Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ 2018 ፈስቲቫላት ኤርትራ ኣብ ኣትላንታን ደንቨርን።

እዞም ብዓይነቶም ናይ መጀመሪያ ዝኾኑ ክልቲኦም ፈስቲቫላት ኣብ 2018 ዓ.ም. ክግበሩ ምኽኣሎም ኣንኢስካ ዘይርኤ ዕዉት ናይ ጅግንነት ስራሕ ኢዩ። እዞም ፈስቲቫላት እዚኦም እግሪ እግሪ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ዝዓበየ ናይ ሰላም ፍጻመ ተኸቲሎም

እዞም ብዓይነቶም ናይ መጀመሪያ ዝኾኑ ክልቲኦም ፈስቲቫላት ኣብ 2018 ዓ.ም. ክግበሩ ምኽኣሎም ኣንኢስካ ዘይርኤ ዕዉት ናይ ጅግንነት ስራሕ ኢዩ። እዞም ፈስቲቫላት እዚኦም እግሪ እግሪ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ዝዓበየ ናይ ሰላም ፍጻመ ተኸቲሎም ምክያዶም ህዝቢ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ተጠቒሙ ንተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣድማዒ ነገር ንኽሰርሓ ክደፋፍኤን ዘኽእሎ ኣጋጣሚ’ውን ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ኣብ ከምቲ ኩሉሳዕ ዘርእዮ ዓይነት ናይ ፖለቲካ ስምዒት ዘይኮነ ዝነበረስ ናብ ተግባር ከለዓዕል ዝኽእል ንድፊ ዘለዎ ስትራተጂካዊ መደብ ንምርኣይ ኢዩ ኔሩ ትጽቢቱ። ከም ኣጋጣሚ ኾይኑ ከኣ ሾመንተ ሙሁራን ኤርትራውያን ነዚ ትጽቢት’ዚ ከማልእ ዝኽእል ናይ ጽሑፍ ንድፊ ናብቲ ፈስቲቫል ኣቕሪቦም።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde August 14, 2018

    It is the rudimentary buds and early glimpse of our constitution,This nation will bloom and glow brighter like the flower over the volcanic rock after the landscape was scorched by a dictatorial lava.You can’t incinerate the truth.God be with you my people.

POST A COMMENT