Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ ብደም ዝጠልቀየ ዶላር ”

ሕጂዶ ንበል ኡይ - ተገቲርና ዓውዓው ኩሉ ምስተሐርደ - በብተራ ከም ላም ኩሉ ምስ ተነጽገ - ሃገራዊ ሰላም ብዓሌት ኣውራጃ - ፈላሊኻ ምጥላም ሽግር ናይ ትማሊ - ከይኮነ ፍጹም ሓራም ንጽባሕ ትውልዲ - የፍርሕ ከይላሓም። ትማሊ ዝተዘርአ - ክፉእ ምፍልላይ ሎሚ ንሓፍሶ

ሕጂዶ ንበል ኡይ – ተገቲርና ዓውዓው
ኩሉ ምስተሐርደ – በብተራ ከም ላም
ኩሉ ምስ ተነጽገ – ሃገራዊ ሰላም
ብዓሌት ኣውራጃ – ፈላሊኻ ምጥላም
ሽግር ናይ ትማሊ – ከይኮነ ፍጹም ሓራም
ንጽባሕ ትውልዲ – የፍርሕ ከይላሓም።

ትማሊ ዝተዘርአ – ክፉእ ምፍልላይ
ሎሚ ንሓፍሶ – ብሕቡእ ከይንርኣይ
ጽባሕ ንዝርግሖ – ንሃገራውያን ንጽሃት
ስልጣን እዕቢዱ – ከነጥፍእ መንእስያት
ስኣን ሲኒት ሒዛና – ንጋዓዝ ብሕብረት
ንድሕሪት ንሳለ – ዓለምና ንቕድሚት።

ብሃይማኖት ኣቲኻ – ህዝቢ ምፍልላይ
ንሬሳ ወዲ ሰብ – ኒዒቃ ምድርባይ
ሕማም ናይ ገፋዕቲ – ኣየስትን’ዩ ማይ
ደም ህዝቦም እንዳመጸዩ – ይመርጹ ምቕናይ
ሰዓብቶም ይገዱ – ንዝድርብዮም ምጽላይ
ካብ ሕሉፍ ዘይመሃሩ – ሃገሮም ንምዕባይ
ህዝብስ ቀቢጹ’ዩ – ካብ ኣቶም ምጽባይ።

ኣብ ስደት ኮይንካ – ኣብ ርሑስ ጠለል
ባንዲራ ሃገር ተዓጢካ – ምስሳዕ ምድባል
ባንዲራ ሃገር ተወንዚፍካ – ፈታዊኣ ክትመስል
ብቪድዮ ክትቅረጽ – ክትጋየይ ክትዘልል
ስስዐ ዘይገብሮ የለን – ትልፍልፍ ትህልል
ብሽግር ሃገርካ – ክትሽቅጥ መዋእል
ከይፍለጥ ተንኮልካ – ብኽፍኣት ዕንኪሊል።

ብግዱዳት መንእስያት – ዶላር ከተዋህልል
ኣብ ደገ ወጻኢ – ክተሽርፍ ክትምውል
ባንዲራ ተዓጢቕካ – ንይምሰል ትዘልል
ስዓት ነቁዩ’ዩ – ደቂስካ ከይትሓልም
ኣውያት ናይ ውጹዓት – ከዘኻኽር ግድን
ብደም ዝጠልቀየ ዶላር –
– መተርኣስ ከምዘይኸውን።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ ሕልና 04/15/2012 “

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • SINGAPO-ERITREAN April 19, 2012

    “ናይ ኣድጊ የቐንየለይስ, ምርጋሕ”
    (“ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ,ብደማ ከፊላስ “RAPE” ትዓዲላ !!!

    ንኮሮኔላት ኣሽሓት ዶላራት ከፊልክን ትወጻ
    ብራሻይዳ ተጨዊኽን, ብበደዊን ትዕመጻ
    ድኹም ድየ ኮይነ ከተሳቕያኒ ትመርጻ ?
    ኣበይ ዝውዓልኩ ሰብ የ ኣእምሮይ ትህውጻ ? !!!
    ዘይደገፍኩዎም እኳ ነዞም ማሕበር ሸፋቱ
    78 ,ምስ ትዓዘብኩዎም, ሓረስታይ ከካላብቱ
    ሕቶ ዝሓተተ,ጨውዮም ከጥፍእዎ ሃለዋቱ
    ኣስመራ ኣትዮም ይኣዪ ጠባዮም ክልውጡ ?
    ደንቆሮ ምዓስ ኮይነ ,መስተውዓሊ እየ ,ምሕረቱ !!!
    ከመይ ኣለዉ እኒ ጃህራ ድራሮም ?
    ሰለስተ ሞጎጎ ኣርሲኖም, ጾሞም ዝምሕዳሮም
    ተዓዊትና ዝብሉ, እንዳኣተዉ ተጸይሮም
    ኣባና በጺሖምሲካ ሓይሎም ዓንቲሮም
    ጠልዓት ሰብኡት ኣብ ስሬና ከም ንጽሕጽሕ ጌሮም
    ፍረነብስና ኣምሊቖሞ ,ብካቻቪተ ጎርጕሮም
    ክቕጽሉ እዮም,ለባምን ጅግናን ስለ ዘየለ ዝጋተሮም !!!
    ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ, ተካል ዕድላ
    ኣብ በረኻ ምስ ሸፋቱ ኮለል ደለቶ ከይኣኽላ
    ትሽየጥ ትልወጥ ኣላ ከም ጻሕሊ, ከም ባዴላ
    ብናይ ህግደፍ ሓበሬታ ,በደዊን ክጻወቱላ
    ብድሕሪኡ $30.000 ዶላር ከፊላ
    እስራኤል ትኣቱ ጥንሲ ዓመጽ ተኾልኵላ
    ቆልዓ ምስ ተወልደ ቃንዛ መከርኣ የዘክራ
    ከይትፈትዎ,ዘርኢ መርገም ብሓይሊ ዝቦቖላ
    ከይትገድፎ, ውሉድ እንድዩ ከመይ ጌራ ?
    ኣምላኽ እንተሊኻ, ነዛ “በላዒት ደቃ” ኤርትራ
    ከም ሶዶምን ጎሞራን ባርዕ ሓዊ ልኣኸላ
    ወይ እንተነሓፍካያ, ሓይጣታ ኣሕሊፍካላ
    ሽማ ክንቅይረላ ኢና “RAPE LANDIA” ክንብላ
    ኣብ ምዓልቲ ፍርዲ, ከም ግብራ በይነላ !!!!

    “መልእኽቲ ሲንጋፖ ,ናብ ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን”

  • Semhar April 19, 2012

    ኣምላኽ , ነዛ “በላዒት ደቃ” ኤርትራ
    ሓይጣታ ኣሕልፍላ

POST A COMMENT