Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅንጸላ ስንኩላን – ብጎደፋ

ሓንቲ ካብተን ክቡራት በዓላት ህዝቢ ዜርትራ፡ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታትና ኢያ። ህዝቢና ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ዓመት መጸ ተኣካኪቡ ሕሉፍ ሓዘኑ ዝገልጸላን ኪዳኑ ኣጽኒዑ ዝድበሰላን ክትኮነሉ ነበረ ትጽቢቱ። ኣብታ ክብርቲ መዓልቲ ኣይሂ ንብዓት ክዛሪ ዝድርኽ ጎስጓስ’ውን ይርአ ኢዩ።

ሓንቲ ካብተን ክቡራት በዓላት ህዝቢ ዜርትራ፡ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታትና ኢያ። ህዝቢና ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ዓመት መጸ ተኣካኪቡ ሕሉፍ ሓዘኑ ዝገልጸላን ኪዳኑ ኣጽኒዑ ዝድበሰላን ክትኮነሉ ነበረ ትጽቢቱ። ኣብታ ክብርቲ መዓልቲ ኣይሂ ንብዓት ክዛሪ ዝድርኽ ጎስጓስ’ውን ይርአ ኢዩ። እንተኾነ መዓልቲ ሰማእታት ከም ጽንዕቲ ትሕጃ ጅሆ ሓኒቑ ንብዓት ኣዴታት ከይደርቕን ወትሩ ክዛርን ምእንቲ፡ ዕላማኣ ክጉዕጽጽዎ ክጠማዝዝዎ ስለእንርኢ እምበር ስለ’ቲ ክቡርነቱ ከነልዕሎ’ውን ኣይምደለናን። በሉ መስዋእቲ ብዙሕ ኢዩ መልክዑ። ኣብታሪኽ ሃግርና ብዙሓት ናይ ህልቂት ጸለምቲ መዓልታት ከምዘለዋ መጠን፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ ኣብ ታሪኽ ስንኩላን ጸላም ታሪኽ ዘመዝገበት ዘይተኣወጀት መዓልቲ ሰማእታት ከምዘላ ንኣፍልጦ ክጥቀስ ግቡእ ኢዩ።

ስንኩላን እቶም ኣፍ ዘለዎም ስዉኣት ኢዮም። ምኽንያቱ ኣብ ከክሳአድ ዝተዃሽሐ በዓል መሓውር ተኾርምዩ ኣብ ዓረብያ ወይ ኣብ ዓራት ምስተወሰነ፡ በዓል ኮኾብ ኣዒንቲ ተደፊኑ ኣብ ድቕድቕ ጸልምት ምስተገፈነ፡ ዕጫኹም ከምኣ እንተትኸውን እንታይ ምበልኩም? ድሕሪ ስንክልና ድኣ ቅብጸት ክበሃል ይኸውን። ንሳቶም ግና ከምኡ ኣይበሉን። “ስንኩል ኣእምሮ እምበር፡ ስንኩል ሰብ የለን“ እትብል ጭርሖ በኹሪ እዝነይ ካብኦም ሰሚዐያ።መትከልን ብ ድሆን ስዉኣት ኮነ ስንኩላን ከኣ ኩሉ ግዜ ንመንፈስ ጠላማት ከምዘናውጽ መግለጺ ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ። ስለዝኾነ ኩሉ ግዜ ጉዳይ ስንኩላን ብዓይኒ ወጥርን ጽልእን እናተጠመተ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝዓበየ ጉዳይ ከምዝኾነ ኩሉ ዜጋ ይፈልጦ ኢዩ።ናይ ሃውሪ ዘይኮነስ ብቀንዱ ታሪኻዊ መሰረት ኣለዎ። ምኽንያቱ ደምበ ስንኩላን ሃብታም ኢዩ። ኣ ውራ’ዃ ብታሪኽ። ኣብ ውሽጢ መዓስከር ካብ ምጅማር ክሳብ ምዝዛም ቃልስን፡ከምኡ ድማ ድሒሮም ዝሰንከሉን ሓርበኛታ ኣለዉ። በቢዓይነቱ ስንክልና፡/ተፈጥሮኣዊ ኮነ ብሓደጋ/ ካብ ኩሉ ብሄራትን ጾታን ዝተኣከቡ ታሪኽ ዝት  ርኹ፡ ህሉው ነገራት ዝትንትኑ ዝግምቱ፡ መጻኢ ዝጥምቱ፡ ካብ ኩሉ ሃይማኖታት ዝተኣከቡ ዓዃየ-ምሁራት፡ ከም ቶም ስዉኣት ብሕላገት በሰላኦም ዝግለጽ መትከል ዝጸንዑ ኣካል ስዉኣት ኢዮም። ከምኡ’ውን ንሳቶም መማህራን ርእስኻ ምኽኣልን ምስግጋር ታሪኽን ብምዃኖም፡ እሞ ኣብ መንጎ ሰራቒ፡ ጓዕጻጺ ታሪኽን ወናኒ ታሪኽን ዘየፋጥጥ ምኽንያት ስለዘይለ፡ ስንኩላን ኩሉ ግዜ ከም ወነንቲ ጥጅእ ተመኩሮታት መጠን፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ኮልዒ ተቓው ሞ ክግንፍል ዝኽእል ዓቕሚ ስለዘለዎም፡ መራሕትና ነዛ ንኣዒንቶም ክንዲ ቛሕሰም’ውን ትኹን ክርእይዎም ከምዘ ይደልዩ ባዕሉ ተመኩሮኦም ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ክንዲ ዝኾነ ፕረሲደንት ጋና ብጋናኡ ካብቲ ቀደሙ ዝጸንሐ ተጽ ዕኖን ዘስዓቦ ስግኣት ንምሽፋን ብስም ገንዘብ ኣሎ እንተኾነ ናይ ፖለቲካ ጨለነት ከምዘየድሊ እናኣጉባዕብዐ ነቲ ብ ዘይፍታዉን ብዘይድሌቱን ዝቖመ ማሕበር ስንኩላን ንይምሰል ከምዝመረቐሎም ተጋሂዱ ነበረ። በታ ጸላም መዓል ቲኸ ስለምንታይ ኢዮም መራሕትና ብስንኩላን ርዒዶም?

እቲ መድረኽ እቲ ክቡር መከላኸሊ ሚኒስተር ነበር ኣቶ መስፍን ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። ድሒርና ክንገልጾ’ዃ እንተኾንና ሚ/ሪ ምክልኻል ሽዑ እቲ ቀንዲ መጥሓንን መዲድን ኮይኑ ንነባራት ተጋደልቲ ከዳቕቕ ዝተመዘዘ ኣሃዱ ብምንባሩ ናብ ተጋደልቲ ዝቐንዐ ሓያለይ ዓመጻት ተራእዮም ኦዮም። ምስቲ ዝነበረ መንግስታዊ ሕጽረት ባጀት ብዘይ ደሞዝ ምስራሕ ስለዝተወሰነ “ምቕባል ኣብዮሞ“ተባሂሉ ክምኽነ ዝተራእየ ውሕሉል መበገሲ ድማ ሸ ቶኡኡ ወቒዑ ኢዩ። ከሳብ ለይቲ ሎሚ’ውን ምስጢሩ ብዘይምርዳእ ብሽፋን ምንቅስቓስ ተጋደልቲ፡ ነቲ ዝፈጸምዎ ምብታንን ማእሰርትን ሓርበኛታት ተኸዊሎሙሉ ኣለዉ። ብተወሳኺ ሽዑ ጉዳይ ስንኩላን ካብቲ ሓደ ዓቢ መፈራ  ርሂ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ኢዩ ዝነበረ።

ትርኻ ሚ/ሪ ምክልኻል ነበር ካብ መሰረቱ ሸፈጥ ጥራይ ኢዩ። ከምቲ ዝተገልጸ ንሱቃለ-መሕትት ክገብር ናይ ሎሚ ኡ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብቲ ቀዳማይ እዋን ንፕረሲደንት ከምሕሱም ድሕሪ ምምጓስ ፍቕሩ ከምዘይወጻሉ ኣተንቢሁ፡ ኢሰይያስ ስለዘይደለዮ ከምዝተፈለየ ኢዩ ተዛሪቡ። ሓቂ ኢዩ ምኽንያቱ ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ ንርእሱ ተሓታቲ ስለዝኾነ፡ ብሓባር ንዝገበርዎ ከኣ ከይጣለሙ ጸጸር ስለዝወሓጡ።ኮይኑ ድማ ገና ከይተበገሰ ስንኩላን ኣብ ትሕቲምምሕ ዳሩ ምንባሮም ድፊሩ ክገልጽ ኣይከኣለን። ከምኣበሃህላኡ ኩሉ ምስተፈጸመ ንጽባሒቱ ካብ ኣስመራ ብተሌፎን ከም ከምዝተነግሮ፡ ኩሉ ነገር ምስተወድአ ከኣ ከምዝኸደ’ሞ ሓንቲ ነገር ክገብር ድማ ከምዘይከኣለ፡ ኣብቲ ጉዳይ’ውን ቅ ንጣብ ሓበሬታን መምርሕን ከምዘይነበሮን፡ከምዘይፈለጠን ኮታ ኩሉ ዓይነት ዕባራ ምኽኒት ክደራድር ብምፍታኑ፡

“ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ“ ኮይኑ ነገሩ። ብግዜ ዝልካዕ፡ ነጥቢ ብነጥቢ ክተሓሓዙ ምተኻእለ ስንኩላን ምስ መስፍ    ን። እንታይ ቁምነገር’ሞ ኣልይዎ ሎሚ! እንታይከ ኣራተዖ ንሱ፡ ዕድመኡ ዝፈጠሮ ዘርባዕባዕ ጥራጥ ምኣኸሎ እንድ ዩ። እምበር ብዙሕ እንድዩ ተባሂሉን ሎሚ’ውን ክበሃል ዝከኣልን።

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ምክትታሉ ክጥዕመኩም ምእንቲ፡ ኣዝዩ ሓጺር ካብቲ ቡሁል ጥራይ ክብል። ድሕሪ ነጻነት ብዘይካ’ቶም ኣብ ትሕቲ ማ/ዊ ጉዳይ ዝነበሩ ኣዝዮም ስኑፋት፡ ዝበዝሑ ሓንካሰ-ቆራጽ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተበቲኖም ከምዝነበሩ መን ዘይፈልጥ። ማሕበር ብገለ ዝነጠፉ ክትምስረት እንከላ እንታይ ክትወልድ ምዃና ንኩሉ ርዱእ ኢዩ ዝነበረ።ኮይኑ ድማ ገና ኣብ እግሪ ተኽላ ብስም “ማሕበርኩም ተመስሪታ“ ክሳብ ኣብ ወሳኒ ቦታ ተመዲ ቦም ዝነበሩ ስንኩላን ሰራሕተኛታት ናብታ መጉድእ ስንኩላን ዝተመርጸት ሩባ ማይሓባር ተጓረቱ። ሎሚ እንክንሰምዖ መስፍን ኣብዘረባኡ“ናብራ መሪርዎም ክጠርዑ ተበጊሶም“ ዝብል መመኽነይታዃ እንተኣቕረበ፡ ንርእሱ እቲ ኮነ ኢልካ ብዘይመጽናዕቲ ናይ ባህ ኣይበሎም ዝመስል ምኹማር ስንኩላን ዝፈጠሮ ድርኺት’ኻ ይንበሮ’ምበር፡ ኩሉ ከ ምዝፈልጦ እቲ ኣውራ መአከቢኦም ምኽንያትስ ስንኩላን ክጣየሱ ከምዝነበረ ብወገወዒ ምስተገልጸሎም ኢዩ ነገር ዝገንፈለ። ሎሚ እንተኾነ’ውን ስለምንታይ ምጥያስ ስንኩላን ተሓሲቡ? ስለምንታይ ከኒ ብፍኑው ተነጊርዎም? ስለምንታን ስለምንታያትን እንተጸብጸብና ትጽቢት መራሕትና ብዘየወላውል ነቲዝመጸ ክኸውን ስለዝደለዮ ጥራይ ምንባሩ ከይተጠራጠርና ምግላጹ ይከኣል። ስዉእስ ሕራይ ሓደ ኣፉ ተደፊኑ፡ ስንክልና ንስነ-መጎት ጥዕና ክሳብ ዘቆ ናጽብ ከምዘይተመደረሉ ንዘይግብራዊት ዓለም ዝተቐበለ ስንኩል፡ መሬት ምስወግሐ ኣብቲ ናይ ናብራ ፈተና ምስ ተበጽሐ ንዓዓቶም ብምጥያስ ምስንባዶም ክልተ ዝብልሑ ሜላ ማለት በቲ ሓደ ብናዕቢ ስንኩላን ተጠቃሚ ምዃን ን ምድራዖምም ክጥዕምን ምእንቲ፡ በቲካልእ ንስንኩላን’ዃ ዘጣየሱ ድኣ ነቲ ጥዑይ ተጋዳላይ ዋላ ምስ ምሒር ሽግ ራቱ ክጣየስ ከምቅቡል ክውሰድ ከምእተወጠነ መስፍን ሎሚ ናበይ ከዝብሎ ይኽእል? ዘመነ ውራውራ ነብስኻ ኣ ይተዕብራ ስዒቡ ንዝያዳ ናዕቢ ወይ ህድማ ዝተወጠነ ስዉር ሜላ ክሳብ ሎሚ ብልክዕ ዘይተጋለጸ እኪት ምዃኑ ክ ስትውዓለሉ ኣለዎ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም።

ሓቂ ንምዝራብ እንታይ ዝኣመሰለ ተንኮል ናይታ ሰልፊ ከምዝነበረን ተጋሃዲ ከምዘይኮነን ድማ ሎምስ በጺሕናዮ ኣለና። እቶም ስንኩላን’ሞ መሓውር’ዃ እንተኸሰሩ፡ ምስ ሙሉእ ኣእምሮን መንፈስን ስለዝነበሩ ድሕሪቲ ምጥያስ ዘርድኦም ኣኼባ፡ ንበዓል ስልጣን ምጥያስ ኣቶ ኣማኑል ኣሲሮም ጸገማቶም ዝፈትሕ ክቡር ሰብ ክመጾም ጠለቡ።

ማይሓባር ኣይከድካዮምን ዲኻ መስፍን ምስ ዓሊ ስዒድ ድሮ’ቲ መዓልቲ ዕግርግር? ኣይተላዘብካን ዲኻኸ ምስቲ ናይቲግዜ ኣቦወንበሮም ዝነበረ ሰብ? ማለተይሲ መልስኻ’ዃ እንተሰማዕናዮ ከምኡ ከኣ ይብሉ ኢዮም ንሳቶም።እሞከምወነንቲ ታሪኽ መጠን ከኣ ንስኻ እንታይ ክትገብር ከምዝመጻእካ ኣጸቢቖም ስለዝፈለጡ፡ ንብውክልና ዝመጻእኩም መስፍንን ዓሊስዒድን ኣይተቐበልኹም። ክቡር ፕረሲደንት’ውን እኮ ዕድለኛ ድኣ ኮይኑ ተወርይሉ እንበር፡ ከም ባህርስ ከምስንኩልን ሙሁርን ዝጽልኦን ዘፍርሆን ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም:፡እሞ ብገለ ትንግርቲ ነቲ ናቱ እኪት ዝጋርድ መዐንዘዝ ደፊንዎምስ ሽግራቶም ንሱ ጥራይ ከምዝፈትሓሎም ብምእማን ከኣ ኣይኮነን ንሱ ክመጾም ጥራይ ዝነበረ ጠለቦም።ዝኾነ ኮይኑ ንሱ ከምዘይመጾም ብኣፍ ናይቲ ግዜ ኣቦወንበሮም ዝነበረ  ምስተገልጸሎም ንሱ እንተዘይመጾም ንሳቶም ክኸድዎ ወሰኑ፡፡ ጉዕዞ ንኣስመራ።

መስፍን ንከህድኦ፡ ክፈትሖ ዝኽእል ዝነበረ ጉቡእ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ጎስዩ ተሓቢኡ ንዝወልዖ ዓገብ ኣማዕድዩ ከምዘይተኸታተለ ሎሚ ክርእዮ እንከሎ ብዘይገለ ሕንኽንኽ ቅንጣብ ሓበሬታ ከምዘይነበሮ ከምስል ተሰሚዑ። እታ “ናብራ ከፊእዎም ክጠርዑ“ እትብል ሓልዮት መሰል ብሂል’ውን ተንኮል ሓዘል ኢያ ዝነበረት። ኣብ ኤምባሲታት ከይዶም መንግስቲ ከነውሩ ከምዝሓለኑ ጠቒሱ መንፈስን ስጋን ህዝብን ተጋደልትን ክዘራርግ ዝሓለነ ነበረ። እንበር ከ፡ ህግደፍ’ዃ ኣብርእሲ’ቶም ዋልታን ጭማራን ኮይኖም ግምጃ ዝኸደንዎ ስንኩላቱ ከጣይስ ክንድኡ ዝጨከነሎም

ንሳቶም ከእውዩ፡ድምጾም ንዓለም ከስምዑ፡ ክብድሁን ክምክቱን እንተዝሕልኑኸ ኣበይ ኣሎ እቲ ኣበሳኦም? ኣብ መ ስኮት ተሌቪዥን ብጉዳይ ስንኩላን ዝተባህለ ገለ ካብቲ ወርቃዊ ጥቕስታት ፕረሲደንት ናይዘንተ እለት ስማዕን ግን ዖን ኮይኑ ክነብር ኢዩ። ጉድ ክኾነኩም ስንኩላን ጥዕናን ዘይስንክልናን ፕረሲደንቶም ከሐጉሶም እንከሎ፡ንሱ ግን ክ  ሕበነሎምስ ይትረፍ ሰንኪሎም ብምትራፎም ናይ ወትሩ ክቱር ሓዘኑ ኢዩ።“ ስንክልናና ስልማትና“ ንዝብል ኒሕ ዲ ል ከይረኽብ ክብርዞ ምእንቲ “ኣብ ቃልስና መንዘይሰንከለ“ ኢሉ ብዘመልክዖ መደረኡ ንስንክልና ካን ከምክንቲት  ኣቃሊልዋ ከይኣክል፡ ገበናቶም ከራጉድ ብክቱር ሕንቃቐ ክሳብ ኣብገገዝኦም  ወርሒ መጸ ማጓሉ ክሓርደሎም ከም ዘብሃጎም፡ ንሱ ስለዘይተማለኣሎም ግን ጎዞሞታትን ካራሩን ዝዓጠቑ ሰራዊት ስንኩላን ክሳድ ሰይድቺ በቲኾም መዓ ናጡ ፕረሲደንት ዘላዚሎም  ኣስመራ ክቆጻጸሩ ከምእተበገሱ ኣምሲሉ ገበናቶም ከካብድ ተሰሚዑ ፕረሲደንት።ዕድ መ ድኣ ኣይነበሮን እምበር ክሳብ ከኣ ኣብውሽጢ ማሕበር በመንፈስ መራሕ መንግስቲ ዝተዓሰቡ ድሉላት ከይተረፉ ተራእዮም ነበሩ። ካብዚታት ዝንጽር ክሕደት ድማ የለን። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ሓርነት ኣይተርፍን ኢዩ። እንተ መራ ሕትና ግና ሎሚ ብጣዕሚ ከምዘሕዘኖም ከረድኣና እንተፈተኑ ልቢ መን ከስድዕ ከይኽእሉ?

ልዕሊ ኣርባዕተ ግዜ ከቢድ መውጋእቲ መግዛእቲ ዝተጻወረት ግደይ፡ ግደ ወላዲታን ግደ ሃገራን እንበር ግዳይ ብጾ ታ ክትውን ሓሲባቶ መዓስ ትፈልጥ? ንሳ ቀዳማይ ዕማም ቃለሲ ኣብቂዑስ ከምተጋዳሊት ብሓርነት ሃገራ ክትኮርዕ ከምመንእሰይ ብምዉቕ ትንፋስ መጻምድታ ክትረዊ፡ እታ ብከቢድ ዕጥቂ ዝተጨበጠት ማህጸና ጾር ገዛእቲ ወሪድላ ስ ከምኣደ ወሊዳ ክትስዕም፡ ጅር ከይጽንቀቕ ከይነጽፍ ታሪኽን ትውልድን ከተሰጋግር እንበር መዓስ ድኣ ሓሲባቶ ነቲ ቅንጸላ!! ንሳ ብጥይት ብጾታ ተሰሊዓ ዓንገረር ክትብል እንከላ፡ ስግር ባሕሪ ዝዓስከረ ናይ ሎሚ ውፉይ ተቓላሳ ይ መስፍን ከኣ ደማ ወዲኣ ክሳብ እትመውት ከየልዕሉዋ ብራድዮ ይመሓላለፍ ንዝነበረ ትእዝዝ እናሰምዐ ከምቀደሙ ኣፍ ኣየርከበን። እሞ ግደይን ካልኦት ግዳያትን ዝተደፍኑሉ ቦታ ከምዘይፍለጥ መጠን፡ ጉድጓዶም ዝኾዓተ ዘበ ለ ድማ ንግዚኡስ ኣየዛርብዎን ወይ ኣይክዛረብን ይኸውን። ህግደፍ ክሳብ ዘሎ’ውን ኣዕጽምቶም ተፋሒሩ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ኣይክኣቱን ኢዩ።ሓደ እግሩ ብጥይት መግዛእቲ ዝተቖርጸ ግዳይ፡ ሽዑ ድማ ብጥይት ብጾቱ ሓንቲኢዱ ስለዝተሓምሸሸት በታ ዝተረፈቶ ኢዱ ነብሱ ክሕክም ክቃለስ እንከሎ ዋላዃ ኣይስመረሎም ከዳግምዎ ፈቲኖም ኢዮም። ክሳብ መተካእታ እግሪ ዝተገጥመት ናይ ሓደ ካልእ ስንኩል ባምቡላ ከይተረፈት በድራጋ ጥይት ጨካን ትእዛዝ ከምእተዳቐቐት ዘዘንትዉ ህሉዋት ኣለዉና ኢዮም።ሬሳታትን ውጉኣትን ከኣ ብሳላ ቃፍላይ መስርዕ ተዳደል ቲ ትግራይ ከምተላዕሉ ብእዋኑ ተሰሚዕ ኢዩ። ዕጫ ናይቶም ናብ ብጾቶም ምትዃስ ዝኣበዩ ድማ ካብ ዕድል ናይቶቶም ካብ ሞት ተሪፎም ከክንደይን ኣበይን ከምዝተኣስሩ ዝተፈለየ ስለዘይኮነ ሓንቲ መዓልቲ ክቡር ሚ/ሪ ምክልኻል ነበር ዘይኮነስ ባዕላቶም ክገልጹልኩም ኢዮም። እንተ እቲ ፈጻሚ ቅንጸላ’ሞ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራቡ ተፈቲኑስ ትእዛዝ ከምዝፈጸመን፡ ጽንጽያ ኣዒንቱ ዘንፍረሉ ከምዘየለን ተገሊጹ ኢዩ።ድሕሪ’ታ እዋን ነበረ ኸኣ ንገበነኛታት ትዳፋዕ ፍሉይ ቤትፍርዲ ትበሃል ዝቖመት። ዝኾነ ኮይኑ ኣብቲ ናይ ልቕሶን መላቐስን ግዜ፡ ኣዴታት ብስዉኣትን ስንኩላንን  ደቀን ኣብዝርረዋሉ ህሞት ግደይን ብጾታን ከኣ እቲ ነገር ከይድገም ምእንቲ ኣብዝወዓለቶ ግምባር ፍት ሒተወቒዓ ንሓዋሩ ስለዝተፋነወት ወላዲታ ከኣ ምስ እምባ እህህታአን ብምትራፈን፡ ነቲ ዓመት መጸ ሓዘነን ከይርስዓ ዝንፋሕ መናፍሕ ወጊኑ ንብዓተን ዝሕብሰለን ሕሳስልደ ውሉደን ይጽበያ ኣለዋ። እዚ ኩሉ እናኾነ መስፍን ኣእ ዛኑ ተደፊነን ነይረን!!ከምቲ መራሒ ክፍሊ ቁጠባ እንከሎ ከምቅዲ ቃልሲ ተመሪጹ ዘጽቀጠ፡ ኣእዛኑ ድማ ኣውያት ናይቶም ዝመርሖም ኣባላቱ ምስማዕ ዝኣበያኦ ንምዃኑ ኢዩ። በሉ ክሳብ ምስ ዝቕጽል ጽሑፍና ንራኸብ፡ ከምዚ ተ ጀሚሩ ዘሎ ሓቅታት እትምርምርን ገበናት እተጻርን ኮሚተ መንእሰያት ተድልየና ምህላዋ ኣኽቢደ ከዘኻኽረኩም እፈቱ።

ጎደፋ።

07-02-12

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • hggum brhan February 8, 2012

    EI NAY TOM ABWISHTI TEQAWEMTI ZBAHALU ZEYMQUDDAW ZFETERO NEDRE EYU EMBER.DNGATSE SNKULAT AYKONEN.NSNKULAN SGAB HJI ENTAY GERKALOM TEBAHILU ENTE THTET MELSU GN WALA HANTI EYU.ABEY DAA NEYRU EZI KULU AMETAT.FOTRAK

  • Sam February 8, 2012

    Hqqum Brhan
    well unfortunatly it will take a long time to develop Eritrea just because of people like you way too stupid to be human being to make matters worst eritrean, the question should be is what he is saying true or not? & you have a right to ask why he didn’t revail this incident before, by the way what have you done for SUNKULLAN at list this Hagerawi is speaking for them while you are trying to cover the truth.
    job well done Godefa
    Awet nehafash

    • ahmed saleh February 8, 2012

      Sam
      We need more facts about that incident, they might cover-up all these years from the
      public but we have courageous people like Godefa who advocate their cause. And it is
      only a matter of time to bring down those responsible to the crime and face justice.
      After our martys, the respect should go to Akale-Sunkulan, period.

POST A COMMENT