ሃገራት ከም በዓል ፓኪስታን ካዝክስታን ዒራቅ ስዑዲዓረብ ሱዳን ግብጺ ኣልጀርያ ባህሬን ሊብያ ኣብዚ ይርከባ።
    እተን ብስሰዔን ምዕቋርን ጥራይ ዘይኮነ ንሰብ ትሕቲ ኣጣልን ጥሪትን ሰሪዔን ዝሸጣን ዝልውጣን ፡ ኩሊት ደቂሰባት መዝሒቐን ዝሸጣን ንኣዋልድን ደቀንስትዮን ኣብ ናይ ሽርሙጥና ባርነት ዝቁርና ሃገራት ውን ኣብዚ ጀግና ዑመር የማሕድሮ ኔሩ ዝበልካዮ ዞባ ኮይነን በዓል የመን ማውሪታንያ ስዑድያ ግብጺ ሊብያ ኩወይት ኢማራት ሱዳን ዳርፉር ኒጀር ከምዘለዋ ጸብጻባት ኣህጉራዊ መጽናዕትን በዚ ኣነዋሪ ሕሰም ዝሓለፉ ብዙሓት ኤርትርውያን ኣፍርቃውያንን ይምስኩሩ። ወረ እቶም ገሊኦም መሳኪንሲ ኣብ ኣእምርኦም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ስጋዊ ኣካላቶም ብመትኮሳ ሓዊ ንዘለኣለም በሰላ ተወቂጡ ይርከብ።
    ካልእ ጀግና ዑመር ዝበልካዮ እዘን የመሓድረን ኔሩ እተባህላ ሃገራት ነቲ ናይ ጭቃ ነዳዲ ዘይተኣደነ ሃብተንን ገንዘበን ጥሪተን ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ሶማል የመን ሱዳን ዳርፉር ማውሪታንያ ሶርያ ኣፍጋኒስታን ባንግላዲሽ ብዓጸቦ ኵናትን ሕማምን እናተሳቐየ ፡ እቲ ዝበዝሐ ገንዘበንን ካፒታለንን ኣብ ሃገራት ምዕራባውያን ክርስትያን “መሲሃውያን” ወይ “ካፊር” ዝብልዎም ከም በዓል ኣሜሪካ ብሪጣንያ ፈረንሳ ስዊዘርላንድ ሆላንድ ጀርመን ኢጣልያ እስጳኛ ሽወደን ኖርወይ ይዓቁራን የዋፍራን።
    ስለዚ ሓቅኻ ኢኻ ካብ ጀግና ዑመር እንመሃሮን እንቐስሞን ኣስተምህሮ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።

  • Danilo July 6, 2019

    I hope we are not discussing about waste of opinion here. As the above title says ” luck of human conservation ” might be high lighted than secondary waste of refute. !

POST A COMMENT