Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትርጉም መንነት ሃገርና ኤርትራ – ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ – ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!!

ትርጉም መንነት ሃገርና ኤርትራ ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!! ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.) መጋቢት(March) 9፡ 2019 *********  ንኽብሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቦስቶን ዝተነበበት። ኤርትራዊት እንተ ነዲራ፡ የብላን መላሲ! ንርስቲ ዝተባህለ ይዋጋኣላ ኣንስቲ ዓሚቝ ሓቂ ዝሓዘለ`ዩ፡ ልቦና ካብ ጥንቲ ምስክሩ`ዩ

ትርጉም መንነት ሃገርና ኤርትራ

ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ

ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.)

መጋቢት(March) 9፡ 2019

*********

 ንኽብሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቦስቶን ዝተነበበት።

ኤርትራዊት እንተ ነዲራ፡ የብላን መላሲ!

ንርስቲ ዝተባህለ ይዋጋኣላ ኣንስቲ

ዓሚቝ ሓቂ ዝሓዘለ`ዩ፡ ልቦና ካብ ጥንቲ

ምስክሩ`ዩ ዝኸፈልኦ ልዑል መስዋእቲ።

ኤርትራዊት ሓቛፊት`ያ ብዙሕ መርኣያ

ከም ኣደ ለጋሲት ፍቕሪ ሓልዮት ኣሰኒያ

ከም ተቓላሲት ሕጽብቲ መዓንጣ ሰራሒት ቅያ።

ጅግንነት ኤርትራዊት መዓስ ተነጊሩ

ኣይተዋህቦን ዝግብኦ ልዑል ክብሩ

ተሰዊኣን ሰንኪላን`ያ መግዛእቲ ኪቕበር ንሓዋሩ።

ፍርቂ ሰማይ ግዲ ብመን ተደገፈ

ክዝክሮ ቃልሲ ናጽነት ዝሓለፈ

መትከል ኤናስኣ`ዩ ነይሩ ታሪኽ ዝገደፈ።

ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ኣበሳ

ድሕሪ ናጽነት ብኸቢድ ጥልመት ተረሚሳ

ዳግም ትለዓል ኣላ ንሓርነት ንብዓታ ሓሲሳ።

ይኣክል ክትብል ንሓሳረ መከራ

መላሲ የብላን እንተ ድኣ ነዲራ

እነሃ ትትንስእ ንፍትሒ ተሪራ፤

እምበኣር ብማዕበል ድምጺ ንለዓል ብሓበራ

ኣብ ቀረባ ክንርኢ ትንሳኤ ፍቕርቲ ኤርትራ።

***

ዘለኣለማዊ ክቡር ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT