Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰንኪ ምልኪ ዝተኸስረ ዕድላት ወፍሪ – 1ይን 2ይን ክፋል

ስርዓተ ኢሳይያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ረሚሱ፡ ሃብታን ቁጠባኣን ኣልሚሱ፡ ናብ ዝኸፍአ ደልሃመት፡ ናብ ዝኸፍአ ዕንወት እናደፍአ፡ ሸለው ብዝበለ ገደል ንዕርብርብ ከጽድፋ ይሰርሕ ኣሎ። እቲ ጽኑዕ ህዝባ ግን፡ ንኹሉ’ቲ ብምልኪ ዝወርዶ ሕሰምን ኣደራዕን ተጻዊሩ፡ ክብሩን መንነቱን ንምድሓን

ስርዓተ ኢሳይያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ረሚሱ፡ ሃብታን ቁጠባኣን ኣልሚሱ፡ ናብ ዝኸፍአ ደልሃመት፡ ናብ ዝኸፍአ ዕንወት እናደፍአ፡ ሸለው ብዝበለ ገደል ንዕርብርብ ከጽድፋ ይሰርሕ ኣሎ። እቲ ጽኑዕ ህዝባ ግን፡ ንኹሉ’ቲ ብምልኪ ዝወርዶ ሕሰምን ኣደራዕን ተጻዊሩ፡ ክብሩን መንነቱን ንምድሓን ትልኽ እናበለ ይረባረብ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ክልተ ሓይልታት ኣብ ከቢድ ቁሩቁስ ከምዘለዉ እትረፍ ንኤርትራዊ ንበዓል ሒደት መዓልታት ጋሻ እውን ጋህዲ እዩ።
ግን ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ? ብኸመይ’ከ ኣብዚ መደምደምታ’ዚ ተበጺሑ?
እዚ ስርዓት’ዚ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ማእሰርትን ምስዋርን ኣርካናት መራሕቲ ሰውራን ሃገርን “እምበር’ዶ ብፍላጥን ብመደብን ኣንጻር ህዝቢ ኣይዓጠቐን!” ዘብል ብዙሕ ምልክታት ተራእዩ። ዝበዛሕና “ሰኣን ዓቕምን ተመኩሮን እዩ!” ዝብል ለዋህ ገምጋም እኳ እንተነበረና፡ ውሑዳት በላሕቲ ግን “ ናይ ነገር ጥዕና ኣይኮነን!” ብምባል ከስተብህሉ ዝጀመሩ ነይሮም እዮም።
ሕጂ ድሕሪ ግዜ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ዕንወትን ጉድኣትን ግን፡ ናይ ነገር ጥዕና እንተዘይኮይኑ፡ እዚ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ መላኺ ንኤርትራን ህዝባን ከምበርክኽ ከምዘንቀደ ብዙህ ዘእምን ጭብጥታት ይረአ ኣሎ።
1 – ኣብ መፋርቕ ተስዓታት፡ ተወልደ ቫካሮ ብኣሳላጥነት ዝተዋስኣሉ፡ ብፋተ-ቤነ ፍራተሊ ዝፍለጥ ዓቢ ሆስፒታል ሚላኖ ዓዲ ጥልያን፡ ኣብ ኣስመራ፡ ዘበናዊ መሳርሒታት ዝዓጠቐ ግዙፍ መወከሲ ሆስፒታል ክስራሕ፡ ብዙሕ ስራሕ ተገይሩ፡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑስ፡ ኣብ መወዳእታ ምኽንያቱ ብዘይተገልጸ መገዲ ብኢሳይያስ ተኸልኪሉ። ቅድሚ’ዚ እውን ኣብ ኣስመራ፡ መንግስቲ ጥልያን ዝምውሎ ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ንክስራሕ ተሓቲቱስ ኢሳይያስ ነጺጉዎ።
2 – ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ከንቲባ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ፡ ብመንግስቲ ጀርመን ዝምወል፡ መጀመርያ ንነበርቲ ኣባሻውል ኣብ ነጻ ዝኾነ ቦታ እኹል ኣፓርትመንት ተሰሪሑሎም ነቲ ነባሪ ድሕሪ ምግዓዝ ነቲ ዝነበረ ኣረግቶት ገዛውቲ ብምፍራስ፡ ኣብ ቦታኡ ዓለም ለኻዊ ደረጃ ዝሓዘ ህንጻታት፡ መናፈሲ ፓርክታት ተሰሪሑ፡ ህዝቢ እኹል ናይ ንግዲ ቦታታት ሃሊዩዎ ቁጠባ ኤርትራ ንምብርባር ዝተገብረ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ዝወሰደ ኩሉ ፕላኑ ተጻፊፉ ናብ ትግባረ ንክውዕል ምስ ቀረበ ኢሳይያስ ዓንቂጹዎ።
3 – መንግስቲ ኖርወይ ንናይ ዓሰብ መጻረይ ነዳዲ (oil refinery) ተኻርዩ ነቲ ዝሕደስ አሐዲሱ፡ ነቲ ዝቕየር ቀይሩ ተኻርዩ ክጥቀመሉ፡ ኣማስይኡ ከኣ ህዝቢ ናይ ስራሕ ዕድላት ክረክብ፡ ኤርትራ ከኣ ካብቲ ተጻርዩ ንወጻኢ ዝለኣኽ ነዳዲ ክትጥቀም፡ ኣብ ርእሲኡ ከኣ ብኣዝዩ ርትዓዊ ዝኾነ ዋጋ ነዳዲኣ ክትገዝእ ዝነበረ ስምምዕ ብናይ ኢንቨስትመንት ማእከል ኩሉ ተወዲኡ ናብ ምፍራም ምስተበጽሐ ኢሳይያስ ኮሊፉዎ።
4 – መገጣጠሚ መካይን ኣውቶ ኣሰምብሊ ፕላንት
ሀ – መርሰድስ ናብ ኤርትራ መጀመርያ ዞባዊ ናይ መቀያየሪ ኣቑሑ መኽዘንን መከፋፈልን ( regional spare parts store and distribution centre)ቀጺሎም ከኣ ናይ መርሰድስ መገጣጠሚ ማእከል ንምግባር ዘቕረቡዎ ጠለብ ተነጺጉ።
ለ – ኤቨኮ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዓበይቲ መኻይን መገጣጠሚ ዓቢ ትካል ንምትካል ዝቕረቡዎ ጠለብ ድሕሪ 11 ወይ 12 ግዜ ምምልላስ ከም ኣመሉ ኢሳይያስ ስለ ዝነጸጎ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ደኲኖምዎ።
5 – ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ግዱሳት ሃገራውያን ኤርትራውያን ዶክተራት ምስ መዘናታቶም ኣመሪካውያን ሓካይም ብምሽራኽ፡ ኤርትራ ብዘሎዋ ምቹእ ኣየርን ስትራቴጂካዊ ኣቀማምጣን፡ ዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ብስራሕ ዝነብር ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማት ይኹን ወተሃደር፡ ኣብ ክንዲ ናብ ጀርመን ከይዱ ዝሕከም ኣብ ኣስመራ ዘድሊ ሕክምና ሓገዝ ዝገብር ዓቢ ማእከል ሕክምና ንኽምስረት ንኽልተ ዓመት ተመላሊሶም ሓቲቶም ተነጺጎም። ዳሕራይ ኢሳይያስ ብተግባራቱ ምስተነጸለ ግን ኩናት ዒራቕ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ንኣመሪካውያን ደኒኑን ተምበርኪኹን ኣብ ዝደለዩዎ ደሴትን ምድርን ኤርትራ ዝደለዩዎ መዓስከር ክምስርቱ ለሚኑዎም ዳሕራይ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን።
6 – ብዙሓት ግዱሳት ሃገራውያን ኤርትራውያንን፡ አዕሩኽ ኤርትራ ወጻእተኛታትን፡ ካብ ዝተፋለየ ኩርናዕ ዓለም፡ ንትምህርቲ ዘገልግሉ ኣቑሑትን መጻሕፍትን፡ ገሊኦም ከኣ ናይ ሕክምና ኣቑሑትን መሳለጥያታትን፡ ገለን ሐዲሽ ገለ ከኣ ሓጺር ግዜ ዘገልገለ ዘበናዊ መሳርሒ ጌሮም ክትክእዎ ስለ ዝደለዩ፡ ናይ መርከብ መጽዓኒ ተኸፊሉሉ ናብ ባጽዕ ምስ ኣተወ፡ ወይ ግብሪ ከፊልኩም ተረከቡና ግብሪ ክትከፍሉ እንተዘይኪኢልኩም ግና ትመልሱዎ ተባሂሎም ዝተኸላበቱ ሃገራውያን ኣዲኦም ትቑጸሮም። ግብሪ ከፊሎም መሰእተውዎ እውን እንተኾነ እቲ ንብረት ናብ ዝምልከቶ ከይበጽሐ ገና ካብ ወደብ ከይወጽአ ብጸሓይን ሂሚዩዲትን ዝተበላሸወ መወዳእታ የብሉን። ብዙሕ ካብቲ ኢሳይያስ ዝተሓሰሞ ንብረት ከኣ ኣብ ጎረባብትና ንዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዋሂቡ ህዝበን ይግልገለሉ ኣሎ።
7 – ብዙሓት ኤርትራውያንን ናይ ወጻኢ አውፈርትን ኣብ ዝተፈለላየ ከተማታት ኤርትራ፡ ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ ዳህላክ፡ ኣብ ማይ ውዑይ፡ ከረን፡ መንደፈራ፡ ደቀምሓረ፡ ዓዲ ቐይሕ ንቱሪስት ዝስሕቡ ዘበናዊ ደረጃ ዘለዎም ሆቴላት ንክሰርሑ፡ ካብኦም ዝጥለብ ዘበለ ወረቓቕቱ ኣማሊኦም ከብቅዑ፡ ንነዊሕ እዋን ክመላሱ ረብሪቦም ዝደኸሙ ሰብ ጸጋ መወዳእታ የብሎምን። ኢሳይያስ ግን ምስዛ ሕጂ ዝበኣሳ ዘሎ ሃገረ ቀጠር ጽኑዕ ዝምድና መስሪቱ፡ ንቁኑዓት ኣውፈርቲ ነጺጉን ሰጓጉን፡ ንውልቃዊ ረብሕኡ፡ ንናይ ቀጠር ኣሚር ኣብ ሓንቲ ደሴት ንመዘናግዒ ዝኸውን ቢላታት ንክስራሕ ፈቒዱሉን ስራሕ ተጀሚሩ ምንባሩ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።
እቲ ዘሕዝን እቶም ህግደፍ ጽቡቕ ዘሎ ዝመስሎም ግሩሃት አሕዋት መንግስትና ብዕድል ህዝብን ሃገርን እናተጣልዐ ተዓሚቶም ከጣቕዑ ክትርእዮም የሕዝን። ኤርትራ ናይ ኩሉ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ እያ። ንሓደ ኣይትቐርቦ ንኻልእ ኣይትርሕቆ። ግን ከኣ ከምቲ ትማሊ ኣብ ሓርነታዊ ቀልሲ ንናጽነት ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉን ነዛ ውልቃዊ ህይወቶም ዝነብሩ ዝነበሩን ዜጋታት ከምዝነበሩዋ፡ ሕጂ እውን ንድሕነታ ከይደቀሱ ዝሓድሩን ንግዝያዊ ጠቕምን ረብሓን ምስ ምልኪ ዝመራስሑን ዜጋታት ኣለውዋ። ግን ወትሩ እቲ ህዝበይ ሃገረይ መሬተይ ዝብል ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ሓይሊ ስለዝዕወት ሕጂ እውን ነቲ ሃገረይ ጠፍአት ተዘምተት ደቃ ተሰዱን ተበተኑን እናበለ ዘእዊ ዘሎ ሃገራዊ ኤርትራዊ ክንድግፎን ክንሕብሕቦን ይግባእ።
ካልኣይ ክፍል ይቕጽል

መሰረት ናይ ሓንቲ ሃገር ትምህርቲ እዩ። ትምህርቲ ምንጪ ፍልጠትን ምዕባለን እዩ። ሓንቲ ሃገር ደቃ ምስተምህርን ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝዓበየ ደረጃ ዘስተምህራ ኣብያተ ትምህርትን ምርምርን ሃኒጻ ንዝወለደቶም ደቃ እንተዘየዕብያ ንቕድሚት ክትስጉም ኣይትኽእል እያ። እዛ “ ህዝበይ – ሰበይ እዩ ሃብተይ!” ኢላ እትምካሕ ኤርትራ እምበኣር ዓቕሚ ሰባ ሓይልን ድርዕን ዝኾና ምስ ዝመሃርን ዝነቅሕን ጥራሕ እዩ።

ዋላ እውን ምስ ምምጻእ ሓይልታት መግዛእቲ ንኣፍሪቃ እንተነበረ ሓያሎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፍልጠት ተኾስኲሶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ውሽጥን ግዳምን ኮይኑ በብዓቕሙ ንናጽነቱ ክቃለስ ዝጸንሐ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእቲ ጀጋንኡ ናጽነቱ መሰረጋገጸ፡ደቁ ኣምሂሩ፡ ሰሪሑን ጽዒሩን ንሃገሩ ምድረ ገነት ክቕይራ ዓጢቑ ነቒሉ ነይሩ። ግን ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከምዝበሃል፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዝኣመኖ ተጠሊሙ ኩሉ ኣንጻር ባህጉን ራኢኡን ይኸይድ ኣሎ። ግን እንታይ ተገይሩ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ እንታይ ዕድላት እዩ ተኸሲሩ? ስለምንታይ’ከ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ሓደ ሓደ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ።
8 – እተን ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝዶኮናን ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ንኸተጥሪ ዝጸዓታን ማሕበር ደናግል ሳንታ ፋሚልያ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክምለሰለንን ኣዚየን ከዕብየኦን ብተደጋጋሚ እኳ እንተሓተታ፡ እቲ ስርዓት “ባዕልና ከነዕብዮ ኢና” ኢሉወን ከብቅዕ፡ እትረፍ ከዕብያን ከማዕብላን ከምታ ዝነበረታ እውን ክሕዛን ክዕቅባን ኣይከኣለን። ካልኦት ብዙሓት አህጉራዊ ትካላት ንዩኒቨሪሲቲ ኣስመራ ከዕብዩዋን ከስፍሑዋን ተገዳስነትአሕዲሮም ዝከኣሎም ከበርክቱ ሰናይ ፍቓዶም እኳ እንተገለጹ ግምት ኣይሃቦምን።
ኣርካናት መራሕቲ ሰውራን ሃገርን ድሕሪ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ተማሂርና ጉድለታትና ፈቲሽናን ኣሪምናን ኣካይዳና ነዐሪ ኣብ ዝበሉሉ እዋን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ እውን ኣብቲ መንግስቲ ብሓውሲ ማእቶት ዘዋፍሮም ዕማም ግቡእ መሰሎም ክወሃቦም ስለዝሓተቱን ነቲ ስርዓት ዝበድሁዎን ንኣቦ መንበሮም ኣሲሩ ንዝተረፉ ኩሎም ከሰናብዶም እኹል ማይ ናብ ዘይርከቦ 45 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ናብ ዘለዎ ኣጻምእ ዊዓ ወሲዱ ዘስካሕክሕ በደል ኣውረደሎም። ኣብቲ ፍጻሜ ከኣ ክልተ ብሉጻት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ፡ የማነ ተኪኤን ይርጋ ዮሴፍን ክሞቱ እንከለው ብዙሓት እውን ሓሚሞም። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ እቶም ኣርካናት ብ18 መስከረም 2001 ተኣሲሮም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣብ ዘይስመዓሉ ጸምጸም በረኻታት ዒላዒሮ ተሰዊሮም ተረፉ።
ኢሳይያስ ብዛዕባ እታ ዩኒቨርስቲ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣይደቀሰን። ዝተወደበ ሓይሊ መንእሰያት እንታይ ክፍጽም ከምዝኽእል ስለዝርዳእ ኩሉ ላዕለዋይ ደረጃ ትካልት ትምህርቲ ብወተሃደራዊ ቅድን መሳርዕን ክመሓደርን ክእለን ኣመመ። ንዝሰምዖ ርትዓዊ ብዝመስል መቐሸሺ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ኮሌጃት ክስፍሕፋሕ ኣለዎ ብምባል ንዩኒቨሪሲቲ ኣስመራ ዓጽዩ ብወተሃደራት ዝመሓደራ፡ ብቕዓትን ተመኩሮን ብዘይብሎም ዝበዝሑ ህንዳውያን መማህራን ዘላግጹለን ኮሌጃት ሃኒጹ፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ መላእ ሃገር መበል 12 ክፍሊ ኣብ ሳዋ ከምዝመሃሩ ብምግባር ንሓይሊ መንእሰይ ብተዘዋዋሪ ተቖጻጸሮ።
ስለዚ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ዘውረዶ በደልን ሃስያን መዳርግቲ የብሉን።እቶም ኣብ ክፍሊ ብቐጻሊ ብልጫ ዝወስዱ ንፉዓት ተመሃሮ፡ መታን ትምህርቶም ወዲኦም ንሳዋ ከይከዱ፡ ዓመታት ክውስኹን ብፍላጥ እናተረረፉ ዝተማህሩዎ ክፍሊ ክደግሙ ምርኣይ ዘሕዝን ውድቀት ኣብ መንእሰያት ኤርትራ እዩ። እዚ ኸኣ ብፍላጥን መደብን ምልካዊ መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ዘጋጠመ ብመደብ ዝተጠጀአ ጸይቂ እዩ።
9 – ኣብ ከባቢ 1994-5 ናብ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ናይ ኢንተርነት ፋይቨር ኦፕቲክ መስመር ንክዝርጋሕ ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ይሓልፍ ስለዝነበረ፡ ኤርትራ ብኣዝዩ ርትዓዊ ዋጋ ከተእትዎ ድላይ እንተልዩዋ ሕቶ ቀሪቡላ። ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀሙሉ ሓሳብ እኳ እንተቕረቡ ኢሳያይስ ግን “ ኣየድልየናን እዩ!” ኢሉ ነቲ ዕድል ከምዝነጸጎ ሽዑኡ ናይ ገንዘብ ምኒስተር ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብታ ቅድሚ ማእሰርቱ ዘሕተመን ሃገረይ ኤርትራ ዘርእስታ ንተግባራት ኢሳይያስ እተቃልዕ መጽሓፍ ገሊጹዎ ኣሎ።
ኤርትራ ብፋይበር ኦፕቲክ ስሉጥ ናይ ኢንተርነት መስመር ዘርጊሓ እንተትነብር ኣብ ምዕባለ ቁጠባን ወፍርን ልዑል እጃም ምነበሮ። ኢሳይያስ ግን ስሉጥ ኣገልግሎት ኢንተርነት እንተፍቂዱ ከም ኣብ ቀውዒ ሰውራ አዕራብ ዝተራእየ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ከይዕሎ ስለዝሰግአ ንመላእ ሃገር ኣፋን እዝናን ዓፊኑ ብሓበሬታ ኣጸልሚቱ ይቐትላ ኣሎ።
10 ኣብ ጎደና ሓርነት፡ ካብ ጎኒ ምኒስትሪ ትምህርቲ ዘሎ ጽርግያ ጀሚሩ፡ ክሳብቲ ናብ ኣምባሳደር ሆቴል ተጸጊዑ ንውሽጢ ዝኸይድ ጽርግያ፡ ንድሕሪት ከኣ ክልተ ብሎክ ዘሎ ገዛውቲ ብምሉኡ ፈሪሱ፡ ኤርትራ ዘለዋ እስትራቴጂካዊ ኣቀማምጣ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብዩ-ኤን-ዲ-ፒ ከምኡ እውን ብኣይ ኤም ኤፍ ዝተጸንዐ ንኤርትራ ዞባዊ ናይ ፋይናንሲያዊ ማእከል ሪጂናል ፋይናንሻል ሃብ ንምግባር ዝሃቀነ ዓቢ ቁጠባዊ ትካላት ንምስሓብ ዝተማልኤ ህንጻታትን ሆቴላትን መዘናግዕን መኤከብን ዘካተተ ብዩኤንዲፒ ዝምወል ነዊሕ ጻዕሪ ዝተኻየደ ፕሮጄክት ተጻፊፉ ክጅመር ምስ ተቐረበ ኣብ መወዳእታ ብኢሳይያስ ተነጺጉ።
11 – ብመንግስቲቤልጂም ዝምወል ናይ ሕርሻ ናእሽቱ መሺነሪ ዘፍሪ ንውሽጣዊ ሃልክን ንወጻኢ ሰደድን ዘገልግል ናብ ኤርትራ ፋብሪካ ንምቛም ፍቓድ ሓቲቶም ከም ኩሉ ንዕቤት ኤርትራ ዝጠቅም ብዙሕ ዝተኸልከለ ነገራት ተኸልኪሉ።
12- ሰለስት ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ጉጅለታት ናብ ኤርትራ ፋብሪካ ሰሜንቶ ንኽተኽሉ እሞ ንሃገራዊ ጠለብን ንሰድድን ሲምነቶ ከፍርዩ ንዝገበሩዎ ጠለብ ኢሳይያስ ንኹሎም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከልኪሉዎም።
13 – ኣብ ካባቢ 2007-8 ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝምወል፡ ካብ ከረን ብጋሕቴላይ ገይሩ ክሳብ ባጽዕ ዝዝርጋሕ ጽርግያ ንምስራሕ ብ80 ሚልዮን ኤውሮ ተጸኒዑ፡ ገንዘብ ምስ ተሰለዓሉ ከም ኣመሉ ኢሳይያስ ዓንቂፉዎ። ብድሕርዚ፡ ሓደ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብዓል ስልጣን “ንሓደ ብዘይ ቅድመ ኩነት ዝወሃበካ ፕሮጀክት ብዘይ ገለ ምኽንያት ምንጻግ ዕሸልነትን ጸረ ዕብየትን’ዩ” ክብል ገሊጹዎ።
14 – ሓደ ኣብ ሳንጆርጆ ካልኣይ ደረጃ መንደፈራ ዝተማህረ ግዱስ ሃገራዊ ንዘዕበዮ ቤት ትምህርቲ ብዘመናዊ ቅዲ ኣዝዩ ብዝበለጸ ንከስርሖ ንዘቕረቦ ጠለብ ብዘይ ገለ ምኽንያት ተነጺጉ። ብድሕሪኡ እውን ካልኦት ግዱሳት ተመሃሮ ሳን ጆርጆ ገለ’ዶ ኾን ሕራይ ይብሉና ብማለት ንዘዕበዮም ቤት ትምህርቲ ኣመሓይሾም ንከስርሕዎ እኹል ገንዘብ ኣዋጺኦም ነቲ መደብ ከተግብሩዎ ንምኒስትሪ ትምህርቲ’ኳ እንተሓተቱ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ተነጺጉ። እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣብ ናይ ወጻኢ ሕሳብ ተዓቚሩ፡ ግዜ ክሳብ ዝርሁ ይጽበ ኣሎ።
15- ሓንቲ ግዱስቲ በዓልቲ ጸጋ ኤርትራዊት ነሕዋታን ደቂ ዓዳን ንምሕጋዝ ብዘሎዋ ሰናይ ድሌት ናይ ካንሰር ሆስፒታል ንክትሰርሕ እሞ ሰሪሓ ንምኒስትሪ ጥዕና ከተረክቦ ዝገበረቶ ጠለብ እውን ብዘይ ገለ ምኽንያት ከምዝተነጽገ ዝፈልጡዎ ብዙሓት እዮም።
