Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ተረኺቡ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ መዝገብ እናገንጸለ ንዋሕሳት ናይቶም ኣቐዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ዘመለጡ ኤርትራውያን ዓሰርተታት ኣሽሓት ገንዘብ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ-ሰላም ተገይሩ ተባሂሉ፡ ዶባት ተኸፊቱ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዓቢኡ ዝርከቦም ሰበስልጣን ኤርትራ ይኹኑ መራሕቲ ኢትዮጵያ ካብን ናብን ዝበጻጽሑሉ ዘለዉ እዋን፡ ልኡኻት ስርዓት ኢሳይያስ፡ ቅድሚ እዚ ኩነታት`ዚ

ኣብዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ-ሰላም ተገይሩ ተባሂሉ፡ ዶባት ተኸፊቱ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዓቢኡ ዝርከቦም ሰበስልጣን ኤርትራ ይኹኑ መራሕቲ ኢትዮጵያ ካብን ናብን ዝበጻጽሑሉ ዘለዉ እዋን፡ ልኡኻት ስርዓት ኢሳይያስ፡ ቅድሚ እዚ ኩነታት`ዚ `ብስግረዶብ` ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዘምለጡ ኤርትራውያን ዋሕሳት መዝገብ እናገንጸሉ ኣማኢት ዓሰርተታት ኣሽሓት ገንዘብ ክኸፍሉ የገድዱዎም ከምዘለዉ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ዝርከቡ ከም ብዓል ምኪኤል ከበደ ዝብሃሉ ሓለፍቲ፡ ነቶም ብዋሕስ ድሕሪ ምልቃቖም ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ዜጋታት ካብ መዝገብ ኣናድዮም ዋሕሶም ድሕሪ ምጽዋዕ፡ 125 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ፡ ኣብ ርእሲኡ ነቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ክመልሱዎም፡ ክመልሱዎም እንተዘይመሊሶሞም ድማ፡ 420 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድዱዎም ኣለዉ።

ብዙሓት ካብቶም ግዳይ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዝመዛን ዓመጽን ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት ኣሕዋቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ብዘይ ግቡእ ደሞዝ ዘገልግሉ ዘለዉ ብምዃኖም፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ኣብ ስድራቤታቶም ቅልውላው ፈጢሩሎም ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ዶብ ኤርትራን ተኸፊቱ፡ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ንዋሕስ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ገንዘብ ክኸፍሉ ምስግዳድ፡ ካብቲ ራሻይዳን በደዊንን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ጅሆ ብምሓዝ ዘካይዱዎ ዝነበሩ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናይ ምኽዕባት ሽፍታዊ ስራሕ ዝፍለ ኣይኮነን።

ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰላም ተረኺቡ እናበለ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽፍትነት ከምዝስዕርር ምግባሩ፡ ገና ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ቅልውላው ጸሚድካ ብጸገምን መከራን ናይ ምቁጽጻሩ እኩይ ዕላማ ከምዘይተገላገለ ዘረድእ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT