Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ዝምልከቶም ኩሎም!! – ሓድሽ ፕሮጀክት ማረምኤ 2020 (ERDA)!!!

  ናብ ዝምልከቶም ኩሎም!!                                                       ሓድሽ  ፕሮጀክት ማረምኤ 2020 (ERDA)!!! ናብ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣባላትን ፈተውትን ደገፍትን ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ብሓበራ ። ክቡራትን ክቡራንን ኣሓትን ኣሕዋትን ብመጀመርታን ቅድሚ ኩሉን ኣብ ዘለኹሞ ናይ ስደት መናባብሮ

 

ናብ ዝምልከቶም ኩሎም!!                                     

                 ሓድሽ  ፕሮጀክት ማረምኤ 2020 (ERDA)!!!

ናብ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣባላትን ፈተውትን ደገፍትን ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ብሓበራ ።

ክቡራትን ክቡራንን ኣሓትን ኣሕዋትን ብመጀመርታን ቅድሚ ኩሉን ኣብ ዘለኹሞ ናይ ስደት መናባብሮ ጥዕናኹም ተሓልዩ ብሰላም ክትህልዉ ካብ መላእ ስደተኛታት ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን ኤርትራውያን ክቡር ልባዊ ሰላምታን ምስጋናን ብመንገዲ ማሕበርኩም ማሕበር ህዝቢ ዝኾነት!! ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ፡ ማረምኤ (ERDA) ከነማሓላልፈልኩም ንፈቱ።

ብምቕጻል ማረምኤ (ERDA ካብ ህዝቢ፡ ብህዝቢ፡ ናብ ህዝቢ፡ ዝብል ሰናይ ተበግሶ ጨሪሓ ክትብገስ ከላ ብጀካ ብሩህ ራእን፡ ቅኑዕ መምርሕን ቆራጽ ተበግሶን ካልእ ትውንኖ ሃብትን ካፒታልን ኣይነበራን።

በንጻሩ ኣብ ቅድሚኣ ከጋጥምዋ ዝኽእሉ ሓያሎ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተጻብኦታትን ብድሆታትን ኣብ ዓቢ ግምት የእትያ እያ ተበጊሳ። ከምቲ ዝገመትናዮ ድማ ኣብ ዘይካኣል ዝመስል ብቀሊል ዘይግመት ፈተና ካብ ውሽጥን ወጻእን እዩ ኣጋጢሙና፡ ብሳላ ትዕግስትን፡ ጽሮትን፡ ኣባላትን ዉፉያት ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ለበዋን ምድግጋፍን ምትብባዕን ነቲ ዘይስገር ዝመስል ዝነበረ ሕልኽላኻት በዳሂ መድረኽ በቲኽና ናብ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክንራኸብን ብዓቕሚ ማሕበር ግዝያውን ዘላቕን ደገፋት ክንገብር ጸኒሕናን ብቐጻሊ ንገብር ኣሎናን።

ክቡራንን ክቡራትን ደለይቲ ፍትሒ ከምቲ ዓመት ዓመት ብዝተነጸረን ስኑድ ዝኾነ ማሕበራዊ ኣሳራርሓ ሒዝና ስለ ንኸይድ ዝኾነት ትዕበ ትንኣስ እትዋጻእ ንዋት ወይ ገንዘብ ናብ ተረዳእቲ ምብጽሑን ዘይምብጽሑን ብዘታኣማምን ሰነዳት ብመራኸቢ ብዙሃን ናብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ለገስቲ ህዝብናን ፈተውትናን ኣባላትን ብጹሑፍን ብተንቃሳቓሲ ቪድዮን ደረቕ ስእልን ብመራኸቢ ብዙሃን ክንዝርጎሖ ጸኒሕናን ብቐጻሊ ንዝርግሖ ኣሎናን።