16 – ብዙሓት ናብ ህንጻ ዝነጣጠፍ ኤርትራውያን ሪል እስቴት ዴቨሎፐርስ ከም ማሕበር ህዝቢ ኣኪቦም ብምትሕብባር ብኣዚዩ ርትዓዊ ዝኾነ ዋጋ ገዛውቲ ሰሪሖም ከረክቡ ምስ ጀመሩ፡ ሓሓደ ዕውት ፕሮጀክትታት ምስ ኣተግበሩ፡ ናብቲ ክቕጽልዎ ዝሓሰቡ ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ተኣጊዶም።
ብግላዊ መዳይ እንተ ተዓዚብና እውን፡ ቀዳማይ ዙርያ መሬት ዓዲሉ ከብቅዕ ነቶም ዝሰርሑ፡ ክሳብ ሕጂ ማይን መብራህትን ከሊኡ፡ ነቶም ዘይወድኡዎ ብዘይ ገለ ምኽንያት ከቋርጹዎን ኣገዲዱ፡ ኣጎላጉል ገይሩዎም ንብረቶም እናረኣዩዎ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክበርስ ይዕዘቡዎ ኣለው።
እቶም ናይ ካልኣይ ዙር ከኣ ገና መሬቶም ኣብ ኮምፒዩተር ጥራሕ’ዩ ተዋሂቡዎም ዘሎ። ኣብ ባይታ ብሽኻል ብኣካል ከይተዓደሎም 17 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ።
17 – ንያላ ሆቴል ሸኽ ኣላሙዲ ንንያላ ሆቴልን ኣብ ጎድና ንዘሎ መሬትን ገዚኡ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ፓርኪን፡ ከምኡ እውን ዘበናዊ መሐንበስን መዘናግዕን ዝውንን ሆቴል ክሰርሕ፤ ኣብ ርእሲኡ እውን ኣብ ከባቢ ቤት ጊዮርጊስ ኣስመራ፡ ነቲ ኣጻድፍ መልክዓ ምድሪ እቲ ከባቢ ብዝግባእ ተጠቒሙ፡ ካብ ኤየር ፖርተ ናብቲ በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ዝሰርሖ ሆቴል ዘእቱ ብቕጥራን ዝተለበጠ ጽርግያ ከእትወሉ ሚልዮናት ከፊሉ ኩሉ ምድላዋቱ መሰኣጻፈፈ ኢሳይያስ ክውድኣሉ ስለዘይደለየ ተመላሊሱ ገጽ ምስ ሰኣነ ገዲፉዎ ከይዱ።
18 – ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ዕቤትን ራህዋን ንከይህሉ ዝገብሮ ንጥፈታት ኣዚዩ ብዙሕ እዩ።
ሀ – ፋብሪካ ጥርሙስ ኣስመራ እንዳ መረንጊ ብዘይ ገለ ምኽንያት ምዕጻው።
ለ – ባራቶሎ ከም ዘለዎ መካይን አሐዲስካ ኣሰራርሓ ሓዲስ ቴክኖሎጂ ኣተኣታቲኻ ክንዲ ዝዓቢ፡ ንዝነበረ ጠጠው ኣቢልካ ሓደ ክፋሉ ጥራሕ እንዳ ካምቻ ጌርካ ምድራቱ ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ።
ሐ – ናይ ቆርበት መልፍዒ ኬሚካላት ንኸይኣቱ ብምኽልካል ሸርፊ ወጻኢ ብምቁጽጻር ንነጋዶ ብምልማስ ሃገር ክትረኽቦ ዝግበኣ ዝነበረ ባጤራ ወጻኢ መኺኑ። ንጥፈታት ምልፋዕ ቆርበት ቦዂሩ፡ ሃብቲ ሃገር ክሳብ ጨንዩ ዝምሽምሽ ኣብ ፈቐድኡ ይድርበ ኣሎ።
18 – እተን ብመጠኑ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ማይ ሰሓ እንዳ ኣፍረያ ንሰብ ቁሩብ ስራሕ ፈጢረን ዝነበራ ፋብሪካታት ማይ፡ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ብኣልማማ ምዕጻው፡ ነቲ ብፍላጥ ንህዝቢ ንምጽባብን ንምኽሳርን ዝግበር ስልቲ ህግደፍ እዩ።
ሓደ ንሃገርን ህዝብን ዝሓስብ ስርዓት ንዝኾነ ስራሕ ዝፈጥር ትካል እንዳ ኣፍረየ እንከሎ ዘድሊ ቁጽጽርን ምትዕርራይን መቕጻዕትን እንዳ ገበርካ ቀጻልነቱን ዕቤቱን ተረጋግጽ እምበር፡ ብኣልማማ ምዕጻው ምኽኑይን ርትዓውን ኣይኮነን። እዚ ጸረ ህዝብን ዕቤትን፡ ጸረ ሃገርን ዝተገብረ ዕንወት መቐጸልትኡ ጥራሕ እዩ።
19 – ጭፍራ ኢሳይያስ ካብ 1991 ጀሚሩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝሃነጾ ዘዕነዎ ይበዝሕ
ካብ ዝሃነጾ መስንዓ ዝዓጸዎ መሳንዕ ይበዝሕ
ካብ ዝሃነጾ ትካላት ትምህርቲ ዝደኮኖ ቤት ማእሰርቲ ይበዝሕ
ካብ ዘዕበዮን ዘማዕበሎን ከተማታት ዘባደሞን ዝደወኖን ይበዝሕ
ከተማ ባጽዕ ሓንቲ ኣብነት ከተማታት ኤርትራ እያ። እታ ሰሓቢትን ተፈታዊትን ዝነበረት ናይ ፍቕሪ ከተማ፡ ህዝባ ንምብትታን ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ዝነበረ ከም ታሪኻዊት ሲነማ ኮርሶ፡ እንዳ ኮስታ፡ ዳንስ ማርያ ዝኣመሰለ መዘናግዒ ማእከላት ኣፍሪሱ ኣምኪኑዎ። ንበዓል ሓማሴን ሆቴልን ካልእን ብኻልእ ከይተከኤ ኣፍረሱ ንባጽዕ ነበረት’ያ ነበረት ገይሩዋ። ታሪኻዊት ህንጻ መሎቲ ብጸይቂ ኢሳይያስ ብሕዝን ፈሪሱ ። ይኹን እምበር ከም ኩሉ ድሕሪ ውድቀት መለኽቲ ዝዕምብብን ዝጥጥዕን ነገር ኤርትራና እውን ብጻዕርን ተወፋይነትን ደቃን ሰማእታታን ኣብ ሓጺር ግዜ ግቡእ ቦታኣ ክትሕዝ እያ።
ድሕሪ ምእሳር ኣርካናት ሰውራና ኩነታት ሃገር ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ምኻዱ ቀደም እውን ንሶም እምበር ንሱ ንናይ ሃገር ሰናይ ተግባራት ከምዘይግድሶ ዘረደእ እዩ። ምኽንያቱ ብድሕሪኦም ባኒ ብመስርዕ፡ ንማይ መስርዕ፡ ንስጋ መስርዕ ንኣውቶቡስ መስርዕ ኮይኑ።
እታ ብገዛእቲ ዝተደኮነትን ብሃገራውያን ዝዓበየትን ኣስመራ ከይተረፈ ተደዊና። ጎደናታታ ፈሪሱ ጽርግያታታ ተፈሓሒሩ፡ ማርሻ ፒዲ ዓንዩ፡ መብራህቲ ዘየተኣማምን ኮይኑ፡ ማይ ዘይሕለም ኮይኑ፡ ህዝቢ ተማሪሩ ይርከብ።
ካብዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ማለት ንሕና እንፍልጦ ጥራይ ዝተገብረ ጉድኣት ንላዕሊ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እዚ ከኣ ብቑጠባዊ መዳይ ጥራሕ ክንሪኦ እንከለና እዩ ናይ ማሕበራዊ ሃስያ ንክትገልጾ ዘጸግምን በዚ መዓልትዚ ክፍወስ ይኸእል’ዩ ዘይትብሎ ሃስያ እዩ ወሪዱና ዘሎ። ስለዚ ህዝቢ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ኢና ንጽበ ዘሎና። ጸላኢናን ጸላኢ ሰናይ ሃገርናን እንሆ መንነቱ ብዘየወላውል በሪሁልና ስለዘሎ ሓቢርና ንምእላዩ ንበገስ። ኩሉ መንእሰይ ምስ ርሱን ወኑ ይእክል ይብል ኣሎ’ሞ ኩላትና ሃገራውያን በብንኽእሎ ንደግፎ።
ከምቲ ትማል ብቓልሲ ናጽነትና ዘረጋገጽና ሎሚ እውን ብቓልሲ ጥራሕ ኢና ሓርነትና ከነውሕስን ሃገርና ከነድሕንን እንኽእል።
ምልኪ ይፍረስ
ሕጊ ይንገስ
ሃብተ ክፍለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT