Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትምኒት ዋላ ሕልሚ

ማይ ነሓሰ: ጃሕጃሕ ክብል          ጎደናታት ተሓጺቡ          እኹል ማይ ጸጊቡ          ቀው ኢለ ጠመትኩ ከንሳፍፍ ጀመርኩ፥ ኣብ ናይ በይነይ ማዕበል ሓንጎለይ ተውንጨፈ: መን ከርክቦ ንናይ ብርሃን ፍጥነት ሓለፎ ኣብ ቦታይ በጻሕኩ:  ኣብ

ማይ ነሓሰ: ጃሕጃሕ ክብል
         ጎደናታት ተሓጺቡ
         እኹል ማይ ጸጊቡ
         ቀው ኢለ ጠመትኩ
ከንሳፍፍ ጀመርኩ፥ ኣብ ናይ በይነይ ማዕበል
ሓንጎለይ ተውንጨፈ: መን ከርክቦ
ንናይ ብርሃን ፍጥነት ሓለፎ
ኣብ ቦታይ በጻሕኩ:  ኣብ ናይ ሓጺር ጉዕዞ
እዋይ! እንታይ ገነት ድኣ ‘ዩ በልኩ
ብርከይ ከይዓጸፍኩ
ሰብ ብሩሃት ገጽ ናብዝን ናብትን ኮነ
ኣነ ግን ተገሪመ
እንታይ ደኣ: ኩሉ ሰብ ሕጉስ
ብየማን ብጸጋም ክምስምስ!
ኣበይ ከምዘለኹ: ክሓትት ጀመርኩ
ሓደ ድሙቕ ጸሊም ቆልዓ: ድማ ተወከስኩ
ኤርትራ ‘ዩ ! ዝብል መለሰለይ
ግር ከምዝበለኒ ተርዲኡ: ሓዳስ ኤርትራ ‘ዩ ደገመለይ
ዋእ! ሓቂ በል ዝሓወይ
ሓቀይ የ: ኣይትገረም: ድሕሪ ህግደፍ ዩ
ኤርትራ ጸገማ ተኣልዩ
ሐሕማቑ በልዩ
መርገማ ተቐንጢጡ:ሰላም ሰፊኑ
ሕረስ ሓረስታይ: ንገድ ነጋዳይ ኮይኑ
ውጥን ህግደፍ በርዒኑ
መንእሰይ ዋና ሃገር ኮይኑ
ኣይብለንን……..
ዋእ! ኣንታ እንታይ ትብል
ካን ዓዲ ብሓንሳብ ተቐይራ ኢለ ከይወዳእኩ
ብሓላፊት መኪና ማይ ተገጭብኩ
ካብዛ ምቅርቲ ዕላል ተኾለፍኩ
ኤእ! እዚ ንሪኤሉ ነዊሕ ኣይከውንን ድማ በልኩ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT