Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነትደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነትደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? ብያሲን ዑመር (yassinomer01@gmail.com) -- ካልኣይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ቊጠባዊ ኣረኣያ ማርክስነት ንቊጠባ ብዝምልከት፡ ማርክስነት ብሕታዊ ንብረት ብመንግስቲ ንኽውነን ብምብያን ሃብቲ ሃገር ብምልኡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ከም ዝኣቱ ስለ ዝገብር፡ ነቲ መሰረት

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነትደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?

ብያሲን ዑመር (yassinomer01@gmail.com) — ካልኣይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል

ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ

ቊጠባዊ ኣረኣያ ማርክስነት

ንቊጠባ ብዝምልከት፡ ማርክስነት ብሕታዊ ንብረት ብመንግስቲ ንኽውነን ብምብያን ሃብቲ ሃገር ብምልኡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ከም ዝኣቱ ስለ ዝገብር፡ ነቲ መሰረት ቊጠባዊ ግስጋሰን ምዕባለን ምዃኑ ዝተመስከረሉ ውልቃዊ ድርኺትን ምህዞን (individual incentive and invention) ከምኡ’ውን ክፉት ውድድርን ናጻ ዕዳጋን ብምዕንቃጽ፡ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ንምግልጋል ዝዕንቅጽ እምበር ዝሕግዝ ኣይኰነን። ብኣረኣእያ  ማርክስነት፡ ሃገራዊ ቊጠባ ብመንግስቲ ተገቢቱ በቲ ንሱ ይሓይሽ ዝበሎ ውጥን ምስ ዝእለ፡ ከም ናይ ርእሰማላዊ ስርዓት ቊጠባ ክብ ለጠቕ ዝመልኦ ዘይርግጹን ዘይተኣምምን  ደጋሲ ቅልውላው ኣየጓንፎን’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጸጸኒሑ ናብ ዝቕባበን ዝሕታለን (inflation and stagnation) ኣየምርሕን ኢዩ።ይኹን’ምበር፡ ኲለን ብውጡን ቊጠባ ዝተማሓደራ ማሕበርነታውያን ሃገራት፡ ቊጠበአን ተማእኪሉ ብውጥን ብምቕያሱ፡ መብዛሕትአን ኣብ ዘይውጻእ ቊጠባዊ ሃሚ ተሸሚመን ኣብ ህዝበን ሰፍ ዘይብል ክሳራን መከራን ሓሳርን ብምውራድ፡ ወዲቐንን ፈሺለንን ኢየን። እዘን “ብማርክስንነት ስለ ዝተመራሕና ንደርባዊ ምዝመዛ ሓንሳእ ንሓዋሩ ወጊድናዮ” እናበላ፡ ዘሽካዕልላ ዝነበራ ማሕበርነታውያን ሃገራት፡ ነቲ ጠንቁ ህላወ ደርባዊ ምዝመዛ ዝዀነ ኣብ መንጎ መዝመዝትን ተመዝመዝትን ደርብታት ዘሎ ግርጭት ዘይዕረቕ ተጻራሪ ግርጭት’ዩ  ኢለን ስለ ዝኣምና፡  ንጎነጽ ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ሕጋዊ መፍትሒ ኢየን ዝቕበልኦን ዘተባብዕኦን።  ይኹን’ምበር፡ ኩሉ ኣብ ሕበርተሰብ ዝርከብ ማሕበራዊ ሽግራት ካብ ደርባዊ ምዝመዛ ዝመንጨወ ስለ ዘይኰነ፡ ብጎነጽ ጥራይ ዝፍታሕ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ  ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ድኽነትን ድሕረትን ንደርባዊ ምዝመዛ ብጎነጽ ብምውጋድ ጥራይ  ብኡንብኡ ዝፍታሕ ቀሊል ሽግር ኣይኰነን።

ብኣረኣእያ ማርክስነት፡ እቲ ኣብ ደርባዊ ሕብረተሰብ ዝርከብ ናይ ሰብ ብሰብ ምዝመዛ ሓንሳእ ንሓዋሩ ክውገድ ዝኽእል፡ ኣብ ደርቢ ኣልቦ (ደርብታት ዘይብሉ) ማሕበርነታዊ ስርዓት ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዝዀነት ሃገር ዝርከብ ማሕበርነታዊ ሰልፊ እቲ ዝዓበየ  ዕላማኡ ምህናጽ ማሕበርነት  ክኸውን ኣሎዎ። በዚ መሰረት’ዚ፡ እቲ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምግልጋል ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ምስልሳል ዝርከብ ብማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝምራሕ ሓርነታዊ ግንባር፡ ዕላምኡ ኣብቲ ናይ ቀረባ ሸቶ ምጕንጻፍ ናጽነት ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ነቲ ናይ ርሑቕ ሸቶ ምህናጽ ማሕበርነት እውን ከጠቓልል ይግባእ። ብመትከል ናይቶም ንማርክስነት ከም ፍጹም ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ ኣሚኖም ዝኽተልዎ ጸጋማውያን ባእታታት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓርነታዊ ግንባር መሪሕ ኰይኑ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘሰላስል ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ናብ ክልቲኡ ሸቶታቱ ብዓወት ክበጽሕ  ግድነት ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝምራሕ ክኸውን ኣሎዎ። በዚ እምንቶ’ዚ መሰረት፡ ሓርነታዊ ቃልስና ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብዝምራሕ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ስለ ዘይተጀመረ፡  ህ.ግ.ሓ.ኤ ነቲ ዘመነ-ክፍልታት ዝሰመናዮ ቀዳማይ መድረኽ፡ ማለት ካብቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተጀመረሉ እዋን (1961)  ክሳብ’ቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝመስረተሉ እዋን (1971) ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ጥራይ’ዩ  ብምባል ከም ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ኣይቆጽሮን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ክሳብ ምቛም ህ.ግ.ሓ.ኤ ብተ.ሓ.ኤ ዝተኻየደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ብኣረኣእያ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብዘይ ንጹር ዕላማን (ምህናጽ ማሕበርነት) ቅኑዕ መስመርን (ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ) ብቑዕ መሪሕነትን (ማሕበርነታዊ ሰልፊ)  ናጽነት ንምጕንጻፍ ጥራይ ብዝብል ዕላማ (ንሱውን ብዘይ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳተፎን ንጹር ወተሃደራዊ ስትራተጅን ስልትን) ይካየድ ብምንባሩ፡ ከም ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ክውሰድ ኣይክልን ኢዩ። ብኣረኣእያ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ዝተጀመረ ምስ ምውላድ ህ.ግ.ሓ.ኤን ምስ ምምስራት ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝምራሕ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊን ኢዩ።

ብኣገላልጻ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ ዕላማ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ንጭቆና ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምውጋድ ናጽነት ምጕንጻፍ ክኸውን እንከሎ፡ ዕላማ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ግን ሓርነት ንምርግጋጽ’ዩ — ማለት፡  ንጭቆና ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምውጋድ ናጽነት ኣብ ምጕንጻፍ ከይተሓጽረ፡ ብተወሳኺ፡ ሱር-ነቀል ማሕበራዊ ሰውራ ብምክያድ ንጭቆና ደርባዊ ምዝመዛ ወጊድካ ምጕንጻፍ ንዝብል ዕላማ እውን ዘጣምር ኢዩ። ናጽነትን ሓርነትን ዝብላ ቃላት፡ ተመሳሰልትን ተወራረስትን እኳ እንተዀና፡ ከም ማርክሳውያን ዝኣመሰሉ ገስገስቲ ኢና ዝብሉ ባእታታት ክጥቀሙለን እንከሎው፡ ንናጽነት ዝብል ቃል ንባዕዳዊ መግዛእቲ ጥራይ ከም ዝምልከት ጽብብ ዝበለ ኣምር ወሰዶም ክገልጽዎ እንከሎዉ፡ ንሓርነት ዝብል ቃል ግን ንኽልቲኡ ዓይነታት ጭቆና ማለት፥ ንባዕዳዊ መግዛእትን ንደርባዊ ምዝመዛን ከም ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ኣምር ወሲዶም’ዮም ዝገልጽዎ።  ብመሰረት ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ ጠንቂ ናይ ደርባዊ ምዝመዛ ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ስለ ዝዀነ፡ ቀንዲ ዕማም ናይቲ ዝካየድ ማሕበራዊ ሰውራ ንብሕታዊ ዋንነት ንብረት ብምውጋድ ብሓባራዊ (መንግስታዊ) ዋንነት ንብረት ምትካእ ከይኑ፡ እዚ ኸኣ ጎኒ-ንጎኒ’ቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዝካየድ ደርባዊ ቃልሲ‘ዩ ዝፍጸም። ነዚ ብዝያዳ ንምብራህ፡ ነቲ ማርክስ ኣብታ ምስ ብጻዩ ኤንግልስ ዘሰናድኣ ግንንቲ “ዴሳዊ ማንፌስቶ (communist manifesto)” ዝተሰምየት ሕታም፡ ንደርባዊ ቃልሲ ጠቊሙ ዝሃቦ ቃል ምስ እንውከስ፡ እቲ “ክሳብ ለይተ-ሎሚ ዝነበረ ታሪኽ ሕብረተሰብ፡ ታሪኽ ደርባዊ ቃልሲ’ዩ” ብምባል’ዩ ዝገልጾ ።

ብማርክሳዊ ኣረኣእያ፡ ኣብ ደርባዊ ሕብረተሰብ እቲ ኣብ ልዕሊ ጭቁናት ደርብታት ዝወርድ ሓሳረ-መከራ፡ ንኣብነት ድኽነት፡ ጥምየት፡ ድንቊርና፡ ሕማም፡  ከምኡ’ውን ድሕረት መዘዝ ናይቲ ብጨቆንቲ  ደርብታት ዝፍጸም ደርባዊ ምዝመዛ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ ዝዀነ ደርባዊ ሕብረተሰብ ዝርከብ ናይ ጭቁናት ደርብታት ሓሳረ-መከራ ክውገድ ዝከኣል፡ ንጠንቂ ደርባዊ ምዝመዛ ማለት ንብሕታዊ ዋንነት ንብረት ንምውጋድ ብዝካየድ ደርባዊ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ መዝመዝቲ ደርብታት ክውገዱ ዝኽእሉ እቲ ንኽምዝምዙ ዓቕሚ ዝሃቦም ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ተወጊዱ ብሓባራዊ ዋንነት ንብረት(መንግስታዊ ምህጋር) ምስ ዝትካእ ጥራይ ኢዩ። እዚ ናይ ማርክስነት እምንቶ፡ ኣብ ኩለን ማሕበርነት ዝቖመለን ሃገራት ተተግቢሩ ሰፍ ዘይብል ናይ ሰብን ንዋትን ክሳራ ብምውራድ፡ብግበሪ ተፍቲኑ ዝፈሸለን ዝተነጽገን ብሳዕበኑ ኸኣ ዝተኸርሀን ዝተጸየነን ኣጉል እምንቶ ኢዩ። እዚ ፍሽለንትን ንጽገትን ማርክሳዊ እምንቶ፡ ብዘየማትእ ክሳብ ለይተ-ሎሞ ዝነበረ ታሪኽ፡  ከምቲ ማርክስ ዝበሎ “ታሪኽ ደርባዊ ቃልሲ ዘይኰነ”፡ “ታሪኽ ደሞራሲያዊ ቃልሲ” ከም ዝኸነ’ዩ ዋሕ ኣቢሉ ዘረድእ።