ግልጽነት ምትእምማን ይፈጥር ምትእምማን ድማ ምዕባለ የምጽእ ከም ዝባሃል፥            ካብ 2004 መወዳእታ ታተ ኢልና ክንጅምር ከለና ብግልጽነት ስለ ዝጀመርና ኣብ ውሽጥና

ዓቢ ምትእምማን መስሪትና፡መንገዲ ምዕባለ ንምጥማት ብሩህ መጻኢ ሓቢሩና፥ ብኽምዚ  ድማ ካብ ዜሮ ዝጀመረ ቅኑዕ ዓላማ ናብዚ ህዝባዊ ደረጃ ክንበጽሕ ስለ ዝኸኣልና ብኡ ደረጃ ድማ እቲ ረዲኤት ካብ ረዲኤት ሓሊፉ ናብ ምዕባለ፡ ክሳጋገር በቒዑ ማለት፥ ኮንተይነር ናይ ሕክምና ዓራውትን፡ ኮንተይነር ዝተፋላለየ ንስደተኛታት ዝጠቅም ኣቑሑት ካብ ጀርመን ኣጽዒና፥ ናብ ጽሩይ ማይ ምብርካትን፡ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ምህናጽን ዝተፋላለየ ዓይነት ሕክምና ማለት፥ ከም ብዓል ስታር ፎር ስታር ዝኣምሰሉ ገበርቲ ሰናይ ሰብ ሞያ ኮይና ዝተፋላለየ ሕክምና ናይ ስኒ፡ ናይ ዓይኒ፡ ቀሊል መጥባሕቲ፡ ናይ ማህጸን፡ ሕማም ሽኮርያ ንዝሓመሙ መዐቀኒ መሽናት፡ ምስ ናይ ዓመት (Test strips) ምርኩስን፡ ዊልቸርን፡ ክዳውንትን፡ ጫማን፡ ናይ ስፖርት ዕጥቅን፡ ቢሮን፡ ጥራውዝትን፡ ውሽጢ ስረን፥ ሓጺበን ዝጥቀማሉ ሞደስ ካብ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከባ ኣሓተን ADE CARE ዝተወፈየን፥ ናይ ጽርየት ከም ሳሙናን፡ ኦሞን፡ ኮምኡ ውን ነተን ዝተወደባ ማሕበራት ናእሽቱ ንግድታት ንመካይዲ ዝኾነን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ወዘተ ተረፈ—– ክንገብር ጸኒሕናን ብቐጻሊ ንገብር ኣሎናን ኢና።

ሕጂ ውን ከምቲ ልሙድ ዓመትዊ ማሕበራዊ ዕማማት ንምስልሳል ባጀት ስለ ዘድሊ ናይ 2020 መድባት ሰሪዕና ንዕኡ ዝኸውን ባጀት ካብ ህዝብናን፥ ፈተውትናን  ንምእካብ ብኸምዚ ዝስዕብ ብመጽናዕቲ ከነዳልዎ ከለና፡ብመጀመርታ ኣብ ህዝብና ብምትእምማንን ምምርኳስን  ክኸውን ከሎ፥ ማለት፥ ኩሉ ደላይ ፍትሒ እየ ዝብል ብተግባርን፡ ብሓላፍነትን ውራየይ ኢሉ ንህዝቡ ኣለናካ ክብል ክበቅዕ ክኸውን ከሎ፥ ጎኒ ጎኒ ድማ ካብ ኩሉ መንግስታውን፥ ዘይመንግስታውን፥ ድርጅታትን ብሰብኣዊ ርሕራሐን ብሕልናን ንዝተወጸዐ ህዝቢ ዓለም ብዘይ ኣፋላላይ ዓልየትን፥ ሃይማኖትን፥ ሕብሪ ቆርበትን፥ከይተሓለሉ ንዝልግሱ ውልቀሰባትን ከይተረፈ ብስም ውጹዕ ህዝብና ሓገዛት ክንሓትት ጸኒሕናን ኣሎናን፡ ብስትራተጂ ናይ ነዊሕ ዓላማ ማረምኤ ግና ናብቲ ቀንዲ ብዓል ውራይ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ሰፊሕ ህዝብና ጥራይን ጥራይን ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክንስምሩሉ ንደሊ።

ነዚ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ኣወንታዊ ምዕባለ ክንበጽሖ ካብ ዘብቅዑ ወስንቲ ረቛሒታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይካኣል። ናይ መራኸቢ ብዙሃን ፓልቶክ ስመር ሩም ቁጽሪ 1፡ ራድዮ ኣሰና፡ ረድዮ ወጋሕታ፡ ረድዮ መስትያት ቤትና፡ረድዮ ድምጺ ኤርትራ ካናዳ፡ ነጻ ረድዮ ኤርትራ ስቱትጋርትን ከባቢኣን፡  ወዘተ —- ክኾኑ ከለዉ ከም (ARRA)  (UNHCR) ውን ካብ ዕሸል ምጅማርና ክሳብ ዕለተ ሎሚ ብዘይ ምቁራጽ ኩሉ ሸነኻዊ ምትሕብባር ማለት፥ ኣብ ጸጥታን መጎዓዝያን ዓቢ እጃም ስለ ዘበርከቱልና ነቲ ዓመተዊ መደብ ማረምኤ ክዕወትን ብኡ ደረጃ ድማ ቶሞኩሮና ከነማዕብልን ምስ ህዝብና ተራኺብና ዝያዳ ክንላዘብን ኣስቶምሁሮ ክንልግስን ክንማሃርን ክንምህርን ስለ ዘግበሩና ከይሰመርናሉ ክንሓልፍ ኣይንመርጽን።

  ፕሮጀክት ናይዘን ዓድታት ምስዚ ሓድሽ  ኩነታት ንቕድሚት ዝረኤ ኮይኑ ክሳብ ናብ ስግር ዶብ ቤት ትምህርቲ  ማዕበል ከይዶም ዝማሃሩ ማረምኤ ንኽገብረሎም ዝጸንሔን ዘሎን ናይ ዓይኒ  ሕክምናን፡ ናይ ትምህርቲ ናውትን፡ ዲቪዛን ካልእ ጠቕማጥቕምን ክንሕግዞም ከም መደብ ኣብ 2020 ውን፡ ተታሒዙ ኣሎ።

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ (ማረምኤ) ክትጅምር ከላ ብናይ ስደተኛታት መዕቆቢ ከም ዝጀመረት ሕቡር ኮይኑ፥ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘሳላሰለቶም ዓበይቲ ዕማማት ካብ ብብዙሑ ብውሕዱ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንኣባላትን ፈተውትን ደገፍትን ብጸብጻብ መልክዕ ብጽሑፍን፡ ስእልን ቭድዮን ዓመት ዓመት ኣድልያ ትዝርግሕ እያ። ።

ማረምኤ ወይ ERDA ከም ግብረሰናይ ማሕበር መጠን ብዘይ ገለ ኣፋላላይ ማለት፥ ካብ ዓልየት፡ ውገን፥ ሃይማኖ፥ ፖለቲካዊ ዝምባሌ፥ ኣውራጃ ናጻ ኮይና፥ ንኹሉ ስደተኛ ኤርትራዊ ብነጻ ከተገልግል ዝተመስረተት ማሕበር እያ።

ብኡ መሰረት ድማ ካብቲ ረዲኤት ዝዓብን ዝዓዝዝን ነቲ ስደተኛ ብከመይ ሽግሩ ይፈትሕን ብሓባር ንስደት ይገጥሞን ትርጉም ስደትን ምረቱን ምኽንያት መስደዲኡን ብዕምቆት ክፈልጥ ብርክት ዝበለ ሰፊሕ ሰሚናር ብምክያድ ንድሑር መሰረት ዘይብሉ ፍልልያት ክስዓር ብዓቕምና ከነካይድ ጸኒሕናን ብቐጻሊ ነካይድ ኣለናን።

 

ዋላ ጠርሽና ስዒርናዮ እንተ ዘይበልና ብዝምድናዊ ኣዛራርባ ግና ከም ስደተኛታት ብማሕበራት ተጠርኒፎም ንዘጋጥም ይዕበ ይንኣስ ዘይምርድዳእ ተላዚቦም ክፈትሕዎ

ባዕሎም ብዝመረጽዎም ወከልቲ ክማሓደሩ ስለ ዝበቕዑ፥ ብሓደ ተሰሊፎም ዘለዎም ሽግራትን ጠለባቶምን ናብ መላእ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ለበዋን ሓደራን ከማሓላልፉን ብማሕበር ንዝግበረሎም ከመስግኑን ይርከቡ ኣለዉ።

 

ክቡራንን ክቡራትን፥ ነዚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከብ ዉጹዕ ህዝብና ንምርዳእ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከም ዘድሊ ዘታሓታትት ኣይመስለናን፡ ስለዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እዞም ስደተኛታት ብዘጋጥሞም ጸጋማት ማለት፥ በብዘራኽቦም ሕማማት፥ ይኹን ስንክልና ዕብየት ይኹን ጾታ፥ በብማሕበሮም ተወዲቦም ሽግራቶም ንምፍታሕ ፈጠንጠን ስለ ዝብሉ ማረምኤ ወይ (ERDA) ኣብ ርእሲ እቲ ዝዋሃቦም ረዲኤት ንማሕበሮም ዝኸውን ናይ ነብስኻ ምኽኣል (Self reliance) ዝብል ነኣሽቱ ንግድታት ስለ ዝውንኑ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንሓያለ ዓመታት ብዓቕሚ ማሕበር ክንገብረሎም ጸኒሕናን ብቐጻሊ ንገብረሎም ኣሎናን። ውጺኢቱ ካብ መላእ ጎደል ምስ ኩሉ ዘጋጥሞም ወድዓውን ብዓል ቤታውን ጸገማት መኪቶም ብዙሓት ማሕበራት ኣወንታዊ ምዕባለ ከም ዘርኣያ ማረምኤ ትካታተልን ጸኒሓን ኣላን።

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ!! (ማረምኤ) ካብ ዓመት ናብ ዓመት በቲ ሰናይ ጭርሖኣ ማለት ካብ ህዝቢ፥ ብህዝቢ፥ ናብ ህዝቢ፥ ዝብል ኣብ ኣባላት ጥራይ  ከይተወሰነት ናብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብህዝቦምን ብሃገሮምን ዝግደሱ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ሃገራውያንን፡ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ወጻእተኛታትን ብምውፋር ብዝምድናዊ ኣዛራርባ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓሸ ማእቶት ስለ ዝተረኸበት ብኡ ደረጃ ድማ ኣብ ክልተ ናይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ካምፕ፡ ማለት፡ ማይ ዓይንን፡ ዓዲ ሓርሽ፥ ጥራይ ተደሪትና ስለ ዝጸናሕና ኣብ 2019 ግና ኣርባዕቲኡ ካምፕታት ፡ማለት፥ ኣብ ማይ ዓይንን፡ ዓዲ ሓርሽን፡ ኣብ ሕጻጽን፡ ሽመልባን፡ ዝርከቡ ስደተኛታት ብማዕረ ናይቲ ረዲኤት ተጠቀምቲ ክኾኑ ከለዉ ኣብ ክንን ውን ንተማሃሮን ወለድን ተማሳሳሊ ረዲኤት ክንገብር በቒዕና ኢና።

ዕዉትን ብጣዕሚ ሓያልን ናይ 2019 ስራሕ ናብ ኩሉ ዝምልከቶ ብጸብጻብ መልክዕ ብዝርዝር ሰዲድናዮ ስለ ዘሎና ብሰለስተ ቛንቛታት፥ ማለት ብትግርኛ ብዓረብ ብእንግሊዝ ተተርጕሙ ናብ ህዝቢ ብቐረባ ክዝርጋሕ እዩ፡ ኮምኡ ውን ናይ 2019 ዕዉት ህዝባዊ ኣገልግሎት ብቪድዮ ተዳልዩ ኣብ you tube ክዝርጋሕ ምዃኑ ንኹሉ ንማርምኤ ናብዚ ደርጃ ንኽትበጽሕ ግዲኦም ዝገበሩን ብቐጻሊ ዝገብሩ ዘለዉን ከነበስሮም ንፈቱ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ናይ ስደተኛታት መዕቆቢ ማይ ዓይንን፡ ዓዲ ሓርሽን፡ ዝተገልጸ ናይ ዝተፋላለየ ሕማማትን ጸገመትን፡ ኣብ ሕጻጽን ሽመልባን እንተ ኾነ ውን ምስቲ መሪር  ምቖት ተሓዊስዎ ካብኡ ዝገደደ እንተ ዘይኮይኑ ስለ ዘይሓይሽ ከምቲ ብዝምድናዊ ኣዛራርባ ብዓቕሚ ማረምኤ ክግበር ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን፡ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ ኣብ 2020 ብዝሓሸን ዝሰፍሐን ምልክዕ ማለት፡ ዝተፋላለየ በብዓቕሞም ሞያ ዝማሀረሉ ዕድል ክንፈጥረሎም ከም መደብ ተታሒዙ ስለ ዘሎ፡ ብሰናይ ድልየትን ሓላፍነትን ዝመልኦ ልግስኹም ከም ትማሊኹም ግዴኹም ክትዋጽኡ፡ ኣብ ጌታን ኣባኹምን ብምእማን ብኸምዚ ሓርፋፍ መጽናዕቲ ማለት ናይ 63,650 000$ ስሳን ሰለስተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚኣትን ሓምሳን ዶላር  ኣመሪካ፥ ብሓርፋፍ ዋጋ ከም ዘጀምርና ገምጊምና ኣሎና።

1፡  ነቶም ናይ ኣእሙሮ ሕሙማት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ማይ ዓይኒ፥ ዓዲ ሓርሽ፥ ሕጻጽ፡ ሽመልባን ኣብ ርእሲ እቶም ብድልየት ዘገልግሉ ኣሓትን ኣሕዋትን በብሾሞንተ ሰዓታት እንዳ ተቓያየሩ ዘገልግልዎም ተሓጋገዝቲ ዉሱን ደሞዝ እንዳ ተኸፈሉ ኮምኡ ውን ንመዛናግዕን ጽርየትን ኣድላይ መእለይን ዝኸውን ብሓርፋፍ ናይ 4000$ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ከም ዘድሊ ርኢና።

2፡ ነቶም ናይ ሽኮር ሕሙማት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ማይዓይኒ፥ ዓዲሓርሽ፥ ሕጻጽ፥ ሽመልባን፥ ናይ ደም ምዐቀኒ መሽናት ማስ ናይ(Test strips)  ንዘለዎም ናይ ነብስኻ ምኽኣል (selfreliance) ናኣሽቱ ትካላት መማዕበሊ ዝኾኖም 3200$ ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዶላር ኣመሪካ ብሓርፋፍ የድሊ   ።

3፡ ንማሕበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣረጋውያን ማይዓይኒ፡ ዓዲሓርሽ፡ ሕጻጽ፡ ሽመልባን ንዘለዎም ናኣሽቱ መንቃሳቐሲ ትካላቶምን ብዕድመ ኣጽቢቖም ንዝደፍኡን ጥዕና ዝጎዶሎምን ፉሉይ ክንክን ዝውዕል፡ ናይ 4500$ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣመሪካ ዶላር ብሓርፋፍ የድሊ።

4፡ ንማሕበር ስደተኛታት ኤርትራውያን  ምስ  HIV ዝነብሩ ማይዓይኒ፡ ዓዲሓርሽ፡ ሕጻጽ፡ ሽመልባን ንነብሶም ክኽእሉ ዝመስረትዎ ትካል ንምዕባይን ንምግብን ጽርየትን ዝውዕል   ናይ 2950$ ክልተ ሽሕን ትሻዓተ ሚእትን ሓምሳን ዶላር ኣመሪካ ብሓርፋፍ የድሊ።

5፡ ማሕበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ማይዓይኒ፡ ዓዲሓርሽ፡ ሕጻጽ፡ ሽመልባን ንዘለወን ዓቢ ተስፋ ዝህብ ለውጢ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ጥርናፊኤን ብዓይነት ይኹን ብዓቐን የመስክራ ስለ ዘለዋ፡ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ናኣሽቱ ትካላት መማዕበልን ንኣዝየን ኣብ ጸገም ዝወድቓ ኣሓተን መእለይን ዝኾነን ናይ 5000$ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ብሓርፋፍ ከም ዘድሊ ካብ ናይ 2019 ተሞኩሮና ክንመዝን ኪኢልና።

6፡ ንማሕበር ስደተኛታትታ ኤርትራውያን ኣካለ ስንኩላን ኤርትራውያን ማይዓይኒ፡ ዓዲሓርሽ፡ ሕጻጽ፡ሽመልባን፡ ንዝውንንዎ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ትካላት መማዕበልን ዝኸውንን ኮምኡ ውን ንኣዝዮም ዝተጎድኡ መእለይን ዝውዕል 3000$

 

7፡ ማሕበር መንእሰይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ሕጻጽ፡ ሽመልባን ኣብ 2019 እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት ምዃኑ ክንበጽሖ ከለና መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሕማቕ ይወድቕ ምህላዉ ተገንዚብና ስለዚ ኣብ 2020 ዝያዳ ኣትኩሮ ክግበረሉ፡ ማለት፡ ኣብ ዝተፋላለየ ዓይነት ስፖርት ክነጥፉ ንምግባር መጀመሪ ናይ 5000$ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ  ንናይ ስፖርት ዕጥቅን ነቲ ፈደረሽን  መማዕበሊ ዝውዕልን የድሊ።

8፡ ንተማሃሮ ክንን ቅኒቶን ኣብ ስግር ዶብ ቤት ትምህርቲ ማዕበል ዝማሃሩ ንዲቪዛን ናይ ትምህርቲ ናዋትን ናይ ዓይኒ ሕክምናን ካልእ ጠቕማጠቕምን ዝውዕል ብሓርፋፍ ናይ 3000$ ናይ ሰለስተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ የድሊ።

9፡ ክቡራንን ክቡራትን ኣባላትን ፈተውትን ደገፍትን ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ከም መደብ ብሓሳብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ክንጅምሮ ዘይካኣልና ወሳኒ ናይ ምዕባለ መስርሕ፡ ማለት፥ ነዞም ኣብ መዓስከር ብዘይ ገለ ስራሕን ሞያን ኮፍ ኢሎም ኣብ ዘይተደላይ ጌጋታት ዝወድቁ ዘለዉ መናእሰይና ካብ ክልቲኡ ጾታ  እነሆ መዓልቱ ኣኺሉ ናይ ዕንጨይቲ ጽርበት (Carpenter) ናይ ሓጻውንቲ ምልሓምን (Welding) ካልእ ኢደጥበብን ኣብ 4 ናይ ስደተኛታት ካምፕ ንምምሃር  4 ዓበይቲ ጀነሬተራትን፡ ምስ መትከሊኤንን መጀመሪ ዝኸውን ሞራለን፡ ሓጺንን፡ ሳልዳትርችን፡ መጽርቢ ጣውላን መጠነኛ መሽናትን ዝውዕል ናይ 30,000$ ሰላሳ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ብሓርፋፍ ከም ዘድሊ ርኢና።

10፡ ሃንደበት ንዘጋጥም ህጹጽ ዘይተጸበናዮ ወጻእን መሐለውታን ወዘተ 4000$ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ከም ዘድሊ ርኢና።

በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝብና ክንሕብሮ እንደሊ ምስ ዝህሉ ካብ 2018 ዶብ ተኸፊቱ ካብ ዝብሃል ህዝብና ሃገሩ ራሕሪሑ ብተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ይስደድ ምሕላዉ ካብ ዘስከፈና ዓቢ ጉዳይ ኮይኑ መብዛሕትኦም መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ስለ ዝኾኑ ንማረምኤ ሓደ ካብቲ ዓቢ ሽቓሎት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ብዓል ውራይ ሰፊሕ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ኣብዚ መዳይ ዝላዓለ ግዲኡ ክዋጻእ ደጊምና ደጋጊምና ኣብየት!! ኣብየት!! ንብል ።

ዝኸበርክንን፡ ዝኸበርከሙን፡ ሃገራውያን ፡ኤርትራውያን፡ ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ነቶም  ዕድመ ልክዕ ከይተሓለሉ ንፍትሕን ደሞክራስን ሰብእዊ መሰልን ንምዕዋት ክቃለሱ ዝጸንሑን ብቐጻሊ ዝቃለሱ ዘለዉን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ንምቅላል ብማሕበር ህዝቢ ዝኾነት፥ ማሕበርኩም፥ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣካሉ ኮይንኩም ግዴኹም ክትዋጽኡ ዝጸናሕኩምን ብቐጻሊ ትራባረቡ ዘለኹም፡ ሕጂ ውን ከም ትማሊኹም ክሳብ ስደትና ኣብቂዑ ራህዋና ዝራጋገጽ ዝላዓለ ግዴኹም ብሓሳብ፥ ብምኽሪ፥ ብጉልበት፥ ብማተርያል፥ ብገንዘብ ዕዙዝ ተሳትፎኹም/ኽን ወሳንን!! ወሳንን!! ስለ ዝኾነ ብሽመይን ብሽም መላእ ኣካየድቲ ማሕበርን፡ ኣባላትን፥ ፈታውን፥ ብዓብዩ ድማ ብሽም እቶም ኣብ ሮምቦዞ ተደርብዮም/የን ዘለዉ/ዋ ተረዳእቲ ስደተኛታት ኣዴታትኩምን፡ ኣቦታትኩምን፡ ኣሓትን ኣሕዋትን፥ ደቅናን፥ ኤርትራውያን ሽም ኮይነ ብትሕትና ይላቦን፥ ይጽውዕን የማሕጽንን።

ኣብ ኤውሮጳ ናይ ማረምኤ ባንክ ሕሳብ                 ኣብ ሰምየን ኣመሪካን ካናዳን

ERDA USA

Bank of Amerika                                                   Account number # 138126271630

Routing # 125000024

 

Association e.V. Postfach

76011 Karlsruhe Deutschland

Bank Sparkasse Karlsruhe Ettlingen

IBAN DE08 6605 0101 0108 1032 27

SWIFT BIC KARSDEXXX

Bank: Sparkasse Karlsruhe Ettlin

 

 

ERDA Ethiopia KASANCHI BRANCH

BANK  COMERCIAL BANK

ACCOUNT NUMBER. 1000050777794

ADDISS ABABA

 

 

 

ERDA Swedin

Plus giro konto

SE83 9500 0099 60260 1148287

 

 

P

 

 

ብመላእ ኣካየድትን ቦርድ እባላትን ዝተጸንዔ ፕሮጀክት 2020 !!!

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ!!!

ካሕሳይ እሕደጎ!!!

ፕሮጀክት ኦፊሰር፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Dani amiche January 9, 2020

    Organized by crooks mafia people and meant for mafia operations.
    Fool me once shame on me fool me twice shame on you mafiazotat.

POST A COMMENT