Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋዳላይ፥ መጸውዒ ዘይኮነስ ባህርይ እዩ

ኣማኑኤል ሳህለ ''ተጋዲልና ኢና፡ ይኣኽለና''፡ ዚብል ኣዘራርባ፡ ነቲ ተጋዲለ እየ ዚብል ሰብ ብብዙሕ መገዲ ክብሩ ከውርደሉ ይኽእል እዩ፡ ከመይሲ ምግዳል ወይ ምቅላስ፡ ባህርይ እምበር ብሰብ ዚውሃብ መጸውዒ ወይ ሽመት ወይ መዓርግ ኣይኮነን። ባህርይ ድማ ኣብ ሓደ

ኣማኑኤል ሳህለ

”ተጋዲልና ኢና፡ ይኣኽለና”፡ ዚብል ኣዘራርባ፡ ነቲ ተጋዲለ እየ ዚብል ሰብ ብብዙሕ መገዲ ክብሩ ከውርደሉ ይኽእል እዩ፡ ከመይሲ ምግዳል ወይ ምቅላስ፡ ባህርይ እምበር ብሰብ ዚውሃብ መጸውዒ ወይ ሽመት ወይ መዓርግ ኣይኮነን። ባህርይ ድማ ኣብ ሓደ መድረኽ ዚፍጠር፡ ኣብ ካልእ መድረኽ ድማ ዚጠፍእ ኪኸውን ኣይግባእን። ከምኡ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ባህርይ ከም መጋበርያ (expediency) እዩ ተራዒሙ ነይሩ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ምግዳል ኪብሃል ከሎ፡ ይኣኽለኒ ዘይፈልጥን ዘይቋርጽን፡ ኣብ ፍትሒ እተመስረተ ናይ ሓደ ሰብ ንጡፍ ባህርይ ከም ዝኾነ ኪፍለጥ ይግባእ።

ምስዚ ዚመሳሰል ድማ፡ ”ተጋዲልና ኢና ይኣኽለና፡ ሕጂ ግዴኹም እዩ” ዚብል ኣዘራርባ’ውን ኣሎ’። እዚ ብሓደ ወገኑ ቅኑዕ ኪኸውን ከሎ፡ ብኻልእ ወገኑ ግን ቅኑዕ ኣይመስልን። ይኣኽለና ማለት፡ ዕድመና ከምቲ ናይ ቅድም ላዕልን ታሕትን ከብለና ኣይክእልን እዩሞ፡ ሕድሪ ተቐበሉና ማለት እንተ ኾይኑ ቅኑዕ እዩ። ብዝተረፈ፡ ቃልሰይ ደው ኣቢለ እየ፡ ሕማቕ እናረኣኹ ዓገብ ኣይብልን እየ፡ ፍትሒ እናጎደለ ብቓለይ ወይ ብብርዐይ ወይ ብስነጥበበይ ገይረ ኣይቃለስን እየ ወዘተ. ማለት እንተ ኾይኑ ግን፡ ጌጋ እዩ።

መብዛሕትኦም ኣብቲ ስርዓት ዘለዉ ገዲም ተጋደልቲ፡ ነቲ ኣቐዲሞም ዚቃለሱሉ ዝነበሩ ማሕበራዊ ጉድለት-ፍትሒ፡ ከም ዘይናቶም ብምርኣይ፡ ምንም ናይ ምቅላስ ባህርያት ከየርኣዩን ዓገብ ከይበሉን ዕድመኦም ይውዳእ ኣሎ። ገለ ተባዓት ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር (ከም በዓል ወዲ ዓሊን ብርሃነ ኣብረሀን) ኮይኖም ወይ ድማ ኣብ ወጻኢ፡ ነቲ ዝኣመኑሉ ንፍትሒ ዚምልከት ቃልሲ ኣብቲ ከዕርፉሉ ዚግባኦም ግዜ ኣካዪዶም እዮም፡ ጌና ድማ የካይዱ ኣለዉ።

ገለ ናይቲ ስርዓት ገዳይም ተጋደልቲ፡ ከይሓፈሩ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ንዓ ኣብ ህንጸት ሃገርካ ተሳተፍ፡ ነዚ ሓድሽ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ተጠቒምካ ድማ ንሃገርካ ኣገልግል ኪብሉ ይስምዑ ኣለዉ። እቲ ጭቆና ኣብ ርእሶም ስለ ዘይበጽሐ ዲዩ? ዓሻስ ጽቡቕ ኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ ኣሎ፡ ተባሂሉ እዩ። ንምንታይ ደኣዮም ነቲ ተመሳሳሊ ጭቆና ደርጊ ዝቃለሱዎ ዝነበሩ? እንታይዶ መለሳ ኣለዎዩ? ጭቆና ካብቲ መጸ ካብዚ መጸ፡ ኩሉ ግዜ ጭቆና እዩ። ወይስ ምስቲ ስርዓት ተለኪሞም ከይወድቁ ስለ ዝፈርሁ ዲዩ? መሰረታዊ ግዴታ ተጋዳላይ ወይ ተቓላሳይ፡ በቲ ዚጥዕሞ ሜላ ተጠቒሙ ኣንጻር ግፍዕን ጭቆናን ምቅላስ እዩ። ከምኡ ምስ ዘይከውን፡ እቲ ከምዚ ዝበለ ዘረባታት ዘውስእ ተጋዳላይ፡ ብቐደሙውን ተጋዳላይ ኣይነበረን ማለት እዩ፡ ማለት ናይ ሓቂ ተጋዳላይ ኣይነበረን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ዕሱባት (mercenaries)ጥራይ እዩ ዚረኣይ!

ተጋዳላይ ወይ ተቓላሳይ ዚፍጠር ወይ ተጋዳላይ ኮይኑ ዚቕጽል፡ ፍትሒ ጠፊኡ ጭቆና ኪሰፍን ምስ ዚጅምር እዩ። ይኹንምበር፡ እቲ ኣሉታዊ በዳሂ ሓይሊ ወይ እቲ ጨቋኒ ስርዓት፡ ብእተፈላለየ ሰብ ብእተፈላለየ ኣጠማምታ ኪረኣይ ይፍተን እዩ፥ ብገሊኡ ሰብ ከም መሳርሕቲ ዝሰኣነ ሓላይ ህዝቢ ኮይኑ ይውሰድ፡ ብገሊኡ ከም ኪዕገት ዘይክእል ደረት ዘይብሉ ጭቆና፡ ብገሊኡ ከም ካብ ኣምላኽ እተላእከ መርገም፡ ገሊኡ ድማ ብሕታዊ ረብሓኡ ንምኽዕባት ነቲ ኩነታት ከም ዓቢ ዕድል ገይሩ ስለ ዚርእዮ፡ ነቲ ጭቆና ከም ኣድላዪ ኣማራጺ (lesser evil) ገይሩ ይወስዶ እዩ።

ኣብዚ እዩ እቲ ተጋዳላይ ካብ ካልእ ኪፍለ ዘለዎ፡ ምኽንያቱ፡ ተጋዳላይ ወይ ተቓላሳይ፡ ብመሰረቱ እምቢተኛን ኣይግዛእን በሃልን፡ ናጽነት ዚፈቱን ፍትሒ ከንግስ ዚደልን፡ ምስ ጨቋኒ ኣብ ሓደ ገዛ ኪነብር ዘይፈቱን፡ ንሓቂ ኢሉ ድማ ኪስዋእ ድሉው ዝኾነን እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ሓደ ህሞት ዘጥርዮ ባህርይ ዘይኮነስ፡ ገና ንእሽቶ ከሎ ከይተረፈ ናይ ፍትሓውነትን ሓቀኛነትን ዝንባሌታት የርእይ ብምንባሩ እዩ። እሾኽሲ ምስ ብልሓ ትፍጠር ተባሂሉ እዩ።

ተጋዳላይ፡ ምስ መሳርእያኡ ይኹን ብዘይ መሳርያኡ፡ ኣብ ዓውደ ኵናት ይኹን ኣብ ግዜ ሰላም፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዚዓጥቆ ካልእ መሳርያ እውን ኣለዎ። ንሱ ድማ፡ ህየሳዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking)፡ ካብ ማሪታውን ሕልማውን ኣተሓሳስባ ናጻ ምዃን፡ ንህዝብኻ ምሕላይ፡ ዘይምፍራህ፡ ንፍትሒ ካብ ዝኾነ ትምጻእ ብክፉት ኣእዳው ምቕባልን ምእንታኣ ህይወትካ ምውፋይን፡ ኣርሒቕካ ምርኣይ፡ ዘይተምበርካኽነት፡ ሕውነት፡ ማዕርነት፡ ኣቐዲምካ ዘይምፍራድ ወዘተ. እዩ።

ሕጂ’ውን ገለ ናይቲ ስርዓት ገዳይም ተጋደልቲ፡ ነቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ኮይኖም ንስለ ፍትሒ ዚቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ ከም ናይ ወያነ ዕሱባት ገይሮም ከጸልሙዎም ይፍትኑ እዮም። ምጽላም ናይ ሰነፋት መሳርሒ እዩ። ሃይለስላሴን ደርግን ንሻዕብያ ከም ናይ ሃገራት ዓረብ ዕሱባት ገይሮም ኣየጸለሙዎምን ዲዮም? ንኤርትራ ንኣዕራብ ኪሸጡዋ ደልዮም ኣይተባህሉን ዲዮም? ግን ኣይሰለጦምን። ሕጂ ድማ እቲ ታሪኽ ይድገም ኣሎ። ዝኾነ ሰነፍ ዕሱብ ተጋዳላይ ይኹን ወይ ደጋፍ ስርዓት፡ ወያነ ምባል ካን መውጽእ ኣፉ ኮይኑዎ። ካልእ ኪብሎ ዚኽእል ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዘይብሉ።

ናይዚ ስርዓትዚ ደጋፊ፡ ነቲ ናይቲ ቃልሲ ምኽንያት ኣብ ክንዲ ዚርእይ፡ ንቦታን ንዝምድናን ከም ዓቢ ነገር ገይሩ እዩ ዘቕርቦ። ንፍትሒ ደኣ ምስ ዝኾነ ተዛሚድካ ትቃለሰሉ እምበር፡ ምልኪ ኪነግስ ስቕ ኢልካ ኣይትርእን። ግን፡ ከምዚ ሕጂ ዚግበር ዘሎ፡ ሃገርካ ክሳዕ ምሻጥ ኣይትኸደሉን። ኣፍ-ልብኻ ኣይትሃርመሉን። ወዘኽዘኽ ኣይትብለሉን!! ንገዛእ ህዝብኻ ዘዋርድ ምርኢታት ኪፍጸም ኣይትደልን!

ሓቀኛ ተጋዳላይ ኪቃለስ እዩ ዚነብር። ዕረፍቲ የብሉን። ምስ ነብሱ እውን ይቃለስ እዩ። ስለምንታይ እየ ኣብ ከተማ ምስ ኣተኹ ባህርያተይ ዝልውጥ ዘለኹ? ስለምንታይ እየ ኣብ ሓላፊ ነገራት ዘተኵር ዘለኹ? ስለምንታይ እየ ንሓደ ውልቀመላኺ ዝስዕብ ዘለኹ? ስለምንታይ እዩ እቲ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ምጽናትን ኣብ ሊብያ ዚረአ አሎ ስቓይን ዘየሕምመኒ? ስለምንታይ እየ ዓገብ ኣብ ዚብሃለሉ ኩነት፡ ዓገብ ዘይብል ዘለኹ? መኣስ እያ እዛ ኣብ ሜዳ ዘይነበረት ፍርህን ራዕድን ድህለትን ክትኣትወኒ ዝጀመረት? ወዘተ.። እዚ እዩ እምበኣር እቲ ናይ ሓቂ ባህርይ ተጋዳላይ። ኣብ ኩሉ ነገራት፡ ፍትሒ ይደሊ፡ ንነፍሱ እውን ኣየናሕስየላን። ክትጋገ ከላ ይገንሓ። ብድፍረት ይነጥፍ፡ መትከሉ ድልዱል እዩ፡ ንጭቁናትን ንዚግፍዑን ፍትሒ ምውጻእ ድማ ደስ ይብሎ።

ተጋዳላይ (ከምኡውን ህዝቢ ኤርትራ በብዓቕሙ) ኣንጻር ሃጸያውን ደርጋውን ጭቆና እተቓለሰ እኮ፡ ኣብታ ዚነብረላ ሃገር ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ እዩ። ኣቦታትና ቀደም ፍትሒ ኪሰኣን ከሎ፡ ይሽፍቱ ነይሮም (ከም ባህታ ሰገነይቲ)። ምእንቲ ሓቂ ኪቃለሱ እምበር፡ ንኪኸትሩ ኣይኮነን። እቲ ስም ግን ኣብ ክልቲኡ ይዝውተር ነይሩ። እቲ ጸላኢ እውን ብወገኑ፡ ናይቲ ተቓላሲ መትከል ንኸነኣእስ፡ ነቲ ተቓላሲ ከም ከታሪ ሽፍታ (ወንበዴዎች) ገይሩ ኣብ ህዝቢ ከጸልሞ ይጽዕር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ እቲ ኣንጻር ጭቆና ዚካየድ ዝንበረ ”ሽፍትነት”፡ ስሩዕ መትከልን ውዱብ ሓይልን ስለ ዘይነበሮ፡ ኣብቲ ዕላማኡ ንኺበጽሕ ዚኽእል ኣይነበረን። ምውዳብን ዕላማ ምህላውን እምበኣር፡ ናይ ሓደ ገድሊ ኣገዳሲ ሕላገት እዩ። ዕላማ ገድሊ ንጹር እዩ፡ ንሱ ድማ ፍትሒ ንምንጋስን ምልኪ ንምእላይን እዩ። እተወደበ ሓይሊ ጽኑዕ ብምዃኑ ድማ፡ ቅኑዕ ዕላማን ድልዱል መትከልን ምስ ዚውሰኾ ንጸላኢ ምስቲ ግፍዑን ዘይፍትሓውነቱን ብምድምሳስ፡ ናጽነትን ደሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስ ኩሉ ግዜ ይዕወት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ናጽነት ከምጽኣልካ እየ ኢሉ እተላእከ መሪሕነት ተጠሊሙ እዩ። ትርጉም ገድሊ እናሃሰሰ ከይዱ፡ ናብ ዳርጋ ዕሱብነት ተቐዪሩ። ምስዚ ኹሉ ግን፡ ብዙሓት ጽኑዓትን ውፉያትን ተጋድልቲ-ነበራትን ሓደስቲ ”ተጋደልትን” ስለ ዘለዉናን፡ ጌና ድማ ይፈርዩ ስለ ዘለዉን፡ ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግባእን።

ምናዳ ኩሉ ሰብ ተጋዳላይ ኪኸውን እንተ ወሲኑን ናይቲ ሓቀኛ መልክዕ ተጋዳላይ እንተ ደኣ ለቢሱን፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ካብቲ ዞባ ኪመጽእ ዚኽእል ሓደጋታት ኪብድሆ ይኽእል እዩ።

እምበኣር፡ ሕጂ እዩ እቲ ናይ ካልኣይ ገድሊ እዋን። ሕጂ እዩ እቲ ናይ ዳግመ-ምውዳብ ግዜ። ሃገር ከይጠፍአት ከላ!

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Tsehaye November 3, 2018

    ሰላም ኣማኒኤል፡።

    ሰፊሕ ኣፍልጦ ገድሊ ኤርትራ እንተዝነብረካ ነይሩ፡ ኣይኮነንዶ ነዚ ኣብላዕሊ ዝጻሓፍካዮ ጽሑፍ ክትጽሕፍሲ ንኽትሓስቦ እውን ኣይምብሃግካን። You truly represent the pathetic elites of highland Eritrea. Do you know that the overwhelming number of EPLF and ELF fighters were children of highland Eritrean peasants who were recruited by force to fight a war that was not their own making? Now please tell me how the following statement from your article applies to them:

    “ተጋዳላይ ወይ ተቓላሳይ፡ ብመሰረቱ እምቢተኛን ኣይግዛእን በሃልን፡ ናጽነት ዚፈቱን ፍትሒ ከንግስ ዚደልን፡ ምስ ጨቋኒ ኣብ ሓደ ገዛ ኪነብር ዘይፈቱን፡ ንሓቂ ኢሉ ድማ ኪስዋእ ድሉው ዝኾነን እዩ።” What a tragedy.

    • k.tewolde November 4, 2018

      Tsehaye,you can’t help yourself with your knee jerk intuitive response which is assassinating the character,if you took your time and read the article and understand the message,you would’t scribble the above post,then again,you are not wired to think that way.

      • Tsehaye November 4, 2018

        እታ ጉሓፍ፡ my comment was not meant for you. Give Amanuel Sahle the chance to answer the question I raised. ሓርኢ እኽሊ።

        • k.tewolde November 4, 2018

          Thanks for the insult,hope that made you feel you like just won in the octagon by submission,fact is Memhir don’t have time paying attention to your temper tantrum.

          • Tsehaye November 5, 2018

            Dear Assenna,

            It is noted. Sometimes it is hard to show too much patience to the constant nagging of the tragic ዑሱብ።

POST A COMMENT