Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምርኻብ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ኣስመራ ኣትዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ገይሩ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምርኻብ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ኣስመራ ከምዝኣተወ ኣፈኛ ናይቲ ስርዓት የማነ ቻርሊ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣቢይ ኣሕመድን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ገይሩ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምርኻብ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ኣስመራ ከምዝኣተወ ኣፈኛ ናይቲ ስርዓት የማነ ቻርሊ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣቢይ ኣሕመድን ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ብዛዕባ ኩሉ ወገናዊ ምትሕግጋዝ ክላዘቡ ምዃኖም እዩ ዝገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድሕሪ `ቲ ብኣሻማዊ መንገዲ ከም ፈተነ ዕልዋ ዝተገልጸ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ዝተኻየደ ናይ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ቅትለታት ንፈለማ ግዜ እዩ ናብ ኣስመራ መጺኡ ብወግዒ ምስ ኢሳይያስ ዝራኸብ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ንባይቶ እታ ሃገር `ንምቛም ሓይሊ ባሕሪ ዘድሊ ምድላዋት ኩሉ ወዲእና ኣለና` ክብል ከምዝሓበረ `ውን ይፍለጥ።

ድሕሪ`ቲ ናይ 20 ዓመታት ግጭትን ምትፍናንን፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዓሚ ኣብዚ ወርሒ `ዚ እዩ ንፈለማ ግዜ ርክብ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዳግም ተጀሚሩ።

እንተኾነ፡ ኢሳይያስ ኣብቲ ፈለማ ሰሙናት ኣብ ጥርዚ ሆይሆይታ ተሰቒሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ `ኣይከሰርናን` ን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድማ፡ `ስልጣን ሂበካ ኣለኹ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና` ኢሉ፡ ዓጀውጀው ድሕሪ ምባሉ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ቁጡዕ ናይ ተቓውሞ ግብረመልሲ ኣኸቲሉ `ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክንሳ `ሓይሊ ባሕሪ ከነቕውም ኢና` ኢሎም ብተደጋጋሚ ምዝራቦም `ውን ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዘሕደሮ ጥርጠራ ምድኻም ልኡላውነትን ብሰላሕታ ዝካየድ መሸጣ ኤርትራን መሊሱ ነዳዲ ወሲኹሉ።

ይኹን`ምበር፡ እቲ ብፍኑው መንገዲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ብበይነኣዊ ስጉምቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሓደ ድሕሪ ሓደ ተዓጽዩ። ቀጺሉ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተፈላለየ መርገጺታት ምውሳዶም ‘ውን ከም መርኣያ ቅህመት ናይቲ ሓዱሽ ፍቕሪ ክግለጽ ጸኒሑ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብቶም ዝሓለፉ ናይ መዓልቲ ናጽነትን ዝክረ ስመእታትን ኣጋጣሚታት ብዛዕባ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ርከብን ምዕባሌታቱን ጥርቅም ኢሉ ምጽንሑ ‘ውን ነዚ ኣመታት `ዚ መሊሱ ኣራጒዱዎ።

ይኹን`ምበር፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ በቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝገጠሞ ተቓውሞ፡ ከምኡ `ውን እቲ Game Over ክብል ብዛዕባ ወያነ ዝተዛረቦ ጃህራ ከም ኣፉ ስለዘይኮነሉ ንግዚኡ ርእሱ ኣብ ሑጻ ዋላ እንተቐበረ፡ ነቲ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ፈለማ ርክብ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ልቡ እናሃረመ ዘግሃዶ ናይ ነዊሕ ስትራተጂኡ ንምዕዋት ኩሉ ዓይነት ስልትታት ተጠቒሙ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ምቕሻስ ድሕር ከምዘይብለ ግን ርኡይ እዩ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ እቲ ዝርካቡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብቐጻሊ ካብ ኤርትራ ተዘቚቖም ናብ ኢትዮጵያ ምግዓዞም ንገዛእ ርእሱ ነቲ ዝገጠሞ ተቓውሞን ዕንቅፋትን ዘቃልል ምዕባለ ገይሩ ስለዝረኣዮ ሸለል ካብ ምባል ሓሊፉ የተባብዖ ምህላዉ `ውን ኣካል ፖለቲካዊ ጸወታ ኢሳይያስ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ እቶም ብስም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝጽውዑ ኣባላት ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ሃገር ኣብ ኢዶም እናሓወየት ኢዶም ኣጣሚሮም ካብ ምዕዛብ ሓሊፎም፡ ነቶም ኢሳይያስ የስግኡኒ እዮም ዝበሎም ሃገራውያን ኣብ ምእሳርን ምጽንጻንን ትእዛዝ ኢሳይያስ ተቐቢሎም ከተግብሩ ምርካቦም ናይ ታሪኽ ዕዳ እዩ።

እታ ብጽንኩር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝተረኸበት ሃገር ኣብ ክንዲ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ንብረት ናይ ህዝቢ ሃገር ክትከውን እምብኣር ሕጂ `ውን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ሃገራዊ ግዴትኡ ብዘይወዓል ሕደር ክፍጽም፡ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣዕንዩ ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ መንግስቲ ክተክል ኣለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT