Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በይ ኤርያ-ካሊፎርንያ፡ ዕላምኡ ንሓገዝ ስድራ ቤት ጅግና ስውእ ወዲ ዓሊ ዝውዕል 4415.00 ሽሕ ዶላር ተወፍዩ

በይ ኤርያ-ካሊፎርንያ፡ዕላምኡንሓገዝስድራቤትጅግናስውእወዲዓሊዝውዕል 4415.00 ሽሕዶላርተወፍዩ ኣብ ከተማ ሳን ሆዘ በይ ኤርያ-ካሊፎርንያ ተአኪቦም ዘምሰዩ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ትማሊ ሰንበት 19 ጥሪ 2014 ዕላምኡ ንምሕጋዝ ስድራ ቤት ጅግና ስዉእ ኮ/ል ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ ዝውዕል ኣርባዕተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢትን ዓሰርተ

በይ ኤርያ-ካሊፎርንያ፡ዕላምኡንሓገዝስድራቤትጅግናስውእወዲዓሊዝውዕል 4415.00 ሽሕዶላርተወፍዩ

ኣብ ከተማ ሳን ሆዘ በይ ኤርያ-ካሊፎርንያ ተአኪቦም ዘምሰዩ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ትማሊ ሰንበት 19 ጥሪ 2014 ዕላምኡ ንምሕጋዝ ስድራ ቤት ጅግና ስዉእ ኮ/ል ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ ዝውዕል ኣርባዕተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢትን ዓሰርተ ሓሙሽተን ($4415.00) ዶላር ኣወፍዮም ። እቲ ኣብ ቤት መግቢ ሻጊ ሳባ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብሓደ ካብቶም ኣዳላውቲ ናይቲ ፕሮግራም ዝኾኑ ኣቶ ኢሰያስ ስዩም እዩ ተኸፊቱ። ኢሳያስ ቀደም ተኸተል መደባት ናይቲ ምሸት ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሕባር ፡ እቲ መደብ ብ ኣፍልጦ ናይቲ ኣብዚ ዝሓልፈ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ንኹሎም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓቁፉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ዳዕሮ በይ ኤርያ ይካየድ ከምዘሎን፡ እዚ መደብ ኣብ ከተማ ሳን ሆዘ ዝካየድሉ ዘሎ ምኽንያት ከኣ ንካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክፍለ ግዝኣት ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ኤርትራውያን ከምዚ ዝዓይንቱ ስጉምቲ ንኽወስዱ ንምትብባዕ፡ ብዓቢኡ ከኣ ንኩነታት ናይቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ስድራ ቤት ስዉእ ኮ/ል ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ከምዝኾነ ድህሕሪ ምሕባር ፡ ናብቲ ቀጺሉ ተሰሪዕ ዝነበረ መድብ ኣሰጋጊርዎ።
ቀጺሉ ከኣ ናይቲ ምሽት መተባብዒ መደረ ከቕርብ ዝተዓደመ ድራስን ሓደ ካብ መስረትን ኣካየድትን መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዶት ኮም ዝኾነ ኣቶ ሳልሕ ጋዲ (ጆሃር ) ንተሳተፍቲ መልእኽታዊ ሓዘል መደረ ኣቕሪቡ። ኣቶ ሳልሕ ኣብ መደርኡ ኤርትራውያን ሰብ ታሪኽን ጅግንነትን ከምዝኾናን ፡ እዚ ቅያን ጅግነንትን ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እና ተሰጋገረ ዝኸይድ መለለዩና እዩ ኢሉ። እዚ ሎሚ ምሸት ኣነካይዶ ዘሎና መደብ ከኣ ንስድራቤት ስውእ ወዲ ዓሊ ጥራይ ዘይኮነስ ክኒኡ ዝኸይድ መልእክቲ ዘሎዎ እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ዘይስገር ሰጊሮም ዘይጽወር ጸዊሮም ናጽነት ዘምጺኡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ሎሚ ውን በቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሕዙናትን ጉሁያትን ኢዮም ኢሉ። እንተኾነ ግን እቶም ብጅግንነትን ቆራጽነትን ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝልዓለ ብዝሒ ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝውንን ዝነበረ ስርዓት ደርግ ብምስዓር ናጽነት ዘጓናጸፉና ሓርበኛታት፡ ከምቶም ቅድሚኦም ዝሓለፉ ሰማእታት መስዋእቲ ከፊሎም ንሓርነትና ዳግም እጃሞም መበርከቱ ኔሮም እንተኾነ ግን ከምኩላትና ዝመርሕዋ ሓዳርን ዝጥውርዎም ስድራቤትን ስለዘለዎም፡ ንሕና እንተ ሓለፍናስ ስድራናን ሓዳርናን መን ክናብየልና አዮ ዝብል ከቢድ ሰብኣዊ ስክፍታ ስለዝውለዎም እዮም ሎሚ ከም ቀደሞም ብትብዓት ነቲ ኣብ ዓድና ነጊሱ ዘሎ ስርዓተ ምልኪ ክብድህዎ ዘይካኣሉ ዘልዎ ኢሉ። ሎሚ ግን ደምበ ደልይቲ ፍትሒ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ን ምዕቡል ሕበረተሰብ መለልዪኡ ዝኾነ ምንባይ ስድራቤት ስዎእ ወዲ ዓሊ የካይድ ስለዚሎ ሕጂ ውን ኣብ ኤርትራ ኣሰር ወዲ ዓሊ ዝኽተሉ ብዙሓት ክተንሲኡ እዮም። ደምበ ደልይቲ ፍትሒ ኤርትራ ከኣ ነቶም ብሕጂ ዝትንሲኢ ሓርበኝታትን ኩለንትናዊ ሓገዝ ክገብር ዓቕምን ብቕዓትን ኣለዎ፡ ልክዕ ከምቲ ህግደፍ ብ 2 ካብ ሚኢቲ ምልካዊ ስርሓቱ ዘካይድ ዘሎ ንሕናውን ከምኡ ዝኣመሰለ ቆራጽ ስጉምቲ ብምውሳድ ጀጋኑና ዳግማይ ኣለናልኩም ክንብሎም ኣሎና። ብዛይክኡ ከምዚ ዝዓይነቱ መደባት ከነተኣታቱ እንተ ጀሚርና ነቲ ንምልጋስ እዚ ስርዓት ኣብ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ቀንዲ ማሕንቖ ኮይኑ ዘሎ ፋይናንሳዊ ሕጽረት ሓንሳብን ንሓዋሩን ከነውግዶ ከም እንኽእል ብምዝኻካር መደርኡ ዛዚሙ። ካብዚ ቀጺሉ ታሪኽ ሂወት ጅግና ስዉእ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ብ ሓው ገዛኢ ዘርእሰናይ ብ ትግርኛ ከንበብ ከሎ ብ ሓው ከማል ዓሊ ድማ ብዓረብኛ ተቶርጊሙ። ቀጺሉ ከኣ ጽልዋ ስርሒት ፎርቶ ነቲ ኣብ ወጻኢ ብዝነብሩ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘንጸባርቕ ናይ ቪድዮ ምርኢት ብ ኣቶ ብጽእ ሓዲሽን ሴፎራ ኣስቲፋኖስ ቀሪቡ። ኩሉ ተሳታፋይ ናይቲ ምሸት ከኣ በቲ ዝቐረበ ፊልም ተተንኩፉን ነቢዑን። ብሕድሕሪ ‘ዚ ብሓው ቢእምነትን ቢንያምን ተመሪሑ ናይ ገንዘብ ወፈያ መስርዕ ተጀሚሩ። ተሳተፍቲ በብተርታ ስለምንታይ እቲ ዘወፍይዎ ዘልዎ ገንዘባዊ ሓገዝ የወፍዩ ከምዘለዉ እንዳ ገለጹ ኩላቶም ዝዓቅሞም ብምውጻእ ካብ ትጽቢት ኣዳለውቲ ናይቲ መድብ ዝኾነ ኣርባዕተ ሽሕን ክልተ ሚኢትን ሱሳን ሓሙሽተን ($4265.00) ዶላር ከወፍዩ ኪኢሎም።
መደብ ድሕሪ ምዝዛሙ ድማ ተወሳኪ $150.00 መጺኡ ከም ዘሎ ንሕብር። እዚ ወፈያ ቀጻሊ ምኾኑን ካልአት ከተማታውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳ ንምሕጸን።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ኣዳላዊት ኮሚታ ሳን ሆዘ ካሊፎርንያ 01/19/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • johannes afeworki January 21, 2014

    JIGNA SWUH WEDI ALI HAWEY AB LBI ERITREWIYAN NZELEALEM

  • eritreanmilitary movement January 21, 2014

    The eritrean military movement has a real evidence that the dictator isayas regime is preparing it self to arrest manjus along with his family.Isayas is consulting this case with a very secret way with yemane monkey.This is planned in order to avoid the human right case criminal case of human trafficking.
    Along with manus 18 military officers are also identified to be arreted.

  • eritreanmilitary movement January 21, 2014

    The eritrean military movement would like to make a call to all eritrean opposition parties to support the revolution forward to be undertaken by the eritrean military movement.We seek the opposition parties to make declarations and announcements for the civilian people of eritrea inside and out side eritrea to support the revolution.The eritrean military movement has no any intention to seize power by undertaking the revolution.But to establish a government elected by the people and working for the people.
    NOW tendacies in eritrea are becoming a good opportunity to undertake the revolution.the regime has become already dying.Its day and night rushs are towards normalizing its relation with ethiopia and USA.BUt the reality will not lead to that path.The regime uses this as a tactic to extend its power life. As the situation indicates ethiopia and USA will not make any normalization with the dictator.
    the eritrean military movement will take any measure against sophia tekelemariam and other messengers of the dictator,inorder to free the eritrean ppppppppppppeople from the dictator.

  • Khalighe January 22, 2014

    “the eritrean military movement will take any measure against sophia tekelemariam and other messengers of the dictator,inorder to free the eritrean ppppppppppppeople from the dictator.”

    Please stop writing nonsense. If you think you can fool people by spreading rumors, you are either a stupid or naive.
    You could be someone working for Higdef’s rumor machine (03) … if that is the case, you should know that Higdef is dying slowly because of its evil nature, so get a better job.

  • Sina January 22, 2014

    MUST BE TO READ

    nilebam amitelu nasha dma derguHalu endy? hawna Semere Tesfai nezom neametat kem Ameba zibaziHu ayashu opposition grimgieru derguHilom alo.

    Everyone should read it from the beginning to the end.

    http://awate.com/badme-an-eritrean-opposition-deathbed/

    • Nahom January 22, 2014

      Sina

      Hawka Semere has done nothing except copy paste of Shabit’s editorials which we heard frequently being read by Asmelash of TV starving the truth.

  • ahmed saleh January 24, 2014

    Nahom
    Only a low life , stupid and arrogant person call names collectively to his people for stupid politics interest . And they
    didn’t understand that the sole perpetuators to produce AMEBA within the society come from their side .

POST A COMMENT