Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ጉባኤን ዓመታዊ ክብረ-በዓልን ኣብ ቤተክርስቲያን ደብረ-መድሂነኣለም ኦስሎ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተኸቢሩ ከምዝወዓለ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ጉባኤን ዓመታዊ ክብረ-በዓልን 40 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ክምኡ ውን ቡዙሓት ምእመናን ኣብ ዝተሳተፉሉ ኣጋጣሚ፡ ብ 24ን 25ን ሕዳር 2018 ኣብ ቤተክርስቲያን ደብረ-መድሂነኣለም ኦስሎ ኖርወይ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተኸቢሩ ከምዝወዓለ ካብቲ

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ጉባኤን ዓመታዊ ክብረ-በዓልን 40 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ክምኡ ውን ቡዙሓት ምእመናን ኣብ ዝተሳተፉሉ ኣጋጣሚ፡ ብ 24ን 25ን ሕዳር 2018 ኣብ ቤተክርስቲያን ደብረ-መድሂነኣለም ኦስሎ ኖርወይ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተኸቢሩ ከምዝወዓለ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ርእሲ ምጽምባል ክብረ ብዓል፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት  ዑደት ከካይዱ ዝቐነዩን ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ኣንጻር እንዳ መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ብስም ተሃድሶ ንዘካየዱዎ ሽርሕታት ንምፍሻልን ንኣመንቲ ሓበሬታ ንምሃብን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

እቶም ልኡኻት ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንፓትሪያርክ አቡነ ኣንጦንዮስ ከም መናፍቓን እናጠቐሱ ኣብ ርእሲ ምኽፋእን ምቁሻሽን፡  አብ ትሕቲ ማሕዩር ከምዘየለዉ ንምምሳል ንዝገበሩዎ ፕሮፖጋንዳ ከምዝፈሽል ብምግባር፡ እቲ ኣብ መድሃኔ ኣለም ማይሽትዋ (አብ ኦስሎ) ዝተገብረ ጉባኤን ክብረብዓልን ብኽብ ዝበለ ደረጃ ከምእተኸብረ `ውን እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እቲ ካብ ኦስሎ ዝበጽሓና መግለጺ፡ `ከም’ቲ ናይ ቤተ ክርስቲያና መራሒ ዝተላበውዎ: ጉባኤኛታት ንሓድነት ቤተ ክርስትያን ንኸሕይሉ ክሰርሑ: አብ ኩሉ ዝገብርዎ መንፍሳዊ ዕብየቶምን ጸሎቶምን አብ ጉኒ ፓትሪያርክ አቦና አቡነ አንጦንዮስ ክምዝኾኑ ብምስምማዕ ጉባኤኦም ዛዚሞም።` ይብል።

ኣባላትን ተገልገልቲን ቤተክርስትያን መድሃኔ ኣለም ንውሳኔታትን ለብዋታትን ጉባኤ ንምዕዋት ክስርሑ ቃል ብምእታው ብሕጉስ መንፈስ ከምእተፈላለዩ ድማ ሓቢሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT