Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሰባር ናኹራ”

“ሰባር ናኹራ”    19.08.16፡                                                                                                               ኣንታ ወዲ ሓወይ፡ ሎሚኸ ኣየእተኻላን? ቃል ናይቲ ክስመም ዝተፈረደ እሱር፡ (ኣላይ) ኣብ ሃገርና “ሰባር ናኹራ” ትብል ቅጽል ስም ነቲ ዓስከር ገዛኢት ጣልያን ኮይኑ ህዝቡ ከጽንት ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ብዘርኣ ዮ እምቢታ ዝተሓየረን ካብ ቤት

“ሰባር ናኹራ”    19.08.16፡                                                                                                               ኣንታ ወዲ ሓወይ፡ ሎሚኸ ኣየእተኻላን? ቃል ናይቲ ክስመም ዝተፈረደ እሱር፡ (ኣላይ)

ኣብ ሃገርና “ሰባር ናኹራ” ትብል ቅጽል ስም ነቲ ዓስከር ገዛኢት ጣልያን ኮይኑ ህዝቡ ከጽንት ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ብዘርኣ ዮ እምቢታ ዝተሓየረን ካብ ቤት ማእሰርቲ’ታ ደሴት ዘምለጠን ጥራይ ዘይ ኮነ፡ እንኮላይ ሓንቢሱ ባሕሪ ብምትርጋእ ምውጽኡን ንናጽነት ህዝቡ ከምተ ቓለሰን ዝትረኸሉ ዓሊ መሓመድ ዑስማን ቡሪ ዝተዋህበት ሓርበኛዊት ሳጓ ኢያ። እቲ ፍጻመ ምስቲ “ብሞያይ ህዝበይ ኣይቀትልን” ዝበለ ዶ/ር ነስረዲን ዝመሳሰል ኮይኑ ተሰምዒኒ’የ ብከምኡ መሲለዮ። ከመይሲ ነስረዲን’ሞ ድማ ከምቲ ዝተኣዘዞ ከይቀተለ ምህዳሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ ነቲ ብእንኮ ነ ብሲ-ሄር ተወልደ ተስፋማርያም (ባካሮ) ዝተደፍረ ሕዛእቲ ደምበ ስዉር ቅ ትለት ብድፍረት ክቐልዕ ዝበቕዐ ዜጋ’ዩ።

መቸም ሰብኣይ ጨካን ምዃኑ ይወረየሉ’ምበር ኣይሓቅን። ምኽንያቱ ኣብ ‘ከይብሉኒ’ ዝተነድቀ ተጻዋርነት እንተዘይኮይኑ ወዲተባዕታይ ኪኖ ዝኾነት ሄዋነይቲ ከምዝነብዕ ኣባታዊ መጽናዕትና ይምስክር። ስለኡ ዘሕዝን ክርአ ደ ቂ-ተባዕትዮ’ውን ንነብዕ፡ ክቱር’ኳድኣ። ብምዃኑ እንሆ ሎሚ ተራኺ ነቢዑ ምሒር ኣንቢዕና። ከምቲ ከማና ከኣ እኒ ድ ምጻዊ ኪሮስ ኣስፋሃ፡ እኒ ኮለኔል ሚካኤል፡ እኒ እከለን እከሊትን’ውን ነቢዖም። ንብዓቶም ለኪምወን ዘቑጸርጸራ ኣዒን ትና ድማ ግድን ጥቓ ትኪ ምጽናሕ ከየድለየን እንኮላይ ትርኢት ናይታ ኣይሂ ጠያይቲ ሻዕቢያ ዝተሰከመት ራሄልን ከም ቲ ከምኣ ዘጋጠሞም ግዳያትን ተራእይወን ምንባዕ ግዲ ኮይና ዓቕመን ታኒካ ቴኖ ነቢዐን ኣዒንትና። ዘርከበሉ ብታሕጓስ ክነብዕ እንተ ንሕና’ቶም ስሓቕ ዘይተዓደልና ንብዓት ኮይኑ ስንቅና። ከምገለ እንተንስሕቕ’ውን ዘይ ዕምሪ ስሓቕና ንቅጽ በት’ዩ!

ዝኾነ ኮይኑ ክሳብ ምስ ሰባር ናኹራ ዘዳርግ ትዕዝብቲ ይሃልወኒ’ምበር ግን ድማ ጽቡቕ ዘይብሉ ሕማቕ ወይ ሕማቕ ዘ ይብሉ ጽቡቕ ስለዘይስራሕ ኣብቲ ቃለመሕትቱ ብዙሕ ክሕሰበሉ ዘለዎ ስለዘሎ ኣቐዲመ ከምዚ’ለ ንነብሰይ ከምዝተወከ ስኩዋ ከውግዓኩም፦

ዶክተር ነስረዲን መን ኢዩ? ስለምንታይከ ተኣሲሩ? ከምቲ ዝጠቐሶ ኣብቶም እሱራት ምትእምማን ኣልዩስ ክሳብ ብጅም ላ ክህደም ይካኣል ዲዩ? ብከምቲ ኣገላልጻኡ መልክዕን ኣገባብን ኣላይ ኮነ ከምኡ ዝኣመሰሉ ክቕተሉ ዝተመርጹ ተደለይ ቲ ሰባትን ክሃድሙ ዘኽኣለ ነገርከ ብሓቂ ዕድልን ንጹህ ትብዓትን ጥራይዶኾን ይኸውን? እቲ ንበይኑ ተነጺሉ ንኢቲዮጲ ያ ምባሉኸ ከመይ’ዩ? . . . . . . .

ብዙሕ ከምዝን ከምትን ክድርደር ይከኣልን ብዓቢኡ ብኣፍን መገድን ናይዚ ግዳይ ክመሓላለፍ ዝተደልየ መልእኽትን ስ ራሕን ክህሉ ይኽእል’ኳ እንተኾነ ነስረዲን ግና ከምዝሃደመ ጥራይ ክትርድኦ ትኽእል ኢያ። ማለተይ ነገራት ብዕቱብ ም ስ ዝጥመቱ ከምቲ ኣብ ዘመነ ገድሊ ብሃዳምነት ብዙሕ ዝዕየ ዝነበረ፡ ከምቲ ሎሚ’ውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከይተረፈ ብ ስም ህድማን ምስሊ ተቓውሞን ዝስራሕ ተዋስኦ፡ ብሃዳሚ ነስረዲን’ውን ብዙሕ ክዕየ ተደልዩ ይኸውን። እንተኾነ ክሳ ክንድኡ ክንራቓቕ ክንብል ምህውታት ዘድልየና ኣይኮነን። ከመይሲ ሎሚ ትማሊ ከምዘይኮነት ንሪኣ ኣለና። ሎሚ ማእለ ያ ዘይብሉ መርኣያ ትማሊ ጭብጥታት ኣለና። ሎሚ ከምናይእኒ የማነ ተኽለገርሽ ዝኣመሰለ ሓቀኛ ገላጺ መንነት ማሕፉ ዳ ባዕዳዊ ኣረጋዊ መራሒና እነሀልና።

እስከንዶ ከምቲ ህግደፋውያን ‘ዓጋመነት’ ኣብ ቤተ-መንግስቶም ዓሪዳ ክንሳ ሓንቲ ሒዞም ንዘስገኦም ዘበለ ዝልጥፍሉ ሕ ላገት ንጎድኒ ጎሲና፡ እቲ ስርዓት ዝሰርሖ ድራማ ከምዘሎ ብምዝካር ዋላ’ውን ንዶ/ር ነስረዲን ዘእሰሮ ምኽንያት ከምዝነበ ረ ሓቂ እንተኾነ፡ ግናኸስ ኣርእስትና ንሱ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ነስረዲን ዘእስሮ ጭቡጥ ድኻም እንተነበሮ’ውን፡ ሓደ ድኹም ሰብ ድኻማቱ ሓቢኡ ከይጸገነን ከይኣረመን ብናይ ካልኦት ሰባት ድኻም ክዛረብ ክርአ ንቡር ተርእዮ ከምዝ ኾነ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። በዚ ትንታነ’ ዚ እንተተረዳዲእና ውልቃዊ ጉዳይ ነስረዲንን ዝተዛረበሉ ዛዕባን ኣብ ክልተ ክ ፋልላት ክንከፍሎ ንግደድ።

ዶ/ር ነስረዲን ዝኣበሶ ገበን ይረዳኣዮ ኣይረዳኣዮ ከየገደሰ ንሱን ፍልጠቱን ምስ ተኣስሩ በቲ ሓደ ከይተኸፍለ ከገልግል መደብ ዕዮኡ ክዋሃቦ እንከሎ በቲ ካልእ ድማ ኣብ ፈጺሙ ዘይሓሰበሉ ‘ዝዓበየ ዘበርክተሉ’ን ንርእሱ’ውን ብቁጠባ ‘ዝዓ ብየሉ’ን ክእለታዊ ዕማም ክዋፈር ከምተሓረየ ገሊጹ ኣሎ። ካብ ልሳኑ ከምዝሰማዕናዮ “ኣባል ሰልፊ ኢኻ” ከምዝበልዎ’ኳ እንተዘይገለጸ እቲ ዕማም ብሓጺሩ ብቑርጺ ዕዮ ሕቡኣን ብሞያኡ ሰብ ክቐትል’ዩ ተመሪጹ። መቸም ሎምስ እቲ ስርዓት ስለምንታይ ብዘይንቡርን ብዘይሕግን ብቑዓት ዜጋታትና ዘብርሰሉ ምኽንያት ዕሱብነቱ ተቓሊዑ’ኳ እንተኾነ ገናግን ሕጂ ‘ውን ተግባራቱ ሕጋውን ንቡርን ንክውሰድ ዝግበረሉ ዘሎ ቃልሲ ብግህዶ ንሰምዖን ንሪኦን ንዘለና ጥምጥም ከምዘሎ ኣ ዘኻኺረ ናብቲ ንነስረዲን ዝወረዶ ዱቦላ ምትዃር መሪጸ ኣለኹ።

ዶ/ር ነስረዲን ወዲ’ዛ ነውሪ ዘይተአንግድ ሃገር ኢዩ። ብመንጽር ሞያኡ ክርአ’ውን ሂወት ንምድሓን ኣብ ብሰፍ ዘይብል ማሕላ ዝጸደቐ ሕክምናዊ መደብ ዕዮ’ዩ ተመዲቡ። ከምዚ ሕጂ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከየራኸሶ ሓላፍነት ሃገር ክትስከም ብማሕላ፡ ሓላፍነት ሂወት ክትስከም ብማሕላ! ሓላፍነት ሕግን ፍርድን ክትስከም’ውን ብማሕላ ክኸውን ዝግብኦ ብሕ ማቕ ኣጋጣሚ ግና ክንድኡ ዝኸብድ ሓላፍነት ዘዝተሰከመ መሓሊ ብብዙሕ መልክዓት ንዝመሓለሉ ክጥሕስ ይርአ። ጎ ራሕ መራሒና ግዳ ኣብ ማሕላ ስለዘይበጽሐ ከምዘይክሰስ የውሪ። እንተ ዶክተርና’ሞ መደብ ዕዮኡ ቅድሚ ኣንጻር ማሕ ላኡስ እንጻር ሕልናኡ ኮይንዎ ሂወት ከሕልፍ ዕጭ ነቚቱ!

ምኢትን ፈረቓን ሽሕ ናቕፋ ክኽፈል ውዕል ከምተገብረሉ ገሊጹ ነስረዲን። ንሱ ድማ ምናልባሽ ነገር ስስዐ እታ ፈጣሪ ዝ ሰኹዓ ሂወት ኣላይ ኣልዩዋ እንተዝነብር ድሕሪኡ’ሞ ብነብሱ’ውን ተሰቢልዎ ከም ንቡር ስርሑ ቆጺሩ ክሳብ ከይቀተለ እ ንተሓዲሩ ብኹረት ዕዮ ኮይኑ ምተሰምዖ። ስለኡ ዝቐደመ ኣሽሓት ኣቕራሽ ከይሓቖፈ ካልእ ክውስኽ ከዕበድብድ ስለዝግ ደድ ፈጣሪ ድማ ብኢድ ህግደፍ ትርኢቱ ከርእዮ ግደፍ ዝተመባጽዑሉ ዋጋ ክኽፈል ናይ ገበናቱ ሕዩርን ግዳይን ብምዃ ን እናተሃደደ ደጋጊሙ ክቐትል ምተኣዘዘ።

እቲ ብንጉሁኡ ናይ ውድባት ሓሸውየን ናይ ሰብ ሃብቲ ኛምኛምን ክሰምዕ ዘይደለየ ፕረሲደንትና ንኩሎም ኢደቤዛኡ በ ዛ ጥበብ’ዚኣ ኢዩ ቀፊድዎም ዘሎ። ንሱ ንሕቡኣቱ ጥብቂ መምርሒ ከመሓላልፍ እንከሎ ንሳቶም ከምቲ ናይ በረኻ ምስ ምሒር እኪታቶም ብስቱራቶም ዝብሕቱ መሲልዎም ነበረ። ሎሚ’ውን ወዮም ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ዓቀይቶት ህግደፍ ብስም ደለይቲ ፍትሒ እናጨርሑ ምይሕ ትብል ቁልዒ ለውጢ ከይትርአ ከቕህሙ ኢዮም ዝራኣዩ። ብምዃኑ መብዛሕ ትኦም ገበነኛታት ኣሕዋትና ናብ ንቡር ዝምለሱሉ ባይታ እናሃለወ ናይ ገበኖም ተሓተቲ ኮይኖም ከቑላሕልሑ’ምበር ብሃ ገራውነቶም ተሰርኒቖም ሓጹር ዝጥሕሱ ብምስሓዎም ጠንቂ ዕምሪ ተሳሓግነት ናይዚ ስርዓት ኮይኖም እነዉ። ከምኣ ገይ ራ ተስሕቖ ስለዘየላ ኢዩ’ውን መላኺና ብደፋር ቃና በቲ ሓደ ደሞክራስን መሰልን፡ በቲ ካልእ ቅንዕናን ስብእነትን፡ ዝባሃ ል ከምዘየለ ዝምጉትን ነቶም ኤርትራዊ ስረ ከምዘይዓጥቐ ከላግጹ ዝውዕሉ ዕሱባት ኮራኩሩ ዝለኣኸልናን።

ኣቱም ሰባት፡ ዝኾነ ኣብዛ ስውርቲ ዝመሓለ ዝጠሓለ ከምቲ “ዘይድሓርሲ ክጉድጉደሉ ኢየ” ኢላ ዝብሉዋ ኣገልጋሊት ኩ ሉሳዕ ክእዘዙ ስለዝኾኑ ጸርዮም ክጸርዩ ኣይክእሉን ኢዮም። ግናኸ ነብሶም ናይ ምኽልኻል መሰል ከምዘለዎም ዝኣምኑ እንተኾይኖም ንወያ ብዘይሓሰበትሉ ምዕባለ መራኸቢታት ውሻጠኣ ተቓሊዑ ዘሎ መብረሲትና ጉጅለ ምቅላዓን ምድሃ ኻን ክዋስኡን፡ ከምኡ ድማ ተግባራት መብረሲትና ሕብእቲ ሰልፊ ምቅላዕ መሰል ደለይቲ ፍትሒ ምዃኑ ክቕበሉን ግቡ እ ኢዩ’ሞ ሃየ ጉራምራ ኣይንሕሰብ!

ኣስተውዕሉ’ሞ፡ ኣብ ትሕቲ ‘ክብርታትናዶ ውርሻና’ ብዙሕ ምስጢራት ንምጉልባብ ተሓሲቡ “ኢሳይያስዶ ሰብ ክቐትል ርኢኻ ኢኻ?” ኢሎም ሰብ ክውጥሩ ሰሚዐ ኣለኹ። በቲ ካልእ ንሱ ብሽጉጡን ብጭካነ ድማ ብካራሩን ሰባት ከምዝቐተ ለ ዘውርዩ ሰሚዐ። ሎሚኸ መርፍእ ወጊኡ ሰብ ከምዘይበከለን ከምዘይቀተለን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ነብሱ ከምዝገጠሞ ዝዕለለሉ እካላትና ከምዘይሰረቐን ዝምስክሩ እንተመጹ፡ ‘ሕ .ጢ .ጢ .ጥ’ ዝብል ድምጺ ጽሬት መራሒና ከስምዑና ይኽ እሉ ዲዮም?

ናብ ዶክተር ሰባር ስቕታ ክንምለስ፡

ኖህ ድሕሪ’ቲ ዕልቕልቕ ኩነታት ዓለም ንምፍላጥ ዝለኣኾ ኳኹ ነስዒ ጥዒምዎ ድሃይ ከይሃበ ብምጥላሙ ምልክት ክድዓ ት ሓሲቡ ጸሊም ሕብሪ ከምዝለቕለቖ ብኣፈታሪኽ ትፈልጥዎ ትኾኑ። ወያ ንርእሳ ምልክት ሰላም ትጽብጸብ ርግቢት ድ ሕሪ ኳኹ ምስተላእከት ንሱ ጸሊእዋ ብጺቕታ ደም’ኳ እንተራስሓ፡ ዛንታ ጥራይ ዘይኮነስ ተወሳኺ እሙን ምልክት ክኸ ውን ምእንቲ ብኣፋ ቆጽሊ ኣውሊዕ ቀርቂራ ከምዝመጸት’ውን ተማሂርኩሞ ትኾኑ። ኤርትራዊ ዓሊ መሓመድ ዑስማን ቡሪ’ውን ሃዲሙ ጥራይ ዘይኮነስ ምስጢራት ናኹራን ሃለዋት እሱራት ብጾቱን ገሊጹ ፍታሕ ዘናደየ ሓርበኛ ምንባሩ ዘኪ ርና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከኣ ብዙሓት ኳዃትን ረጋቢትን ተራእዮም’ኳ እንተኾኑ ናይ ነስረዲን ትረኻ ግና እዋናውነት ኣለዎ። ንሱ ንመድፈና ሓቅን መራሳሕትን ብምስዓር፡ ነቲ ቤት-ማእሰርትታትናን ሕክምናናን ተጋሪድሉ ዘሎ ዘደንቕ መናድቕ ጽን ተት ዳዕሚኹ’ዩ ዓይነት ኣቀታትላ፡ ቀታሊ መድሃኒትን እዙዛት ቀተልትን ገሊጽልና። ድሕሪ’ዚ ዜና’ዚ ብርግጽ ብስራት ሰ ላም ከምዝስዕብ እመስለኒ።

ተቓላሳይ ተመሲሉ ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ቃልስና ዝተሰኩዐ ነቐዝ ብንጉኡ ስለዘይተወገነ ገና ብእግሪ ተኽሉ ሃገርና ከቖን ቁንን ሰብና ከብርስን’ኳ እንተጸንሐ ኣይከም ዘመነ-ህግደፍን። “ብሃንደበት” ብዝብል መርድእ ሞት ዝጸመማ ኣእዛንና ከ ምገለ ጠንቂ ሞት ክናፈስ ምእማኑ ጸጊምወን ምሕረት ካብ ሰማይ ጥራይ ብምጽባይ ከዋድቕኦን ብመጠን ብራኸ ሞት ምስርጣይ በዚሑ ዘይምስማዕ መሪጸን ዝተደፍናሉ እዋንን ኣይወሓደን። ግናኸ እንሆ ሎሚ ናይ ዶክተር ነስረዲን ትረኻ ንድብኦ ኩኩዕ ጸራሪጉ ሓቁ ናብ ከቦሮ ድምጺ እዝኒ ከምዝበጽሕ ገይሩ።

ክሳብ ሎሚ ብዘይካ’ቲ ስምዒት ሳዕሪርዎ ወይ ክመስል ብዝኽእል ካብ ክዉንነት ብዝረሓቐ ዝተባህለ ገስረጥ ዛንታ፡ ከም ቲ ብዓንተቦኡ ዝተሰምዐን ወዲባካሮ ዝደርጎሖን ብሳይናይድ (Cyanide) ዝግበር ምውጋን ከምዘሎ ድሮ ተጠርጢሩ ጸኒ ሑ ነበረ። ይዝከረኒ ተዛማዲ ናጽነት ተረኺቡ ኣብ ዞባ ምዕጎ ዱሙ-ዱሙ ምስተቐልቀልና እቲ ስርዓት በዚ ዝተባህለን ካ ልእ ሰማሚ ጥበብን ሰብና ከምዘብርስ ዘውጋዕናሉ ውሑድ ኣይነበረን። ይዝከረኒ’ውን ኣብ ዶባዊ ውግእ ተማሪኾም ዝጸ ንሑ ሰራዊትና ክምለሱ ተበኪሎም ከይኾኑ ነንዝምልከቶ ኣካል ዝሃብናዮ መዘኻኸሪ። ሽዑስ ዘሰከፈና “ዘይተነግረምበር ዘይተገብረ‘ኮ የለን” ካብዝብል እንተነይሩ፡ ሎሚ ግና እንሆ ዶክተርና ብጭቡጥ ዝረኣዮ ብከላ ደምን ካልኦት ናይ ኣቀታ ትላ ብልሓታትን ገሊጽልና። እቶም ንሱ ዘዘንተወልና ከም ፎርማሊንን (Formalin) ኣድሪናሊንን (adrenalin) ዝኣመሰ ሉ ኣፋውስ ብማዕረ ጠቕሞም ከምዝቐትሉን ከምሳዕቤኑ ሓካይም መዓስ፡ ንመንን ብከመይን ከምዝጥቀሙሉ ይፍለጡ ነ ይሮም። ተሓታትነት ስለዝነበረ ኸኣ ብጠለብ ይቐርቡን መዓላኡ ይገልጹን ምንባሮም ናይ ትማሊ ዝኽርና ኢዩ። ሎሚ ድማ ከም ተራ ነገር ኣብ ከብሒ መድሃኒት ተዘርጊሖም ኣብ ዘድለየ ሂወት ዜጋታትና ክምዝመንጠሉ ምስማዕ ኣዝዩ ከም ዘሕምም ኣየጠራጥርን። ሚኒስተር ሳልሕ መኪ ከይተቐደመ እንተዝነብርከ ነዚ ብከላ’ዚ ከምቲ ካልእ ምፈወሶ ዶኾን?

ዳሕራይና ክገድድ ሕጂሞኸኣ ኩሉ ነገር ከም ንቡር ክውሰድ ዝተረፎ የብሉን። ብፍላይ ህግደፋውያን ከምገለ ነቲ ገበን እንተልዒልካሎም ፈሪሆም ክንሶም መትከላውያን ክመስሉ ብምምራጽ ከምዋዛ “ይቐትሎም’ወ! እንታይድኣ ክገብሮም ምስራሕ እንተ ኣበይዎ? በይኑ’ዩ’ኮ” ዝብል ወረጃ መሰል ቃላቶም ከውሑዙልካ በይንኻነት ይስማዓካ’ሞ ክንዲ ትሓዝን መሊስካ ትንድርን ትዕንትርን።

ሎሚ ዘይተፈለጠ ምስጢር ኣቀታትላ፡ ቀተልትን ተቐተልትን የለን። ግናኸ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ምርጫ ቅትለት ድ ማ ኣለዎ መንግስቲ ህግደፍ። ከምቲ ነስረዲን ቁሪ ናበይ ከምዝደለየ ተሓቲቱ “ናብ ክዱናት” ኢሉ ብምቕጻል ህዝቢ ብጥ ምየትን ተላጋቢ ሕማምን ከምዝእርበድ ዝገለጾ ገዛኢና ድማ ብዘውጽኦ ውሕሉል ፖሊሲ ብርሰትና ትሑዝ ይኹን’ምበር ግናስ ቀዳምነት እቶም ምስጢር ዝሰርሑን ዝፈልጡን፡ ኣስዒቡ ንምሁራት፡ ሃብታማት፡ ክኢላታትን ቅኑዓት ተቓለስትን ዝኣመሰሉ ብመድሃኒት ምጽናቶም ከም ዘየዳግም ምስጢር ዓወቱ ምዃኑ ኣሚሙ’ዩ ተርታ ኣማውታ ሰሪዑ ዘሎ። እዚ ከ ምቲ “ነቲ ጓሳ’ሞ ቀፍዶ ጥሪት ክዝረዋ ኢየን” ዝብል ሕጊ ኣገዛዝኣ ምዃኒ ኢዩ። ደጊም ሓንቲ ዝተረፈት ንጽበያ ዜና ብዛ ዕባ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታላትና ኣካላት ሰብ መዝሒቖም ንዕዳጋ ዝልእኩ ሰባት ዘዘንትዉ ክመጹና ኢያ። ንሳ ድማ ጽባሕ ከምትስዕብ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ እንተዘይኮነ ግና እተን ሰተርቲ ሬሳ ሳናዱቐ ስለዘዘንትውኦ ዘህጽጽ ነገር የብልናን።

ክቡራት ደቂ-ሃገር፡ ኣብዛ ዝሓለፈት ቅንያት ድቡቕ ወረ ናይታ ሕማም ከምዝመከተት ዝውረየላ ሕክምና ሃገርና ንምሕባ እ ነስረዲን ክነኣኣስ ስለዝነበሮ እቶም ፍቐዶኡ ተዘርዮም ዘለዉ ዕሉማት ብዛዕባኡ ብሱልን ጥረን ክንስንሱ ከምተሰምዑ ሰሚዕናዮ ኣለና። ብሓፈሻኡ ቅትለት ከምዘሎ፡ ብፍላይ ድማ ፎርማሊን ትበሃል መድረቒት ሬሳ መድሃኒት ከይትኽሻሕ ተባሂሉ ክሳብ ነስረዲን ዶክተር ከምዘይኮነ ክንዛሕ ቀንዩ። ዶክተር እንተዘይበሉዎስ ሓኪም ምዃኑኸ ይኣምኑዶ? ኣብ ግ ዜ ቃልሲ ቀዳማይ ረዲአት ንኩሉ ተጋዳላይ ይዋሃብ ከምዝነበረን በቲ ትሑት ምህሮ ትንግርቲ ከምተሰርሐን ድሮ በኒኑ!

መቸም ምስምስ ገዲፍና ንንጹር ብርሰትን ድቀት ታሪኽናን ክባሃል እኒ ስዉእ ሚ/ር ዓሊ ስዒድ ዓብደላ፡ እኒ መሓመድ ስዒድ ባረህን ካልኦትን ልቦም ተናጢራ ክዝልሓጡ እንከለዉ ዘላገጸ ገባር እከይ’ምበር ዘርድአ ዶክተር ወይ ፖለቲከኛ ኣ ይነበረን። ከምኡ ድማ ንሓዋሩ ብዙሕ ቃልሲ ዘድልዮ’ኳ እንተኾነ ኣፍ ዶ/ር በረኸት ምኽፋት’ውን ኣዝዩ ኣድላይ ኢዩ። እንተ ናይእኒ ጓል ወልዳይን ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ማጆር ሃይለን ድሮ ‘እዙዛት’ ደመኛታት ምዃኖም ተገሊጹ ኣ ሎ። ብተወሳኺ ድሃይ ኣላይ ንጉዳይና ወሳኒ ምኾነ። ከመይሲ ንሱ ኣብ ከተማ ከለን ከምዝኣተወ ኢዩ ተነጊርና ዘሎ። ኣ ላይ ኣብ ከለን ካብ ኣተወ ተመኩሮታቱ የካፍለና ዶኾን ይኸውን? የማነ ተኽለገርግሽ ኣብኡ ከምዘሎ ሰሚዐ ነይረ። ሓቂ እንተኾይኑስ ክልቲኦም ተረከብቲ ቅትለት ይራኸቡ ዶኾኑ? እንተተራኺቦምከ ኣብዚ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ደሞክራስን ዓ ዲ ኣርሒቓትሉ ዘላ ብኩል ግዜ ይተኣማመኑን ይላዘቡን ዶኾን ወይስ ይጠራጠሩን ይተፋነኑን? . . . .

ዝኾነ ኮይኑ፡ “ፈረስ የብጽሕ’ምበር ኣይዋጋእን” ከምዝባሃል ነስረዲን ሞት በዚሑ ዓቕሉ እንተጸበቦን ትእዛዝ ቅትለት ጸን ኪሩ ኣብ ክሳዱ እንተተሓንገረን “ኣይቀትልን” ስለዝበለ ንርእሱ ተወፍዩ ታሪኻዊ ተልእኾኡ ፈጺሙ ኣሎ። ተሪፉ ዘሎ ና ህና . . . . .

ሰሰናዩ ንዕዑ ንዶቶር ነስረዲን! ንሃገርና ድማ መዋጽኦ ይጽረገላ ፈጣሪ!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT