Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓዘን መግለጺ ደለይቲ ፍትሒ ቦስቶንን ከባቢኣን -ስለ’ቶም ኣብ ኣስመራ ዝተቐትሉ ንጹሃት ግዳያት

04/17/2016   ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ረዚን ዋጋን ከፊሉ ኣብ 1991 ነጻነት (ልኡላውነት) ኤርትራ ከረጋግጽ ከሎ ዝነበሮ ባህግን ተስፋን: ሃገርና ፍትሕን ርትዕን፡ ንህዝብና ከኣ መስተርሆት ረኺቡ: ሰባት ብሰላም ክነብሩን ሰሪሖም መነባብሮኦም ከመሓይሹን ዝድርኽ ሓድሽ ባይታ ክፈጥር

04/17/2016

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ረዚን ዋጋን ከፊሉ ኣብ 1991 ነጻነት (ልኡላውነት) ኤርትራ ከረጋግጽ ከሎ ዝነበሮ ባህግን ተስፋን: ሃገርና ፍትሕን ርትዕን፡ ንህዝብና ከኣ መስተርሆት ረኺቡ: ሰባት ብሰላም ክነብሩን ሰሪሖም መነባብሮኦም ከመሓይሹን ዝድርኽ ሓድሽ ባይታ ክፈጥር ኢዩ ዝብል እምነት’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ነዊሕ ርሕቀት ከይተጎዓዝና፡ ሃገር ሕድሪ-ስውኣት ብዝጠለሙ ውሑዳት ስሱዓት ተጨውያ፡ ንዝሓለፈ 25 ዓመት ብሕጊ-ኣልቦ ውልቀ-ምሕደራ፡ መዳርግቲ ዘይርከቦ ጸይቅን ኣዕናውን ተግባራት ዝፍጸመላ ሃገር ኮይና ኣላ።

እዚ ሕጂ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ: ካብ መኪና ዘሊሎም ከምልጡ ፈቲኖም ንዝበሎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን: ብጨካን ኣገባብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ቓልዕ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ገበን: ውጺኢት ናይ ተስፋ ምቑራጹ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ተወሳኺ መርኣያን መግለጽን ናይቲ ሓቀኛ ባህርያቱ ኢዩ::

እዚ ብስሰዔ ስልጣን  ዓዊሩ ዘሎ ስርዓት ዝፈጸሞ ኣረሜናዊ ተግባር ብትሪ ንዂንን:: ፈጽምቱን ተሓባበርቶምን ከኣ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ብሕጊ ተሓተቲ ክሳዕ ዝኾኑ ቓልስና ቀጻልን ዘየቛርጽን ምዃኑ ንገልጽ::

ንዝሞቱ ንጹሃት ዜጋታትና መንግስተ-ሰማይ ይቀበሎም:: ንስድራ ቤት ግዳያትን ፈተውቶምን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል::

ተወሳኺ ሞትን ስቅያትን  ህዝብና ከብቅዕ:  ነዚ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ዕምሪ ስልጣኑ  ንምሕጻር: ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሕጂ  ሓቢርናን ሰሚርናን ክንሰርሕ ድልዋት ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ነረጋግጽ ::

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT