Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋዳላይ መዓንጣኻ ሓሪሩ፡ እንታይ’ሞ ኢድካን’ዶ ሓጺሩ

ኣብዚ እዋን’ዚ ዋላ’ኳ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ስቃይን ሓሳረ መከራን ህይወት የሕልፍ እንተሎ፡ ካብኡ ናብኡ ግን እቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝሰንከለን ኣብ በረኻ ከርተት ዝበለን ተጋዳላይ፡ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን መዕቀኒ ዘይብሉ ሕሰም የሕልፍ ኣሎ። ሓቂ

ኣብዚ እዋን’ዚ ዋላ’ኳ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ስቃይን ሓሳረ መከራን ህይወት የሕልፍ እንተሎ፡ ካብኡ ናብኡ ግን እቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝሰንከለን ኣብ በረኻ ከርተት ዝበለን ተጋዳላይ፡ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን መዕቀኒ ዘይብሉ ሕሰም የሕልፍ ኣሎ። ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ “መጀመርታ እንተለዎ መወዳእታ’ውን ኣለዎ” ኢሉ፡ ነታ ሓንሳብ ዝዓጠቃ ብረት ከየውረደ፡ ብጽንኩር ኩነታት ከይተመልከ፡ ንናጽነት ኤርትራ ዝኣተዋ ምብጽዓ ከይጠለመን ህይወቱ ከይበቀቀን፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክሳብ ካብ ኤርትራ ዝጽረግ ዝተቃለሰ ተጋዳላይ፡ ልዕሊ ሰቡ ክኸብርን ሞሳ ክወሃቦን ግቡእ’ዩ። ሓደ ካብ ጽቡቅ መግለጺን ቅኑዕ ፖሊስን መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ዓውድን ንሃገሮምን ህዝቦምን ልዑል እጃም ዘበርከቱ ዜጋታት ተፈላጥነትን ኣኽብሮትን ምሃብ’ዩ። እዚ ወረጃ ስጉምቲ’ዚ፡ ነቲ ዝመጽእ ወለዶን ንኻልእ ዜጋን ንሃገሩን ህዝቡን በጃ ከምዝሓልፍን ውፉይ ስራሕ ከምዘበርክትን ምትብባዕ’ዩ። ብኣጠማምታ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ “እቲ ዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብል ቅዱስ ዕላማ ቦታ የብሉን። ኣብ 1991፡ ተጋዳላይ ንጸላኢ እግሪ-እግሩ እናስዓበ ኣስመራ ክኣቱ እንከሎ፡ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ፡ ብዕልልታን ናይ ሓጎስ ንብዓትን፡ ንደቁን ኣሕዋቱን ክቅበል እንከሎ ዝነበረ ህሞት መግለጺ ቃላት የብሉን። ብርግጽ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብ ውሽጥን ውጻእን ዝነበረ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጉልበት፡ ብገንዘብን ንዋትን ከምዝተወፈየ ዘጠርጥርን ዘካትዕን ኣይኮነን። የግዳስ፡ ቅድሚ ናጽነት፡ እቲ ንተደጋገምቲ መረርቲ ወራራት ጸላኢ ዝምከተ፡ ኣብ ግንባራት ናቅፋ፡ ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል፡ ሓልሓል፡ ጊንዳዕ፡ ባጽዕ ካልኦት ቦታታትን ንዓመታት ከም ውኻርያ ኣብ ጎዳጉዲ ሕሰም ዝተጻወረ፡ ዝተሰውአን ዝሰንከለን ዝወዳደር ፍጡር ኮቶ የለን። ስለዚ ነዚ እፎይ ኢሉ ከየዕረፈ፡ ብርኩ ከይዓጸፈ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ብጅግንነቱን ብቅያታቱን ከይተሓበኑ ሞያኡ ክብሪ ክስእን፡ ናብ ስደት ከምርሕ፡ ክእሰርን “ብኻ ተሰዊአ-ሳሕል ተሪፈ” እናበለ ከስተማስልን እንከሎ፡ ናቱ ስንፍና ድየ ወይስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕመቅ፡ ሰብ ነናቱ መርገጺ ኣለዎ። 99 ካብ ሚእቲ፡ እቲ ካብ መስዋእቲ ብዕድል ዘምለጠ ተጋዳላይን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዳግማይ ኩናት ዝተጠብሰ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ግዳያትን ጊላታትን ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ ቅንጣብ ረብሓ የብሎምን። ብሰንኪ ንቁጽ ይነድድ ርሑስ ከምዝብሃል፡ ስምን ክብርን ተጋዳላይ፡ በቶም ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ቀንዲ ኣሳሰይትን የማናይ ኢድን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክኸፍእ የብሉን። ኣፍካ ዝሃበካ፡ እንተ ብግርህና እንተስ ኮነ ኢልካ፡ ብገለ ወገናት፡ “ተጋደልቲ ዘይተመልአ ናጽነት ኣምጺኦሙልና”፡ ስርዓት ደርጊ ምሓሸና” ምባል ካብ ክውንነት ዝርሓቀ ስለዝኾነ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ሕሰምን ስደትን ዝገብሮ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ውሑዳት ደቂ መዛምርቱን ተራ ተጋዳላይን ዘሎ ፍልልይ ክደባለቅ የብሉን። ብዘይካ ውሑዳት ብውልቃዊ ረብሓ ምስ ስርዓት ህግደፍ ወጊኖም ህዝቢ ኤርትራ ዘድምዩ ዘለዉ ጠላማት፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ብረት ዓጢቁ ዘሎን ኣብ በርጌሳዊ ንጥፈታት ዝነጥፍን፡ ውጹዕን ፍትሒ ዝጽበን’ዩ።

ሓደ ክከሓድ ዘይግብኦ ሓቂ ግን ኣሎ። እቲ ንስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ዝህቦን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሕሰም ክፍጽምን፡ መህረሚ ዱላ ኮይኑ ዘሎ፡ ሰራዊት፡ ትካላት ፖሊስን ጸጥታን’ዮም። ስደት፡ ማእሰርቲ፡ መስዋእቲ፡ ድኽነት፡ ተስፋን ሰላምን ንምርግጋጽ ዕማም ኩሉ ኤርትራዊ’ኳ እንተኾነ፡ ካብኡ ናብኡ ግን፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት ድሕሪ ናጽነትን ቅያ ዝፈጸመ ህዝባዊ ሰራዊት’ዩ። ኣንታ ተጋዳላይ! ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ካብ ሓያል ኢድካን ጅንነትካን ተመጣጢራ ዘይተምልጦ፡ ሎሚ ኣብ እዋ ህግደፍ ስለምንታይ ኣእዳውካ ሓጺረን ኣምዑትካ ተዘሪገን? ስለምንታይ ክኣስረንን ክቆርጸንን ንዝመጸ ሰይጣን፡ ኣእዳውካ ቀልዓለም ገይረን ወይ ሓኒኸን? ኣብ 1993፡ “ናብራ መሪሩና፡ ደሞዝ ይገበረልና፡ ስድራቤትና ይጠወሩ” ኢልካ ፍትሕዊ ሕቶ ምስ ኣልዓልካ፡ ብውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ “ዕሸልን ጠላምን” ተባሂልካን ብብሓደ ተቀፊድካን። ብድሕሪኡ ኣብ ማይ ሓባር ብዘይ መሳለጥያ ተደርብዮም ዝነበሩ ውጉኣት ሓርነት፡ ጸገማቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ንምሕባር ብምርኩስ ናብ ኣስመራ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ ኣብ ከባቢ ነፋሲት ብትእዛዝ መላኺ ኢሳያስ ብኣድራጋ ጠያይቲ ተረሺኖም። ብተመሳሳሊ ኣብ 2001ን ብድሕሪኡን፡ ፍትሒ ይንገስ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ይተሓሉ ንዝበሉ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስት፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዜጋታትን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ኮይኖም። እቲ ንዓመታት ናጽነት ንምርካብ ዝተጋደለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓሳረ መከራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ሰጥ ለበጥ ክብል ተዲዱ፡ ናብ ስደት ከምዘምርሕ ኮይኑን ብሕሰም መነባብሮን ተሳቅዩን። ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቆጹሩ ወፊሩ ክሳብ ዝኣቱ ይሽቁረር፡ ከይእሰር ይፈርሕን ዝረግጻ መሬት ከይትጠልሞ ይጠራጠርን ኣሎ።

ዝኸበርካ ተጋዳላይ፡ ካብ መጀመርታ ዓስቢ መስዋእትኻ፡ መውጋኣትኻን ድኻምካን፡ ናጽነትን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ’ዩ ነይሩ። ሕልምኻ፡ ድሕሪ ናጽነት ሰላም ዝዓሰሎ ሲቪላዊ ህይወት ከተስተማቅር፡ ብልጽግትን መሰል  ዜጋታታ ተኽብር ኤርትራ ንምርኣይ’ዩ ነይሩ። ኩሉ ሕልምታትካን ባህግታትካን ግን ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ። እቶም ኣብ እዋን ቃልሲን ድሕሪ ናጽነትን ዝተወልዱ ደቅኻን ኣሕዋትካን፡ ተቀበልቲ ሰላም ዝዓሰላ ወረ ኩናት ዘይብላ ሃገር ተቀቢሎም ኣፍራዛን መጽሓፍን ተኾልኩሎም ኣብ ጎደና ልምዓት ኣብ ክንዲ ዝምርሹ፡ ናብ ዳግማይ ኩናት ተጠቢሶምን ኣብ በረኻ ሰፊሮምን። ዝኸበርካ ተጋዳላይ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ትጽቢቱን እምንቱኡን ኣባኻ’ዩ ዘሎ። ድሕነት ኤርትራ መቃብር ስውኣት ብህግደፍ ተዃዒቱ ንጓና ከይወሃብ ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ዝሕሎን ዝረጋገጽን ብኣኻ’ዩ። እቲ ብስርዓት ህግደፍ ንትካላት ወጻኢ ዝሽየጥን ዝልወጥን ዘሎ ባህርያዊ ሃብትናን ልኡላውነትናን ንስኻ ኢኻ ተጣበቀሉ። ኤርትራ’ኮ ዝተረፋ የለን፡ ህዝባ ይጸንት ኣሎ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ለማናይ ኮይኑ ከምዘሎ ኣይጠፍኣካን ኢዩ። ንባዕልኻ’ውን ስደተኛ ኢኻ ዘለኻ። ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕይ ኢልካ ንመሰልካ ከይትጣበቅን ከይትቃወምን፡ ኣብ ሞንጎኻ ሃሱሳት ኣዋፊሩ ንሓድሕድካ ከምዘይትተኣማመን ገይሩካ’ሎ። በቀጻሊ ብስም ዳግመ ምውዳብ ይበታትነካ፡ ይኣስረካ፡፡ ካልእ እዋን ድማ ከምቲ “ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕስ’ያ ዛግራ ትብላ” ከምዝብሃል፡ ስልጣኑ ንምንዋሕን ሃብቲ ንምግባትን ኣብ ዝደልየሉ፡ “ጅግና፡ ኣውሓሲ ድሕነት ሃገር” ኢሉ ብምውዳስን ብስም ሃገር ተወሪራን፡ ኣብ ኩናት ንኽትጥበስ ሕጹይ ኢኻ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ፡ ጓናን ጨካንን ስርዓት ንሓድሕድካ ደም ክትፋሰስ፡ ብረትካ ኣንጻር ህዝብኻ ከተቅንዖ ድሕር ኣይብልን’ዩ። ከምዘይትዝንግዖ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንኸብቅዕ ብደለይቲ ፍትሒ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቃስ፡ ብስርዓት ህግደፍ፡ “ሃገር ክሸጡን መንግስቲ ክግልብጡን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ብስለያ ኣመሪካ ዝምወሉን ዝተዓስቡን’ዮም” እናበለ ከጸልምን ሓቂ ክቀብርን ህርግድ ይብል ኣሎ። ብቋንቋ ህግደፍ፡ ኩሉ ንዕኡ ዝቃወም ሰብን ጉጅለን ዕሱብን ከድዓን ዝብል ስም’ዩ ዝወሃቦ። ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ዝለዓለ ብመዓርግ ሚኒስተር፡ መራሒ ሰራዊት፡ ትካላት ስለያን ካድራትን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣቀሚጡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ክግብት፡ ህዝብና ክሓስሞን ናብ ስደት ክበታተንን፡ እታ ህይወትካ ዝኸፈልካልን ስውኣትካ ዝቀበርካልን ሓላል መሬት ድማ መዐንደሪ ጓኖት ንምግባራ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሉ ትስሕቶ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ፡ ቅድሚ ናጽነት ዝፈጸምካዮ ጅግንነትን ቅያን መጻኢ ወለዶ ክሕበነሉን ክወርሶን ባህጉ ኣይኮነን። ድሌት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሕማምን ድኽነትን ከምትመውት ኣብ ስደት ዘሎ ድማ ብኡ ኣቢሉ ከምዝጠፍእ’ዩ። ኣብ መሬትናን ማያዊ ክልላትናን ወተሃደራዊ ወይ ቁጠባዊ ምትእትታው ናይ ሃገራት ስዑድ ዓረብያ፡ ግብጺ፡ ቻይና፡ ካናዳን ኢማራት ዓረብን ድማ፡ መጻኢት ኤርትራ ናይ ባዕዳውያንን ሃብታማትን እምበር፡ ናይ ዋናታታ ከምዘይኮነት ሓደ ኣብነት’ዩ። ስለዚ፡ ካብ ምስኮነ ሕማቕ ጣዕሳን ምስቁርቋርን፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዘርኣኻዮ ኒሕን ብልሓትን፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ነዞም ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ኣጋንንቲ ህዝቢ ኤርትራ ክምክት ኣለዎ። ተጋዳላይ መዓንጣኻ ሓሪሩ ከምዘሎ ፍሉጥ’ዩ፡ ዝተኾምተረ መዓንጣኻ ክርስርስን ህዝብኻ ካብ ዓዘቅቲ ድኽነት ክናገፍን፡ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ገሃነብ ምቅባር’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 8 ጥቅምቲ 2017

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! October 8, 2017

    Regardless our partisan politics , it is sad to observe
    majority EPLF fighters that trust their leadership to
    find themselves heart broken once betrayal became
    unsuspected willful backstabber .
    When the time of fear and patience reached at its turning point , then I don’t know what will take place
    because the sufferings has a price to pay back .

    • Seifu October 9, 2017

      Where are the majority of your ELF muslim Arab mercenaries then? At least you won the Arabic language as the second official language in Eritrea temporary, I.e. once Esayas is gone so will be your barbarian Arabic language it will scrapped and gone from Eritrean so enjoy it while it lasts because if you want Arabi. You’ll have to go to Arabs.

      • AHMED SALEH !!! October 9, 2017

        You idiot street boy ,
        Hold you breath , your nicknames can not fool this
        forum anymore .

        • Asmerom October 9, 2017

          Detective/Inspector the most ignorant dead brain muslim beggar pimp,
          Cut all your usual boring, meaningless fake conspiracy theories, evil Islam’s hallucinations, can’t fool this forum anymore fake detective analysis and simply answer “Where are the majority of your ELF evil muslim mercenaries” like yourself then? Tell your rootless mushmush Saho nomad cousin {andom, amanuel, alem, Sol, Kalighe, Nahom, Wedi Hagher, Kidane, Aba thimmer, Keshi Mars, Abdu, Hamid Ibrahim (his latest one), Hawuka abey alo} to stick to one pen name first but as a coward, hypocrite and ignorant muslim pimp you would not do it , would you savage Arab dog??? About stabbings, you would be an expert of back stabbing. About street boy, as a former enda goHaf scavenger and street beggar you would be an expert again, “undisputed backstabber & street scavenger”. Just come back any time for more updates or clarifications.

POST A COMMENT