Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሱ’ዩ እቲ ሽግር!

ንሱ’ዩ እቲ ሽግር *ነሳኢ ቅሳነት          *መንዛዒ፡ መንጣሊ ንሱ’ዩ እቲ ሲኦል ባዕሉ’ዩ ደልሃመት ንሱ’ዩ *ጒራቌን ዘንብረና ኣብ ድሕረት    *ፈንጠጋር፡ ጊንጢ፡ ስግንጢር፡ ህልኸኛ ሃገርና ብምልኩ ስኢንናላ መቐረት! ንሱ’ዩ እቲ ርጉም ዘይብሉ መራቒ ንሱ’ዩ እቲ ሕሰም ንሱውን’ዩ ጭንቂ ንሱ’ዩ *ሸንባቢ ሰኽራም ናይ ኣረቂ   *ሓጫጪ፡ በሽካዕላል ዚዛረብ ንሕስያ ዘይብሉ

ንሱ’ዩ እቲ ሽግር *ነሳኢ ቅሳነት          *መንዛዒ፡ መንጣሊ

ንሱ’ዩ እቲ ሲኦል ባዕሉ’ዩ ደልሃመት
ንሱ’ዩ *ጒራቌን ዘንብረና ኣብ ድሕረት    *ፈንጠጋር፡ ጊንጢ፡ ስግንጢር፡ ህልኸኛ
ሃገርና ብምልኩ ስኢንናላ መቐረት!
ንሱ’ዩ እቲ ርጉም ዘይብሉ መራቒ
ንሱ’ዩ እቲ ሕሰም ንሱውን’ዩ ጭንቂ
ንሱ’ዩ *ሸንባቢ ሰኽራም ናይ ኣረቂ   *ሓጫጪ፡ በሽካዕላል ዚዛረብ
ንሕስያ ዘይብሉ መላኺ ጨፍላቒ!
ንሱ’ዩ ነጋዳይ ባዕሉውን ሓረስታይ
ንሱ’ዩ እቲ በሃር ባዕሉውን *ሓነይታይ   *ኣንበሳ ወይ ሓርማዝ ዝቐተለ ሰብ
ንሱ’ዩ እቲ ስቪል ንሱውን *ዓቀይታይ   *እተዓለመን ክእለት ዘጥረየን ተዋጋኣይ
ንሱ’ዩ እቲ ዳኛ ባዕሉውን መጓታይ
ድሌቱ ዚፍጽም ዘይብሉ ሓታታይ!
ንሱ’ዩ እቲ መስፍን ባዕሉውን’ዩ ልዑል
ንሱ’ዩ መላኺ ስገዱለይ ዚብል
ንሱ’ዩ ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ዚኾልል
ንሱ’ዩ ጨው እግሩ ንርሑስ ዘቖምስል
ስልጣኑ ንምውሓስ ንጹሃን ዚቕንጽል!
ንሱ’ዩ ሓሳዊ ባዕሉ’ዩ ቀባር ሓቂ
ንሱ’ዩ ድያብሎስ ዘይምልከቶ ጽድቂ
ባዕሉ’ዩ እቲ *ሃኪክ ንሱውን መድረቒ    *ክፉእ ዘበን፡ ዘበን ሃጒ
ነቓዝ ወዲ ዓከር ዚቶኽበልና *ጥርቂ!    *ኣዝዩ ውሑድ፡ ቁንጣሮ
ንሱ’ዩ ክሳራ ባዕሉ’ዩውን ውድቀት
ንሱ’ዩ ወራሪ ባዕሉ’ዩ እቲ ስዕረት
ንሱ’ዩ ፈላላዪ ዘራጊ ሓድነት
ንሱ’ዩ ተሓታቲ ናይዚ ኩሉ ዕንወት!
ሕሰምና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01-07-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT