Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሞት ናይዝጊ፤ ሞት ክናና’ዩ! መስፍን፤ ይኣኽለካ ምስ ፎርዖን ምልፋን! – ፍሉይ ጽሑፍ – ኣለና

ካልኣይ ምዕራፍ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዛዕባ ድርብ ኪዳን ናይዝጊ ክፍሉን ኢሳይያስን  ኢዩ ኣስፊሩ ዘሎ፣  “ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም” ከም ዝበሃል ድግም። ኣብ ጉዳይ ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ጸሎትናን ጸሎት ኢሳይያስን ነንበይኑ ኢዩ ጸኒሑ፣ ሕማም ናይዝጊ

ካልኣይ ምዕራፍ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዛዕባ ድርብ ኪዳን ናይዝጊ ክፍሉን ኢሳይያስን  ኢዩ ኣስፊሩ ዘሎ፣  “ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም” ከም ዝበሃል ድግም። ኣብ ጉዳይ ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ጸሎትናን ጸሎት ኢሳይያስን ነንበይኑ ኢዩ ጸኒሑ፣ ሕማም ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ንዝክረሉ ዝነበርና ግዜ። ‘ከቢድ ሕማም ካብ ሞት ነይሓልፍ’ ክንብል’ኳ እንተጸናሕና፤ ንሕና ንቁሩብ እዋን እስትንፋስ እንተዝልቅብ ክንብል እንከለና፤ መልሓስ ኢሳይያስ ግን ንሞት ናይዝጊ ክፍሉ ትምህለል ነበረት፣

እቲ ኤርትራዊ  “ከሚካል ዓሊ” ጉዳም ናይዝጊ ክፍሉ። ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ኮይኑ ቤተ-መዘክር ታሪኽ ተሰክሙ ሞይቱ ኣሎ፣ ወዲ ሰብ ከም ጽላሎት ቀትሪ ሓላፊ ስለዝኾነ። ኣንታ ከበድቲ ምስጢራት እዚ ሓራዲን ክሒዳን ዝኾነ ኢሳይያስ ፎርዖን ተሰኪምካ ዘለኻ፤ ኣብ ዓራትካ ኮንካ ትንኖን ዝን ትብል ዘለኻን ኣቶ መስፍን ሓጎስ ሕጂ ብታሪኽ ዝውረቕ ተባዕ ስጉምቲ ውሰድ፣  ስለ እቶም ብቑንጣሮ ሓመድ ዝቐበርካዮም ጀጋኑ ብጾትካ ማዕጾ ምስጢራት ኢሳይያስ ንከይተገፍትን ድማ ደጋጊምና ሓደራ ንብል ኣሎና፣

ኣብ ምስላታት ዓረብ ‘ኣልጎሕ ኣሕሰን ሚን ኣል-ስኩውት’ ዝብል ወሓለ ዝኾነ ኣበሃህላ ኣሎ፣ እዚ ብትግርኛ ክትርጎም እንከሎ ‘ኡሑእ! ካብ ትም ምባል ትበልጽ’ ማለት ኢዩ፣ ስለዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዘለኹም ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር። ኣበይ ከም ዘለኹምን ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲን ብድሕሪ ናጽነትን እንታይ ተራ ከም ዝነበረኩምን ኣጸቢቕና ንፋለጥ ኢና’ሞ፤ ተሰኪምኩሞ ዘለኹም ምስጢራት ኢሳይያስ ከካብ ዝባንኩም እተውርድሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ፣

እቲ ንሰባት ከም ዲፖሳብል ስሪንጋ ተጠቒሙ ዝድርቢ ዕሉል ሰታይ ደም ኢሳይያስ። ንናይዝጊ ክፍሉ ካብ ዝድርብዮ ኣይወሓደን፣ ቅድሚ ደርዘን ዓመታት ኣቢሉ ኮኾብ ናይዝጊ ኣብ ዝወደቐሉ ግዜ ብዙሓት ተጋደልቲ ይዳፈሩዎ ነይሮም ኢዮም፣ እቶም ኣብ እንዳ መስተ ዝተጸርፉ ተጋደልቲ ጸጉ ፍሰሃየን ወልደጋብር ወዲ ሮማን ፈትዩ ክሳብ ዝጸልእ ምስ ቀጥቀጥዎ፤ ብብዙሓት ሰባት ክድፈር ተራእየ፣ ኣብ ኤክስፖ ምስ ሓልቕኡ ኢሳይያስ ብጉዳይ ትውልዲ ምጭርራቕ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ድማ ክሳብ ሃለዋቱ ዘጥፍእ በቲ ቀንዲ ናይ ደም ወዲ ዕቁቡ ዝኾነ ኢሳይያስ ተቐጥቀጠ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኢዩ’ምበኣር ኣብ እንዳ መስተ ገለ ምስጢራት ከየምሉቕ ብምባል ክሳብ ዕለተ ሞቱ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ይጽናሕ ዝብል ጥበብ ዝተማህዘ፣

ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ። ካልኣይ ምዕራፍ ሞት ክናና ኣብ ኢሳይያስ ክድገም ኢዩ፣ ወዲ ሰብ ታሪኹ’ምበር ሂወቱ ኣይትነብርን ኢያ፣ ከቢድ ምስጢራት ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰኪሙ ንዝሞተ ናይዝጊ ንመዋእል ብወለዶታት ኤርትራ ክርገም ክነብር ኢዩ፣ ናይ ዕድል ጉዳይ ኮይኑ ድማ እቶም ደቁን ደቂ ደቁን። ደቂ ከዳዕ፤ ደቂ እቲ ገበነኛ ምባል ጥራይ ከይኣኽሎም እነሆ ቅድሚ ሎሚ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ‘ደቂ እቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ንከይኣቱ ዝተኸልከለ’ ክበሃሉ ክነብሩ ኢዮም፣ ደቂ ናይዝጊ ክፍሉ ኣቦኦም ዝገደፎ ሰነዳትን ለበዋን ናብ ህዝቢ ኤርትራ እንተኣረኪቦም ካብቲ ሕማቕ ስምን ውርሻን ክድሕኑ ኢዮም፣ እምበኣርከስ እታ ሞት ሓንቲ ክነሳ። ዓሰርተ ሞት ዝብልዎ ደጊም ከምዚ ኢዩ፣

“ኣድጊ ካብታ ሙማታ ምጉታታ’’ ምስ ሞት ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ዝምሰል ምስላ ኢዩ፣ ናይ ኢሳይያስ ሓሳዊን እሙን መሻርኽቲ ምስጢሩን  ዝነበረ፤ ናይዝጊ ክፍሉ ከም ዝሞተ ሰሚዕና፣ እዚ ኢዩ’ምበኣር እቲ ልጉባት ማንታ ናይ ዝነበሩ ክናናን ምናናን ሞት ክናና ዝበሃል፣ እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ከም ዓቢን ናይ መወዳእታን መርገም ዝቑጸር ዝነበረ ኣማውታ፤ “ሞት ክናና” እነሆ ቀዳማይ  ምዕራፉ ኣብ ናይዝጊ ክፍሉ ተራእዩ ኣሎ፣

ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ  ናብ ዓላ ካብ ዝኣተወላ መዓልቲ ክሳብ’ዚ ምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ዘይተነግረ’ምበር  ዘይተገብረስ የለን፣ ካብ ዝስለፍ ናብ ቅድመ-ግንባራት ከቲቱ እንኮ ጥይት ዘይተኮሰ እሙን ኢሳይያስ ዝነበረ ገበነኛ ናይዝጊ፦ ከምቲ ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ’ውን ብሴፍ ዝበሃል፤ ሬስኡ ኣብ ሓመድ ኤርትራ ወይ ኣብ ቀላይ ቀይሕ ባሕሪ እመት መሬት ንከይትረክብ ተኸልኪሉ፣ ናይ ሓዘን ቴንዳ ከይትከል፦ ብዛዕባ ሞት ናይዝጊ ብዜና ከይንገር፦ ኣብ ዓዱ’ውን ጸሎተ-ፍትሓት ከይግበር፦ ዝብል ጥብቂ ትእዛዝ ኢሳይያስ ሰሚዕና፣

እታ ንቀዳሞት ገዛእቲ ቱርካውያን። ኢጣልያውያን። እንግሊዛውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓመዳ ዘይበቐቐት ሃገርና ኤርትራ ንመስተንክር ክኸውን ኢሉዎ ንሬሳ ገበነኛ ናይዝጊ ፎእ ኢላ ነጺጋቶ፣

እሙን ዓቀይታይ ኢሳይያስ ዝነበረ ናይዝጊ ክፍሉ፤ ኣብ ደጀን ሰውራ ንዝነበረ መዓልታዊ ናይ  ምሁራትን ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ጸብጻብ ናብ ኢሳይያስ የቕርብ ነበረ፣ ኣብቲ ብ1973 ዓ.ም. ዝነበረ ናይ ምእራም ተቓውሞ ምሁራት “መንካዕ” ዝብል ስም ዘጠመቖ ድማ ንሱ’ዩ ዝነበረ፣

ሌላ ናይዝጊ ክፍሉን ኢሳይያስን ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት። ካብ 1970 ኢዩ ጀሚሩ፣ ኣብቲ ብወርሒ ለካቲት 1972 ዓ.ም. ኣብ በይሩት ኣብ መንጎ ልኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ነበርን ሓይልታት ሜዳን ዝተገብረ ኣኼባ። ናይዝጊ ክፍሉን  መስፍን ሓጎስን ምስ ኢሳይያስ ተኻፊሎም ነበሩ፣ ናይዝጊ ካብ ሩስያ ንሜዳ ኣትዩ ብ1973 ዓ.ም. ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ኣሜሪካ መስራቲ ኤ.ና.ሰ.ኤ. (ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ) ነበረ፣

ናይዝጊ ቅድሚ ምስላፉ  ብከመይ ምኽንያት ምስ ኢሳይያስ ከም ዝተፋለጠ ሎሚ እቲ ቅንጣብ ምስጢር ኢሳይያስ ንከየሙሉቕ ብማዕተቡ ዝመሓለ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ጥራይ ኢዩ ዝፈልጥ፣ ‘ንግሆ ዘይትንስእ’ሲ እግሩ ናብ ደገ ይሓድር’ ከም ዝበልዎ ወለዲ፤ ደጊም ኤርትራ ናይ ደቃ ንብረት ንክትከውን ኣብ ቅርዓታ መራግእቲ ይግበረላ ኣሎ’ሞ ንሓዋሩ እግርኻ ኣብ ደገ ከይከውንሲ ሎሚ ብተኽ፣

ታሪኽ ኩዒትካን ንሓመድ ነፊኻን ዘይርከብ ናይ ወለዶታት ቅርሲ ኢዩ፣ ኣቶ መስፍን  ኩላትና ነበርቲ ኣይኮናን! ኤርትራን ሰንሰለታዊ ወለዶ ህዝባን ግን ክነብሩ ኢዮም’ሞ ሎሚ’ውን እቲ ካብ ወርቂን ኣልማዝን ዝኸብር ተሰኪምካዮ ዘለኻ ምስጢራት ገበነኛ ኢሳይያስ (ጉዳይ ኣሰላልፋኡ። ምፍላይ ካብ ጀብሃ ኢሳይያስ። ጉዳይ ዓላን ኣብርሃም ተወልደን። ጉዳይ ቃኘው። ጉዳያት መንካዕን ኢብራሂም ዓፋን። ጉዳይ ኣመጻጽኣ ጉጅለ ህግደፍን ኲናት ባድመን። ምስጢራት ጉጅለ 15ን። ወ.ዘ.ተ…) ነቲ ብደም ዝዘቕበበ ጸሊም መጋረጃ ኢሳይያስ ቀዲድካ ንደቂ ሃገርካ ንከተርክብ ብታሪኽ ትሕተት ኣሎኻ፣ ሞት ናይዝጊ። ቀዳማይ ሞት ክናና ጋህዲ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ። ሞት ኢሳይያስ። ካልኣይ ሞት ክናና ንክንሰምዕ ድማ ምድረ-ሰማይ ይሃምም ኣሎ፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ብደቂ ህዝቢ ክርሸን ኢዩ! ደሙ ከኣ ዘይከም ደም ጀጋኑ ናቕፋ፤ ኣብ ፋኛቱራታት ማይ በላ ጃሕ-ጃሕ ክብል ኢዩ፣

ወይ ጉድ! ናይ ናይዝጊ ገደደ። ሓመድ ኣዳም ፈንፊንዎ፣ ኣብ ዘመነ-ገድሊ በታ ዕረ ዝኾነት መልሓስ ናይዝጊ ክፍሉ ዘይተጸርፈ ተጋዳላይ ኣይነበረን፣ እቲ ብከተማ ዓደን ኣቢሉ ንሜዳ ዝተሰለፈ ናይዝጊ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ’ውን ነቶም መማጽእቱ ጸሪፍዎም ከም ዝነበረን፤ ክሃርምዎ ኣብ ዝተሃንደዱሉ ግዜ’ውን ብዕረቆ-ዕረቆ ተገላጊሎም ከም ዝነበሩ መሳልፍቱ ይገልጹ ኢዮም፣

ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ሜዳ ብጸርፊን ታህዲድን ዝልለ ሰብ ነበረ፣ ኣብ ሜዳ ብጉዳይ “መንካዕ’ ብድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ትሕቲ  ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኮይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ። ብሂወት ብዙሓት ኤርትራውያን ተሓታቲ ኢዩ ዝነበረ፣ ኢሳይያስ ከም ሚኒስተር ዜና። ቀጺሉ’ውን ንቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ምምሕዳር ከም ተሓጋጋዚ ቤት ጽሕፈቱ ገይሩ ሸይሙዎ ነበረ፣

ናይዝጊ ክፍሉ ሚኒስተር ዜና ኮይኑ ኣብ ዝተመዘዘሉ ግዜ ከኣ ንሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ፍሉይ ኣኼባ ገይሩሎም ነበረ፣ ሽዑ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ሓምለ-ሰነ ብዛዕባ ጉዳይ ናይ ስራሕ ምስጢራት ጸቒጡ ተዛረቦም፦

“ምስጢር ክትዕቅቡ ኣለኩም። ንዓና ንህዝባዊ ግንባር ካብ  ቀደም ክሳብ ሎሚ ዘዐወተና ምዕቃብ ምስጢርና ኢዩ፣ ኣነን ኢሳይያስን እንፈልጦ ናይ ሳሕል ምስጢራት  ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝንገሮ፤ ዎላሂ ብሙሉኡ እዚ ህዝቢ ምተጸለለ ነይሩ’’ ኢሉ ከይተፈለጦ ሓቂ ተዛረበ፣

ልክዕ ኢዩ  ከኣ። እቶም ነቲ ናይ ጀጋኑ ሃገራውያንን ምሁራትን ምቕንጻል ዘጸልል ምስጢራት ዝፈልጡ ብሂወት ተሪፎም ዝነበሩ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ኢዮም፣ ነቲ ኣብ ክፍሊ ዜና እንከሎ ዚዛረቦ ዝነበረ ፍኑው ምስጢራት ከኣ  ዓሊ ዓብዱ ተተሰኪሙ ናብ  ኢሳይያስ ኣፈወርቂ የብጽሖ ነበረ፣ ብዛዕባ ናይዝጊ ዚዛረቦ ዝነበረ ኢሳይያስ መአረምታ ኣብ ዝሃቦ ግዜ ከኣ። እቲ ዝሓሰወሉ ዓሊ ዓብዱ ምዃኑ ፈለጠ፣

ዓርኪ ሰባር ነቓዕ ሚኒስተር ነበር ናይዝጊ ከምዚ ሎሚ ሞት ክናና ከይሞተ እንከሎ፦

‘’ካብዛ ሎሚ መዓልቲ ንደሓር ብሓላፍነተይ ካብ ምዱብ ስራሕካ ኣደስኪለካ ኣለኹ፣ ኣጸቢቕካ ፍለጠኒ! ናይዝጊ ክፍሉ’የ፣ እወ ኣነ ናይዝጊ እየ። ንሰብኡት ብኾፎም ዘሽይን ሰብኣይ ምዃነይ ኣጸቢቕካ ሕተት፣  ሕጂ ናብ ኣያኻ ኬድካ ጥራዕ’’ በሎ ናይዝጊ ንዓሊ ዓብዱ ኣብ ቅድሚ መሳርሕቱ፣

እቲ ኢሳይያስ ከም ፍቱው ኩርኩር ኣብ ስንጭሮ ዓንበርቦብ ጸባን ቢስኩትን እናመገበን ብናቱ ሰረተ-እምነት ዝመልመሎን ዘዕበዮን፤ ናብ ዝባን ጎቦ ኣንጆታይ ኣደይቡ ንጎላጉል ማህሚመት። ኣስራይ። ኣውገትን እምባ ንያላን ብክሻፋ ዘርእዮ ዝነበረን ዓሊ ዓብዱ’ውን ኣይሓመቐን፤ ኣብቲ ሚኒስትሪ ብናይዝጊ ክፍሉ ዝግበሩ ዝነበሩ ድኽመታትን ዘምልቖም ንዝነበረ ምስጢራትን ናብ ሓለቕኡ እናተዘባዘበ ምብጽጻሕ ቀጸለ፣ ኣብ መወዳእታ ህያቡ ድማ ግዝያዊ ሚኒስተር።  ጸኒሑ’ውን ቀዋሚ ሚኒስተር ዜና ንክኸውን ምስ በቕዐ፤ እቲ ምስጢራት ኢሳይያስ ንከየምሉቕ ዝፍራሕ ዝነበረ ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ድማ ከም ሓላው ስጡሕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተደርበየ፣ ንውልቀ-መለኽቲ ዘገልገለ እዚ ኢዩ ፍዳኡ፣ ሬሳ ናይዝጊ ሓመድ ኤርትራ ካብ ተነፍጎ። ንሬሳ ኢሳይያስ’ከ እንታይ ኢዩ ክፈርድ ሓመድ ኤርትራ?

ኣንቱም ገና ነቲ ገበነኛ ሰብ። ዘርኢ ኤርትራውያን ንምጥፋእ ግናይ ትልሚ ክርዳድ ዝተለመ ኢሳይያስ ተገልግሉ ዘለኹም ጀነራላት። ሚኒስተራት። ኣማሓደርቲ ዞባታት። ሰበ-ስልጣናትን ኣባላት ህግደፍን ይኣኽለኩም ምንብርካኽ፣ ኣንቱም ብወዲ ኣውራጃና። “ሓማሴናይ ኢዩ”…ብወዲ ሃይማኖትና “ክስታናይ ኢዩ”…ተጋዲሉ ዘጋደለ “ጅግና! ኣንበሳ ናቕፋ ኢዩ” እናበልኩም ኣብ በረድ ረጊጽኩም ዘለኹም ደቂ ኤርትራ፤ ካብዚ ዝዓቢ ኣስኳላ የለን’ሞ ዕድል ከይሓልፈኩም ሎሚ ታሪኻዊ ስጉምቲ ንክትወስዱ ህዝባዊ ነጋሪት የቃልሕ ኣሎ፣ ኢሳይያስ ስነ-ምግባርን ሰብኣዊ ሕልናን እንተዝህልዎ ንሬሳ እሙን ኣገልጋሊኡ ዝነበረ ናብ ዓዲ ምእታው ኣይምኸልከለን፣ ኢሳይያስ መትከላዊ ዓርኪ። ሃይማኖት። ኣውራጃን መንነትን ዘይብሉ ብሕጊ ጫካ ዝምራሕ መንደላይ ተመን ኢዩ፣ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ግዜ ናጽነት ኣብ ውግእ ሓድ-ሕድ ይኹን ምስ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ውግኣት ክንደይ መዓልታት ከም ዝተዋግአ ጽባሕ ቢጊሓት ታሪኽ ክነግረና ኢዩ፣ ኢሳይያስ ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ብዘይካ ንጽላሎቱ ንማንም ሰብ ዘይኣምን ከዳዕ ፍጥረት ኢዩ፣

ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ናብ ኣውራጃታትን ሳዋን  ምብጻሕ ኣብ ዝገብረሉ ግዜ። መራኸቢ ተለፎናት /ሞባይላት/ ናይቶም ኣብ ሓሙሽተ ላንድ ክሩዘራት ዝተሳፈሩ ኣሰነይቱ ምስኡ ኢየን ዝተሓዛ፣ ንሱ ክልተ ዓይነት መራኸቢ ተለፎናት /ኢንተርናሽናልን ናይ ውሽጢ ሃገርን/ ሒዙ እናተራኸበ ክኸይድ እንከሎ ኩላቶም ካልኦት ሰበስልጣናት ግን ምስ ስድራ ቤቶም’ውን ንክራኸቡ መሰል የብሎምን፣ ሰባት ከመይ ገይሮ ንከምዚ ዝኣመሰለ ኣሽካዕላልን ውጹእ ምልኪን ከም ዝጻወሩዎ ድማ ንመስደምም ኢዩ፣ እምበኣር ይኣክል በል ኣንታ ተንበርካኺ፤ ኣብ መስርዕ ህግደፍ ዘለኻ ወዲ ኤርትራ። ‘ብድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ’ ከም ዝበሃል፤ ብድሕሪ ሞት ናይዝጊ ደጊም ቅበጽ! መስፍን ድማ ምስ ፎርዖን ምልፋን ያዕ ኢልካ ዕዳኻ ክፈል፣ ሕሰብ…ሕሰብ ትብል ኣላ ዓደቦኻ፣ ንእስነትን ተስፋ ምሃብን ዓቢ ዕዳ ኢዩ’ሞ እቲ ብንእስነትካ ኣብ ጎላጉል ሰምሃር: ኣብ ዊናን ድግሰናን። ኣብ ግራት ወዲ-ኣድክመን ርእሲ ዓዲን ከምኡ’ውን ኣብ ጠረዚት ሳሕልን ሩባታት ሕዳይን ንህዝብኻ ስለ ናጽነትን ሓርነትን ዘተስፈኻዮ ባህጊ ሕጂ ክፈሎ፣

 

ካልኣይ ምዕራፍ ሞት ክናና ኣብ ኢሳይያስ ክድገም ኢዩ!

 

alenakoena@gmail.com

 

ኣለና ብውሽጢ። ኣለና ብደገ!

ብዓወትና ንኣምን!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS

POST A COMMENT