ንኹሉ ብሩህ ከም ዝዀነ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሃገርና ኣኽሊል ልኡላውነት ደፊኣ ናጻ ሃገር ትኹን ድኣ’ምበር፡ እቲ መንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝገበተ ስርዓት ህ.ግደፍ፡ ንመብጽዓታት ሰውራ ጠሊሙ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ስለ ዘቖመ፡ ንባዕሉ ናብ ገዛኢ ደርቢ ተለዊጡ ብዘስካሕክሕ ማፍያዊ ( ኣረመናዊ) ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ካብቲ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ምዝመዛን ጭቆናን ዝኸፍአን ዝበኣሰን ምዝመዛን ጭቆናን’ዩ ዘውርድ ዘሎ። እቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ብተደጋጋሚ  “ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምውጋድ ናጽነት ዘረገግጽ ጥራይ ዘይኰነ ደርባዊ ምዝመዛ ብምውጋድ ሓርነት እውን  ዘረገግጽ’ዩ” ተባሂሉ ዝዝመረሉ ዝነበረ “ሰውራዊ መዝሙር”፡  ድሕሪ ናጽነት ግብራውነት ዘይብሉ “መጠበሪ መዝሙር” ኰይኑ’ዩ ተሪፉ። ድሕሪ ናጽነት ይትረፍ ዝጸንሐ “ደርባዊ ምዝመዛ” ክውገድ፡ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት እውን ክኽበር ኣይተራእየን። ሃገርና ድሕሪ ናጽነት ብዘይ ምግናን ናብ ካብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ደልሃመት ዝብእስ ደልሃመት’ያ ኣትያ። ብመን? በቶም ” ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኣውጺእና ሓርነት ኣጐናጺፍናያ” እናበሉ፡  ብእከይ ተግባራቶም ንዝተበላሸወ መልክዖም ከጸባባቑ፡ ጸጸኒሖም ንድሕሪት እናተመልሱ፡ ንቅያ ሓርነታዊ ቃልስና ብምጕላሕ ክምዕርግሉን ክንኣድሉን ክብሕትዎን ዝህቅኑ ዘሎዉ ተበለጽቲ መራሕቲ ህግደፍን ዕሙታት
“ንሱ ንሕና- ንሕና ንሱ” ዝብሉ ሰዓብቶምን። እዞም ብናይ ስልጣን ህርፋን ሰኺሮም ሰብኣዊ ሕልኖኦም ዘዕረቡን ሃገራዊ ግቡኦም ዝዘንግዑን ጠላማት፡  ከምዛ በይኖም ተቓሊሶም ናጸነት ብምምጻእ ዝተኾቡልና፡  ዝመረጾምን ዝወከሎምን ዘይብሎም፡ ተሓለቕቲ ህዝብናን ሃገርናን ኰይኖም ከይሓፈሩ ንዘይገበርዎ እናነገሩን እናጋኑን  ይምክሑን ይጀሃሩን ኣሎዉ። ካብ ዕብለኻ ሓሶቶምን ሰራም ተግባሮምን ይኽደነና!

ንዘልኣለም ብሓሶት ተዓብሊኹን ብሰራም ተግባራት ተሓቕዩን ዝነብር ህዝቢ ስለ ዘየለ ግን፡ ጉዶም ተቐሊዑ ጥራሕ ዕርቃኖም ዝወጽእሉን ህዝብና ብሓቂ ሓራ ዝዀነሉን ምጭውቲ ኤረና ደሞራሲዊት ሃገር እትዀነሉን፡ ሕጂ ኣብ  እዋን ጸበባን ዓጸባን ርሑቕን ሕልምን’ኳ እንተመሰለ፡ ኣብ ቀርባ ብሩህ መጸኢ ግዜ ናብ ክውንነት  ምልዋጡ ዘይተርፍ ታሪኻዊ ግድነት ኢዩ።

ብኣረኣእያ ናይ ትማሊ ማርክሳውያን ናይ ሎሚ ህግደፋውያን፡  እቶም ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ መስፍነ-ርእሰምላዊ ሕብረተሰባት ዝርከቡ ጨቆንቲ ደርብታት፡ መሳፍንትን ብርጅዋታትን ክዀኑ እንከሎው፡ እቶም ጭቁናት ደርብታት ከኣ ገባሮን (ሓረስቶትን ሰበኽሳግን) ሸቃሎን ኢዮም። እቲ ኣብ መንጎ እዞም ጨቆንትን ተጨቆንትን ደርብታት ዝርከብ ዝምድና ካብ ተጻራሪ ደርባዊ ረብሓታት ዝመንጨወ ናይ መዝመዝትን ተመዝመዝትን ዝምድና ስለ ዝዀነ፡ ብሓይሊ (ብጎነጽ) እንተዘይኰንኑ ብሰላም ክፍታሕ ዝከኣል ኣይኰነን።ካብዚ ዝተልዕለ፡ እቲ ደርባዊ ምዝመዛ ንምውጋድ ዝካየድ ማሕበራዊ ሰውራ ናይ ግድን ጎነጻዊ ክኸውን ከም ቅቡልን ሕጋውን ተወሰዱ፡ “ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ኣፈ-መዝ ብረት’ዩ ዝበቊል”ብዝብል ማኦኣዊ መትከል ተመሪሑ’ዩ ዝሰላሰል። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበረ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝምራሕ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ውልድ ካብ ዝብል ኣትሒዙ መንግስታዊ ስልጣን ዝጭበጥ ብጎንጽ’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ኔርዎ። በዚ ዝኣክል፡ እቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ  ምስ ተ.ሓ.ኤ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ስምረት ዝርርብ ስልታዊ እምበር ስትራተጂያዊ ኣይነበረን። ህ.ግ.ሓ.ኤ ቅድሚ ምጒንጻፍ ናጽነት ኣብ መጀመሪያ ሰማንያታት ንተ.ሓ.ኤ ብወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከጽንታ ዝወሰነ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝቐውም መንግስቲ ተጫራቲት ኰይና ከይትቀናቐኖ ኢዩ። ምኽይናቱ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ሓርነታዊ ግንባር መጠን፡ ብዕሊ ብሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት (multiparty system) መንግስቲ ከም ዝኣምን ኣብ ቅዋሙን ፕሮግራሙን ብምስፋር ይግልጽ ድኣ’ምበር፡ እቲ ወሳኒ ተራ ዝነበሮ  ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ንግዜኡ ኣብ እዋን መሰጋገሪ  መድረኽ ክኽተሎ ዝመደቦ ስልቲ እምበር ብመትከል ይኣምነሉ ስለ ዝነበረ ኣይኰነን። መትከላዊ እምነቱ፡ እቲ ከም ናይ ርሑቕ ስትራተጂኡ ወሲዱ ውዕሉ ሓዲሩ ክትግበሮ ብግብሪ ዝቃልሰሉ ዝነበረ ውልቀ-ሰልፋዊ ስርዓት (single party system) መንግስቲ ምቛም ዝብል’ዩ ኔሩ። ኣቐዲሙ ኣብቲ ምጒጅጃል   መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ክፋል ናይዚ ተኸታታሊ ሓተታ ከም ዝተገልጸ፡ እቲ ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ መሪሕነታዊ ቅልውላው  ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዕዉት ኰይኑ ዝወጸ ጒጅለ-ኢሳያስ፡ ነቲ መርገጽ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ዝቐሃመ ማሕበርነታዊ ሰልፊ’ዩ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ቀጺልዎ።

ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ማርክስነት

ብኣረኣእያ ማርክስነት ሃይማኖት ሓደ ካብ ተምሳላት ልዕለ-ቅርጺ ስለ ዝዀነ፡ ከም ስነ-ጽሑፍ ደርባዊ ጠባይ ኣሎዎ ። ደርባዊ ጠባይ ስለ ዘሎዎ ኸኣ  ማርክስነት ንሃይማኖት ልክዕ ከም ስነ-ጽሑፍ መዝመዝቲ ደርብታት ነቶም ተመዝመዝቲ ደርብታት ኣንጻር ወጽዓኦም ምእንቲ ከይቃልሱ ኰነ ኢሎም ንምድንቋር ዝመሃዝዎ ናይ ጭቆና መሳርሒ ብምባል’ዩ ዝገልጾ። ብኻልእ ንጽር ዝበለ ኣበሃህላ፡ ማርክስነት ንሃይማኖት  መዝመዝቲ ደርብታት ምእንቲ እቶም ተመዝመዝቲ ደርብታት ነቲ ብሰንኪ ምዝመዛኦም ኣብ ህይወቶም ዘጓነፎም ሓሳረ-መከራ ካብ ሰማያዊ ጎይታ ከም ዝወረደ ፈተነ ብምውሳድ፡ ኣሜን ኢሎም ክቕበልዎን ክጻወርዎን ዝወሃዝዎ መደንዘዚ ሓሺሽ ጌሩ’ዩ ዝግንዘቦ። ካብዚ ግንዛበ’ዚ ነቐሉ ኸኣ ማርክስነት፡  ነቲ “ሓፋሽ” ዝብሎ ውጽዕ  ኣካል ናይቲ ህዝቢ፡ ካብ ዘደንዝዝ ሃይማኖታዊ ሓሺሽ ንምድሓን፡ “ሃይማኖት ብዘይንሕስያ ካብ ገጽ መሬት ክጠፍእ ኣሎዎ”  ብምባል፡ ብኹሉ መዳያት ዘይሕለል  ጸረ-ሃይማኖታዊ ቃልሲ ክካየድ’ዩ ዝጽውዕን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዝጽዕርን።

በዚ ዝተነጸረ ማርክሳዊ እምንቶ’ዚ  መሰረት፡  እቲ ናይ ትማሊ ብምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝምራሕ ዝነበረ ህ.ግ.ሓ.ኤ ይኹን እዚ ናይ ሎሚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡  ብባህርዩ ጸረ-ክርስትናን ጸረ-እስልምና’ዩ ኔሩን ዘሎን። ንኣብነት፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጣልቃ ብምእታው፡ መሳጊድ ከፍርስን ንብኣማእት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ኣስላም “ጭሕምኹም ኣንዊሕኩም” ብምባል ከካብ ገዛኦምን መሳጊድን ብምልቃም፡ ብዘይወዓልዎ “ብጀሃድነት” ከሲሱ ክቕንጽል (ንልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ)፣ ንክርስትያን ካህናትን ኣቕሽትን ከሰራጥይን ክኣስርን፣ ንገለ ኣብያተ-ክርስርያን ክዓጹን (ንኣብነት ናይ መሰኻኽር ጀሆቫ) ዝተራእየ፣ ከምኡ’ውን ንክቡር ብጹእ ኣቦና ኣቡነ ኣንተንዮስ ካብ ዘይገሃስ ናይ ጳጳስነት መዝነቶም ኣውሪዱ ዝሓየረን ብንዕኡ ዝምእዘዙ ዝተከአን ብዘይ ገለ ምኽንያት ኣይኰነን። ካብቲ ከምስል ዝደጐሎ ጸረ-ሃይማምኖታዊ ማርክሳዊ ኣረኣእይኡ ብምብጋስ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብጭቡጥ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብቓሉ ዝኣትዎ መብጽዓታት ብዘየገድስ፡  ግብራዊ ተግባራቱ ከም ዘመስክሮ ብናይ እምነት ናጽነት ብሕልፊ ኸኣ ብናይ ሃይማኖት ናጽነት ፈጹሙ ከም ዘይኣምን’ዩ ኲልዕ ኣቢሉ ዘረጋግጽ

ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጕጅለ መሪሕነት መብዛሕትኦም ኣባላቱ ኣባላት ምስጥራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝነበሩ ከም ምዃኖም መጠን፡ ብህለወ ፈጣሪ ዘይኣምኑ ጸረ-ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዘሎዎም መናፍቓን ማርክሳውያን ኢዮም። እዞም መናፍቓን ማርክሳውያን እዚኣቶም ብዛዕባ ሃይማኖት ዝመጸ፡ ክሳብ ሕጂ ገና ካብቲ ብዓለሙ ዝተኻዓበ ኣሉታዊ ኣረኣእያ  ማርክሰነት ማለት ካብቲ “ሃይማኖት  መዝመዝቲ  ደርብታት ሓፋሽ  ህዝቢ  ነቲ  ኣብ  ልዕሊኡ  ዘወርድዎ ወጽዓ ከም ዝጽመሞ ንምግባር ዝመሃዝዎ  መደንዘዚ  ሓሺሽ  ስለ  ዝዀነ፡ ንኸንቱ  ጭቡጥ  ህላወ  ንዘይብሉ  ዘይሰምዓኩም  ጎይታ ኣይትማህለሉ፣ ከምኡ’ውን  ካብ ሞት ተንሲእኩም  ከም  ጻማ  ጽድቅኹም  ኣብ  ሰማያዊ  ገነት  ክትሰፍሩ  ንኸንቱ ኣይተሕለሙ፣ ፈጣሪ  ዝበሃል ጐይታ  ይኹን ገነት  ዝበሃል  ጸጋ ፍጹም የለን”  ዝብል ጸረ- ሃማኖታዊ ዕሙት ኣተሓሳስባ ሓራ ኣይኰኑን። ትማሊ ብጋህዲ ጸረ-ሃይማኖት’ዮም ኔሮም፤ ሎሚ ኸኣ ብግብሪ ጸረ-ሃይማኖት ኢዩም ዘሎዉ። ስለዚ፡ መናፍቕ ኢሳያስን መናፍቓን ደገፍቱን ካብ ስልጣን ከይተኣልዩ፡ ምሉእ ሓቀኛ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ሃገርና ክሰፍን ማለት ዘበት ኢዩ።

ማርክሳዊ ኣረኣእያ ደሞክራሲ

ማርክስነት ንውልቃዊ ድርኺትን ምህዞን ዝዕንቅጽ ኣረኣእያ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ብውሑዳት ሰባት ዝቖመ ጉጀለ — ማሕበርነታዊ ሰልፊ — መንግስታዊ ስልጣን ንኽሕዝን ንሃገራዊ ቊጠባ ንኽብሕትን ዝሕግዝን ዝጣበቕን ስነ-ሓሳብ ኢዩ። መሪሕነት ማሕበርነታዊ ሰልፊ ንኹሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ዓመጽን ግፍዕን ብገበን ምእንቲ ከይሕተቱ፡ ኣንጻር ኣድሓርሓርቲ ደርብታት ዝተወስደ ዘይተርፍ ማለት ግቡእ ሕጋዊ ስጉምታት ኣምሲሎም’ዮም ዘቕርብዎ። እቲ ኣብ ደሞክራሲ  ዘሎዎም ኣረዳድኣ ዝንቡዕ ኣረዳድኣ ኢዩ። ብኣረዳዳኣ ማርክሳውያን ደሞክራሲ እቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ደርብታት ረብሓኡን ጽልዋኡን ዘረጋግጸሉ ዝለዓለ ስልጣን ዘሎዎ ምምሕድራዊ ትካል ሕብረተሰብ ኢዩ። በዚ ኣረዳድኣ’ዚ መሰረት፡ መንግስቲ መሳርሒ ናይቲ ስልጣን ዝሓዘ ገዛኢ ደርቢ ኢዩ። ኣብ ደርባዊ ሕብረተሰብ እንተድኣ  እቲ መንግሳታዊ ስልጣን ዝሓዘ  ሓይሊ ንመዝመዝቲ ደርብታት ዝውክል ኰይኑ፡ እቲ መንግስቲ መሳርሒ ናይ መዝመዝቲ ደርብታት ይኸውን። ብኣንጻሩ፡ እቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ንምዝሙዛት ደርብታት ዝውክል እንተዀይኑ ኸኣ እቲ መንግስቲ መሳርሒ ናይቶም ምዝሙዛት ደርብታታ’ዩ ዝኸውን። ስለዚ፡ ደሞክራሲ ብኣረዳድኣ ማርክስነት  ከም መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ መጠን ብባህርዩ ደርባዊ ጠባይ ዝሓዘ ኢዩ።

እቲ ብማርክስነት ዝምራሕ ማሕበርታዊ ሰልፊ ዝወከሎ ዘይብሉ ንገዛእ-ርእሱ ከም ወኪል ናይ ምዝሙዛት ደርብታት ጌሩ ስለ ዝቖጽራ፡ ነቲ ንሱ ዘቑሞ መንግስቲ ከም ናይቲ ውጹዕ ህዝቢ መንግስቲ ብምቕራብ፡  ሓቀኛ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎዎ። ብዛዕባ ደሞክራሲ ዘሎዎ ርድኢት ኣብቲ  ደሞክራሲ ብባህረዩ ደርባዊ ጠባይ ኣሎዎ ዝብል እምንቶ ዝተመርኰሰ ብምዃኑ፡ ንደሞክራሲ ክገልጾ እንከሎ ከም ሓደ ዓንነት መንግታዊ ኣገባብ ኣመሓዳደራ ጌሩ’ዩ ዝገልጾ። ብመሰረት ደርባዊ መበቆል  ናይቲ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ ደሞራሲ ብዓይኒ ማርክስነት ወይ ውሑዳት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ወይ ከኣ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ምልኮም ዘረጋግጽሉ መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ ኢዩ። ኣብ ደርባዊ ሕብረተሰብ  ንኹሎም ኣባላት ሕብረተሰብ ደርባዊ መበቆሎም ብዘየገድስ ከየዳልወ ብማዕረ ዘርብሕን ዘገልግልን ደሞክራሲ የለን። ግድነት እቲ ዝቐውም ደሞክራሲ ወይ ናይ ውሑዳት መዝመዝቲ ደርብታት ደሞክራሲ ወይ ከኣ ናይ ብዙሓት ምዝሙዛት ደርብታት ደሞክራሲ ኢዩ። ኩሉ ኣባል ሰራዊት  ህ.ግ.ሓ.ኤን ኣባል ሓፋሽ ውድባት ህ.ግ.ሓ.ኤን ዝነበረ በዚ ግጉይ ኣረዳድኣ ደሞክራሲ ተዀስኪሱ ዝተመልመለ ስለ ዝዀነ፡  ብዛዕባ ደሞክራሲ ሓቀኛን ቅኑዕን ኣረዳድኣ ከጥሪ ናይ ኩሉ ብሕቶ ደሞራሲ ዝገደስን ዝቝርቈርን ሃገራዊ ዜጋ ሓልፍነት ስለ ዝዀነ፡ ሰሪጹ ንዝጸንሑ ግጉይን ዝንቡዕን ርድኢት ደሞክራሲ ንምቕንጣጥ በብእጃሙ ዘይሕለል ናይ ምምሃርን ምንቃሕን ጐስጓስ ከከይድ ይግባእ።

ናይ ኲለን ብማርክስነት ዝምራሓ ማሕበርነታውያን ውድባት ናይ ሓባር ረቛሒ፡  መንግስታዊ ስልጣን ከይተወከላ ማለት ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብህዝቢ ከይተመርጻ ብኢደ-ወነነን ወከልቲ ህዝቢ ምዃነን ጥራይ ኣይኰነን።  እንተላይ  ሓንሳእ ኣብ ስልጣን ምስ ተወጥሓ፡ ከይወረዳ ንዘልኣለም ገዛእቲ ኰይነን ክቕጽላ ባህርያዊ  ሕጋዊ መሰል ከም ዘሎወን ብጋህዲ ዝጥባቓን ዝኣምናን ምዃነን እውን ካብቲ ቀንዲ ዝልለያሉ ናይ ሓባር ረቛሒታተን ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ብማርክስነት ዝምራሓ ማሕበርነታውያን ሰልፍታት ገደብ ዘይብሉ ስልጣን ከይተመርጻ ብምግባት፡ ነቶም ብዘይተሓታትነትን ግሉጽነትን ገበርትን ሓደግትን ኰይኖም ድላዮም ክገብሩ ሃነፍነፍ ንዝብሉ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ብተፈጥሮኦም ኣምባገነናዊ (ዲክታተሪያዊ) ጠባይ ዘሎዎም ዓመጽትን ጐሓላሉን  ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ከም ማግነት ኣኻኺበን ዝስሕባ መሰጥትን መልመልትን ውድባት ኢየን። ኣገባብ ኣሰራርሓ ናይዘን ውድባት እዚኣተን፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾን ብዘይግሉጽነትን ብተጕላባን ምስጢርን  ዝከየድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ገድብን ቀይድን ዘይብሉ ስልጣን ኣብ ኢድ ዕማኾ ዘይኣኽሉ መራሕቲ ከም ዝጥቕለል ስለ ዝገብራ፡  ከም  ብዓል ኢሳያስ ውልቀ-ምልካውያን ንምፍራይ ዝሕግዛን ዘተባብዓን ሰንካማት  ውድባት ኢዩ። መራሕተን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ካብ ህዝብን በቲ ህዝብን ዘይተመርጹ ክነሶም፡ ከም ወከልቲ ህዝቢ ኰይኖም ብምቕራብ ንዂሉ ብስም ህዝቢ ዝወስድዎ ስጉምቲ ሕጋዊ መልክዕ ንምልባስ ንረብሓ እቶም ውጹዓት ደርብታት ንምክልኻል ከም ዝተወስደ ኣድላዪ ስጉምቲ ጌሮም’ዮም ዘቕርብዎ። ካብዚ ዝተልዕለ፡ ዝዀነ ኣንጻር ተቓወምቶን ዝወሰድዎ  ስጉምቲ፡ ቅኑዕን ሕጋውን ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ቅድሚ  ዓይኒ ህዝቢ ሕጋውን ፍትሓውን መሲሉ ምእንቲ ቅቐርብ፡ ነቶም ተቓወምቶም “ተበላጺ ንኡስ-ብርጅዋዊ ሕማሞም ደጊስዎም” ወይ ከኣ  “ድሕር መስፍናዊ ዝንባለታቶም ኣጥቂዕዎም” ብምባል’ዮም ዝውንጅልዎም። እቶም ንባህርዮም  ብዝያዳ ብዕምቆት ዝፈልጥዎን ዝርድእዎን ምሁራት ስለ ዝዀኑ ድማ ቀንዲ ግዳያቶም ንሳቶም ኢዮም። ምኽነያቱ፡ ነቲ ብመሃይመነት ዝተጠቕዐ ህዝቢ፡ እቶም ምሁራት እንተ ዘይኣንቂሐሞ ብቐሊሉ ኣጠበሪካ ከተታልሎን  ገማሚዕካ ክትከፋፍሎን ዘጸግም ኣይኰነን።

ኲለን ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝምራሓ ከም ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝኣመሰላ ጸጋማውያን ውድባት፡ ንማርክሳዊ ክልሰ-ሓሳብ  ከም ፍጹም ሓቂ ዝሓዘለ፡ ንኹሉ ማሕበራዊ ሽግራት ብሓንሳእ ንሓዋሩ ዝፈትሕ፡  ፍቱን ስነ-ፍልጠታዊ ክልሰ-ሓሳብ  ከም ዝዀነ ብምእማን’ዮም ዝግንዘብዎ። እንተዀነ፡ ክልሰ-ሓሳብ ካብ ተሞክሮን መጽናዕትን ዝተቐስመ ሓፈሻዊ ግብራዊ መምርሒ ከም  ምዃኑ መጠን፡ ሓቅነቱ ተዛማዲ እምበር ፍጹም ኣይኰነን።  ሓደ ግዜ ዝተፈጸመ ኩነት፡ ምስቲ ኣብ  ካልእ ኩነት ዝተፈጸመ ብገሊኡ ባህርያቱ ክመሳሰል እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኻቱ ግን ፈጺሙ ዘይራኸብ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡  ክልሰ-ሓሳብ  ንዝዀነ ግዜን ኩነታትን ብዘይገለ መንቅብ  ዘገልግል ኣይኰነን። ኣብ ሓደ ሃገር ኣብ ሓደ መድረኽ ተፈቲኑ ዓወት ዝተረኽቦ ክልሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ካልእ ዝተፈልየ ጠባይ ዝሓዘት ሃገርን ኣብ ካልእ ኣብ ዝተፈልየ ደረጃ ምዕባለ ዝርከብ ሕብረተሰብን ፈጺሙ ከይሰርሕ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ፡ ንዝዀነ ክልሰ-ሓሳብ ቅድሚ ተሃንዲድካ ክትግብሮ ምፍታን፡ ንጭቡጥ ወድዕዊ ኩነታት ናይታ ፍልይቲ ሃገርን ደረጃ ምዕባለ ናይ ሕብረተሰባን መሚኻን ኣድቂቕካን ምፍላጥ የድሊ። ማርክሳውያን ንክልሰ-ሓሳቦም ከም ዝወጾ ዘይብሉ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ቆጺሮም የቕርብዎ ድኣ’ምበር፡ ሓቅነቱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራር ዓለም ብግብሪ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓቢ ናይ ሰብን ንዋትን ሕብረተሰባዊ ዕንወት ብምውራዱ ተፈንፊኑ ዝተኻዕበ ክልሰ-ሓሳብ ኢዩ። ንማርክሳዊ ክልሰ-ሓሳብ ፍሽለቱ ብዘየገድስ ከም ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት እንተ ተቐቢልናዮ እውን፡ ሓቅነቱ ፍጹም ዘይኰነ ተዛማዲ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ምኽነያቱ፡  ስነ-ፍልጠት ንገዛእርእሱ ብትዕዝብትን ተሞከሮን ፈተነን ብቐጻሊ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት እናተማሃርካ ዝተዋህለለ ተዛማዲ ሓቅነት ዘሎዎ ፍልጠት እምበር፡ ንዘልኣለም ዘይቅየር ፍጽም ሓቅነት ዘሎዎ ፍልጠት ኣይኰነን። ስነ-ፍልጠት ተዛማዲ ሓቅነት ጥራይ’ዩ ዘሎዎ ተባሂሉ ዝግለጽ፡  እቲ ኣብ ዝዀነ እዋን ከም ቅቡል ተወሲዱ ዝጸንሐ ፍልጠት ደረቱ በቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ተጠርዩ ብዝጸንሐ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ (መሳርሕታትን ምህዞታትን) ዝተሓጽረ ስለ ዝዀነ፡ እንተድኣ እቲ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ብዝተኸሰቱ ሓደስቲ ምዕባለታት ደንፊዑን ተመሓይሹን ብሓድሽ ካብኡ ብዝያዳ ዘተኣማማን ደረት ክልወጥን ክትካእን ስለ ዝኽእል ኢዩ። ንኣብነት፡ ክሳብ ቀረብ ግዜ እቲ ዝነኣሰ ዘይክፈል ናይ ነገር ኣካል፡  ኣተም’ዩ ዝብል ፍልጠት፡ ንኣተም ፈንቂልካ ንምምርማር ዘኽእል ዓቕሚ  ምስ ተደለበ፡ ኣብ ውሽጡ  ካብኡ ዝደቐቑ ኤለክትሮንን ንዩትሮንን ፕሩቶንን ዝተሰምዩ  ንኡሳት ኣካላት ከም ዘሎዉ ስለ ዝተዳህሰሰ፡ ሎሚ ንኣተም ከም ዝነኣሰ ዘይክፈል ኣካል ናይ ነገር ወሲዶም ዝርድእዎ ሊቃውንቲ የለዉን። እዚ ኸኣ ብጭቡጥ ንተዛማዲ ሓቅነት ክልሰ-ሓሳብ’ዩ ዋሕ ኣቢሉ ዘረድእ።

ኲሉ’ቲ ኣብ  ሕብረተሰብና ዘሎ ሽግራት ካብ  ባዕዳዊ መግዛእትን ደርባዊ ምዝመዛን ጥራይ ዝመንጨወ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ሰፊኖም ዝርከቡ ከም ድንቊርና፡ ድኽነት፡ ድሕረት፡ ሕማም ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ኣበሳታት፡ ጠንቆም እዞም ዝተጠቕሱ ክልተ ወጽዓታት ጥራይ ኣይኰነን። ባዕዳዊ መግዛእትን ደርባዊ ምዝመዛን ብርግጽ ገለ ካብቶም ጠንቂ ክዀኑ ዝኽእሉ ረቛሒታት ኢዮም። ይኹን’ምበር፡  ብዘይካዞም ክልተ ረቛሒታት ካልኦት ምስ ባህልን ልምድን ፡ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ተፈጥራዊ ጸጋን፡ ዘቤታዊ ሰላምን ርግኣትን፡ መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራን ብቕዓት መራሕትን፡  መሃዝነትን ትግሃትን ብልሃትን ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ምስ ሓድነትን ስኒትን እምነትን ህዝቢ ዝተኣሳሰሩ ኣገደስቲ ተወሰኽቲ ብርክት ዝበሉ ረቛሒታት እውን ኣሎዉ። ስለዚ፡ ንህዝብናን ሃገርናን ምስ ካልእ መዳርግቱ ህዝብን ሃገርን ብምንጽጻር፡ ንምንታይ ህዝብና ድሕሩ? ንምንታይከ ሃገርና ዘይሰልጠነት? ዝብሉ ርትዓዊ ሕቶታት ምስ እንሓትት፡ መልሱ ብሰንኪ ባዕዳዊ መግዛእትን ደርባዊ ምዝመዛን ኢልካ ጥራይ ክምለስ ዝከኣል ኣይኰነን። ምኽነያቱ፡ እዚ መልሲ’ዚ  ብዘይጥርጥር እቲ ብምድጋም ብብዝሒ እትረኽቦ መልሲ’ኳ እንተዀነ፡ ዘዕግብን ዘርድን ዝተማልአ መልሲ ግን ኣይኰነን። ኲሉ መዳያት ጠንቂ ድሕረትና ብዕምቆት ክንፈልጥ እንተደሊና፡ ኪኖ ባዕዳዊ መግዝእትን ደርባዊ ምዝመዛን ዝብሉ ፍሉጣት ንነብስኻ ዘደዓዕሱ ምኽንያታት ብምስጋር፡ ኣብ ባህልናን ልምድናን ፍልስፍናናን ክብርታትናን (ኣተሓሳስባናን  ኣረኣእያናን እምነታትናን) ካልእን ሃሰውሰው ክንብል ኣሎና።

በዚ መሰረት’ዚ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንታሪኽ ሕብረተሰብና ምስ እንምርምር፡ ድሕሪ’ቲ ካብ መበል ሳልሳይ ዘመን ክሳብ መበል ሻውዓይ ዘመን ንኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ኣኽሱም ስልጣነ፡ ካልእ ብድሕሪኡ ዝተኸሰተ ስልጣነ ከም ዘይነበረ ኢና እነስተውዕል። ካብ ሻውዓይ ዘመን ክሳብ’ቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዘመን ናይ ቱርኪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ገማገም ባሕሪ  ዝተቐልቀለሉ ወቕቲ፡  እቶም ኣብ ሕብረተሰብና ገበርትን ሓደግትን ኰይኖም ዝገዝኡ ዝነበሩ ራእስታትን ነጋውስን፡ ንጉሰ-ነገስት ንምዃን ነንሓድሕዶም እናተፋነኑ  ብምንቛት ንህዝብና ሰላምን ርግኣትን ሓሪምሞምን ካብ ዓለም ነጺሎምን፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ድንቊርናን ድሕረንት ድኽነትን ሕማምን ዝሰፈኖ ነዊሕ ናይ ጸልማት ዘመናት’ዮም ሸሚመሞ። ኣብዚ ነዊሕ ናይ ጸልማት ዘመናት’ዚ፡ ህዝብና ሰላምን ርግኣትን ኣብ ርእሲ ምስኣኑ፡ እቶም መስፍናውያን ገዛእቲ ህዝብና ኣሜን ኢሉ ምእንቲ ኽግዝኣሎም ንመነባብርኡ ዘመሓይሽ ዝዀነ ሓድሽ ሃናጺ ሓሳባትን ኣገባባትን መሳርሕታትን ከይፈጥር ንምዕንቃጽ፡ “ንቁም በበህላወ” (ኣብ ዘዘለናዮ ደው ንበል) ብዝብል ድሑር ንምዕባለ ዝዕንቅጽ መስፍናዊ ፍልስፍና’ዮም ዝምርሑ ኔሮም። ብመሰረት ፍልስፍና “ንቁም በበህላወ”፡ ዝዀነ ዜጋ ነቲ መስፍናዊ ስርዓት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝብድህ ርእይቶ፡ ሓሳብ፡ ምህዞ፡ ጥበብ፡ ቅጥዒ ፡ ጠባይ፡ ስርዓት፡ ሕጊ፡  ሜላ ከምኡ’ውን ወግዒ ከተኣታቱ መሰል የብሉን። ማለት፡ ቅቡል ኣይነበረን።ዝዀነ ዜጋ ካብቲ  ከም ንቡርን ቅዱስን ተወሲዱ ተሰሪቱ ዝጸንሐ ባህሊ ወጻኢ፡ ሓዲሽ ነገር ንምትእታው ምስ ዝህቅን፡ እቲ ከተኣታትዎ ዝሃቀኖ ሓዲሽ ነገር፡  ሳዕቤኑ ንኡስ ይኹን ዓቢ፡ ኣዎንታዊ ይኹን ኣሉታዊ  ብዘየገድስ፡ ከም ርኹስ ተግባር ተዀኒኑ’ዩ ብኡንብኡ ዝንጸግ ኔሩ።  ካብዚ ብዘይፍለ፡ እቶም ሓድሽ ነገር ከተኣታትዉ ህርድግ ዝበሉ ደላይቲ ለውጢ ዜጋታት ከኣ ከም መናፍቕ ተወጊዞ’ዮም ዝድቆሱ ኔሮም። ካብዚ ታሪኻዊ ሓቂ’ዚ፡  ብንጹር ክድምደም ዝከኣል ነገር እንተሎ፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ሰፊኑ ዝርከብ  ሓሳረ-መከራ (ድንቊርናን ድሕረንት ድኽነትን ሕማምን) ጠንቁ ኣብ  ክሊ ክልተ ረቛሒታት ማለት ኣብ ባዕዳዊ መግዛእትን ደርባዊ ምዝመዛን ጥራይ ዝተኸለለ ከም ዘይኰነ፡ እንታይ ድኣ ካልኦት ንነገራውን መንፈሳውን ባህሊ ሕብረተስብና ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ረቛሒታት እውን ከም ዘጠቓልል ኢዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ሕበርተሰብና ዝርከብ ሓሳረ-መከራ፡ ባዕዳዊ መግዛእትን ደርባዊ ምዝመዛን ብምውጋድ ጥራይ ዝውገድ ኣይኰነን። ንምውጋዱ፡ ንኹሉ መዳያት ዘጠቓልል ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳተፎ ዝጠልብ ዝተጸንዐን ዝተናውሐን ኣብ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ኪነትን  (science and technology) ዝተመርኰሰ  ሱር -ነቀል ማሕበረ-ቊጠባዊ ለውጢ  ምስልሳል የድሊ።

ማርክስነት ካብ ነገራዊ ኣረኣእያኡ ተበጊሱ ንዂሉ ማሕበራዊ ተርእዮታት ብደርባዊ ዓይኒ ስለ ዝርእዮ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ዘሎ ፍልልያት ብግቡእ ኣይግንዘቦን ኢዩ። ኣብ ሓደ መኣዲ እናበልዑ ዝዓበዩ ክልተ ቆመና ኣሕዋት፡ ደርባዊ መበቆሎም ሓደ ኰይኑ ሓዲኦም ዓማጽን ጨካንን ግቡዝን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ፍትሓውን ለዋህን ትጉህን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውልቃዊ ፍልልያት ማርክስነት ንምታይ ከም ዘጋጥም ብልክዕ ዘረድእ መርዳእታ የብሉን። ንሃይማኖት ብዝምልከት እውን እቲ ዘሎዎ እምንቶ ብልክዕ ንተራ ሃይማኖት ዝገልጽ ኣይኰነን። ሃይማኖት ቅድሚ ምቕልቃል ደርብታት ዝተኸሰተ ተርእዮ ብምዃኑ፡ ህላወኡን ተራኡን ምስ ደርባዊ ምዝመዛ ብቐጥታ ብምትእስሳር ንኣዎንታዊ ውልቃውን ሕበርተሰባውን ጥቕሙን ኣገልግሎቱን ብምንእኣሳን ምስትንዓቕን ክግለጽ ግቡእን ቅኑዕን ኣይኰነን። ሃይማኖት ክከሓድ ዘይከኣል ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ባህርያት ዘስርጽ ኣዝዩ ብርቱዕ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣሎዎ። ሃይማኖት ዘይብሎም ኣባላት ሕብረተሰብ ኣረመናዊ ተግባራት ንኽፍጽሙ ዝገትኦም ሞራል ስለ ዘይሎም፡ ዘይሰብኣዊ ኣረመናዊ ተግባራት ክፍጽሙ ድሕር ከም ዘይብሉ ሰብኣዊ ታሪኽ ንባዕሉ ምስክር ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰብና  ዝርከብ ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት– ክርትናን እስልምናን — ምስ ናይ ካልኦት ሕብረተሰባት ብምንጽጻር ክርኡ እንከሎ፡  ኣብ ሃገርና ቀልጡፉ ስለ ዝኣተወ ህዝብና ንልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ብጽኑዕ ሞራላዊ ሕጊ ዝመሓደር ዝነበረ ስልጡን ህዝቢ ኢዩ። ንዘመናት ዓቂብዎ ዝጸንሐ ዘሐብን ሃይማኖቱ፡ እቲ ካብ ኲሉ ነገራት ንላዕሊ ዝዓዘዘን ዝኸበረን ባህላዊ ቅርሱ ስለ ዝዀነ፡ ክድንፍዕ እምበር ክደሃኽ ኣይኰነን ዘሎዎ።  ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ነገራዊ መዳይ ዝተመርኰሰ፡ ንመንፈሳዊ መዳይ ዝኽሕድ ሓደ ጎናዊ ፍልስፍና ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንሃብታም ሃምኖታዊ ውርሻና ዝስርዝን ዝምርዝን ሓደገኛ ስነ-ሓሳብ ኢዩ።

ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ሃይማኖት ንዕኡ ዘገድስን ዝምልከትን ጕዳይ ስለ ዘይኰነ ተንከስ ኢሉ ኢዱ ኣብ ኣብ ምምሕዳራዊ ትካላት ክርስትናን እስልምናን ከእቱ የብሉን። ኣብ ዘይምልከቶ መንፈሳዊ መዳይ ህይወትና ጠንቃም ኢዱ ክመልስ ከነፍቅደሉ ዓቢ ስንፍናን ሓጥያትን (ዘንብን) ኢዩ። ፈትዩ ጽሊኡ ኣእዳዉ ከም ዝእክብ ክንገሮ ኣሎና — ሃይማኖትና እንዋገየሉ ጕዳይ ስለ ዘይኰነ። ኣብ ሃይማኖት ኢድካ ክትመልስ ምፍታን ዓቢ ስድነትን ድፍረትን ኢዩ።

 

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነትደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?

ብያሲን ዑመር (yassinomer01@gmail.com) — ሳልሳይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል

ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ

ማርክሳዊ ኣረኣእያ መንግስቲ

መንግስቲ ካብ ባዕዳዊ ወራር ንምክልኻልን ናጽነትን ልኡላውነትን ንምዕቃብን ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ጸጥታ ንምኽባርን ስርዓትን ቅጥዕን ንምትሓዝን ዘድሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕብረተሰባዊ ምምሕዳራዊ ትካል’ኳ እንተዀነ፡ ኢዱ ፈጺሙ ኣብ ሃይማታዊ ጉዳያትን ሃገራዊ ቊጠባን ስድራዊ ናብራን ውልቃዊ ምርጫን ከእቱ የብሉን። ብማርክስነት ዝምራሕ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዘቚሞ መንግስቲ ግን ኢዱ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ሃገራዊ ቊጠባን ስድራዊ ናብራን ውልቃዊ ምርጫን ብምእታው፡ ብውልቃዊ ደረጃ ይኹን ብሓባራዊ ደረጃ መሰላት ህዝቢ ክግህስን ናጽነት ህዝቢ ክነፍግን’ዩ ዝርኣ። ከምኡ’ውን ኣብ ክንዲ ነቲ ሰራዊትን ናይ ስለላን ጽጥታን ትካላት ናይታ ሃገርን ኣብ ምክልኻል ሃገር ጥራይ ዝጥቀመሉ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ንተቓወምቲ ውልቀሰባትን ጥርኑፋት ውድባትን ንምድቋስን ምጽናትን በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ህዝቢ ናይቲ ሃገር ኣሜን ኢሉ ንኽግዛእ ንምርዓድን ንምሽባርን’ዩ ዝጥቀምሉ። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ናይቲ ህዝቢ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ኣናሸሓጥካ ምስ መንግስቲ ከም ዝደናገጽን ንመርገጹ ከም ዝድግፍን ንምግባር፡ ነቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይቲ ሃገር ብምብሓትን ምውናንን ቃል መንግስቲ  ጥራይ ንምቅላሕን ምዝርጋሕን’ዮም ዘገልግልሉ። ምሁራት ንናይ ዜና ኣገልግለት ጕዶም ዝቐልዕ ሓቅታት ንምዝርጋሕ ምእንቲ ከይጥቀምሉ፡ ብጥብቂ’ዮም ዝሕልውዎም። ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝህባ  ማዕከናት –ጋዜጣታት፡ መጽሔታት፡ ሬድዮታት፡ ሲነማታት፡ ቲቪታት ወዘተ. — ዘይተመርመረን ዘይተፈቐደን ወረ ከውርያ ብመንግስቲ ፍቑድ ኣይኰነን። መንግስቲ ሓሶት እናነዝሐ ብምድንጋር ስለ ዝነበር፡ ንሓቂ ከም ሓዊ’ዩ ዝፈርሓን ዝጸልኣን።  እቲ ን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዘገልግል ዘሎ ናይ ዜና ማዕከናት ሃገርና — ቲቪ ኢረ፣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ድምጺ ሓፋሽ፣  ከምኡ’ውን ኣገልገልቱ ደረፍትን ጸሓፍትን ተላሃይትን ገጠምትን — ዝተመርመረ (ብሳንሱር ዝሓለፈ) ወረታት፡ መፈራረሒ ሓተታታት፡ ወዳሲ ግጥምታት፡ ዘደዓዕስ ደርፍታት፡ ዘይምህር ተዋስኦታት፡ ዝምጕስ መደረታት፡ ከምኡ’ውን ብዝተጋንነ ምርኢታት ዝተመልአ ኢዩ።   እቲ “ንሓቂ ነገልግል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስሉይ ጭርሖ ብሓሶት ዝተበከለን ብጃህራን ዝተዓብለኸን ዝተሰነዐን ሓበሬታታት ብምዝርጋሕ፡ ብምድንጋርን ብሸፍጥን ብሽሕጣንን ዕምሪ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምንዋሕ ዘገልግለ ዘሎ ሓያል መሳርሒ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስለ ዝዀነ፡  ዘይተርፍ ዓወት ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልስና፡  ክቀላጠፍ ንግጉይን ጐደሎን ሓበሬታትቱ ብብግዜኡ ካብ ምቅላዕን ምፍሻልን ድሕር ክንብል የብልናን። ምኽንያቱ፡ ፍርቂ ሓይሊ ውልቀ-መለኽቲ ሓቂ ኣብ ምሽፋንን ሓሶት ኣብ ምዝርጋሕን ዝተመርኰሰ ኢዩ።

ህ.ግ.ሓ.ኤ ብግንባርን ሰልፍን ደረጃ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብምኽታሉ ኣቐዲሙ ክዝርዘር ከም ዝጸንሐ ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኔርዎዎ ኢዩ። ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ  ድሕሪ ናጽነት ምስ ምቛም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ብዝያዳ  ጐሊሑ ከም ዝተራእየ ዝከሓድ ኣይኰነን። ይኹን’ምበር፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ነቲ ኣብ መጀመሪያ መድረኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተቐልቀለ ወገናዊ ዝንባለታት ብምድጓል፡ ንኹሎም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ብኣካል ዝተሳተፉ ሃገራውያን ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ጽላል  ሓደ ዓይነት  ማሕበርነታዊ ኣረኣእያ ስለ ዝጠርነፎም፡ ኣቓልቦኦም ብምልኡ ኣብ ናይ ሓባር ጸላኢ ማለት ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኸድህቡ ኣኽኢልዎም ኢዩ። መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ  ነቶም “ንምንታይ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ተኸቲልኩም? ንምንታይከ  ብሃትሃታ ኣብ  ድሮ ናጽነት ገዲፍኩሞ?” ንዝብሉ  ኣዋጠርቲ ሕቶታት ክምልሱ እንከሎ፡  ዝህብዎ መልሲ ብድብድቡ “ኣብ እዋኑ ኣገልግሎቱ ብግቡእ ፈጺሙ’ዩ” ዝብል ኢዩ። እዚ መልሲ’ዚ፡ ብርግጽ ዘይብቑዕን ዘየዕግብን ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝቐርብ ምስምስ ኢዩ። እንተዀነ፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ መብዛሕተአን ዝተኸተልኦ ሃገራት ግብራውነቱ ተፈቲኑ ይነጸግን ብሳዕቤኑ ኣህጉራዊ ተሰማዕነቱን ተቐብላነቱን የጥፍእን ድኣ’ምበር፡  መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ  “ኣብ እዋኑ ኣገልግሊቱ ብግቡእ ፈጺሙ’ዩ” ብምባል ግጉይ ስነ-ሓሳብ ብምኽታሎም ብጌጋኦም ኣብ ክንዲ ዝእመኑ፡ ኣዎንታዊ ውጽኢት ኔርዎ ኢሎም ዝምጕስዎ ዘሎዉ፡ “ወገናዊ ምክፍፋል ብምውጋድ ናብ ናጽነት ንምብጻሕ ሓጊዙና’ዩ” ንምባል ኢዩ። ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ወገናዊ ምክፍፋል ምውጋዱ ንሓድነት ሰራዊትን ህዝብን ዘደልድል ኣዎንታዊ ምዕባለ’ኳ እንተዀነ፡ ጠንቂ ወገናዊ ምክፍፋል ህላወ ወገናዊ ፍልልያት ዘይኰነ ህላወ ወገናዊ ዕብላለ ስለ ዝዀነ፡ ደሞክራሲ ኣብ ዘይሰፈነሉ ሃዋህው ወገናዊ ዕብላለ ስለ ዝቀላቐል ብሰንኩ እቲ ተወጊዱ ዝተባህለ ወገናዊ ምክፍፋል ክደግስ ማለት እንደገና ክኽሰት ዘይተርፍ ባህርያዊ ስነታዊ (logical) ተርእዮ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብዘይምምስራቱ ብሄራውን ሃምይማኖታውን ኣውራጃውን ምንቅስቓሳት ምትንሰኦም እምበርኣርከስ ዘገርም ወይ ዘሰንብድ ፍጻመ ኣይኰነን። ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ንደሞክራሲያዊ መስርሕ ዓምጺጹን ጓዕጺጹን ዝቖመ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ወገናዊ ምንቅስቓሳት ዝተንስኡ ደሞክራሲ ብዘይምንጋሱ ስለ ዝዀነ፡ ኣድሓርሓርቲ ተባሂሎም ክዂነኑ ኰነ ትሕተ-ሃገራውያን ተባሂሎም ክውቀሱ የብሎምን። ኣካል ናይቲ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምቛም ዝሰላሰል ዘሎ ሃገራዊ ቃልሲ ስለ ዝዀኑ፡ ሕቶታቶም ብባህርዩ ደሞክራሲያዊ ኢዩ። ስለዚ፡ ሕቶታቶም “ትሕተ-ሃገራዊ” ብዝብል ጥቅውናን ውርጻጸን ከይተዀሻመሸ፡  ሰምዒ እዝኒ ረኺቡ  ኣብ ቅዋም ሃገር  ውሕስነት ብዘሎዎ ንጹር ኣገባብ ብምስፋር ክረጋገጽ ማለት ብግብሪ ክምለስ ኣሎዎ። ሓድነት ህዝብና ኣብ ንውዓት ብሄራትናን ሃይማኖታትናን ኣውራጃታትናን ዝተመርኰሰ ስለ ዝዀነ፡ ንንውዓትና ንመንነትና ዘዐምርን ዘማዕርግን ጸጋ እምበር መርገም ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ደሞክራሲ ንንውዓትና ብባህርዩ ዘጥጥዕ ሃዋህው ስለ ዘስፍን፡ ንሓድነት ህዝብና መሊሱ ዘተርርን ዘጠንክርን መኽሰብ እምበር ዘዳኽምን ዘማህምንን መንቅብ የብሉን።

ካልእ ንኣዎንታዊ መዳይ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝምልከት ብወገን ተኸተልቱ ነበር መራሕቲ ዝቐርብ ነጥቢ እንተሎ፡ እቲ ማርክስነት “ንድሑር ማሪታዊ ኣተሓሳስባን መስፍናዊ ባህልን ዝዂንን ንደርባዊ ወጽዓ ንምውጋድ ዝጽዕርን ውድዓዊ ዝዀነ ስነ-ፍልጠታዊ ኣረኣእያ ንኽነግስ ዘተባብዕን’ዩ ርእየተ-ዓለም (world outlook) ስለ ዘሎዎ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝተኻየደ ሃገር-ለኸ ቃልሲ ዘየማትእ ሰውራዊ ተራ ኔርዎ” ዝብል ኢዩ። ብርግጽ፡ ማርክስነት ኣብቲ መሰረታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ጎኒንጎኒ ምስቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝሰላሰል ዝነበረ ማሕበራዊ ሰውራ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ሓድሽ  ገስጋሲ ኣረኣእያታት ኣተኣታትዩ ኢዩ። ንኣብነት፡ “ማዕርነት ደቀንስትዮ ብስራሕ ተኻፋልነት” ብዝብል ጭርሖ ማዕርነት ደቀንስትዮ ንምርግጋጽ ዝተማልአ’ኳ እንተዘይኰነ ሃቂኑ ኢዩ። ከምኡ’ውን ንድሑር መስፍናዊ ባህልታት ንምውጋድ ሰፊሕ “ናይ መሃይምነት ምጥፋእ ዘመተ” ብምክያድ ካብ ድንቊርና ንምግልጋል ዝምስገን ጻዕርታት ንኽካየድ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ሓጊዙ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ካብቲ “ሓፋሽ ምስ ዝነቅሕ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ይቕየር” ዝብል እንምቶኡ ነቒሉ ህዝብና ተሳትፎኡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንኸዕዝዝ “ሓፋሽ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይዕጠቕ!” ብዝብል ሰውራዊ ጭርሖ ብምሕጋዝ፡ ኣብ ምዕዋት ሰውራና መደርግቲ ዘይብሉ ወሳኒ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪቱ ኢዩ። ስለዚ፡ ማርክስነት ክከሓድ ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤናት’ኳ እንተነበሮ፡ እዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ጕሉሕ ኣዎንታዊ ኣበርክቶታት እውን ከም ዝነበሮ ዝዝንጋዕ ኣይኰነን። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ሰውራ ኤርትራ ንዂሉ ዘጓነፎ መሰናኽላት ጥሒሱን ሰጊሩን ንዓለም ዘስተንከረ ዓወታታት ክሓፍስ ዝኸኣለ፡ ሓፋስ ህዝብና ሓድነቱ ኣትሪሩ ብምንቃሕን ምውዳብን ምዕጣቕን ኣብ መዳያት ቃልሲ ብንጥፈትን ትግሃትን ብምስታፍ ብጽንዓትን ሓቦን ስለ ዝተቓለሰ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ብተመስሳሊ ኣገባብ ኣንጻር ውልቀ-ምልካዊ ስርዓቱ ዝቐንዕ ዝተወሃሃድ ኣድማዒ  ህዝባዊ ቃልሲ ከይየሰላስል ንምዕቃጽ ዘፍጽሞ  እከይ ተጋባርን ዘይኣልሞ  ክፉእ ውዲትን የለን። ብመጀመርታ ህዝብና ከይውደብ ነተን ዝጥርንፈኦ ዘንበራ ሃገራውያን ውድባት (ንተ.ሓ.ኤ ብ1981፣ን ህ.ግ.ሓ.ኤ ኸኣ ብ1994) ኣፍሪስወን። ንዓኣተን ዝትክኣ ሓደስቲ ሃገራውያን ውድባት ከይምስረታ ብምእጋድ ከኣ ንኲሉ ሃገራዊ ዜጋ ከይሓፈረ ኣብቲ ንከምስል “ሰፊሕ ዝሰረቱን ናጻን” ኢሉ ወዳዲሱን ጠፍጢፉን ዘቖሞ ንሱ ምሉእ ብምሉእ ዝውንኖን ዝቆጻጸሮን ሰልፊ ጥራይ ማለት ኣብ ትሕቲ’ቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ጥራይ ክጥርነፍ ኣፍቂዱ። ህዝብና ከይነቅሕ ከኣ ንናጻ ዜና ማዕከናት ዓጽዩ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሓበሬታት ካብቲ ንሱ ገቢቱ ዝበሓቶን ዝወነኖን ናይ ዜና ማዕከናት ጥራይ ከም ዝዝርጋሕ ጌሩ ሓቂ ከም ዘይንገር ይገብር ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ህጽጽ ናይ ኲናት ሃዋህው ከም ዝሰፍን ብምግባር  ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ “ሃገራዊ ኣግልግሎት” ብምእዋጅ ንኹሉ ዓቕሚ-ሰብ ዝበጽሐ ዜጋ የዐስክሮ ኣሎ።  ብሳዕቢኑ፡ እዚ ዝሰላሰል ዘሎ ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልሲ ክዕወት ዝኽእል ብሰፊሕን ንጥፉን ተሳትፎ ህዝቢ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡  ተቓወምቲ ውድባት ንህዝብና ከሲበን ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ክስለፍ ከም ብሓድሽ ከንቅሐኦን ክውድበኦን ከዕጥቐኦን ኣሎወን።

ብዙሓት ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ ተወዲቦም ዝቃልሱ ዝነበሩ፡ እዛ ውድብ’ዚኣ ከም ቀደማ ትቕጽል ዘላ መሲልዎም ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተደናሮም ዝድግፉ ኣሎው። ገላ ክፋል ካብዚኣቶም፡ እቶም በቲ  “ንሱ-ንሕና፣ንሕና- ንሱ” ዝብል ስያመ ወይ ቅጽል ዝፍለጡ ኢዮም። ብህላወ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝመጸ፡ ብሓፈሻ ንዂሉ ሃገራዊ ዜጋ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣባላትን ውዱባትን ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ፡ ሓደ ብንጹር  ዋሕ ኢሉ ክበርሃሎም ዘሎዎ ዘየማትእ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ፡  እቲ ብህ.ግ.ሓ.ኤ ዝብል ስም ዝጽዋዕን ዝፍለጥን ዝነበረ ውድብ ብ1994 ኣብ መበል ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኡ ብወግዒ ከም ዝፈረሰ ኢዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ ከም መተካእታ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኰይኑ ይቕረብ ድኣ’ምበር፡ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ኣይተከኦን። እቲ ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝቖመ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፡ ምስቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተቓለሰትሉ ዕላማ — ምቛም ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ — ዘራኽብ የብሉን። ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ሃገራዊ ቅዋሙን ፕሮግራሙን ብንጹር እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝቐውም መንግስቲ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምዃኑ ኣስፊርዎ ኔሩ። ብመሰረት መትከላት ሃገራዊ ቅዋሙን ፕሮግራሙን፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝቐውም መንስቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝርከብ ሓይሊ፡ እቲ ብህዝቢ ካብ ህዝቢ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ተወዳደሩ ዝተዓወተ ሃገራዊ ሰልፊ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘቖሞ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ነቲ ቅዱስ መትከላት ሃገራዊ ቅዋምን ፕርግራምን ህ.ግ.ሓ.ኤ ብጋህዲ ዝጥሕስ ኢዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡  ነቶም ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ግዝያዊ ስልጣኑ ናብ ብህዝቢ ዝተመርጸን ዝተወከለን ደሞራሲያዊ መንግስቲ ከረክብ፡ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ዝደገፉን ዝጠለቡን ላዕለዎት ኣባላት መራሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ብተንበርካኽነት ከሲሱ’ዩ ኣጽኒትዎም። እቲ  ንዖኦም ብምጽናት መንግስታዊ ስልጣን ዝበሐተ ብውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ጕጅለ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ኲሉቲ ንምጽናቶም ዝወሰዶ ብገበን ዘሕትት ኣዕናዊ ስጉምቲ፡ ዋላ በቲ ቅዋም ግዜያዊ መንግስቲ ኤርትራ ፈጺሙ ሕጋዊ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ  ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብባህርዩ ኰነ ተግባራቱ ከምኡ’ውን ብመትከላቱ ኰነ ሕጋውነቱ ዘመሳሰል ይዂን ዘመዓራሪ የብሉን። ብርግጽ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ንዝሓለፈ ዘሐብን ጅግነታዊ ቅያ ዝመልኦ ታሪኽ  ህ.ግ.ሓ.ኤ ክምዕርገሉን ክጥቅወሉን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ከም ናይ በይኑ ታሪኽ ጌሩ ክውንኖን ክብሕቶን’ዩ ዝደሊ። ድሕሪ ናጽነት ብዓመጽ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ዝሰርሖ ዘሕፍር እምበር ዘሐብን ታሪኽ ስለ ዘይብሉ፡ ንዝፍጽሞ ዘሎ ገበናትን ዘውርዶ ዘሎ ዕንወትን ክጕልብብ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ጸጸኒሑ ንሕሉፍ ታሪኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ’ዩ ዝውከስ። እንተዀነ፡ እቲ ዘዋጽእ ነበረኒ ዘይኰነ እነሆኒ ኢዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ እነሆኒ ዝብሎ ታሪኽ እንተሎዎ፡ ብምልኡ ንምዝንታዉ ዘሕንኽ ታሪኽ ፍሽለትን ስዕረትን፣ ታሪኽ ውርደትን ሕስረትን፣ ከምኡ’ውን ታሪኽ ግፍዕን ጭቆናን ጥራይ ኢዩ።

 

ፍሽለት ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ

ማርክስነት ንምንታይ ፈሺሉ? ዝብል ሕቶ ብምቕዳም ንፍሽለቱ ምስ እንምርመሮ፡ እቲ ብቐዳምነት እንረኽቦ መልሲ፥ “ብሓደ ሰልፊ (ማሕበርነታዊ ሰልፊ) ዝተባሕተ መንግስታዊ ምምሕዳርን፡ ንብሕታዊ ንብረት ብምህጋር ብመንግስቲ ዝተገበተ ቊጠባን፡ ንመባእታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ንኹሉ ዓይነት ውልቃውን ሓባራውን ናጽነታትን ዝግህስ ዝተዓፈነ ማሕበራዊ ስርዓትን ብምቛም፡ ከምቲ ለበዋታቱ ማሕበርነት ብምህናጽ ክንዲ ንሕብረተሰባዊ ዕብየትን ግስጋሰን ብልጽግናን ዘደንፍዕ፡ ንዝጸንሐ ምዕባለ ከይተረፈ ንድሕሪት ዝጐስስ ዓንቃጺ ኰይኑ ብግብራዊ ተመኲሮ ብምርካቡ’ዩ” ዝብል ኢዩ። እዚ መልሲ’ዚ ሓቅነቱ ኣብ ኲለን ንማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብምኽታል ማሕበርነት ኣቚመን ዝነበራ  ምስ ግዜ ሓድብሓደ ኣናፈሸላ ዝኸዳ ማሕበርነታውያን ሃገራት ብዘየማትእ ዝተረጋገጸ ኢዩ። እተን ኣብዘን ማሕበርነታውያን ሃገራት ብስም ሓፋሽ — ውጹዓት ደርብታትን ህዝብታትን — መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዛ ማሕበርነታውያን ሰልፍታት፡ በትረ-መንግስቲ ኣብ ኢደን ምስ ጨበጣ ናብ ቀወምቲ ገዛእቲ ደርብታት ተለዊጠን ንባዕለን ዓጋቲ ዘይብለን ዝበኣሳ ዓመጽትን ጨቆንትን መዝመዝትን ደርብታት ኢዩን ኰይነን። ብተወሳኺ፡ ማርክስነት ንሃይማኖት ብዕሙት ከም መሳርሒ ደርባዊ ምዝመዛ  ጥራይ ብምርኣይ፡ ንዕምቆት ሰብኣዊ ኣበርክቶኡን ማሕበራዊ ኣገልግልቱን ብግቡእ ከይመዘነ ስለ ዘኰሻመሾ፡ ብኣባላት ኲለን ደርብታት ተነጺጉ ተቐባልነቱን ተሰማዕነቱን ነዊሕ ከይጸንሐ’ዩ ኣጥፈኡ። ንኣብነት፡ ሃይማኖት ክርስትና ኰነ እስልምና ካብ ዝተውልድሉ እዋን ክሳብ ሕጂ፡  ህላወኦም ንዘመናት ከየጥፍኡ ተቐባልነቶምን ተሰማዕነቶምን ብምዝያድ ይቕጽሉ ኣሎዉ። ማርክነት ግን ንሓደ ዘመን እውን ከይሓከመ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ሕማም ደውየ ተፈንፊኑ ብዝሒ ሰዓብቱ ካብ ግዚ ናብ ግዜ እናቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ።

ማርክነት፡ ንክልሰ-ሓሳቡ ከም ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት የቕርቦ ድኣ’ምበር፡ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ኣይኰነን። ክልሰ-ሓሳቡ ንዂሉ ማሕበራዊ ሕማማት ብሓደ-ኣፍ ዝፍውስ ፍቱን ፈውሲ ከም ዝዀነ እኳ እንተተጣበቐሉ፡ ብግብሪ ንዝጸንሐ ማሕበራዊ ሕማማት ከብእስ እምበር ከሕዊ ኣይተራእየን። ጠንቂ ናይ ኲሉ ኣብ ሕበረተሰብ ዝርከብ ማሕበራዊ ሽግራት ብሕታዊ ዋንነት ንብረት’ዩ ካብ ዝብል ልባወ (rationale) ተበገሱ፡ ምስ ምውጋድ ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ኲሉ ማሕበራዊ ሽግራት ክውገድ’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ኔርዎ። እንተዀነ፡ ኩሉ ማሕበራዊ ሽግራት ጠንቁ ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ጥራይ ስለ ዘይኰነ፡ ኣብ ተመኲሮ ማሕበርነታውያን ሃገራት ከም ዝተረጋገጸ፡ ምስ ምውጋድ ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ኣይተወገደን። ንኣብነት፡ እቶም ዓበይቲ ከም ድኽነትን ድሕረትን ሕማማትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሽግራት ጠንቆም ደርባዊ ምዝመዛ ጥራይ ስለ ዘይኰነ፡ ብምውጋድ ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ብኡንብኡ  ብቐሊሉ ዝጠፍኡ ማሕበራዊ ሽግራት ኣይኰኑን። ንምጥፋኦም ልዑል ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን ስነ-ኪነታዊ (technological) ምህዞን ዝሓትት ዘይሕለል ቀጻሊ ሕበረተሰባዊ ጻዕሪ የድሊ። ማርክስ ጠንቂ ናይ ኲሉ ማሕበራዊ ሽግራት፡ ካብ ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ዝመንጨወ ደርባዊ ምዝመዛ’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሐ፡ ነቲ ኣብ ምጅማር ርእሰማልነት ኣብ ልዕሊ ደርቢ ሸቃሎ ብርእሰማላውያን (ደርቢ ቡርጅዋ) ክወርድ ዝተዓዘቦ  ዘይሰብኣዊ ዓመጽን በደላትን ስለ ዘስካሕከሖን፡ ምስቲ ካብ መምህሩ ፈላስፋ ፍረደረክ ሄጀል ዝተማህሮ ስነ-መጎታዊ (dialectical)  ኣገባብ  ኣተሓሳስባ ብምዝማድ ስለ ዝተንተኖን ኢዩ።

ፈልሳፋ ሄጀል ኣብ ፍልስፍናኡ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ  ሓደ ሕበረተሰብ ዝርከብ ደርጃን ዓይነትን ማሕበራዊ ናብራ ካብቲ ደረጃን ዓይነትን ማሕበራዊ ንቕሓት ዝመንጨው ስለ ዝዀነ፡  ምዕባለኡን ግስጋሰኡን ብእኡ’ዩ ዝውሰን ዝብል እምንቶ’ኳ እንተነበሮ፡ ማርክስ ነዚ እምንቶ’ዚ  ገልቢጡ  ካብ ክልቲኦም ተመራዀስቲ ተምሳላት እቲ ዝውስን ማሕበራዊ ንቕሓት ዘይኰነ፡ ማሕበራዊ ናበራ’ዩ ብምባል’ዩ ንነገራዊ ፍልስፍንኡ ሃኒጽዎ። ንኣብነት፡ ብኣረኣእያ ማርክስ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላዕለ፡ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ብሃገራዊ ስምዒት (ማሕበራዊ ንቕሓት) ተደፋፊኦም ስለ ዘበገስዎ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ንሱ ኣይኰነን። ቀንዲ ጠንቁ እቲ ሃገራዊያን ዜጋታት ሃገራዊ ስምዒት ንኸሕድሩ ዝደፋፈኦም ባዕዳዊ መግዛእቲ (ማሕበራዊ ናብራ) ኢዩ። ማርክስ ንታሪኽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ብነገራዊ ዓይኒን ብስነ-መጎታዊ ኣገባብን ብምትንታን፡ ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ግኑን “ክሳብ ለይተ-ሎሚ ዝነበረ ታሪኽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ፡ ታሪኽ ደርባዊ ቃልሲ’ዩ ኔሩ” ዝብል መደምደምታ ይብጻሕ ድኣ’ምበር፡ እዚ መደምደምታ’ዚ ነቲ ሃይማኖት ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ዝተጻወቶ ክገልጾን ክርደኦን ዘይከኣለ ኣዎታዊ ተራ ብፍላጥ ኰነ ብዘይፍላጥ ከም ዘየገዳሲ ቅንጩል ፍጻመ (exceptional incident) ብምጒሳይ ዝተበጽሐ ኢዩ። ንኣብነት፡ እስልምና ኣብ ኣዝዩ ድሑር ኣብ ምድረ-በዳ ዝርከብ ናይ ዓረብ ሕበረተሰብ (ናይ ሎሚ ስዑዲያ) ብሓደ መሃይም ዝነበሩ ዓቢ ነቢ (መሓመድ፡ ሰላምን ክብርን ይዂኖም) ተወሊዱ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ዓበይቲ ንዝነበራ ስልጣነታት — ንኣብነት፡ ናይ ባይዛንታይንን ፋርስን — ብምስናፍን ምዕብላልን ኣብ ሓደ ስልሲት ናይ ሽዑ ዓለም ብምስፍሕፋሕ፡ ክከሓድ ዘይከኣል ሓዲሽ  እስላማዊ ስልጣነ (Islamic civilization) ክሃንጽ ዝኸኣለ፡ ብደርባዊ ረብሓ ተደሪኹ ዘይኰነ “ብዘይካ ሓደ መለኮታዊ ፈጣሪ ካልእ ዝምለኽ ፈጣሪ የለን” ብዝብል ሃማኖታዊ መትከል ተደሪኹ ኢዩ። እዚ ታሪኻዊ ሓቂ’ዚ፡ ነቲ ናይ ማርክስነት ሰረተ-እምነት ማለት ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ዝመጽእ ንኩነታት ማሕበራዊ ናብራ ብምልዋጥ ጥራይ’ዩ ዝብል ንተራን ኣገዳስነትን ማሕበራዊ ንቕሓት  ዘቆናጽብ ኣረኣእያ ዘፍርስ ኢዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ዝተጠቕሰ ረቓሒታት፡ ካልእ ንማርክስነት ዘፍሸሎ ረቛሒ ንተራ ውልቃዊ ድርኺትን (individual incentive) ሰብኣዊ ዓቕምን (human potential) ስለ ዘስተናዓቖን፡ ነቶም ንስነ-ሓሳቡ ዘይተቐበልዎ ተቓወምቱ ክንዲ ብምጽዋር በብወገኖም ከበርቱ ዝገድፎም ብምድሕርሓር እናኸሰሰ ስለ ዘጽነቶምን ኢዩ። ወድሰብ ብተፈጥሮኡ ተጊሁ ዝዓዪን ዝምህዝን ጻማ ጻዕሩ ምስ ዝረክብ እምበር ጻማ ጻዕሩ ምስ ዝሕረም ኣይኰነን። ኣብ ቊጠባዊ ንጥፈታት፡ እቲ ከም ጻማ ጻዕሪ ዝውሰድ መኽሰብ ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ኣብ ቊጠባዊ ንጥፈት ዝተዋፈረ ዜጋ፡ መኽሰብ ዘይረኽበሉ እንተዀይኑ ተጊሁ ንኽዓዪን ተበላሒቱ ንኽምህዝን ዝድርኾ ውልቃዊ ድርኺት ብምስኣን ከምቲ ዝግበኦ ኣይነጥፍን ኢዩ። ብሳዕቤኑ፡ ኣብተን ብሕታዊ ንብረት ተወጊዱ ብመንግስቲ ዋንነት ዝተተካኣለን ማሕበርነታውያን ሃገራት ዝርከብ ቊጠባ ተዋፊሩ ዝሰርሕ ዜጋ፡ ተጊሁ ንኽዓዪን ተበላሒቱ  ንኽምህዝን ዝድርኾ ውልቃዊ ድርኺቲ — መኽሰብ — ስለ ዘይብሉ፡ ተጊሁ ክዓዪ ኰነ ተበላሒሩ ክምህዝ ኣይርከብን ኢዩ። በዚ ምኽነያት’ዚ፡ ቊጠባ ማሕበርነታውያን ሃገራት ምስ ቊጠባ ርእሰማላውያን ሃገራት ብምንጽጻር ክርአ እንከሎ፡ ብዘይ ውልቃዊ ድርኺት ብመንግስታዊ ውጥንን ግዴታዊ ትእዛዝን ስለ ዝንቀሳቐስ፡ ከምተን ናይ ርእሰማላውይን ሃገራት እናሰሰነን እናደንፈዐን እናተመሓየሸን ዝኸይድ ዳይናማዊ (dynamic) ቊጠባ ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ ማሕበርነታዊ ቊጠባ ብዝያዳ ኣብ ንዋታዊ ርእሰማል (material capital) ስለ ዘድህብ፡ ንተራን ኣገዳስነትን ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣብ ምምጻእ ማሕበራዊ ለወጢ ብግቡእ ኣይግንዘቦን ኢዩ። ሰብሃዊ ዓቕሚ ንሰብኣዊ ጉልበት ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ንሰብኣዊ  ፍልጠትን ብልሃትን፡ ምህዞን ንቕሓትን፡ ክእለትን ውሕልነትን፡ ጥበብን ጽፈትን፡ ሓቦን ኒሕን፡ ከምኡ’ውን  ጽንዓትን ትግሃትን  ዝምልከት ሰፊሕ ዓውዲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ገሊኡ ግዜን ኩነታትን ኣብ ምምጻእ ማሕበራዊ ለውጢ ወሳኒ ተራ ክጻወት ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ-ደልሃመት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ሓሳረ-መከራ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕብረተሰባዊ ድሕረትን ማሕበራዊ ድኽነትን ዘይኰነ፡ ብኣውራኡ እቲ ብህዝቢ ከይተመርጸ ብዓመጽ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኽተሎ ዘሎ ፋሽል ኣገባብ ኣመሓዳድራን ዘባርዖ ኣዕናዊ ኲናትን ኢዩ። ካብዚ ሓሊፍና፡ ነቲ ማርክስነት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንስነ-ሓሳቡ ዝቃወሙ ተቓወቲ ዘሎዎ ተጻወርነት ምስ እንምልከት፡ ንስነ-ሓሳቡ ከም ዝወጾ ዘይብሉ ስነ-ፍልጠታዊ ስነ-ሓሳብ ጌሩ ስለ ዝሪኦ፡ ንዝዀነ ንዕኡ ዝነቅፍ ወገን ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ፈጹሙ ኣይጻወሮን ኢዩ።  ማርክስነት፡ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ብደሞክራሲያዊ ልዝብ’ዩ ዝፍታሕ ብዝብል መትከል ስለ ዘይምራሕ፡ ማርክሳዊያን ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ብዘተን ክትዕን ንምእላይ መድብ ኰነ ድልየት የብሎምን። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ዝዀነ ንስነ-ሓሳቦም ክነቅፍ ወይ ክቃወም ዝሃቀነ፡ ብዘይንሕስያ ብሓይሊ’ዮም ዘጽንትዎ።  ብጀካ ናይ ሓይሊ ቋንቋ ካልእ ዝርድእዎ ቋንቋ የብሎምን።

መደምደምታ

ኣብ መደምደምታ፡ ማርክስነት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተፈቲኑ ዓቢ ሕብረተሰባዊ ዕንወት ብምስዓብ ይፍሸል ድኣ’ምበር፡  ከምኡ’ውን ሰፊሕ ተቐባልነት ብምርካብ ኣብ ርእሲ ምስፍሕፍሑ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣይጽናሕ ድኣ’ምበር፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ እቶም ውጹዓት ድርብታትን ግዙኣት ህዝብታትን ኣብ እዋኑ (ካብ 1910-1990) ልዑል ተሰማዕነት ከጥሪ በቒዑ ኢዩ።  ካብቶም ሰፊሕ ተቐባልነትን ልዑል ተሰማዕነትን ንኸጥሪ ዝሓገዝዎ ኣዎንታዊ ረቓሒታት ስነ-ሓሳቡ እቶም ቀንዲ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ረቛሒታት ኢዮም፦

  1. ብቐጥታ ንውጹዓት ደርብታትን ግዙኣት ህዝብታትን ዝምልከት ኣሕናኒ መልእኽቲ ምህላዉ፣ እዚ መልእኽቲ’ዚ፡ ነቲ ጠንቂ ድኽነትን ድሕረትን መከራን ሕማምን ሕስረትን ውጹዓት ደርብታት እቲ ካብ  ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ዝመንጨወ ደርባዊ ምዝመዛ ስለ ዝዀነ፡ ጎነጻዊ ማሕበራዊ ሰውራ ብምከያድ ሓንሳእ ንሓዋሩ ክውገድ ይከኣል’ዩ ዝብል ኣረኣእያን ማርክስነት ዝምልከት ኢዩ፤
  2.  ብተስፋ ዘተሃራርፍ ንማዕርነትን ናጽነትን ራህዋን ብልጽግናን ዝምልከት መሳጢ መልእኽቲ ምህላዉ፣ እዚ መልእኽቲ’ዚ፡ ነቲ ማርስፍነት ደርባዊ ምዝመዛን መግዛእታዊ ጭቆናን ብምውጋድ፡ ድኽነትን ድሕረትን  ወጽዓን ዓመጽን ዘይብሉ፡ ገነታዊ ማሕበርነታዊ ሕበረተሰብ ንምህናጽ ዝቃለስ ሰውራዊ ስነ-ሓሳብ’ዩ ዝብል ዘይግብራዊ ኣረኣእያኡ ዝምልከት ኢዩ፤
  3. ኲሉ ኣብ ሕበርተሰብ ዝርከብ ማሕበራዊ ሽግራት ብሰንኪ ህላወ ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ዝተፈጥረ ስለ ዝዀነ፡ ንብሕታዊ ዋንነት ንብረት ወጊድካ ብሓባራዊ (መንግስታዊ) ዋንነት ንብረት ብምትካእ ዝፍታሕ’ዩ ዝብል ቀሊል ፍታሕ ምህላዉ፣ እዚ መልእኽቲ’ዚ፡ ነቲ ጠንቂ ናይቲ ኲሉ ኣብ ሕብረተሰብ ዝርከብ ማሕበራዊ ሽግራት ካብ ደርባዊ ምዝመዛ ዝመንጨወ ስለ ዝዀነ፡ ነባሪ ፍታሕ ዝርከቦ ብምጥፋእ ደርብታት’ዩ ብምባል፡ ብሕታዊ ዋንነት ንብረት ከይጠፍአ ማሕበራዊ ሽግራት ክጠፍእ ኣይክእልን’ዩ ዝብል ኣረኣእያኡ ዝምልከት ኢዩ፤ ከምኡ’ውን
  4. ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝሕግዝ ቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ ዘስተምህር “ስነ-ፍልታዊ ክልሰ-ሓሳብ” ዝሓዘ መልእኽቲ ምህላዉ፣ እዚ መልእኽቲ’ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መዝመዝትን ተመዝመዝትን ደርብታት ዘሎ ዘይዕረቕ ተጻራሪ ግርጭት ስለ ዝዀነ፡ ብጎነጽ (ብብረታዊ ሓይሊ) ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ዝብል ኣረኣእያ ዝምልከት ኢዩ።

ማርክስነት በዘን ዝተዘርዘራ ኣርባዕተ ረቛሒታት፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት (ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ 1945-1989) ኣብ ዓለም ሃበባ ረኺቡ የስፍሕፍሕ ድኣ’ ምበር፡ ብተግባሮም ካብ መሳፍንትን ብርጅዋታትን ዘይፍለዩ ዓመጽትን ጨቆንትን ከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመሰሉ ሓደሽቲ  ገዛእቲ ደርብታት ስለ ዝፈጠረ፡ ዓቢ ናይ ሰብን ንዋትን ሕብረተሰባዊ ዕንወት ብምውራድ ፈሺሉን ተነጺጊን ኢዩ። ኣብ ናይ ሃገርና ጭቡጥ ኩነታት፡ ማርክስነት ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ብምቕልቃሉ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣብ እዋን ፈደረሽን ዝተኣታተወ ደሞክራሲ ኣብ ርእሲ ምምህማኑን ምብካሉን፡ ንከም በዓል ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ገስገስቲ መሰ`ል ተበልጽቲ መራሕቲ ግንባራት፡ ብህዝቢ ከይተመርጹን ከይተወከሉን ንዘይሕጋውያን ምስጢራውያን ማሕበርነታዊ ስልፍታት ከም መሳርሒ ተጠቒሞም ብዓመጽ ፖለቲካዊ ስልጣን ግንባርን መንግስትን ክዓትሩ ኣኺልዎም ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ንደሞክራሲያዊ ጠላባት ዘቕረቡ ተቓወምቶም ብጉልባብ ድሑርን ጥሩፍን  ውልቃዊ ዝንባለታት (ምሁራት ዝበጽሕዎም)  ከጽንትዎም መፍረድን መመኽነይታን ኰይንዎም ኢዩ። በዚ ምኽነያት’ዚ፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ድሕሪ ናጽነት ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም ጥጡሕ ባይታ ዝጸረገን ዝመድመደን ኣበራት ማለት ኣሉታዊ ሓድግታት ሓርነታዊ ቃልሲ’ዩ እንተ ተባህለ ሓቂ እምበር ምግናን ኣይኰነን። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዝገደፎ ኣሉታዊ ሓድግታት ብባርዩ ጸረ-ደሞራሲያዊ ስለ ዝዀነ፡ መሚና ክነቕሶን ክንኣልዮን ኣሎና። ምኽንያቱ፡ እቲ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምምስራት እነሰላሰሎ ዘሎና ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ብዝዋሓደ ክሳራን ብዝቐልጠፈ ግዜን ሸቶኡ ክወቅዕ ዝኽእል፡ ንኹሉ ጸረ-ደሞክራሲያዊ ኣረኣእያታት ማርክሳዊ ስነ-ሓስብ ምንጩን ዓይነቱን ብዘየገድስ ከይተሓለልና ብብልሃትን ትዕግስትን ብምቅላስ ምስ እንውግዶ ጥራይ ኢዩ።

ንምዃኑ እቶም ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝገደፎም ኣሉታዊ ሓድግታት ወይ ኣበራት ሓርነታዊ  ቃልስና ኢልና ዝሰመናዮም ከመይ ዝኣመሰሉ ኢዮም? ቀንዲ ነጥብታቶምከ ልቢ ዘዕቢ ትምህርቲ ንምቕሳም ብኸመይ ክጽሞቕ ይከኣል? ቀንዲ ነጥብታቶም በዞም ዝስዕቡ ኣገድስቲ መደምደምታት  ተጸሚቑ ክጥርነፍ ይከኣል ኢዩ ። ንሳቶም ድማ፥ ብቕደም-ተኸተል ከምዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

  • ብጉልባብ  ደርባዊ ቃልሲ ንስነ-ሓስባዊ ፍልልያት ዘይምጽዋር፡  ንገበናትካ ንምሽፋን ከኣ ንደርባዊ ቃልሲ  ከም ሕጋዊ ልባስ ምቕራብ፣
  • ንክልሰ-ሓሳባዊ እምንቶታት ማርክስነት ምርኲስ ብምግባር ንደሞክራሲያውያን ተቓውምቲ ንምቕንጻል ከም መምኽነይታትን መፍረድን ምጥቃም፣
  • ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብህዝቢ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብዕሊ ከይተመረጽካን ከይተወከልካን ብኢደ-ወነንካ ንነብስኻ መድሕን ውጹዓት ደርብታት ብምጥማቕ ፖለቲካዊ ስልጣን ብዓመጽ ምጕባጥ፣
  • ንቊጠባ ሃገር “ሃብትን እትዋትን ሃገር ብድልድል ንዂሉ ሃገራዊ ዜጋ  ከነመቓርሖ ኢና” ብዝብል ምስምስ ምግባት፣
  • “መሬት ናይ መንግስቲ ርስቲ’ዩ” ብዝብል  ኣዋጅ፡ ብዓድታት ንዝውነን ዝነበረ ንብረት ህዝብን ብውልቀሰባትን ዝውነን ዝንበረ መሬት ወርቅን (ኣባይቲ ንምህናጽብገንዘብ ዝተዝአ) ብምምንዛዕ፡ ንተሓባበርትኻን ኣገልገልትኻን ብምዕዳል ሓድነት ህዝቢ ዘፍርስ ጽልእን ቂምን ምፍጣር፣
  • ንፍርዳውን ሓጋግን ፈጻምን ጨንፈራት መንግስቲ ኣልሚስካ ኣብ ትሕቲ ኢድ ሓደ ውልቀ-መላኺ (“ፕረሲደንት” ኢሳይስ ኣፍውርቂ) ብምጥቕላል፡ ብዘይትሓታትነትን ቀይድን ገድብ ዘይብሉን መንግስታዊ ስልጣን ምሓዝ፣
  • ንመንግስታዊ ናይ ዜና ኣገልግሎት ትካላት ብምብሓትን ምውናንን ንናይ ብሕቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ትካላት ከይወዳደርኻን ከይበልጻኻን ምእጋድ፣
  • ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ብምቛም፡ ንተቓወምቲ ደሞርክራሲያውን ባእታታት ከይጥርነፉ፡ ምዕንቃጽን በብሓደ ኣድቢኻ ጸኒሕካ ብምልቃም፡ ውለቀ-ምልካዊ መንግስቲ ንምትካል  ጥጡሕ መንገዲ ምጽራግ፣
  • ንሓፋሽ ህዝቢ ብዘይትግበር መብጽዓታት ራሕዋን ብልጽግናን፡ ሰላምን ቅሳነትን፡ ማዕርነትን ናጽነትን ከምኡ’ውን ብመሳጢ ባዶ ማርክሳዊ ኣስተምህሮታት ኣተሃራሪፍካ ምትላል፣
  • ዝወዳደራኻ ተቐናቐንቲ ናጻ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ከየዋጻጽኣኻን ከይስዕራኻን ብምስጋእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከይቆማን ብዕሊ ከይንቀሳቓሳን ምኽልካል፣
  •  እትዋት ሃገርን ማዕድናዊ ሃብታን እንታይ ምዃኑን ኣብ ምንታይ ከም ዝወዓለን ብጭብጥታት ዝተሰነየ ጸብጻብ ከየቕረባካ፡ ንብረት ንህዝቢ ምስራቕን ሃብቲ ሃገር ኣብ ውልቃዊ ጥቕምኻ ብምውዓል ምጕሕጓሕ፣
  • ንቊጠባ ሃገርን ማዕድናዊ ሃብታን ዓመታዊ እትዋታን ብምብዛርን ምብኻንን ከይትሕተተሉ ብዘይ ሃገራዊ ባጀትን ናይ ሓሚሽተ ዓመት ቍጠባዊ ውጥንን ምውድልዳል፣ ከምኡ’ውን
  • ንጽህናኦም ተረጋጊጹ ብሕጊ ሓራ ወጺኦም ፍትሒ ከይረኽቡ፡ ንዝተቓወሙኻ ሃገራውያን ባእታታትን ደሞራሲያውያን ምሁራትን  ፖለቲካውያን መራሕትን ኣብ ፍርዲ ከይቕረብካ ምሕቃቕ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Dawit Meconen July 30, 2013

    Eritreans:

    The principles of EPLF for the post Independence era was Democratic and the ratified Constitituion bears the testimony. Those who are attributing the current pricarious situation in our country to Marxist economic philosophy can be categorized in the following groups:

    1. misguided naive individuals, projecting their own subjective ideas
    2. con artists who are subtly attempting to divert the attention of genuine Eritreans from focusing on the real problem.

    who would be in group 2?

    a. Isaias Afewerqi cadres

    b. woyane underground agents

    Why woyane underground agents? Because,as I have said many times before, Isaias and woyane are two faces of a coin; their apparent contradiction is for the consumption of the bums.

    Did Isaias Afewerqi used Marxist jargons during the Liberation Era?

    Yes, but only as a pretext to decimate Eritrean Intellectuals as Petty Bourgeois Opportunists, taking adavantage of the illiterate peasantry, both Muslims and Christians. The reason he decimated the elites is to blind-fold Eritreans into the abyss he is plunging them.

    Let me ask the author of the article: Why would you think that Isaias Afewerqi had to invade Ethiopia, 1998, to rekindle his Marxism, discarding the Constitution, written and ratified by Eritrean people, and far and beyond, after the Marxist world turned its belly up?

    It does not make sense; the writer must be in a business of protecting the criminal Isaias afewerqi from becoming the focus of attention of the Eritrean people. Of course, in vain.

POST A COMMENT