Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ሊቀነ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣስመራ ኣብ ክብረ ብዓል ኪዳነ ምህረት ኣብ ዝሃቡዎ ስብከት፡ ሓቀኛ ሰላም ብዕርቂ ከምዝረጋገጽ ኣተሓሳሲቦም።

ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ሊቀነ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣስመራ ኣብቲ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም 23 ለካቲት ዝተኸብረ ክብረ ብዓል ኪዳነ ምህረት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝሃቡዎ ስብከት፡ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ነባሪ ሰላም ዘምጽእ ዕርቂ፡ ኣብ ናይ ልቢ ጸጸትን

ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ሊቀነ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣስመራ ኣብቲ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም 23 ለካቲት ዝተኸብረ ክብረ ብዓል ኪዳነ ምህረት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝሃቡዎ ስብከት፡ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ነባሪ ሰላም ዘምጽእ ዕርቂ፡ ኣብ ናይ ልቢ ጸጸትን ጣዕሳን፡ ይቕረ ሓድሓድን ዝተመርኮሰ፡ ንፍትሒ ዘይጐሲ፣ ንተበዳልን ንበዳልን ዘሳትፍ ንህዝብን ንሃገርን ዝጠቅም፣ እግዚኣብሔር ዝተሓወሶ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ዝተወጽዑን ዝተገፍዑን ፍሉይ ትኲረት ዝህብ ክኸውን ኣድላዪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰላም ንኹሉ ዝምለከቶ ኣካል ዘየሳትፍ ከፊላዊ ዕርቂ፡ ጐዶሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደገይኛ እውን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ንሶም ኣብ ስብከቶም፡ `እኖና ኪዳነ ምሕረት ከም ርህርህቲ ኣደ ነቲ ፍቁር ወዳ መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ “ወይኒ እምበር ተወዲኡዎም፣ ፍቕሪ እምበር ውሒዱዎም፣ ዕርቀ-ሰላም እምበር ስኢኖም፣ ነንሓድሕዶም ተጨኻኺኖም፣ ምትእምማን ስኢኖም፣ በዚ ምኽንያት ከኣ ቅሳነት ስኢኖም ይነብሩ ኣለው” ሃየ ገለ ግበር፣ ትብሎ ኣላ።` ኢሎም።

ቀጺሎም፡ ብዘይዕርቂ ሓቀኛ ሰላም፣ ድልዱል ሓድነት፡ ፍርያም ምዕባለ ክንረክብ ከምዘይክእል ብምዝኽኻር፡ `ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ሓቀኛ ዕርቂ፣ ከምቲ ብሂል ኣቦታትና፡ ብድፉኑ “ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ” ኢልካ ዝመጽእ ኣይኮነን። ዕርቂ፡ ሓቅነት ዘለዎ፡ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ፡ ክኸውን ከሎ ጥራይ እዩ ነባርን ሃናጽን ክኸውን ዝኽእል። ዕርቂ፡ መጀመርያ፣ ናይ ልቢ፡ ደሓር ናይ ዘረባ፡ ደሓር ከኣ ናይ ግብሪ ይኸውን። ዝበደለ ብሓቂ ብቅንዕና እንተ ተበጊሱ እቲ ዝተበደለውን ልቡ ይርስርስ እሞ ክገድፍ ድልው ይኸውን። ኣብዚ ግን ለባማት መተዓረቕቲ፣ ሸምገልቲ፡ እውን  ክህልው ኣለዎም። ኲሎም እቶም ዝዕረቑ ክስምዑ ይደልዩ። ብቅንዕና ክርድኦም ዝኽል ነጻ ዝኾነ ሰብ የድልዮም። እዚ ቅዱስ ስራሕ ናይ ዕርቂ ከኣ ብፍላይ ንመራሕቲ ሃገር፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት፡ ንመራሕቲ ዓዲ፡ ንመራሕቲ ጐረባብቲ፡ እዩ ዝምልከት። ሓቀኛ ምሕረት ወይ ይቕረታ፡ ምስ እግዚኣብሔር ካብ ዝተዓርቀ ሰብ እዩ ዝብገስ። ክትምሕር ኮነ ይቕረ ክትብል ምእንቲ እግዚኣብሔር ምእንቲ ሽማግለ ምእንቲ ሃገር ምእንቲ ፍቕሪ ኢልካ ክትገብሮ ከሎኻ መንፈስ ቂምን በቐልን፡ መንፈስ ሕነ ምፍዳይ እናጎደለ፣ መንፈስ ይቕረታን ምሕረትን ከኣ እናዓበየ ይኸይድ። ` ኢሎም።

እቲ ዝበደለ ብግብሩ ተጣዒሱ ንዕርቂ ዝሕግዝ ክፉት ሃዋህው ንክፍጠር ክተሓባበር ከምዝግብኦ ብምምዓድ ድማ፡ ` ምእንቲ ዝዓበየ ጠቕሚ ማሕበር፣ ምእንቲ ዝበለጸ ጠቕሚ ሃገር፣ ምእንቲ ሃናጺ ጠቕሚ ቤተክርስትያን፡ ውልቃዊ ረብሓኡ ገዲፉ ኣብ ዕርቂ ይዋሳእ። “ንርእሰይ ይጥዓመኒ”  ምባል ንዕርቀ ሰላም ኣይሕግዝን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ፡ “ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ስለእትዕወት፡ እቲ ምሕረት ዘይገበረ፡ብዘይምሕረት ኪፍረድ እዩ” ክብሉ ድማ ምጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሶም።

ክቡራት ተኸታተልቲ ተለቭዥን ኣሰና፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ሊቀነ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣስመራ ኣብ ክብረ ብዓል ኪዳነ ምህረት ዝሃቡዎ ስብከት፡ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ATV ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT