Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀታሊ ሰብ ብገበን ክሕተት እምበር፡ ተሓላቂ ሰላም ክቁጸር ኣይግብኦን’ዩ

ሓደ ናብ ራድዮ ኣሰና ንዝሰዶ ጽሑፋተይ ብቀረባ ዝከታተል ግዱስ ሓው፡ “ኣብ ዝኾነ ጽሑፋትካ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ወይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኢልካ ኣይትፈልጥን ኢኻ” ክብል ብዋዛ ኣምሲሉ ሕቶን ወቀሳን

ሓደ ናብ ራድዮ ኣሰና ንዝሰዶ ጽሑፋተይ ብቀረባ ዝከታተል ግዱስ ሓው፡ “ኣብ ዝኾነ ጽሑፋትካ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ወይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኢልካ ኣይትፈልጥን ኢኻ” ክብል ብዋዛ ኣምሲሉ ሕቶን ወቀሳን ሓዋዊሱ ርእይቶኡ ደርጓሓለይ። ዘረባ ናይቲ ግዱስ ሓው፡ “ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ ንዓሻን ደርጓሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ” ስምዒት ስለዘሕደረለይ፡ ንህግደፍን መራሒኡ ኢሳያስን ይዝንጥሎም፡ ዘይናቶም ይህቦምን መዓርግ ኣንኢሰሎምን ከይህሉ፡ ንነብሰይ ሓተትኩዋ። ንህግደፍ፡ ብቁዕ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከብሎ ዝኽእል ሃገራውን ኣህጉራውን መለክዒታትን ተግባራትን እንተለዎ’ውን ሃሰስ በልኩ። ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ብቀጥታ ወይ ብሕጊ ብዝተመርጹ ወከልቲ ዘሳትፍ ስርዓት፡ ብሕጊ ዝምእዘዝ፡ ግሉጽነትን ቅንዕናን ዘለዎ፡ ማዕርነት ዜጋታት ዘረጋግጽ፡ ሕቶታት ህዝቢ ዝምልስ፡ ተሓታትነትን ጽፉፍን ምምሕዳር ዝውንን እንተኾይኑ፡ ብቅዓት ወይ ቅርጥውነት መንግስቲ ካብ ዘረጋግጽ ረቋሒታት’ዩ። ብመንጽር’ዚ ኣቀዲሙ ዝተጠቅሰ ኣምራትን መምዘኒታትን፡ ውልቀ መላኺ ህግደፍን መራሒኡ ኢሳያስን ሓንቲ ነጥቢ’ውን ስለዘየማልኡ፡ መንግስቲ ወይ ፕረዝደንት ዝብል ስም ክትሰምዮምን ክብሪ ክትህቦምን ሓጥያትን ነቲ ሓቀኛ ረቋሒታት ዘማልእ መንግስቲ ወይ መራሒ ክብሩ ምጉዳል’ዩ። ብዓይኒ ሓቂ፡ ህግደፍን ኢሳያስን፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዘለው ዘስካሕክሕ ገበንን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ብዘይካ “ውልቀ መላኺ” ኢልካ ምጽዋዕ” ካልእ ሕይል ዝበለ ቃል እንተዝህሉ ክንደይ ጽቡቅ ነይሩ። ስለዚ እቲ ግዱስ ሓው ስለምንታይ ኣብ ጽሑፈይ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ወይ ፕረዝደንት ኢሳያስ ዘይምባለይ ተወሳኺ ሓቅታት እንተለዎ ከሕብረኒ ይፈቱ። ብመርገጺየይ ግን ኣብ ኤርትራ ኢሳያስ ሓዳግን ገባርን ኢሳያስ ጥራይ ስለዝኾነ፡ ኣታ ውልቀ መላኺ” ትብል ቅጽል ስም ማዕቀኑን ትግብኦን’ያ።

