Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናጽነትከ መናውርዶ ትነብር? – 3ይ ክፋል ፖለቲካዊ መናውር፡

ናጽነትከ መናውርዶ ትነብር?  3ይ ክፋል ፖለቲካዊ መናውር፡ 09.04.17፡ የማነ ፍሻለ፡ ስነሓሳብ መሸጣ ደቂ-ኤርትራ! ግዜ ዝወስድ ነገር መሊሱ ዝጥዕምን ዝምንግንን ከምዘሎ እናተረዳእኩ፡ ጀሚረ ክዛዝሞ ዝግባእ ጽሑፍ ከይፈጸምኩ መደንጎ ዪየይ ብግልጺ ንምብራህ እቲ ኣጽዳቒ ኣካል ነቲ ዓያዪ ክፍሊ ኣእምሮይ

ናጽነትከ መናውርዶ ትነብር?  3ይ ክፋል ፖለቲካዊ መናውር፡ 09.04.17፡

የማነ ፍሻለ፡ ስነሓሳብ መሸጣ ደቂ-ኤርትራ!

ግዜ ዝወስድ ነገር መሊሱ ዝጥዕምን ዝምንግንን ከምዘሎ እናተረዳእኩ፡ ጀሚረ ክዛዝሞ ዝግባእ ጽሑፍ ከይፈጸምኩ መደንጎ ዪየይ ብግልጺ ንምብራህ እቲ ኣጽዳቒ ኣካል ነቲ ዓያዪ ክፍሊ ኣእምሮይ ዝሰርሖ ኣብቲ ኣርእስቲ ዘተኮረ ክሳብ ሸሞንተ ዝበጽ ሕ ክስዕብ ዝነበሮ ክፋላት ስለዘየጽደቐለይ ኢዩ ተደናጊረ ቀንየ። ሎሚ’ው ን ብዝተኻእለኒ መጠን ኣሕጺረ ክዛዝማ ክፍትን ኢየ’ሞ ሓግዙኒ።

ኣነ ከምዝኣምኖ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ እንተሊና ንዓላማና ክንብል ንቃልሲ ምብጋስ’ምበር፡ እቲ እዋናዊ መልክዕ ቃልሲ ብዙሕ ፖለቲካዊ ሳባ-ላቃ ኣየ ድልዮን። ንክቃለሱ ዘዝተበገሱ ምንእኣስን ሕቶ ሕጋውነትን ካልእ ጓል-መገ ድን’ውን ኣይረኣየንን። ሕብረተሰባዊ ግርጭታት ዝፍትሑሉ ቀዳምነታት ስ ለዘለዎም። ህሉው ኩነታትና’ዩ ድማ ንንመርጾ ዓይነት ቃልሲ ዝሕብረና።

እዚ ኩሉ ነገር ክንኮነሉ ዝመረጽና ህግደፍ ካብጸየረናስ ጸላኢና ዲዩ ፈታዊና? ጸላኢ እንተኢልና ዓይነት ቃልሲ ብነብሱ ፍሉጥ ስለዝኾነ ክልተ ምጥማት የለን ባቃ። ማለት ግንባር ምፍጣር’ምበር እቲኦም ጸበብቲ፣ እቲኦም ገፋሕ ቲ፣ ኣስላመ-ክርስትያን፣ ሕጋዊ፡ ደሞክራሲያዊ፡ ዝዓይነቱ ሕቶታትን ቅብጥ ሮሽን እንተኣቐዶምና ኣብ ንበጽሖ የብልናን። ኩሉ ነገር’ኮ በቢመድረኹን ብህዝባዊ ኮነ መንግስታዊ ሕግታትን’ዩ ዝፍታሕ።

ንበል ኣብታ ዓዲ ጭፍራ ዝብኢ እንተኣትዩ እንኮላይ’ቲ ጥሪት ዘይብሉ’ዩ ኣብ ድሕነት ጥሪት ዝጎዪ። ከመይሲ ጽባሕ ካብ ሰብ ጥሪት በዓልቲ መጽዓንን ጠይቅን ኣድጊ፣ በዓል ዕርፍን ነዊትን ብዕራይን መሰሉን ክልቃሕ ኢዩ። ኪኖ ረብሓ’ውን ሞራላዊ ወ ቐሳን ባሌህታታን’ዩ ካብ መሓብኦኡ መዝሒቑ ዘውጽኦ። ህግደፍከ ካብ ዝብኢ ብምንታዩ ይፍለ?

ኣብዚ ወሪድና ዘሎ ወጥሪ ዓይነት ቃልሲ ሕጋውነትን ጽባሕ መሬት ምስ ወግሐ ዝህሉ ምምቕራሕ ሃብትን ከነቐድም እንተዄን ና፣ ዓይነት ቃልስናስ ‘ብሰላም’ እንተኢልናዮ፣ ነንተበገሱ “ኣውራጃዊ፡ ወገናዊ፡” እንተኢልናዮም፣ እቲ ንምነዮ ለውጢ መን’ዩ ከምጽኦ? ክሳዕ ኣብ እንዳማትና ሃገራት ኬድና ክንነብሕ፡ እሞድማ ንቀዳሞት እናነኣኣስና እንተኾይኑ ዓላማና እንታይ ኢዩ?

እቲ መልሲ ናይ’ቲ ሕቶ ቀሊል ኢዩ። ኣብ ኩነታት ሂወት ኣድሕን ስለዘለና ዘርከበ በዓል ሕልና ጥራይ ኢዩ ዝጅምር’ምበር ብድ ሕሪኡ’ሞ ዋና ቃልሲ ንሱ’ቲ ውጹዕ ህዝቢ ኢዩ። ማለተይ ንኣገዳሲ ውዕላት “ድሓር ነርክበሉ” ዘይኮነ “ኣየናይ ይቐድም” ኢየ ዝብል ዘለኹ። ህግደፍና እምባኣር ብዓንተቦኡ ኣብኣ ክንበጽሕ ከምዝኾለፈና ሕጂ’ውን ኣብኣ ከይንበጽዩ’ዩ ዝዘርገና ዘሎ።

ምናልባሽ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከለኹ ንገሊኦም ተዋሳእቲ ፈልየ ከጥቅዕ ዓሊመ ከምዘይኮንኩ ተዓዚብኩም ክትኮኑ እትስፎ። ግናኸ ኣብ ገሊኡ ግድን ዝጥቀሱ ውልቀ-ሰባት ከምዘለዉ ካብ ገጥምኹም’ውን ረኺብኩሞ ትኾኑ። ስምዒታዊያን ቃላት ከም ቆጥቆጥቲ፣ ልኡኻት፣ ዕሱባትን ወዘተን ዝኣመሰሉ ከዘውትር’ውን ንርእሰይ እናጸላእኩዎም ከምተጠቐምኩሎም ተረድኡለይ። ግናኸ እቶም ሓሳባትኩም ዝነቕፎ ዘለኹስ ንስኻትኩም ድማ ክትነቕፉ ክትብሉ ከምቲ ከማይ ከምትጥቀሙሎም ምእማን።

ዘመነ-ለውጢ’ዩ`ሞ ብዛዕባኡ ካብ ተላዕለስ በቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ክንዛረብ ግቡእ ምኾነ። መን’ዩ እቲ ዋና ቀላሲ ለው ጢ? ኣብ ከመይ ኩነትከ’ሎ? ንዝምልከት ብዙሕ ክበሃል’ኳ እንተተኻእለ፡ ንምሕጻሩስ ንዓይ ናይ ሰባት ውልቀ-ሂወትን መንነት ን ኣይኮነን ዘገድሰኒ። ንኣብነት ገለ ካብ’ቶም ብ“ናይ ሕማመይ” ከምዝጽዉዑ ዝዕለለሎም ‘ወናማት’ መንእሰያት ካብ ሓቀኛ እ ምነቶም ወጻኢ “በሉዎ” ከምተባህሉ ዝመስለኒ ነገራት ቁምነገር መሲልዎም ዝስንድዉዎ ሓረጋት እምነቶም ተመሲሉ ከይስበሎ ም’ሞ ተመሊሱ ከየጉህዮም ተሰኪፈሉ ከምሰበይ ደጋጊመ ክምዕዶም ክብል ንርእሰይ ዝተጸረፍኩሉ ኣይወሓደን። ግናኸ ካልእ ምርጫ የለን። ምኽንያቱስ ንሳቶም ብዛዕባ ሃገሮም ከምዝሓመሙ’ምበር መድሃኒቶም ከምዘይፈለጡ’ሞ ካብቲ ፈውሲ መሲል ዎም ዝቑሕሙዎ ስሚ እርድኦ’የ። ካብዛ መግለጺት እዚኣ ትሓልፍ ምርጫ እንተልያቶም ግና ነቲ ሓደ መድሃኒቱ ነቲካልእ ስሙ (the treatment for one is poisone for the other) ምዃኑ ምእዋጅ’ምበር፡ እቲ ዝመረጽዎ ፈዋሲና ዝመስሎም መድሃኒትን ኣወሳስዳኡንሲ መርዚ ክንሱ ካብ ወሓጥዎ ንምርጫኦም “ሽፋ ትግበረሎም” ክብል እሓጽረኒ። ከምሓቂ ኣብ ሞንጎ ሓድሽን ሕ ሉፍን ወሎዶታት ክመሓየሽን ክነቓቐፍን ዘለዎ ነገር’ኳ እንተሎ፡ ክሳብ ድግድጊት ተዓጢቑ “ወለድና ኮኑ ስዉኣትናስ እንታይ ጌሮሙልና!” ክብል ዝገታተር ውሉድ ስለዘይናህና ትርፎ ዲቕ ዝበለ ጸላኢ ብዝኾነ ተኣምር መድሕን ክኸውን ኣይክእልን’ዩል።

“ግዜኦም ብምዃኑ ዝመስሎም ዝሓረይዎ ክብሉን ከድንቑን ግቡእ ኢዩ” ዝብል ሓሳብ ክውሕዝ ይኽእል። እንተኾነ እቲ ዝሕረመገዲ ለውጢ ዘዐውቶም ክኸውን ከምዘለዎ ምምዓድ ድማ ናይ ወለዲ ሓላፍነት ከምዝኾነ እንተዝፈልጡዎ ምተዓወቱ።

ንኣብነት’ሞ ንጥቀስ፡ ገሊኦም ዋላ “ንዝደቀሱ ኣሕዋቶም ከበራብሩ” ኢልና እንተኣመኽኒናሎም፡ ንንኡሳን ምስዘይቅቡል ሓሳባት ከጋጭዉዎም፡ ከምቲ ናይ ካራ ክንዲ ዝስሕልዎም የጉድምዎም። ንበል ገሊኦም ከም ደገፍቲ መግዛእቲ ኢቲዮጲያ፣ ከም ኢቲዮ ጲያዊ መንነት ዘብሃጎም፣ ከም ወያነ ኣትያ ካብቲ መላኺ ስርዓት ከተናግፎም ዝኣመሰልዎ ጎስጓስ ዝዝርግሑስ ንረብሓ ህዝብና ዲዩ? ዝኾነ ኮይኑ ሎሚ ኩሎም ኩለን ስኢኖም ስግር ባሕሪ ዓስኪሮም ኣለዉ። ንሓዋሩኸ ተመሊሶም ደቂ ሃገሮም ይኾኑዶኾን?

ኣርእስትና ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሃገርን ክብርታት ህዝብን ዝፍትነና ዘሎ ፖለቲካዊ መናውር ንምዝታይ ኢዩ። ከም ርዱእ ጉዳይ ሃገር ብቀንዱ ኣብ ሕቖ መንእሰይ ዝተጻዕነ ዕዳ ምዃኑ ኣየዳግምን። መንእሰያት ካብቕድሙ “በጋሚዶ፡ ኮበለ፡ ፋይቶት፡ ወዘተ“ ዝብል መጸውዕን መሸምጠጥን ነይርዎም። ዘመን ተቐይሩ ምህሮ ምስጀመረ ኣስማት መንእሰያትን ጥርናፈኦምን’ውን ክቕየር ጀሚሩ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብመገዲ ቤት-ትምህርትታትና ዝፈለጥናዮ ወወክማ፡ ወሴክማ ዝጽዋዕ ማሕበራት ተመሃሮ ክልቲኡ ጾታታት ከም ዝነበረ ንዝክር። ኣብኡ ክልቲኡ ባህርያት ማለት መሳርሒ ገዛእትን መድሕን ሃገርን ህዝብን መንእሰያት ዓንቢቦም’ዮም።

ገዛእቲ ነቲ ውዑይ ዕድመና ኣንፈት ጉዕዞ ዓለሙ ጠምዚዞም መሳርሒ ክገብሩዎ ከምተቓለሱ፡ በንጻሩ ሰውራ ኤርትራ ካብ ው ሽጥን ከም ካብ ኤናስኣ ዝኣመሰላ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝቖማ ኤርትራውያን ማሕበራትን ብዝወሓዙ ተማሮን ሸቃሎን መንእሰያት  ዘዕለቕለቐ ምንባሩ ተሞኩሮና ይምስክር። እንተኾነ ሽዑ’ውን ኣብ ውሽጢ’ቲ ብረብሓ ሃገር ዝተጎልበበ ገድሊ ካብቶም ‘መራሕቲ ሰውራ’ ነቲ ንኡስ ወሎዶ ብስዉር ውዳበ ደሊሎም ፍጹም ተወፋይነቱ ናብ ረብሓኦም ዝልውጡ ሓደስቲ ልኡኻት መግዛእቲ ገዛእቲ’ውን ፈርዮም ነበሩ። ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ብጭብጢ ንምስናዩ እንተተደልዩ ካብውሽጥና ቀሊል ኣብነት ክንርኢ ንኽእል።

ናይቲ እዋን ተማሃራይ የማነ ገብረኣብ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ዝገለጽኩዎ ከም ሓደ ኣባል ክርስትያናዊ ማሕበር መንእሰያት ደቂ-ተባዕትዮ ነበር ብሓደ ኢዱ ዓለማዊ፡ በቲ ካልእ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ተኾልዂሉ ከምዝዓበየ ማንም ናይቲ እዋን መሰታኡ ይፈልጦ። ካብ ኣስመራ ኣዲስ-ኣበባ፡ ቀጺሉ ኣመሪካ ኣትዩ ትምህርቱ እናቐጸለ፡ ኣባል መንእሰያት ደሳዊ ሊግ ኣመሪካን ኤናስኣን ነይሩን፡ ከም ጋዜጠኛን ጸሓፍን’ውን ከምታ “ንቕሓት” ትብል መጺሀቱ ጽሑፋት ኣዳልዩ የበርክት ከም ዝነበረን ይትረኽ።

“ከመይ ደልዎ ክፉትን ስሩይን ናይ ስራሕ ዕድል ድኣኾን ረኺቡ? ከመይቢሉኸ ኣብ ማእከል ኣመሪካ ኣባል ዴሳዊ ሰልፊ ሊግ ኮይኑ? ከመይቢሉ’ውን ወዮ ሃይማኒታዊ ፍቕሪ ዘሕቆንቁኖ ሃይማኖተኛስ እንኮላይ ፖለቲከኛን ሃይማኖት ዝኣልቦኡ ብን ዝበለ ዴሳዊን ክኸውን ኣፍቂሩን ሰሊጥዎን? እምበርከ ወያ ትማሊ ዘዳልዋ ዝነበረ ‘ንቕሓት’ ዘርእስታ ጽሕፍቱስ ካን ዲያ ነዚ ዝሓለፈን ንርእዮ ዘለናን’ዩ ነይሩ ዓላማኣዶስ ተሰሪቓ?” ዶ ኢልኩም ሓቀይ? ገና ገና፡ ምሽጥር የማነ ኤናስኣ ኣይተዘርበሉን ገና’ዩ ዘሎ!

ክጋደል ሳሕል ኣብ ተደርገመሉ እዋን ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ኣሻቡ እግሪ ከምዝተኸለን ብዝተጎንዖ ሓለፋታት’ውን ኣሻቡ ከምዝሰወደን ድንቂ ነበረ። ወዲ ሕልፍኚ ብምንባሩ ድማ ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ናይቲ ጽሉል ዘመን ጨንፈር ዜና ምስ እኒ’ታ ዝጠቕሳ ዝነበረ መን’ያሽማ ፋም-ጣጥ ብዝዓይነቱ ክሃልል ቀሺነቱ ከምዝደኮዓን፡ ሓንሳብ ምስኣፍረሰ’ሞድማ ወያ ጻድቕ ዝሓስባ ዝነበረ መንፈሱ ጭራሽ ኣግሂድላ ስለዝሃደመቶ ስውርቲ ክታብ መስተፋቕር ኣንጠልጢሉ እና’ዘረለን ለይተ-ለይቲ ከም ታቱ ብኣኣተን ተኸቢቡ ንኩለን ክነስዕ ክብል ማሕጊጹ ከምተገየጸ ይትረኽ። ብሓጺሩ ምስጢር ኩሉንትናዊ ተቐባልነቱ ከይተጋህደ ቅጽበት በሪኹ ስሙ ምስ ገነነ’ውን ብሽርሒ ‘ደሞክራሲያዊ’ ምርጫ ኣብ ጉባኤ ምስታፉ ከይኣክል እንኮላይ ከም ቀንዲ ተዓጣቒ ከኹድድ ዝረኣይዎ ግሩሃት ከኣ “እምበር ማንከይ! በየን ዝመጸ ህበይ’ዩኸ’ዚ” ክብሉ ተዓጀቡሉ። ሓደ ካብ’ቶም ናይ ሽዑ ዕጁባ ት ስዉእ ሓርበኛ ጀነራል ቫይናክ ምንባሩ’ውን ይጥቀስ።

ከነስተውዕለሉ ዘለና የማነ ዕዮ ለይቲ ቀድያቶ ክዕንድረላ እንከሎ፡ ብመንጽር ናይ የማነ ዕዮ ድቕድቕ ጸልማት፡ ኣብ ጎዳጉዲ ሓ ለዋ ሰውራ ተጨሪሑ ዝሰሓግ ዝነበረ ማእለያ ዘይነበሮ ሰብና ምንባሩ’ዩ። ሽዑ ኩሉ ፍጡር ብኣማላድነት ዶርኳዕ ክትወግሓሉ እናተመነየ እንተ ይሙን ግርማ ለይቲ ኩለንትናኡ ኣደቢና ስለዘማዕረገቶ ክትምጠጠሉ ይምህለል። ገጹ ጸልማት፡ ግብሩ እኪት። ለይቲ ይሰክር፡ ለይቲ ይዝምር። ለይቲ ይዕንድር፡ ለይቲ ድማ ይመክር። እናለ እቲ ኣብ ጥፍኣት ሓርበኛታት ዝለዓለ እጃም ዝነ በሮ ዕሉል ገበነኛን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት መንግስቲ ኢሳይያስን ክኸውን በቒዑ ኢዩ። ከም ምዙዝ ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ መን እሰያት ብምእታዉ ነቲ ሕመረት ሃገር ብከመይ ይዘራርጎ ከምዘሎ ብዓይንኹም ትርእይዎ ኣለኹም። ንምሕጻሩ ንሱ ከምቲ መ ንፈሳዊ ኣኮሳኹሳኡ ኣእላፍ መናፍስቲ ከምዝጫጭሐን በቲ ካልኣይ ኢዱ ካብዝዓተረን ሓንቲ መጽሓፈ-ጊላነት ብምንባራ ድማ ተልእኾኡ ንምትግባር ልክዕ ከምቲ ኣርቱር ኣክስማን /Artur Axmann/ ዝተባህለ፡ ስልጣኑ ናብ ሓድሽ ምዙዝ ኣረኪቡዋ እንተ ኾይኑ ድማ ከምቲ Baldur von Schirach ዝተባህለ መስራቲ መንእሰያት ሂትለር ዝገበሮ፡ መዓስከር ሳዋ ሃኒጹ ብውሕሉል ኩለመናዊ ጥፍኣት ከምዋዛ ንዝመስርሖም ከም ኢደቤዛ ተጠቒሙ መንእሰያት ሃገር ዘባኸነ ስልጡን ወጻእተኛታት’ዩ። “ንምንታ ‘ዮም እኒ የማነ ፍሻለ ታሪኽ ዘይምሕሮ ገበን ዝገብሩ ዘለዉ?” ምባል ገዲፍና “ይከኣሎምን ይወጽዎን ዲዮምከ?” ንበል ሕጂ።

ግዲ የለን፡ ንኩሉ ገግዚኡ ኣለዎ’ሞ ንኺድ ጥራይ! ኣነ’ውን ዓቕሚ ናይቶም ‘ኣህባይ’ ስለዘይተሰወረኒ ንየማነ ኣይጸላእኩዎን። ትማሊ’ዩ’ኮ ዝነበረ ስዉእ ብርሃነ ኣፍሮ’ውን ነቲ ሽዳ ናይቲ በሰላ እግሩ ብጨርቂ እናጠቕለለን ብከምዚ ናይ የማነ ድማ ብዋዛ ንዝነቐለ “ህበይ” ክንብሎ እንከለናን ንሱድማ ክዋዘ “ህበይ እናበልክናኒ ኣይጓነኽናንን፡ ጋና ድማ ከዘባዝበክን ኢየ” እናበለ፡ ኣይ ሕሱብ ብስም ኣንነት ዘንከራረወ እምባ ነቐፌታ ዝዘነበና! እንተኾነስ ብርሃነን የማነን ክልተ ጫፍ ናይ ሓደ ቅኑዕ መስመር ምንባ ሮም ዘይምዝንጋዕ። የማነ ብመልክዕዶ ብጉርሒ ህበይ ከምተባህለ ከይገደሰ ንዓኻትኩም ብዱብዱቡ ነገር ህበይ ኣጽሊእኩም ይኸውን። እንተኣነ ወጅሂ ህበይን ይሙንን ክውቀበኒ’ኳድኣ ጉድ ክንሱ ግናኸ ንየማነ ህበይሲ “የማነ ፍሻለ” ክብሎ ኢየ መሪጸ።

የማነ ኪኖ ሃገርን-ሃገራውነትን ዝወረደት ቅልውቲ መዋእል ግዲ ኣጓኒፋቶ፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበር መንእሰያትና ማለት ሃማመተ ኤ ኣትዩ ትሕቲ ህዝብን ክብርታቱን ዝፈነዎም ገለ ካብ ፍርያቱ ንዝበተኑዎ ዘርእታት ክንጠቓቕስ ክንብል ኢና ሎሚ ከም ቆጥቆ ጥትና ክንዛረበሎም ዝጸናሕና። እንተኾነስ ማንም ሰብና ንሃገሩ ከምዝሕለቕ ስለዝርዳኣኒ ኩሉ ከም ንቡር መገዲ ቃልሲ ክጥቀስ’ ውን እላቦ። እንተ ንቁምነገሩ ዝመጸ፡ ብስም “እነኹ-እነኹ” ዘይኮነ ፈራዲና እቲ ዝወለዶም ህዝቢ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ኣብኡ ከይብጻሕ ኢዩ ድማ “እዛ ሰላም ዝዓሰላ ሃገርና” ተባሂሉ እናተዘመረላ ግንከ ጸሓይ ሃገርና መሊኣ ከይትበርቕ፡ ከምኡ ድማ ብእ ልፊ ጸላእቲ ከምተኸበብና ኣምሲሎም ‘እናስግኡና’ ኮር ክግልበጥ ሰራዊት እናፍረሱን መንእሰይ እናጽነቱን ‘ከምዝተሰዓርና’ ም ስኣረጋገጹ ድማ ናይ እንኳዕ ንሱ ኣርኣዮም እናጨፈሩ ብግልብጥሽ ጸሓይና ከምዘይትዓርብ ዝዓይነቱ ዘይንቡር ፖለቲካዊ መና ውር ንርኢ ዘለና። ፈጸምቱ እኒ መን? እንተተባህለ ድማ ፈጸምቱ’ሞ ሃማመተኤ ወይ ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ሃገር!

መቸም መራሒና ኣስመራ ካብ ዝረገጸላ እዋን ኣትሒዙ ተጋዳላይ ነበር ከይጽንበረን ካብዝሓዝአን ትካላት ሓንቲ ማሕበር ሰራ ሕተኛታት ክትከውን እንከላ፡ ካልኣይቲ ድማ‘ታ ብዓንተቦኣ’ውን መንፈስ ለውጢ ከይሰርጻ ብዝለዓለ ዝተሓለወት ሃማመተኤ ምንባራ ምጥቃስ ይኣኽለና። ከምቲ ንርእዮ ማሕበር ሰራሕተኛታት ግደፍ ፖለቲካዊ ዕዮስ፡ ሰራሕተኛታት ዘፍርየሉ ትካላት’ው ን የብሉን። ኢሳይያስ ብፍጥረቱ ህዝቢ ከይእከብን ከይመክርን ምእንቲ ነቲ ከም ክለባት ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰለ መተኣኻኸቢ ኮነኢሉ ከምዝደምሰሶ እሙን’ዩ። ከምሳዕቤኑ ወዮ ክመስል ተባሂሉ ዝቖመ ማሕበራት ከምዚ ንህቢ ዘይብሉ ቆፎ ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ ምእንቲ ባዕዳውያን ብዘይገበሩዎ ተንኮላት ኣብሪስዎ’ሎ። ናብ ሃማመተኤ ምስእንሰግር ካብቲ ናይ ሰራሕተኛታት ብዝኸ ፍአ ኢያ ተቐፊዳ። ክትርድእዎ እንተደሊኹም ቀሊል ኢዩ። ካብንጉሆኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃማመተኤ ብዕምቆት እንተቕሊብኩ ሙሎም ገለ ስእሊ ስለዝህበኩም ስለምንታይ ከምኡ ከምተገብረ ድማ ግድን ክኽሰተልኩም’ዩ። ዝኾነ ኮይኑ ንሳቶም ዕድመኦም እንተዘኮይኑ ኣየኖት’ዮም’ቶም ዕሱባት፡ ኣየኖትከ ሓበን ህዝቦም ዝገልጽ ኣካላዊ ወይ ፍሉይ ሕብርን ምልክትን የብሎምን።

ከምጠባይን ትሕዝቶን መቸም እቶም 95% መንእሰያት ኣብዚ ናይ “ዝምክት ይቀልቀለኒ” ዝዓይነቱ ናይ ዕግርግር እዋን ኮነ ው ግእ ፓልቶክ ዘይራኣዩ ግናኸ ተወፋይነቶም ከፍሪ ምእንቲ ዝምክቱሉ ኩነት በየንን መዓስን ከጽንዑ ለይትን መዓልትን ብኾፎም ዝሓድሩ ኢዮም። ንሳቶም ሓንሳብ ነቲ ሰንፈፍ እንተሰሪሖሞ ብዓይኒ ቋሕ-ሰም መዓር ከምዝመልኡዎ’ሞ እሙን ሓቅን ግቡእ መስርሕ ቃልስን’ዩ። ትሕዝቶ ናይ’ቶም ካልኦት ፍርያት ሃማመተኤ ግና ገሊኦም ብሓቀኛ እምነቶም ብስም ‘ደሞክራሲ’ ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ዘይግብራዊ ራኢ ተሓንጊጦም ዝረኣዩ፡ ገሊኦም ድማ ደገፍቲ ‘ኣንድነት’፡ ገለን ኣብ ትሕቲ ጽላል ክልተ ባንዴራ ማለት ናቶም ከይፈጠሩ ዝሓሸት ሃገር ክሃንጹ ዝሓልሙ፡ ኮታ’ቲ ምስሊ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል ግናስ ንብውልቀይ ዘስምረሉ ንምዝራብ እቲ ዝውርውሩዎ ጫሌዳታት መሰረቱ ሓደ መልሓስ ምዃኑ ጥራይ’ዩ። እቲ ናቶም ከምስሉዎ ዝፍትኑ ውዕሎኦም እምበር ሓቀኛ እምነቶም ከምዘይኮነን ተመሊሱ ከምዘጣዕሶምን ስለዝመስለኒ’የ ድማ ዝስከፈሎም። እስከ ገለ ካብ ኣብነታት፦

ንሳቶም ተቓወምቲ መንግስቲ ህግደፍን ሰውራ ኤርትራን ከምዝኾኑ ክሕብሩ ይረኣዩ። እቲ ስግንጢርነቶም ከም መድሕን ህዝ ብን ሃገርን ኮይኖም ክጎልሑ ምፍታኖም’ዩ። ምእንቲ ምዝራግ ስምረት ሃገራዊያን መንእሰያት ክጥዕሞም ድማ ገለ ተሰማዕቲ ካ ብቲ ስዉር ማሕበሮም ብስዉር ተፈንጪሎም ኣባላት ስምረት ወይ ካልኦት ናይ ተቓውሞ መንእሰያት ብዝመስል ምስሊ ኣንቆ ራታት ፈጢሮምን ህሙላት ኣኻኺቦምን ከም ዓበይትን ለባማት ክመስሉ ተነፋፊሖም ክሳብ ዝትርግኡ ክምድሩ ክረኣዩ’ዩ።

ንበል ሓደ ካብቶም ትጽቢት ዝተነብረሎም ክሳብ ንኢሳይያስ ጉንዲ-እዝኑ ክሽፍኖ ከምዝሓሰበ ወይ ከምዝሸፈኖ ክጠቅስ ክስማ ዕ ነቲ ቁምነገሩ ስለዝጅላሓትሉ ‘ብኻ ምተረፈቶ’ ከይተባህለ ኣይሕለፍን። ሽክና ርእሱ ክሳብ ትትርጋእ ምህሮ ከምዝመልአት ዝውረየሉ ሓደ ምስጡር “ንርእሱ ዘይኮነስ ንካልኦት ኣይከውንን’ዩ” ክብል ክስማዕ፡ ኣብ ቃልሲ ኣስተዋጽኦን ዕጫን ናይቶም ንነብሶም ዘይኮኑን ዘይመሰሉን ስዉኣት መንእሰያትና ኮኑ ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንነብሶም ከይኮኑ ዝተፈረዱ መንእሰያት ዘንጊዑ ሕልናኦም ከዕርብ ክትርኢ “ንሱ’ቲ ፈታው ነብሱን ቀራሪማ ተንበርካኺንከ እንታይ ገባራይ ኮይኑ’ዩ?” ከይበልካዮ ኣይሕለፍን።

ገሊኦም’ውን ብሰናይ ድሌት ንዘይግብራዊ ትምኒት ክትምነዩ ተራእዮም። ንበል ሓደ ካብኦም ንህግደፍ ብብርዒ ጥራይ ከምዝስ ዕሩዎ፡ ክሳብ’ውን ብክቱር ፍቕሪ ብርዒ ኣብ ብርዒ ዝቕርጻ ሳንዱቕ ሬሳ ክቕበር ከምተመነየን፡ ከምኡድማ ንኢቲዮጲያዊ መን ነት ክሓልን ተሰሚዑ። ትምኒት መሰል እንድዩ፡ ግዳስ ብብርዒ ትርከብ ናጽነተ-ሓርነት ኣላ ዲያ? ሰውራታት ምስደረቐ ሓያላን ባዕላቶም ብዝሰርሑዎ ሰውራታትዶ ከይኮነት ዓልምና ትድኳዕ ዘላ? ኮታ ብዙሕ ክንብል ምተኻእለ፡ ግናኸ እቲ ብግብሪ ዝርአ ኩነታት መንእሰያትና ኤርትራውነት ኣይረኸቡ ኢቲዮጲያውነት፡ እኳድኣ በንጻር ምንዮቶም ስግር ኮብሊሎምን እንተኾይንሎም ድማ ገለ ወሊዶም ክስዕሙ ጥራይ ትሕጸር’ታ ዕድሎም። ኣዝዩ ዝገደደ ነውሪ ግና ንውሻጠ ደቂ ከበሳ ክደማስስ ምሕላን’ዩ።

ነቲ ዘመናዊ ፖለቲከኛ መምህር ተስፋጺዮን ንዘልዓሎ ታቦትነት ንእሽቶ ክምላኣሉ ክፍትንሲ፡ ከም ርዱእ ኣብ እንዳ ኣማኒት ክ ርስትያን “ውሻጠ” እንተኢልና፡ ኣብቲ እስልምና ድማ “ኣግነት” ማለትና ትመስለኒ። እቶም ናየቦታትኩም ዘየጥፋእኩም ከምትዝ ክርዎ ቤትና ወይ ህድሞና ብገበላ (ካንሸሎ) መጺና ማዕጾ ብምኽፋት ኢና ናብ ምድሪ-ቤት ንድርገም። ካብኡ ክእቶ እንተተደ ልዩ ክሳድ ውሻጠ ሰጊርና ኢና ውሻጠ ንኣቱ። ኣብታ ስግር ውሻጠ ከኣ “ውሻጠ ሕጊ” ትባሃል ፍልይቲ ሕዛእቲ ምስጢር ኣደ ኣላ። ብመሰረት ኣባታዊ ሕጊ ኣብ ውሻጠ ሕጊ ኣትዩ ንኣደ ጽንጽያ ኣዒንታ ዘንፍረላ ፍጡር (ክሳብ በዓል-ቤት) ክርአ የብሉን። ውሻጠ ማለት እምባኣር ልክዕ ከም ቆፎ-ንህቢ ስለዝምሰል ኣብኡ ንግስቲ ንህቢ ማለት ኣደ ከምዘላ ፍሉጥ’ዩ። ብዘይ ንግስቲ ድማ ንህብን ፍርያቱን ክህሉ ኣይክእልን። ብዘይ ፍቓዳ’ውን ዕርዳ ኣይድፈርን። ንምሕጻሩ እምባኣር ውሻጠ ማለት ልክዕ ከም ታቦት መዐቀቢ ምስጢር ኢያ። ምስጢር ሃይማኖትን ምስጢር ስድራ-ቤትን ንዘመናት ኣብ ውሻጠ ተዓቂቡ ህዝብን ሃገርን፡ ባህልን ክብርታትን ከምዝሰተረ ዘይምርሳዕ። ከምኡ ካብ ኮነ፡ ውሻጠን ኣግነትን ከፍርስ ዝእንተር ዕቡይከድኣ በየን በረቐ? እሞ ድማ ብፍላይ ንውሻጠ ደቂ ከበሳ ክድርዕም እንተተሃንደደስ ልዕሊ በሃልን ብህሎኡን ንፖለቲካዊ ገበን ዝተመነያ ኣሎ ዲዩ?

ሕልና ህግደፋዊያን ኣዝዩ ክፉእ ኢዩ። ከምዚ ሕጂ ንርእሶም ከይተጎለሉ ንዝፈርህዎ ሰብና ብሓደ ንሓሙሽተ ዘይኮነ፡ ሓሙሽተ ንሓደ ክስልዩ ዓሰርተ ኣዒንቲ ከምዘባኸኑ ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እንተዝኾነሎም መቸም እቲ ሰብ ተፈንፊኑ ኣብታ ቦታኡ ጥራይ ተሓይሩ ክርእይዎ ዝህልዎም ባህጊ ካላእ ትርኣዮ። ነቲ ክፉእ ሕልናኦም ንምቅልዑ እንተተደልዩ ከምዚ ኢልኩም’ሞ ሕሰቡ፦

“መን ይመጻ’ኳ ነቲ መን ትመጾ ኣብ መኣስሮኡ እናኸደቶስ ወዮ ብነዊሕ ገመድ ዝተኣስረድኣ ኣበየነይቲ ቦታ ኣላ ንሱ ዘየሽኮንግረ ላ ዓለም? እንተ እቲ ኣሕጺሩ ዝተኣስረ’ሞ ተዘሪዑ ሰማየ-ሰማያት እናንቛርዐ ሓርኡን ሽንቱን ከቆማጥዕ እንተዘይኮይኑ ካልእ እ ንታይ ኣማራጺ ኣለዎ?”

ብነብሱኹም’ሞ ሕሰቡዎ፡ ሓቁ ንምዝራብ እንተተደልዩ ዓዲ-ሃሎን ዒላ-ዒሮን እንታ’ዩ’ቲ ፍልልየን? ሰብ ዒላ-ዒሮስ’ኳ ይድንገጾ ም፡ ሰብ ዓዲ-ሃሎኸ? ብኣውራኡ በቲ ሓደ ከምቲ ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ዝሰትያ፡ በቲ ካልእን ኣውራን ድማ ዋላ’ቶም ቁጻር ደልዮም ዝሕወሱ ከም ዜጋታት መጠን ክንጸሉ ስለዘይግቡእ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ድማ እናፈለጦም ምስኦም ይስሕቕን ይዘናጋዕ ን። እዚ መርኣያ ናይ ለውጢ እዋን ከምዝበሰለ ዘግህድ ነጸርታ ምዃኑ’ዩ።

ተፈተወ ተጸልአ፡ የማነ ፍሻለ ከም ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ቀላሲ መንእሰያትንሲ ዓላማ ቃልሱ እንታይ ከምዝነበረን እንታይ ከምዘፍረየን እንዲና ነዕልለሉ ዘለና፡ ኢሉ-ኢሉ ዕሩቓትስ’ኳ ትሑዛት እንድዮም፡ ንሱ ናብቶም ኢሳይያስ እንታይ ሰሪሖ ም ከምዘእትዉ ዘይፈልጦም ግናስ ኣብ ጐደናታት መልኪዖም ሸናዕ እናበሉ ዝዛውኑ ስቡሓት ክርኢ ኣዒንቱ ስለዝቖልዓ፡ ኣሕቢ ሩ ድምጽማጾም ንምጥፋእ ዝዓለመ መሸጣ መንእሰያት ተተሓሒዝዎ ኣሎ።

ሎሚ’ሞድማ “እቶም ንናጽነት ሃገርና ከምተጋደሉ ዝመሰሉና ብክልተ ዝውለዱ መራሕቲ ህግደፍሲ “ንትግራይ-ትግርኝ ክብሉ ኢዮም ያኢ ተጸምቢሮሙና” ዝብሉ ኣፈኛታት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ በርኪቶሙልና እነዉለ። ነጻነት ኣይመጸትን፣ ምእንቲ ኤርትራ ኣይተሰውኡን፡ ኣይሰንከሉን፣ ክሳብ’ቶም ኢሳይያስ ብጥልመት ኣድብዩ ዝረሸኖም ንጹሃት ብጾትና ጅጋኑ’ዮም’ሞ ክብከየሎምን ሽምዓ ክውላዓሎም ኮነ ክሕዘነሎም የብሉን፣ . . . . . .። ኮታ የማነ ዘይብሎን ጤል ዘይትጣጥሞን ካብዘይሃለወ፡ ኣብታ መንግስ ቲ ዓዲሃሎኸ ክንደይ የማነታትኮን ይህልዉ? ዝኾነ ኮይኑ መናውር ብመናውሩስ እስከ ኣዕሪፍና ክንምለሶ። ንሕጂ ግዳ፦

ኢሳይያስ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ን46 ዓመታት በዓል ራኢ ትግራይ ትግርኝ! ካብተባህለ፡ ወያ ናጽነትከ ብጠመተኡ መናውር ዲያ ነይራ? መልሱ እኒ ኢሱ ኣባ ጥረግ እኒ የማነ ፍሻለ በቶም ልሳንኩም እስከ መልሱ። እዚ ልቡ ዝምብሎ፡ ጥቡ ድማ ቁልቁሎ ኤርትራዊ፡ እዚ ድማ ርእሲ ድንሽ ኤርትራዊኸ ነብሱ ከውጽእ ‘ኣግኣዚ’ ዶ ይብል ኣሎ ሓቀይ? ማለት እቶም “ንሕና-ንሱ” ክብ ሉ ጸኒሖም ኢሳይያስ ድማ ከም ወዲ ንጉስ በዝብዝ ካሳ ለባም እንድዩ መቸም፡ ካብ ማዕዶ ብዳርባ ትግራዋይነቱ ዝነስዑና ምስለኣኸ ወያ መኹደዲት ዜጋና ኣሻባ “ኩልና ትግራዎት፡ ኩልና ከም ኢሳይያስ” ክትብል ሕፍርከ እንተትብል!

ኣይንትዓብ፡ ፍሻለ‘ቲ ስነሓሳብ መሸጣ ሰብና፡ እቶም ወቒዖም ዘየድምዑ፣ ተዛሪቦም ዘየስምዑ፣ ተሟጒቶም ዘይረትዑ ዘሪእልና ዘሎ ዝኑባትን ስሉባትን መንእሰያቱ ድማ ከም ጸሓይ ፈርሐት ቅጽበት ዝኽርበሹ ጥራይ ኢዮም።

እንተ ናጽነትና’ሞ ብጠመተ እኒ ፍሻለስ ለካ መናውር’ያ ነይራ!!

ንኺድ በሉ!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde April 12, 2017

    I wish I can manage to write my own language like you Godefa,otherwise,you right the nucleus of the Asmara regime has been working to alter the True Eritrean DNA for sometime now,we should expect soon to see GMO Eritreans roaming our home and going to the ballot boxes to vote for their favorite leader,fait accompli! democracy Eritrean style.Thanks for your valuable contribution as always.

  • hidat April 13, 2017

    GOFEFA AB ZIHALEF XEHUFATKA ABZI MENAWIRA ILKA HIBKAYO ZELEKA ARESTI NETEN BAB HARINET ZEBESERA” SIGALET KETAN HALIFEN ABTI GUBUEEE BOTEN TETEKILEN ZELEWA NAY TANKITAT SIELI WEXEUU NEYRU INTAY KITIBIL IKA DELIKA:…..::::HITOY MENGISTI ERITRA NIMENAWIRA EYU ZITIKEMELEN ZELO DEYU ABAHAHILAKA??????BETI NEKIHELU EYE ZIBIL AXAHAHIFAKA ISKE KEMEUU WISEDO ITEN TANKITAT GIN AB GUBUU BOTEN EYEN ZELEWA.:::………………………………………..ETI DIHIRU ZEWEXE XEHUFKA DIMA ABTOM GENERALAT ZEKINEE EYU NEYRU ……….:HILUF HALIFKA ALEM NAXINETNA KEM ZITEKOBETLNA AKIRIBKAYO ALEKA…………MINALBAT ABEY KEIRIDAKI KIDI AXHIFAY TIBIL TIKEWIN………:::::::HIGI EWIN DEGIMKAYO ALEKA””””””NAXINETKE MENAWIRA DO TINEBIR??””” ILKA TEKISKAYO ALEKA…………………………….NAY AGATAMI DEYU HIGI BIZAEBA YEMANE KITIXEHFI…………………………..::::AKEBA MENESEYAT HIGIDEF AB HOLLAND ALO ILE EYE:::::::………………………………:AB ZIHALEFE XEHUFKA ETI GITMI NAB MESFUN HAGOS ZEKINEE ASHKER RAESI WELDEKIEL NIRAESI WELDEKIEL ZIGETEMO EYO SILEMINTAY ZEITEKESKAYO?????”””””ZINUBATIN SULUBATIN MENISEYAT””””””ABTI NATIKA HASAB ZEITEXENBERE MENESEYSI ZINUBIN SULUBIN??????????NIMENESEYAT:::::…………………..:::::::BETI AXHAHIFAKA ANTER KITIKEWIN EQUUUUU INTE HASEBKA ABTI NAY GENEVE BISEBEAWI MESEL NERITRA NIMIKISAS “”””””MENESEYAT BIBIZIHI KIMEXUU MEXEWAETA KITIGEBIR MIS ANBEBKU SHEEA EYE KEBIXEKAAA……………………….:ITIMINTAYSI KESESTI MEN MUKANOM NIKULU BIRUH SILE ZIKONE::::::::::::WEYANE ZEWAFEROM :………..:::::::::::::::::::::::NAY MEKEMETI WEREKET KISELTOM ZIDELYU MESAKIN MENESEYAT HAWAWISKE LEMINKA KIBEZHULKA:………………………….”””””””””””””””””””NAXINET ERITRA EGIZABIHER BAREKIWA EYU EMO ZITINKIFA WEYELEUU”””””KAL KUBUR ABONA WELDEAB WELEDEMARIAM:

  • berhane April 15, 2017

    i wrote comment for the first time in my life to a writer. But i couldn’t able to get it. Any way you are Guinness i can’t even come across a single writing that address properly to what happen to our society. The Eritrean people had been suffered a lot with this well orchestrated plan. This bastard tigrian (Issias aforki) has no capacity to do this. How this most intelligent and wise people suffered like this? Any way You are number one. Your tigrigna is exceptional. When i read your writing i always remember to our forefathers. No society can tolerate a single day to what happen to our society. What we are witnessing in our country very sad. If it happen to any society they will be ……..

  • berhane April 15, 2017

    i wrote comment for the first time in my life to a writer. But i couldn’t able to get it. Any way you are Guinness i can’t even come across a single writing that address properly to what happen to our society. The Eritrean people had been suffered a lot with this well orchestrated plan. This bastard tigrian (Issias aforki) has no capacity to do this. i hope one day we will throw out of our country to where he came Tembien. How this most intelligent and wise people suffered like this? Any way You are number one. Your tigrigna is exceptional. When i read your writing i always remember to our forefathers. No society can tolerate a single day to what happen to our society. What we are witnessing in our country very sad. If it happen to any society they will be ……..

POST A COMMENT