ኣብ ዓለም፡ እንተ ብጽቡቅ ሞያኦም እንተ ብእከይ ተግባራቶም ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ዝሰፈሩ መራሕቲ ተራእዮም’ዮም። መለክዒ እሩም ጠባያት ናይ ሓደ መራሒ ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ሓድነት፡ ምዕባለን ሰላምን ሕብረተሰብ ምምናይ፡ ሞራላውን ስነምግባራውን ሓላፍነት ምውናን፡ ጽንዓት፡ ህድኣትን ተዓጻጻፍነትን ምዝውታር፡ ፍቅሪ፡ ሰብኣውነትን ቅንዕናን ምርኣይ፡ ሓላፍነት፡ ምርድዳእን ርእሰ ምትእምማን ዝስምዖ፡ ገለ ካብቶም ኣገደስቲ ነጥብታት ምስጉን ወይ ለባም መራሒ’ዮም። ኣብ ታሪኽ፡ ነልሰን ማንደላ፡ ማህተማ ጋንዲ፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ኣብርሃም ሊንከን ድማ ካብቶም ንኽብርን መሰልን ሰባት ህይወቶም ዘወፈዩን ብቅዓቶም ዘመስከሩን ፍሉጣትን ብኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉን መራሕቲ’ዮም። ብኣንጻር’ዚ፡ መራሒ ካምቦድያ ፖል ፖት፡ ኣዶልፍ ሂትለር፡ ጆሴፍ ስታሊን፡ ንጉስ ሊዮፖልድ ካልኣይ ናይ በልጅም ካብቶ ብጭካንኦምን ሰይጣናዊ ተግባራቶምን ዝፍለጡ መራሕቲ’ዮም። ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ “መልሓስካስ ብልዓሉ’ምበር ኣይትበዳዓሉ” ዝብል ምስላ ቀዳሞት ዕሽሽ ኢሎም፡ ዒደርን ካብ መላጸ ዝበልሕን መልሓስ ተጠቂሞም፡ ክብሪ ሰብ ዝግህሱ፡ ሕቆ ሰብ ዝሰብሩን ዝድህሉን መራሕቲ’ውን ኣለዉ። ከይገፍሓናን ርሑቅ ከይከድናን፡ ጠባያት ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ከይፈተሽናን፡ ናብዚ ከም ቁርዲድ ኣብ ሕብረተሰብና ጠቢቁ ደም ህዝብና ዝመጺ፡ ባዕሉ ስልጣን ጨቢጡ ንኣስታት 30 ዓመታት ህዝቢ ዝረግጽ ዘሎ ጸይቀ ዕሉል ኢሳያስ ከተኩር።

ኣብ ኤርትራ፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ይተኸል፡ ግሉጽነት፡ መሰል ምዝራብን ምጽሕፍን ይሃሉ፡ ህዝቢ ወከልቱ ክመርጽ ዕድል ይወሃቦ፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ይገበረሉ፡ ብዝሐ ሰልፍታት ክምስረታ ይፈቀድ፡ እሱራት ይፈትሑን ናብ ፍርዲ ይቅረቡን፡ ዝብላ ኣምራት ክለዓላ እንከለዋ ንስርዓት ህግደፍ ሕማም ርእሲ ስለዝኾንኦ፡ ነዘን ዝተጠቅሳ ጉዳያት ዝትንክፍ ውልቀ ሰብ፡ ጉጅለ ወይ መንግስቲ፡ ሰፍ ዘይብል ኣነዋሪ ጸርፊ’ዩ ዝቅበል። ብፍላይ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ክንዲ ጉድለትካ ምእማንን መኣዲ ዘተ ምዕዳምን፡ ከድዓት፡ ወያነ፡ ዓጋመ፡ ሰለይቲ ኣመሪካ፡ ዕሱባት፡ ግብረ ሽበራ፡ ጅሃድ ዝብሉ ኣስማት ምጥማቅን ምውንጃልን ልሙድ’ዩ። መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ህዝብን ጋዜጠኛታትን ንዝቀረበሉ ሕቶታት ክምልስን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝህቦ ነዊሕን ሃውታትን መግለጺታት፡ ካብ ሓደ መራሒ ሃገርን ሓላዪ ህዝብን’የ ዝብል ዘይትጽበዮ፡ ሰባት ምዝንጣልን ናይ ኣቃጫጭ መልሲ ምዝውታርን ኣብ ደሙ ዝኣተዋ ሕዱራት ጠባያት’የን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ቀጥታውን ሰላሕታውን ቅትለት፡ ማእሰርቲ፡ ምዝማት ንብረት፡ ሕንፍሽፍሽ፡ ስቅታ፡ ምብትታን ስድራቤታትን ብድኽነት ምቅጻዕን፡ ጽዩፍ ዘረባን ናይ ብድዐ ቃላት ምዝውታርን ልሙድ’ዩ። ካብቲ በብእዋኑ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ንምቁሻሽን ንምድሃልን ዝተጠቅመሉ ሓረጋት ምጥቃስ ይከኣል።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝቢ መነባብሮኡ ክመሓየሽን ጠለባቱ ክማላእን፡ ኣብ ኣኼባ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይስ፡ “ንጉሆ-ንጉሆ’ዶ በጊዕ ክንሓርደሎም ደልዮም” ክብል ብንዕቀት መሊሱ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ቁራስ እንጀራ ወይ እንቋቁሖ ትወልድ ደርሆ ከይረኸበ፡ ንጉሆ ንጉሆ በጊዕ ክትሕረደሉ ኣይጠለበን። ህዝብና፡ ኣታ ካብ ወለዱ ዝውረሳ ቃጽዖ መሬት ሓሪሱን ኮስኩሱን መታን ድራር ዕለቱ ክረክብ፡ ሰላም ጥራሕ’ዩ ዝምነ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም’ቶም ንብረት ህዝቢ ገቢቶምን ሓታቲ ዘይብሎምን ብዶላር ዝጻፍዑ፡ ኣብ ኣባይቲ መንግስቲ ዝቅመጡ ጉንዖ ክወሃቦ ኣይሓተተን። ካብ ከርሲ መሬት ኤርትራ፡ ብዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ትካላት፡ ኣዋርቅ ይኳዓትን ይፈርን’ኳ እንተሎ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ግን ቅንጣብ ለውጢ ኣይመጸን። ዝበዝሕ ክፋል ኤርትራ እንተላይ እታ ንእሽቶ ሮማ ዝብል ቅጽል ስም ዝነበራ ኣስመራ፡ ብሕጽረት ዝስተ ማይ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፡ ሽቅለተ ኣልቦነትን ድኽነትን ይጣራዕን ይሳቀን’ዩ ዘሎ። እዚ ጸገማት’ዚ ድማ መርኣያ ቁጠባዊ ፍሽለትን ውድቀትን ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ከም ምዕባለ ዝቁጸር እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ፡ ደለይቲ ፍትሒ ብኣጽንሑለይን ብዘይ ፍርድን ዝዳጎኑሉን ዝሳቀዩሉን ተሃኒጹ ዘሎ ኣብያተ ማእሰርትን ምዝርጋሕ መጸናጸንን ትካላት ስለያ ጥራሕ’ዩ።

ኣብ 1998፡ ብጉዳይ ዶብ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተወልዐ ደማዊ ኩናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰላማውያን ኤርትራውያን፡ ሕብሪ ዓይኖም ደስ ኣይበለናን ተባሂሎም፡ ታኒካ ማይ ከየልዓሉ፡ ካብ ምድቃሶምን ጎደናታትን ተጎቲቶም፡ ብግፍዒ ብግንባራት ኩናትን ሕማቅ ኩነታት ኣየርን ከምዝባረሩ ኮይኖም። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ሰብኣዊ መሰሎም ተገፊፎም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ብኽብሪ ምቅባል፡ እግሪ ምትካል፡ ሞራል ምሃብን ምትብባዕን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ “እዞም ካብ ኢትዮጵያ ዝስጎጉ ዘለዉ ንህዝብና ሕማቅ ይምህሩልና ኣለው” ኢሉ ወንጂሉ። ኣነን ሓጺሩኒ ይብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ” ከምዝብሃል፡ እቲ እናተጸርፈን እናተሃርመን ካብ ምዉቅ መነባብሮኡ ተፈናቂሉ ካብ ኢትዮጵያ ዘተባረረ ኤርትራዊ፡ “መሃሪ ሕማቅ” ኢልካ ጽዩፍ ቃላት ምጥቃን ድማ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ መራሒ ሃገር ክትብሎ ይትረፍ፡ ዕዋላን ኣረሜንን ስም ክትህቦ’ውን እናንኣሶ’ዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣብ ሕብረተሰብና፡ ነቲ ጭዋ ባህልና ደዊኑ፡ ጭካነ፡ ጉቦ፡ ስስዐ፡ ፍርሒ፡ ሕጊ ኣልቦ፡ ጥልመትን ብኣቋራጭ ምህብታምን ከምዝስዕርር ዝገበረ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ እምበር ህዝብና ኣይኮነን። ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ድማ፡ መሰልካ ብሕጋዊ ኣገባብ ክትሓትት ስለዘይትኽል፡ ኣሰር ናይቲ ሓቂ ቀቢሩ ዝሰርሕ ስርዓት ኢኻ ትስዕብ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ብዝተኸተሎ ግጉይን ገባትን ቁጠባዊ ፖሊታት ማለት፡ ኤርትራውያን ብሕታውያን ኣውፈርቲ ብዓቅሞም ህይወቶም ከይመርሑን፡ ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገሮም ተሳተፍቲ ከይኮኑን፡ ይዕበ ይንኣስ ንግዳዊ ንጥፈታት ህግደፍ ስለዝዓብለሎን፡ ዘየተባብዕ ዓንቃጺ ምቁጽጻርን መምዘኒታትን ስለዝበዝሖም፡ ገሊኦም ከሲሮም ገሊኦም ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም። ኣብ ርእሲኡ፡ ኤርትራ ዋላ’ኳ መስሕብ ወፍርን ወናኒት ባህርያዊ ጸጋታትን እንተኾነት፡ ብሰንኪ ግሉጽነትን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን ዘይክተል ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ ናይ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ማዕድናትና ዝጉሕጉሓ ዘለዋ ሒደት ኩባንያታትን ትርጉም ዘለዎ ግዳማዊ ወፍሪ ኣይተራእየን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርአ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘግለለ መስርሕ ሰላም ምስ ኢትዮዮጵያ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ቀዳምነት ዝሃበ ወደኽደኽ ስለዝኾነ ተወሳኺ ዕንደራ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። እቲ 80 ሚእታዊት ብሕርሻ ዝናበር ህዝብና ብፍላይ፡ ለይትን መዓልትን ኣብ ጽሓይን ኣስሓይታን ምስ ባህሪ ተጻዊሩ’ዩ ዝዕንገልን ናብርኡ ዝመርሕን ዘሎ። ይኹን እምበር ብስርዓት ህግደፍ ዝሰርሕ መንእሰይ ኣብ ውትህድርና ስለዝተጸምደን ናብ ስደት ስለዝነፈጸን፡ ግራውቲ ቃዲሩን ኣብ እዋኑ ኣይሕረስን ከምኡ’ውን ቀውዒ ኣይጥርነፍን። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንኸምስልን ፊን ክብሎ እንከሎን፡ ኣብ ዞባታት ዑደት እናፈጸመ “ልምዓታዊ መደባት ይዕዘብን ምስ ህዝቢ ኣኼባታት የካይድን ኣለዀ” ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓረስቶት ጸገማቶም ፍታሕ ንኽረኽቡ መረርኦም ገሊጾም። መላኺ ኢሳያስ ግን ኣብ ክንዲ ሕሰሞም ንዝገለጽሉ ሞራል ዝህብን ፍታሕ ዝገብርን፡ ናብ ማይ ዘለዎ ቦታ ኪዱ እምበር ማይ ኣይመጸኩምን’ዩ” ክብል መሊሱ። መሰረታዊ ጠለባት ሓረስቶት ሃገርና፡ ነቶም ብረት ተሓንጊጦም በረኻ ሰፊሮም ዘለው መንእሰያትን ኣቦታትን፡ ክሓርሱን ስድራቤቶም ክኣልዩን ናጽነት ይወሃቦም እምበር ዝናብ ካብ ሰማይ ተሓሊቡ ክመጾም ኣይለመኑን። ብዓይኒ ኢሳያስ ግን፡ ማይ ንኽትረክብ ንወለዶታት ዝተቀመጥካሉ ዓድኻ ክትለቅቅ፡ ካብ ህዝብኻ ክትፍለን ምስ ሓድሽ ቦታ ክትላለን፡ ልክዕ ካብ ግንባር ናቅፋ ኣዝሊቅኻ ኣብ ሰናጭሮ ሳሕል ዓምበርበብ ኣብ ስዓታት ሓድሽ ህይወት ምጅማር’ዩ ዝመስሎ።

ካብ ጽባሕ ናጽነት፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እናተነጸለን፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃሊ ዝነበሮ ህቡብነት እናሃሰሰን’ዩ መጺኡ። እቲ ዓስቢ መስዋእቱ፡ መውጋእቱን ድኻሙን፡ ክኸብርን ከዕርፍን ሞሳ ክረክብን፡ ኣብ መነባብሮ’ቲ  ብጉልበቱን ንብረቱን ኣጆኻ ዝበሎ ህዝቢ ምዕባለን ሰላምን ክርእን ዝግብኦ ተጋዳላይ ድማ ዝያዳ ግዳይ እከይ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ። ካብ ውትህድርና ተሰናቢቱ ሰላማዊ መነባብሮኡ ንኸየካይድ፡ ስሩዕን ዘርብሕን ደሞዝ ከይግበረሉ፡ ተማሂሩ ፍልጠቱ ከየስፍሕ፡ ዕድል ስራሕ ከይረክብን ስድራቤቱ ከይሕግዝን፡ ኣሎ ዝብሃል ተጻብኦን ምሕንኳልን ተገይሩሉ። ሓርበኛ ተጋዳላይ ብህግደፍ ክብረትን ርእሰ ምትእምማንን ኣጥፊኡ ርእሱ ኣድኒኑን ጃጅዩን ከምዝነብር ኮይኑ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ብዘጋጠሞ ምእሳር፡ ካብ ስራሕ ምድስካል፡ ውርደት፡ ብሕማም ማሲኑ፡ ብሓለንጊ ጥሜት ተሳቅዩ ብጓሂ ክመውትን እግሩ ናብ ዝመርሖ ክስደድን ተገዲዱ። እቲ ብኸቢድ ማእሰርቲ ዝሰንከለን ዓዲ ውዕል ዝኾነን ኣብቲ ብብዙሓት ሰባት፡ “ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ዋርድያ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዓስከራት ማይ ሓባርን ቃኘውን ብዘይ ብቁዕ ምድላውን ኣገልግሎትን ተደርብዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ሓምለ 1994፡ ብህይወት ምንባር ኣዝዩ ዝመረሮም ውጉኣት ሓርነት፡ ሕሰሞም ክገልጹ፡ ካብ ማይ ሓባር ናብ ኣስመራ ብምርኩስ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ ብትእዛዝዝ ኢሳያስ ብኣፈሙዝ ብረት ከምዝርሸኑን ከምዝቆስሉን ኮይኖም። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብምርሻን’ዞም መሰልና ዝበሉ ውጉኣት ሓርነት፡ ብገበን ክሕተት ዝግብኦ’ኳ እንተኾነ፡ ነቶም ኣብ ጽርግያ ግደ ሞትን መቁሰልትን ዝኾኑ ዜጋታት፡ “ሓንቂቆም” ኢሉ ሓጪጩ።  ብጠቅላላ ጤል ዘይትበልዖን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዘይዛረቦን የለን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን፡፡“ካብ ባድመ ወጻና ማለት ጽሓይ ሞይታ ማለት’ዩ፡ ብዝብል ድርቅና፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ዝሃለቁሉ፡ ምምዝባልን ቁጠባዊ ዕንወትን ዘስዓበ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ቅዋም ይተግበርን ብሕጊ ንማእዘዝን ምስተባህለ፡ “ቅዋም ዝብሃል የለን ሞይቱ’ዩ” ዝብሉን ካልኦት ሓላፍነት ዝጎደሎም መግለጺታት ምሃብ ሓደ ካብ ጠባያት መላኺ ኢሳያስ’ዮም። ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ስለምንታይ ኢዩ ዘይንቡር ኣሰራርሓ ዝኽተል፡ ብሕሰም ህዝቢ ዝድሰትን ተንኮለኛን ኮይኑ ዝብል ሕቶ ክቀርብ እንከሎ ድማ፡ ዋላ’ኳ ብሓካይም ስነ ኣእምሮ ዝተረጋገጸ ጭብጢ እንተዘየለ፡ ሕልሚ ኢሳያስ ስልጣን ምጭባጥ እምበር ፍቅሪ ሃገርን ስድራን የብሉን፡፡ ንኤርትራ ምምሕዳርን ምግዛእን ስለዝነኣሰቶ ድማ፡ ኢሳያስ እንተኾይኑሉ ሃጸይ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኸውን ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ወይ ዞባዊ ውድባት፡ ስሙይን ሃወርያ ሰላምን ከኸውን፡ ሽልማት ኖቤል ክቅበልን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን ኣሽምባይዶ ብጽቡቅ ተግባራት ክነኣድን ክስለምን፡ እቲ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ዝተጸልአን ብሕማቅ ዝዝከር ግናይ ዓሌትን’ዩ። ገበናትን ኣደራዕን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ስድራቤት ኤርትራ ኣትያ ስለዘላ፡ መዓልታዊ ዕላል ህዝብና፡ ብዛዕባ ኣረሜናዊ ምምሕዳር ኢሳያስን ሳዕቤናቱን’ዩ። ህጻናት ከይተረፉ’ውን ዘዝዓበዩ ኣሕዋቶምን ወለዶምን ፋሕ ጭንግራሕ ስለዝኣተዎምን ራዕድን ሽበራን ስርዓት ህግደፍ ካብ ወለዶምን ብዓይኖምን የጋጥሞም ስለዘሎ፡ ንኢሳያስ ኣብ ተለቪዥን ክዕዘብዎ እንከለዉ፡ ከም ሕንጉጉን በላዒ ሰብን’ዮም ዝፈርሕዎ። ኤርትራውያን፡ ምስ ስጋና እናመንጨተ፡ ዓጽምና እናግሃጸ፡ ደምና እናሰተየ፡ ህላወናን መንነትንን ትሕቲ መሬት እናኣስፈረን ዝነብር ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ተሰኪምናዮ ኢና ንጓዓዝ ዘለና’ሞ፡ ሓደ ልቢ ኮይና፡ “ይኣኽለካ፡ ካብ እንግዳዕና ውረድ ብገበንካ ተናዘዝ” ክንብሎ እዋኑ ሕጂ’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 12 መስከረም 2018   

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde September 13, 2018

    Like the good old American saying goes, ‘nobody %$@! with you unless you let them’…..this tyrant has been throwing these Eritrean degrading sarcastic insults for over half a century,some of us even joined the chorus and assumed his alter ego and engaged in killing our own brother and sister,that is why I said,we carried this anomaly in our belly beyond term, unless we purge it naturally or mechanically, it will eventually kill the host which has been happening to our society,slow and agonizing death.>>>>Tsilal the tyrant slithered as a tyrant among us and displayed his poisonous colors in his early days,we fell for it,we are paying the heftiest price with our children and grandchildren at no fault of their own.

    • Misghina September 13, 2018

      Fuck off asshole scam bag ELF mendef whore mouth shit.

      • Wedi Hagher September 13, 2018

        Where were you for the last three weeks or so ?
        Don’t worry about ELF, time will surely come when you will be exposed. It’s matter of time before we know who you are.

      • k.tewolde September 13, 2018

        Thank you,truth hurts doesn’t it.No barrage of profanity can reverse it,prayer ,repentance,apologies and working diligently to make up the lost opportunities will do,it is never too late to re-frame the mind and change course,hug your brother,he is an arm length away,even the tyrant is showing some affection this days,of course not to you.

  • Wedi Hagher September 13, 2018

    An arabic news site adoulis.net quotes sources from Asmara as saying that Abraham Afewerki is appointed as “Special Coordinator” in his father’s office. He will be in charge of Eritrean ports and border posts.

    • k.tewolde September 13, 2018

      What is new Wedi Hagher,he is the successor of the throne Bin Ibrahim.

POST A COMMENT